Dehai

"ናይ ቀደም ልምዳውያን ለመንንትን 21 ኽፍለ-ዘበን ዘመናውያን ለመንትን ፍልልያቶምን"

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 23 July 2021

"ናይ ቀደም ልምዳውያን ለመንቲን 21 ኽፍለ-ዘበን ዘመናውያን ለመንቲን" ፍልልያቶምን!!!
••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••
እቶም ኩላትና ንፈልጦም "ናይ ቀደም ልምዳውያን ለመንቲ"፣ ናይ ጥንትን ቀደምን ትማልን ሎሚ'ውን ገና ዘለዉን፣ ኣብ ዓለም ህይወት ስጋብ ዘላ ዝነብሩን ዝቕጽሉን ኮይኖም፣ ኣብ ፈቐዶ ዓድታትን ከተማታትን ገዛ ገዛ እናኸዱ ዝልምኑ [ኣብ ሃገርና ከም ባህሊ ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ማዕጾ ገዛ ምርጋጥ [ምዕጻው] ከምዞም ከዋጁ ጸዓዱ ልሙድ ኣይኰንን፣ 'በንጻሩ'ኳ ደኣ ክፉት እዩ]፣ ብዙሓት ካብኣቶም'ውን ብፍላይ ኣብ ዓበይትን ንኣሽቱን ከተማታት ጨርቂ ወይ ድማ ሳንዱቕ መሰል ዘርጊሖም ኣብ ሰብ ዝኸደሉ ጫፍ ጎደናታት [ማርሻ በዱ] ኩድም ኢሎም ልመና ዘካይዱ እዮም። ካብዚኣቶም ሙዚቃን እናተጻወቱን ዘስሕቕን ዘዘናግዕን ምርኢት ዘቕርቡን ኣምሳያኡ ድማ ካብ ሓለፍቲ መገድን ተዓዘብትን ብወለንትኦም ሞሳ ገንዘብ ዝቕበሉ እዮም።

ኣብ'ዚ መበል 21 ክፍለ-ዘበን ጉልባቦም ቀሊዖም ከይሓፈፈሩን ከይደኸሙን ማዕጾ መረብዓትን ህድሞን ኣደራሽን ከይኳሕኳሑን ከይረሃጹን ኣብ ኩርሲ ውሻጠኦም ተኾይጦም  ኩንትራት እተዉልና [Subscribe] ግበሩልና ዝብሉ ዶብ ዘይብሎም ቀይዲ-በተኻት ናይ መበል 21 ኽፍለ-ዘበን ዘመናውያን ለመንቲ ውልቀ-ሰባት ኣዲኦም ትቑጸሮም፣ ማእለያ የብሎምን! 

እቲ ዝኸፍአን ጥርዙ ዝሰሓተን ናይ ገለ መበል 21 ኽፍለ ዘበን ዘመናውያን ለመንቲ ድማ ኣተዓባብያኦምን መበቆሎምን ታሪኽ ሃገሮምን ፍጹም ረሲዖምን ጠሊሞምን ኽሒዶምን፣ ሓድሽ ናይ ሓሶት ባህርይን ዘጥረዩን ማንነት ዝተጠመቑን፣ ጉልበቶምን ስነ-ልቦናኦምን/ስነ-እእምሮኦም ንባዕዳውያን ገዛእቲን ሃብታማት ሓያላት ሃገራትን [ጸዓዱ ኮዋጁ] ብጊልያነት ንግዝያዊ ረብሓን ጥቕሚን ለዊጦም ኣሕሊፎም ዝመጠዉ ፍጹም ብንዋይ ኣዒንቶም ዝዓወሩ፣ ኣብ ፈቐዶ ኣደራሻት መጋብኣያ ዓለም ከም ወልፊ ክሰግዱ ዝነብሩን በቲ ዘመን ኣምጽኦ ዘመናዊ መሳርሒ መሳኹቲ እቲ መርዛም ናይ ሕነ ምፍዳይን ጽልኢን ዘምበድብዱ፡ በቲ ኢ-ሰብኣዊ ኣዕናዊ ቃላቶም ንሕብረተሰባት ሰላም ከሊኦም ነንሓድሕዱ ከናቑቱ ዝፍትኑ ዘይሓንኩ ምትሩሳት ከም ዘለው ኹሉ ኽፈልጦ ይግባእ። እዚኣቶም እሞ ኸኣ ፍሉይ ስም ኣለዎም፣ ንሱ ድማ "ከብዶም ጥራይ ዝዘመዶም ኣብ ዀሸምሸም ዝነብሩ ሕልና-ኣልቦ" እዩ።

ፍልልይ ናይ'ዞም ክልተ ዓይነት ለመንቲ ድማ:

•√"ናይ ቀደም ልምዳውያን ለመንቲ":

 >ናይ ቀደም ልምዳውያን ለመንቲ ዝለብስዎ ኽዳኖም ርስሕ ዝበለ ቅዳድ-መዳድ ዝበዝሖን ጽርየቱ ዘይሓለወን ኮይኑ፣ ዕለታዊ ናብራ ምድፋእ ዝጸገሞም ኣዝዮም  ሽጉራትን [ገለ'ውን ልመና ትምህርቲ ዘየድልዮ ከም ቀሊል ሞያ ዝቘጽርዎ፣ ገለ'ውን ልመና ጥዑም ዝጥዕሞምን ንኽልምኑ ወልፊ ዘለዎምን] ካብ ሕንከት ዝተላዕለ ተጐልቢቦምን ተሸፋፊኖምን ገለ'ውን ጉልባቦም ቀሊዖም፣ ምእንተ ማርያም እግዚኣብሄር ኣቡነ-ኣረጋዊ ኪዳነ-ምሕረት......ወዘተረፈ እናበሉ ኣስማት 'መላእኽቲ' እናጠቐሱ እናዞሩ ዝልምኑን ዝትኰበሎምን ክኾኑ እንከሎዉ፣ ነቲ ዝልግሰሎምን ኰነ እርዳእካ ዝብልዎም ሰባት ድማ ከከም ባህርያቶም ዝምርቑን ዝራግሙን ዝጻረፉን ውልቀ-ሰባት እዮም። አረ ገለ'ውን ምስ ዘይተኹብሎም ሓሪቖም ካብ ጸርፊ ሓሊፎም ነቶም ዘአንግድዎም ብስላዕ ከወጣውጡሎምን ክሳሃሉዎምን/ ክሓምልዎምን ድሕር ኣይብሉን እዮም። ግን ምረትን  ጸቕቲ ናብራን ስለ ዘለዎም እምበር ተጓዳእቲስ ኣይኰኑን፣ 'በንጻሩ ኸማን ከም ሰብሲ ሓሻኻ የደንግጹኻ እዮም!

እቶም ኣብ ዓበይትን ናኣሽቱን ከተማታት ኣብ ሰባት ዝዛወሩሉ ጫፍ ጎደና  ጨርቒ ኣንጺፎም ወይ ድማ ሓውሲ ንኣሽቱ ሳነዱቕ ኣዳልዮም ዝልምኑ ልምዳውያን ለመንቲ ግን፣ ገሊኦም ብዝምታ ገለ'ውን ብዓውታ ስመ-ቅዱሳን መላእኽቲ ኢሎም ዝኣመኑሎምን ካውኡ ንናውኡ ድማ ስም መን ምስ ዝጠቕሱ እዮም ዝያዳ ዝትኰበሎም ኢሎም  ዝልምኑ ኮይኖም ብተዛማዲ ሰላማውያን ስባት እዮም።

•√"ናይ 21ኽፍለ-ዘበን ዘመናውያን ለመንቲ":

>እዞም ናይ 21 ኽፍለ-ዘበን ለመንቲ እንብሎም ግን፣ ናይ ምንባር ሽግር ዘይብሎም ኳዕናናት ሰብ ባኖን [ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ባድላ ድዮም ዝብልዎ ደቀይ?] ማሕንቖን [ክራቫታ] ዕጽውጽው ኣቢሎም ዝዘነጡ፣ ፍጹም ሕንከትን ሕፍረትን ዘይብሎም ሕልኩሳትን ንፉዓትን ሰባት፣ ዝተራቐቐ ዘመናዊ መሳለጥያታት [Modern Technologies] ዝውንኑን ዝተዓጠቑን ናይ "ውሻጠ ጀጋኑ ወትሃደራትን" እዮም።

 ነቲ ዝልምንዎ ቅርሺ በሎ 'ዶላር ' ድማ፣ ዳርጋ ሓይልን ምግዳድን ሜላ ገሊኦም'ውን ዝንጠላ ዝተሓወሶ ምፍርራሕ ብዝመስል ኣገባብ ገለ ድማ ብሽሕጣንን ምምጓስን ብፍሽኽታን ገለ'ውን ኣብ ውራያ ስዋኣ ከም ዝጠዓመላ ሰበይቲ ስጋብ ዝመስሉ ኰሸምሸምን ምይጽይጽን እናበሉ፣ ጐረርኦም ስጋብ ዝልሕትቱ 'ኣካፍሎ' ['Share'] በሎ'ታወዲ  'ውዕል እተዉልና' ብሓይሊ 'ፍተዉና' [Like ግበሩልና] 'ንኽንምዕብል ሓግዙና' ኢሎም እናጨደሩ ዝልምኑ፣ ኣእዛን ሰማዕቲ ብተደጋጋሚ ዘጽምሙን ብኡ መጠን ድማ ማሕፉዳኦም ዘሕብጡ፣ ገሊኦም ናይ ልቦም የቐንይየልና ዝብሉ ገለ'ውን ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ሽሕጣን ዘዘውትሩ እዮም።

 በዝን ወዲ ኸምዝን ድማ ናይ 21 ኽፍለ-ዘመን ዘመናውያን ለመንቲ ዘይሓፍሩን ዘይሓንኩን፣ ካብ ውሻጠ [Salon] አደራሾም ኣብ ዱኳ [ወንበር]  ተኾዲጮም እታ ክንዲ መልሓስ ጤል ትኸውን ነዋሕ  መልሓሶም [አብ መንጐኦም'ውን አዝዮም ልኡማትን ለባማትን መስተውዓልትን ጨለታትን ወራዙትን ከምኡ'ውን ናይ ሃጠውቐጠው ዘረባ ወልፊ ዘለዎም 'ኣይብላዕ ኣይስላዕ ዘረባ' ዘዘውትሩ ብጽምዋ ዝተበልዑን  ጨለመለን ቀጠፍትን ነግራማትን መደናገርትን ሰረቕትን ሓሰውትን ተጻረፍትን ስድታትን ኰታ ከም ኩሉ ዓይነት  ሕዉስዋስ ቀመማት .... ወዘተረፈ አለዉ..,.] ንዕኦም ዝምጥና ዘመናውያን ዝተዃሓሓላ መሳኹቲ መለፍለፊ ኸፊቶም ከም ዓውደ-ምያ ጌሮም፣ ኣዛዚ ዘይብሎም ፋሉላት ቀይዲ-በተኽ [ሓላፍነት ዝስከሙሉን ዝማእዝዞም ሕጊ ዘይብሎም ህላላታት ከም ኣድጊ]፣ ኣብ ዝተበርሆም ግዜ ተሲኦም ዝሰርሕሉን ዝነጥፍሉን ትዛረብ መልሓስ ትሃሉ እምበር ዘይደኽሙሉን ዘይርህጽሉን እትዋቶም ዘኻዕብትሉን ዓውደ-ቐጸላ እዮም።

ኣብዚ'ኣ ከየተምባህኩዋ ክሓልፋ ዘይደሊ ግን እዛ ብሓይለ-ቓል ኣደራዕ ዝወረዳ "Share" በሎ ኣታ ወዲ/ኣቲ ጓል ትብል ባዕዳዊት ቃል፣ ክትጽልኣኒ መዓት እያ። ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ በቲ በላሕትን መስተውዓልትን ኽቡራት ኣቦ'ሓጎታትና ቀደም ኣብ ግዜ እኒ እኒ [ጥንቲ] ኣብ ትሕቲ ጽላል  ዓበይቲ ኣግራብ ከም እኒ ዳዕሮ ሳግላ ሓንሰ ሑሞር.... ኮይኖም ዝሃንደሱዎን ዝፈጠሩዎን ዘማዕበሉዎን ዓቂቦም ንዓና ዘውረሱናን ሃብታምን ዲንቂን ግሩምን ቛንቛና ትግርኛ ወደ'ቦይ ግዕዝ ጌሮም 'ኣካፍሎ' 'ኣመሓላልፎ' ኢሎም ኣብ ክንዲ ዝዛረቡን ዝጽሕፉን፣ "ሼር" በሎ ኣታ ወዲ እናበሉ ዘቤታዊ ቃልና ኣጥፊኦሞ ከይኣኽሎም፣ ንዓናውን ግዳይ "ሼር" ሽርሻሮ ጌሮሙና ኣለዉ። መስጣና ደኣ ኣይውረዶም እምበር፣ ስለምንታይ'ሲ ኽፉእ ከጋጥሞም ፍጹም ስለ ዘይደሊ!

እዚ ዎ'ደሓንኩም፣ ኽቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••••
√>ኣብነት ደረቕ ስእልታት ናይ ቀደም ልምዳውያን ለማኖን ናይ መበል 21ኽፍለ-ዘበን ዘመናውያን ለማኖን ስልትን ሜላን ኣለማምንኦምን......

https://m.facebook.com/story.php?story_fbid=4106246462763696&id=100001351497949

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events