Dehai

ትንሳኤ ኣፍሪቃ ንሰላምን ልምዓት ብኣፍሪቃውያን ጥራሕዩ ውሑስ ዝኸውን።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Sunday, 11 July 2021

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ፤ ህዝቢ ኤርትራ ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ቁኑዕ ዓላማ ሳላ ዝጸንዔን፤ ኣትሪሩ ዝተቓለሰን፤ ቅኑዕ ራኢኡ ተቐባልነት ረኺቡ፤ ሎሚ ህዝቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንናይ ኣሜርካን ሕብረት ኣውሮጳን ዓማጺ ልዕልነት መኪቱ፤ ንገባቲ ባህርያተን ብዘይተጸበይኦ ውህደትን፤ ኣብ ዘይገመትኦ ግዜ ንክሰዓራ ገሩወን ኣሎ። እዚ ትማሊ ኢትዮጵያ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ዘመዝገበቶ ዓወት፤ ዓወት ኩሉ ህዝቢ ኣፍሪቃ: ብፍላይ ድማ ዓወት ሃገራት ዞባና እዩ። ነሕዋትና ኢትዮጵያውያን እንቁዋዕ ሓጎሰኩም ንበሎም። ብአረኣእያይ ግብጽን ሱዳንን ንኣፍሪቃ ሕብረት ገዲፍካ ዳንነት ምዕራባውያን ምምራጸን፡ ካብቲ መለስ ሕብሪ ዓይንኩም ኣይተበርሃናን ዝበሎ ዝፍለ ኮይኑ ኣይርኣየንን። ንዓቕሚ ኣፍሪቃውያን ኪሒድካ ምዕራባውያን ምእማን ኣብ ቤትካ መርዛማት ኣትማን ምእታው እዩ።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events