Dehai

ገዛእቲ ደርብታት መሳፍንቲ ተጋሩ ሓንሳብ ጽግዕተኛን ከደምትን ባሮትን ጎይተቶም ባዕዳውያን ሓያላት ሓይልታት ምስ ኮኑ.........

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 23 July 2021

ገዛእቲ ደርብታት መሳፍንቲ ተጋሩ ሓንሳብ ጽግዕተኛን ከደምትን ባሮትን ጐይተቶም ባዕዳውያን ሓያላት ሓይልታት ምስ ኮኑ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ርእሰ-ምትሓትን [Infriority Complex] ፈኸራን ጃህራን ሓሶትን ልመናን ጥልመትን ክሕደትን ኣብ ሽከናኦም ንሓዋሩ ተጸፍይዎም እዩ!
====================
•√ጥልመትን ክሕደትን ገዛእቲ መሳፍንቲ ትግራይ ብቐደም ተኸተል፥

•√ጥልመትን ክሕደትን ሃጸይ ቴድሮስ ብመሳፍንቲ ተጋሩ፣

 ባዕዳውያን ወረርቲ ሰራዊት ሃጸያዊት ዓዲ እንግሊዝ ብሃጸይ ቴዎድሮስ ዝተኣስሩ ልኡዃት ሃገሮም ኣይፈትሖምን'የ ስለ ዝበለ፣ ንዕኦም ብወትሃደራዊ ሓይሊ ናጻ ንምውጻእ ብቐይሕ ባሕሪ ኣትዮም ደሓር ብመስፍን ትመሓደር ዝነበረት ትግራይ ራእሲ ካሳ ምራጭን ደርጎኛ ነጨ-ለባሻቱን ኣብ ክንዲ ንባዕዳውያን ወረርቲ ሓይልታት ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኮይኖም ዝዋግእዎም፣ በናጻሩ መንገዲ እናተመርሑን ብነበርቲ ትግራይ እናተመገቡን ኣብቲ ሃጸይ ቴድሮስ ዓሪዱሉ ዝነበረ እዝዩ ነዊሕ ከረን መከላኸሊ [ድፋዕ] ኣእትዩ ንሓጸይን ሰራዊቱን ከም ዝውቅዑ ገበሮም። በዚ ምኽንያት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊቱን ሓያሎይ ጀጋኑን ውሩያትን ዝነበሩ መራሕቲ ሰራዊት ራእስታት እትዮጵያን እና ተዋግኡን እቲ ኲናት ክዕወቱ ከም ዘይክእሉ ምስ ፈለጡ ድማ ቅድም ሃጸይ ተዎድሮስ ካብ ብባዕዲ ዝማረኽ ኢሉ ብሽጉጡ ህይወቱ ኣሕለፈ፣ ደሓር ድማ ቁጽሮ ዘይነዓቕ ራእስታት መገዱ ተኸቲሎም ርእሶም ኣጥፍኡ። ትግራዋይ ራእሲ ካሳ ምራጭ? ከም ግልያነቱን ዓስቡን ኣብቲ ግዜ'ቲ ሰራዊት እንግሊዝ ሒዝዎ ዝኣተወ ኣስታት 500፡000 ፓውንድ ዝዋግኡ ኣጽዋር ገዲፉሉ ብጉንዖ [ኣምሳያ ዓስቡ] ናብ ሃገሩ ተመልሰ። ብድሕሪኡ ራእሲ ካሳ ምራጭ በቲ ካብ ሰራዊት ዓዲ እንግሊዝ ዝተመጠወሉ ዘመናዊ ኣጽዋር ካብቶም መሳፍንቲ ራእስታት ኢትዮጵያ ጐብለል ኮይኑ መሰስ ኢሉ ስለ ዝወጸ፣ ሃጸይ ዮውሃንስ ብዝብል ሃይማኖታዊ ስምም ተጠሚቑ መንበረ ሃጸይ ተዎድሮስ ወሪሱ፣ ንኢትዮጵያ ኣስታት 10 ዓመታት ዝገዝአ ሕሉፍ ጥሩፍ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክርስትያን እዩ ኔሩ፣....ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና ኢትዮጵያውያን ብሓይሊ ናብ ክርስትና ክልውጦም ዝሰርሐን ኣብ'ቲ ዘመነ-መግዛእቱ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ሓያሎይ ግፍዕታት ከም ዝፈጸመ መጻሕፍቲ ታሪኽ ይጸውዩ......

•√ጥልመትን ክሕደትን ገዛእቲ መሳፍንቲ ተጋሩ  ኣብ ልዕሊ ጅግናን ተባዕ በዓል ሓሞትን ኽቡር ኣባ'ሓጎና ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሙን-ሃዘ [ጎሚዳ] ሓማሴን

ጅግናን በዓል ዝናን ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሙን [ጐሚዳ]+ሃዘጋ ርእሰ-ኣማሓዳሪ ሓማሴን [ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ኤርትራ 'ሓማሴን' እያ ትበሃል ኔራ ብፍላይ ድማ ብኢትዮጵያውያን]፣ 'ብድሎ ከይትዕሎ' ብዝብል ቅዲ ህዝባዊ ኲናት ክስዕሩዎ ስለ ዘይከኣሉ፣ ኣብቲ ግዜ'ቲ መራሕ ደርጎኛ ነጨ-ለባሽ ሃጸይ ዮውሃንስ ዝነበረ ዕሉል ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ  ጊሮም፣ ንኸይጠልሙዎ ብስም ማርያም ጽዮን ሰልስተ ግዜ መጽሓፍ-ቅዱስ ጠቒዖም፣ ንጎሚዳን ገለ ሰዓብቱን ናብ ትግራይ ከም ዝኸዱ ብምግባር፣ ደሓር ግን ቓሎም ዓጺፎም ብጥልመት ከም ዝሕየሩ ዝገበሩ ጠላማት......[ጅግና ራእሲ ወልደሚካኤል ሰሎሙን ኣዝዮም ኣማኒ ተዋህዶ ክርስትያንን ቃሎም ዘይዓጽፉ ሓቀኛ ከም ዝነበሩን ይዝንቶ].....ኣብ ትግራይ ክርም ዝሕየሩ ዝገበሩን ጎሚዳ ድማ ኣብ ትግራይኣብ እግእዞ ህይወቶም ከም ዝሓለፈትን ታሪኽ የዘንቱ......

•√ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ምስ ደርጎኛ ነጭ-ለባሻቱን፣

ኣብ ዝባን ከበሳን [ብፍላይ ኣብ ሓማሴን] ዓሪዱ ጥሪት [ከብቲ] ህዝቢ ብሓይሊ እናዘረፈን ንደርጎኛ ነጨ-ለባሻቱ እናቐለበን ንዓመታት ዝሳቐዮምን ዘይተእደነ ግፍዕታት ዘውረደሎምን፣ ኣብ መታሕታዊ ክፋል ሃገርና ብዘካየዶ ኣረሜናዊ ወራርን ጃምላዊ ቅትለትን ራስያን፣ ንህዝቢ መረብ ምላሽ ኣደዳ ሽግርን ዓጸቦን ጥሜትን ሞትን ስደትን ግኤሩዎም፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ሕብረተሰብ ተዳኺሙ ኣሃዛት [ቁጽሪ ብዝሒ] ናቱ ኣዝዩ ከም ዝዳቐቕን ባይታ ከም ዝዘብጥን ዝገብረ ግፍዐኛ ዕሉል መስፍን እዩ ነይሩ.....

•√ጨካን ትግራዋይ መስፍን ራእሲ ውቤ፣

 ኣረሜናዊ ደግያት ውቤ ዝበሃል ንሕስያ ዘይብሉ ትግራዋይ [Warlord] ምስ ደርጎኛ ነጨ-ለባሻቱ ንኽፋል መረብ-ምላሽ [ናይ ሕጂ ሃገረ-ኤርትራ] ወሪሩ ብምሓዝ፣ ምዝማትን ምግፋዕን ምቕታልን ውሒዱዎ;  ንብዙሓት ቀጸላታት ሕብረተሰብና ዝተቐልወ  ዓይኒ-ዓተር ብውዕዩ ኣብ ኣእዝንቶም ብምኽታት [ብምእታው] ብሰንኩ ህይወቶም ምሉእ ከም ዝሳቐዩን ጸማማት ከም ዝኾኑን ጌሩ እዩ.......

ዋላ ኣብቲ ኣረሜን ድግያት ውቤ ዝሞተሉን ድሕሪኡን፣ እቶም ግዳያቱ ጸማማት ስለ ዝነበሩ ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ምማቱ ስለ ዘይፈለጡን "ብግዜ ደግያት ውበ ዝጸመመስ፣ ውበ ክብል ነበረ" ዝብል ናይ ኽቡራት ኣቦ'ሓጎታትና ብሂል ወይ ድማ ምሳለ ኣሎ። ሕጂ'ውን እንተኾነ ንገለ ዓንጃላትን በሶሮታትን ካብ ጌግኦም ንዘይማሃሩ ገታራት ውልቀ-ሰባት ዝዝውተር ሕማቕ ሓረግ [ቃላት] እዩ።

•√ብ1896 ዓምፈ ኣንጻር ኣረሜናዊ ባዕዳዊ ወራሪ ሓይሊ [Fascist Italia]

ሃጸይ ምነሊኽ II ዝመርሖ ሰራዊት ገባሮ ኢትዮጵያውያን፣ ኣንጻር  ዝተገብረ ኲናት፣ ብናይ ኢትዮጵያውያን ዓወት ምስ ተዛዘመ፣ ነቶም ምሩዃት ኣባላት ሰራዊት ባዕዳውያን ወረርቲ ግቡእ ክንክን ጌሮም ናጻ ክብይኑሎም እንከለው፣  ኣብ ጎኒ ሰራዊት ጣልያን ኮይኖም ዝተዋግኡን እሞ ዝተማረኹን ኣስታት 800 ሚእቲ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ግን ኣብ  ዓለም ተገይሩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጭካነ ጭካነ፣ መሳፍንቲ ትግራይ ሓደ ኢዶምን እግሮምን ብፋስ ቆሪጾም ንኤርትራ ከም ተራ ኣቕሓ ጉሒፎሞም እዮም....[Pure barbaric Fascism & Nazism] .....

•√ጥልመትን ክሕደትን መሳፍንቲ ተጋሩ፣ 

ኣብ ግዜ ብዱቸ ሙሶሊኒ ዝምራሕ ኣረሜናዊ [Fascist] መግዛእታዊ ስርዓት ጻዕዳ ጥልያን [ኰበጃ]፣ ውሩያት ሰብ ዝና ዝነበሩ እምቢ ንመግዛእቲ  ኢሎም ናብ ኢትዮጵያ/ትግራይ ሰጊሮም ንኽቃለሱ ዝወሰኑ ቆራጻት ሰብ-ሓሞት ጀጋኑ በላሕቲ ኽቡራት ኣቦ'ሓጎታትና ኤርትራውያን ጠሊሞም፣ ብኣምሳያ ጉንዖ ንዋይን ሽመትን ናብ ባዕዳዊ ተጻይ [ባዕዳውያን ገዛእቲ] እንደገና ንባዕዳዊ ኣረሜናዊ በላዒ ንሞት ኣሕሊፎም ዘረከቡን ዝሃቡን .....ጠላማትን ከድዓትን መሳፍንቲ ትግራይ ......

•√ገለ ራእስታት ትግራይን ደርጎኛ ነጨ-ለባሾምን፣

ብ 1935-36 ዓምፈ ባዕዳዊትን ኣረሜናዊትን [Fascist] ስርዓት ጣልያን ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን፣ ናብ ወራርን ባዕዳዊ መግዛእታዊ ጣልያን ኢዶም ሂቦም ከዲዖም፣ ምስቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ኮይኖም ብጥቕሚን ናይ ስልጣን ጉንዖን መሪጾም ኣንጻር ኣሕዋቶምን ሃገሮምን ተዋጊኦም ....ንጹርን ጭቡጥን ጥልመትን ክድዓትን ፈጺሞም እዮም......

•√"ራዛ ናይ ኣቦኡ ሓዛ" ወይ ድማ "ዘይሓንኽ ድሙስ፣ ገብረማርያም ስሙ"
 
መስፍናዊት ህውሓት ነበር ነቲ መልሚሉን ምሂሩን ስረ ኣዕጢቑን ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስልጣን ዘብቕዓ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ጠሊማ ክዲዓን፣ ንዕኡን ንህዝቢ ኤርትራን ንምጥፋእ ኣብ 1998-2000 ዓምፈ ደማዊ ኲናት ወራር ኣዊጃ፣ ሳዕቤን ኣስታት 20 ሽሕ ስዉኣት ጀጋኑ ኤርትራውያን ጠንቒ መስዋእቲ ኮይና፣ ብድሕሪኡ ዝቐለ ንኣስታት 20 ዓመታት ድማ ንኤርትራ ብሃይማኖትን ኣውራጃን ወገንን ቀቢላንን ዓዲ'ውን ከይተረፈ፣ ከምቲ ናታ ባህሪን ባህልን ፍጹም ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ንምብትታንን ንምድኻምን ንምንብርካኽን፣ ብሜላን ብእኩይ ዕላማን ምስ ገለ ዕሱባት ደቂ ሃገር ኢና በሃልቲ ዕሱባትን ከድዓትን ከምኡ'ውን ተወልጀን [ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ሕብስታ ተመጊቦም ማያ ሰትዮም ዓብዮም ብጸጋኣ ተማሂሮም ዝዓበዩን ዝማዕበሉን ተጋሩ]፣ ኣእላፋት ቅርሽታት [Hundreds of Million Dollars] ከፊላ ከተሳልጦ ብግብሪ ስሪሓትሉ ርሂጻትሉን እያ......

•√ኣብ'ዚ ዝተጠቕሰ 1998-2000 ዓምፈ ኲናት [ውግእ]፣ እዛ ነውራም ዓሌታዊትን መስፍናዊትን ስርዓት ህውሓት/ማሌሊት ነበር፣ ንኣስታት 90,000 ሽሕ ዝኾኑ መበቆሎምን ማንነቶም ኤርትራውያን ዝኾኑ ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ዓበይትን ማእከሎትን ንኣሽቱን ናይ መስርሕ [መፍረዪ ፋብሪካታትን መሰንዒን ለኣኽትን ኣምጻእትን እቚሑ ዝተፈላለዩ ቀጸለታት ንግድን] ገዛውውቶምን ኣብ ባንክታት ተቐሚጡ ዝነበረ ገንዘቦምን ኮታ ካብታ ዝነኣሰት ስጋብታ ዝዓበየት ንብረቶም ብዘይ ምኽንያት ራስዮም [ዘሚቶም ሰሪቖም]፣ ካድራትን ቕጡቓትን ተጋሩ ግፍዖም ንኸይቃላዕ ከም ደቒ-ሕድርትና ብለይቲ  ብኣረሜናዊ ኣገባብን በቲ ሓደገኛ ግምባራት ኲናትን ብዘይ እኹል ሰንቂ ናብ ኤርትራ ከም ዝባረሩ ጌሮም እዮም....[Pure Fascism,Nazism & ethnic Cleansing].....

•√ኣረሜናዊት ህውሓት ነበር ንምኽልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ 2020 ዓምፈ ተዘንጊዑ ከሎ፣ ብቓጻ ሓደጋ ወዲቓ ዝኸድዓቶን ዝጠለመቶን ዝቐተለቶን ነቶም ዝቐንጸለቶም ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ክዳኖም ቀንጢጣ ብምውሳድ፣ እቲ ንቡር ሓመድ-ኣዳም ከየልበሰት ኣደዳ ኣዛብእ ከም ዝግገበረቶምን በቲ ኣረሜናዊን ኢ-ሰብኣዊ ግፍዒታታ [ቕትለት] ተሓጒሳ ኣብ ልዕሊ ሬሳኦም ጓይላ ብምትካል ከም ዝጨፈረትን፣ ዝሓዘቶ ኽፋሉ'ውን ኣብ ዓለም ፍጹም ዘይግበር ጭካነ ክዳውንቱ ኣውጺኣን ገፊፋ ዕርቃኑ ኣውጺኣ [ጥራዩ] ናብ ኤርትራ ከም ዝኸይድ ዝገበረት......

•√እንደገና ኣብ 2020 ዓምፈ ንኸተማታት ኤርትራ ንድምሳስ ዘመናዊ ኣጽዋር ተወንጨፍቲ ዝተኰሰት ጠላም እኽብካብ ናይ ሰርቂ ሽፍታ መስፍናዊትን ዓሌታዊትን ህውሓት/ማሌሊት ነብር......

•√ኣብዚ እዋን'ዚውን ማለት 2020-2021 ዓምፈ ኤርትራውያን ናብ ደገ ንምሰጋገሪ ኢሎም ናብ ትግራይ ዝኸዱን ኣብ መዳጎኒ ትግራይ ኢትዮጵያ [Concentration Camp] ዝቕመጡ ዘለዉ ቆላዓ-ሰበይቲ ትሕተ-ዕድመን መንእሰያት ዓበይቲን ንጹሃት ኤርትራውያን፣ ኤርትራዊ ማንነቶም ጥራይ ከም ወንጀል ተቖጺሩ፣ ብኣረሜናዊትን ዓሌታዊትን መስፍናዊትን ህውሓት ነበርን ትርፍራፍ ነጨ-ለባሻታን ከምኡ'ውን ሓያሎይ ናይ'ቲ ኸባቢ ነበርቲ በርጌሳት ትግራዎትን ገለ ግልያታት ወያነ ዝኾኑ ጠላማት ኸድዓትን ኤርትራውያን ኮይኖም፣ ብጥይትን ብገጀራን ካራን ብዘጸይፍ ኣረሜናዊ ኣገባብ ይሰሃልዎምን ኣብ ልዕሊ ኣሓትና ደቀንስትዮ ኤርትራውያን ኣሰቃቒ ጸዎታዊ ዓመጽ የካይዱ ኣለዉ......

•√ እዚ ኩሉ ናይ ዘመናት ሰንሰለታውን ተደጋጋምን ወራራትን ዓመጽን ግፍዕታትን ኣረሜናዊ  ጃምላዊ ቕትለትን ራስያን ዕንወትን ንዋይን ንብረት ህዝቢን ፈጺሞም እንከብቅዑ፣ ስጋብ'ዛ ሎሚ እዋን ሓደ ትግራዋይ ብውልቂ ብፍላይ ብሕብረተሰብ ተጋሩ ድማ ብሓፈሻ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይከሓስዎን ጥራይ ዘይኮነስ ተጋጊና ብስሚዒት መርቂናን ተደፊእና ግፍዕን ዕንወትን ምብትታንን ኣውሪድናልኩም ኔርና ኢሎም ነዚ ለዋህን ተቐባል ጋሻን ሓቛፊን ህዝቢ ኤርትራ ጌና ይቕረ ግበሩልና ኣይበሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ "በትሪ ሃቡኒ፣ ዘሕምቖ ኣሎኒ" ከም ዝበሃል፣ ንኣብ ትግራይ መዳጎኒ ቦታ ዘለዉ ንጹሃት በርጌሳት ኤርትራውያን ብጅምላ የጋፍዑን ይቐትሉን ጾታዊ ዓመጽ የካይዱን ኣሎዉ! 

•√ዓለምን ትካላታን'ከ? ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስቓይን ግፍዕን ኤርትራውያን ጥራይ ስለ ዝኾኑ ኣረሜናዊ ቕትለትን ጾታዊ ዓምጽን እናተፈጸመ፣ ከም ዘይረኣያን ዘይሰምዓን ብተፈጥሮ ኮነ ብባህርያዊ ሓደጋ ዘጋጥም ሉኽታ [ስንክልና ዘይምዝራብ] ኣዒንተን ዓሚተን ኣእዛነን ለዂተን ከምኡን'ውን ከም ምራን ነዊሕን ነግራምን መልሓሰን ኣኪበን'ሲ ኣስቁጥ!!!

ጉዳይ ሕስድናን ተንኮልን ቅጥፈትን ስርቅን መርዛም ናይ ጽልእን ቅርሕንትን ቂምን ስርቅን ስስዐን ዓመጽን ቅትለትን ሓሶትን ......ናይ ኣረሜናዊትን ዓሌታዊትን ህውሓት/ማሌሊት ነበር፣ ጸዊኻ ፈጺሙ ኣይውዳእን እዩ!!!

"እዛ ቦሶሮ ነክይሉ እንተበልኩዋ፣ መሊሳ ትጎስመሉ" ዝበሃል ኣብነታዊ ምሳለ ኣቦታትና ድማ ብልክዕ ንዕኣ ይገልጽ።
•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°
•>√ትርጉምን መብርሂን "ደርጎኛ ነጨ-ለባሽ"፣
••••••••••••
"ደርጎኛ ነጨ-ለባሽ ማለት መለለዪ ወትሃደራዊ ኽዳንን ደሞዝን ዘይብሉ ዕጡቕን ጃለን፣ ኣብ ዝኸዶ ቦታን ዝፈጸሞ ወራራትን ካብ ተጻያቱ ኮነ ዘገበሮም [ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ዘእተዎም ሕብረተሰባት] ንብረቶምን ከብቶምን ዘሚቱ ከም ኣምሳያ [ኣብ ክንዲ] ደሞዙ ዝማቐል፣ ክፍለ - ስንቂ ማለት መግብን ካልኦት ንህይወቱ ኣድለይቲ ዝኾኑ ቀረብ [ንጥረ-ነገራት] ዘይነበሮ፣ ኣብ ዝኸዶ ብወራር ኣትዪ ዝተቐመጠን ኸተማታትን ዓድታትን ነቶም ገበርቲ ህዝቢ ዝብላዕ ሕብስቲ [መግቢ] ዝሕረዳ ጤለ-በጊዕ ከብቲ ዝስተ ማይ ብሓይሊ ብመልክዕ ዃደረ ከም ዘምጽእሉን ከም ዝቕልብዎን ምግባርን፤ ሓንሳብ ጥራይ ዘይኮነስ ስጋብ ዘለዉ [ኣብቲ ኸባቢ ዓድታት ዓሪዶም ዝተቐመጥሉ ግዜ] ዝደጋገም ግፍዒታት ዝፍጽም ማለት እዩ። ብሰንኪ [ሳዕቤኑ]  ድማ ከም'ቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ሽግርን ዓጸቦን ጥሜትን ሞትን ምድቓቕን ምብትታንን ስደትን ሕብረተሰባት ብተደጋጋሚ የጋጥም ኔሩ።
•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°•°
እዚ 'ዎደሓንኩም፣ ኽቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ኤርትራውያን

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
===========================
"Western wealthy Powers' Double Standard, Hypocrisy and their financed Spy Agencies dirty Lies!!!
===============================
The UN and the Western wealthy Powers' [Nations] Agencies such as USAID, WFO, WHO, UNHCR, OCHA, UNICEF, AI, NGOs, MSF, Main Stream World particularly Western Medias and Hundreds of similar Orgs. are partially or fully financed by them and directly or indirectly do spy for them.!

Don't forget, the ultra ethno-centric fascist TPLF Remnant Mafia Groups are main slaves and end recipients of such foreign Powers & all above mentioned liar Organizations!

BerhaneMeskel Habtemariam
===============================
 " ኦሮማይ"
ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ሓርበኛ ተኽለሚካኤል ገብሩ [ወዲ ገብሩ] 

https://youtu.be/slY3o6sDu-M

"ሃለቃ ጸጋይ በርሀ...."UN እረዳለሁ ያለው ችግረኞችን? ወይስ ሽብርተኞችን?-የዶ/ር ኣድሓኖም ቅሌት...."

ደረጀ ሃብተወልድ [YouTube Zena] 02.07.2021

https://youtu.be/gSb4AuKWomk

Exactly True!!!

"ብሽም ንሽጉራት ሰብኣዊ ሓገዝ [ረድኤት] ተጠሚቐን ዝነጥፋ ትካላት [ናይ ስለያ ውድባት] ፣ ተሓቢአን ካብ ኣዲስ ኣበባ >ሰመራ>መቐለ ብምስምጢር ክኣትዋ ሓሲበን  ዝነበራ ባእታታት [ጉጅለታትካ] ብኣኽበርቲ ጸጥታ ኣብ  ትሕቲ ቀይዲ ኣትዬን።

ተንታንን ፖለቲካን መዳርን ስዩም ተሾመ [YegNa Meskot Haberieta]

https://youtu.be/SUh9XlT7gyI

ኣስደንጋጭ መረጃ፥ ኣንገቱን ቆርጠው ለኣራዊት የተሰጠው የድምጻዊ ጓደኛ ይፋ ያደረገው ምስጢር| በትግራይ የሚጸመው ኣስደንጋጭ ግፍ......" !

10/ 07/2021

http/youtu.be/BUUiv631RsI
https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4078673278854348&id=100001351497949

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events