Dehai

ኣብ ኣሜርካ ስለ ዝነብር ፈሪሑ ንዓማጺ ፖሊሲኣ ውሒጡ ዝነብር ኤርትራ ኣይኮኑን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Sunday, 18 July 2021

ተግባራት መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ተጻብኦ ምኹናን ማለት ህዝቢ ኣሜርካ ምኹናን ማለት ኣይኮነን።  እቶም ንቆርበትኩምን መንነትኩምን ኣትሒትኩም ኣሜርካ ሓንቲ ኣይገበረትናን ሻዕብያ'ዩ ኣብሽግር ኣውዲቑና ትብሉ ሉሙሳት፡ ዜግነት እንተቐየርኩም  ካብ ባርነት ዝወጻእኩም ከይመስለኩም።  እቲ ብመንነቱን ሕብሩን ዝኾርዕ ኤርትራዊ ኩሉ ግዜ ምስተሓፍረን ምስ ኮርዔን እዩ።  ኤርትራውያን ብታሪኽናን ባህልናን እንኾርዕ፡፡ ንሕና ንሕና ክንመስል ድእንበር ካልእ ክንመስል ኣይተፈጠርናን።ስለ ዝኾና ከኣ ኢና 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ኣካይድና ነታ እናፈለጠትና ንከይትፈልጠና ዝደለየ ኣሜርካ ናጽነትና ምስ ተጓናጸፍና ዮሃን እንቋዕ ሓጊሰኩም ከነብላ ዝኸኣልና።  ኣብ ኣሜርካ ዝነብር ኤርትራዊ ካብቲ ዝኽፈሎ ዝምዝመዞ ከምዝበዝሕ ዝጠፍኦ ዘሎ ኣይመስለንን። ዘይ ሰሪሕካ ንዕኦም እዩ ዝብል መረረ ካብ ኩሉ ኤርትራዊ ዝስማዕ'ዩ።  ህዝቢ ኣሜርካን መንግስቱን ፈላሊኻ ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ንጉጉይ መርገጽ ኣሜርካ ብሰላማዊ ሰልፍታትን መርበብ ሓበረታታትን ክንቋወም ከሎና ንህዝቢ ኣሜርካ ኣይኮናን ንቋወሞ። እቶም ሃሱሳት ካብ ኣፍንጭኦም ኣርሒቖም ዝይርእዩ ግን ኮምኡ'ዩ ዝመስሎም። ሕጊውን ኣሜርካ ክሳብ ሰላም ዘይገበረት ንሽርሕታታት እከይ ውዲታታትን ካብ ምቁዋማ ደው ኣይንብልን። 

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር።


7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events