Dehai

ሓተታ: ሓምለ 9 – ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 10 July 2021

ሓተታ: ሓምለ 9 – ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ

ሓተታ ቀዳም 10 ሓምለ 2021

 ሓምለ 9 – ኣብ ሳልሳይ ዓመቱ

ድሕሪ 20 ዓመታት ኲነት ውግእን ተጻብኦን፡ መራሕቲ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ ታሪኻዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን፡ ትማሊ 9 ሓምለ ሰለስተ ዓመቱ መሊኡ።

ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣስመራ፡ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ነጥቢታት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ኩነተ-ውግእ ከኽትም ጥራይ ዘይኮነ፡ ክልቲአን ሃገራት – ኣብ ፖለቲካ፡ ጸጥታን ምክልኻልን፡ ቁጠባ፡ ንግዲ፡ ወፍሪ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ዓውድታት ኣብ ተመላላእነትን ውህደትን እተመርኰሰ ኲለንተናዊ ምትሕብባር ክፈጥራ፣ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ከተግብራ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት ዕብየት፡ ብሽርክነትን ተመላላእነትን ክሰርሓ፣ ሓባራዊ ፕሮጀክትታት ወፍሪ እንተላይ ሓባራዊ ፍሉይ ቁጠባዊ ዞናታት ከማዕብላ፣ ዞባዊን ኣህጉራዊን ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ብሓባር ክጽዕታ ከምእተበገሳ ዘበሰረ እዩ ነይሩ።

እቲ ተበግሶ፡ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ፡ ዞባዊ ጽልዋኡ ቀሊል ኣይነበረን። ደድሕሪ’ዚ ክልተኣዊ ስምምዕ’ዚ፡ መራሕቲ ሃገራት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ንኣጠቓላሊ ዞባዊ ምትሕብባር ስሉሳዊ ኣዋጅ ምኽታሞም ይዝከር።

እዚ፡ መራሕቲ መንግስታት ዞባና፡ ናይ ህዝብታቶም ጥቡቕ ጂኦግራፊያዊ፡ ታሪኻዊን ባህላዊን ምትእስሳር፡ ከምኡ’ውን ናይ ሓባር ረብሓታትን መጻኢ ዕድልን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሃገራዊ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሓድሕድ ብምክብባር፡ ብሓባር ክሰርሑ ዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ነቲ ኣብ ፈለማ 90ታት ምስ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተቐልቂሉ ዝነበረ’ሞ፡ ብዝተፈላለየ ግሎባዊ ሕሳባት፡ ሰላምን ርግኣትን ናይዚ ዞባ ከም ዓቢ ስግኣት ዝጠመትዎ ዓለማውያን ሓይልታት፡ ንወያነ ብምዕሳብ ዝዀለፍዎ፡ ሰፊሕ ዕላማን ሰናይ ተበግሶን ናብ ቦታኡ ዝመለሰ እዩ።

ከም ዝፍለጥ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንኣርባዕተ ማእዝናት ዓለምና ኣብ ዘራኽብ ኣዝዩ ስትራተጂያዊ ማያዊ መስመር ዓለምና ዝርከብ፡ ብዙሕ ዝዓይነቱ ባህርያዊ ጸጋታት እተዓደለ፡ ርስቲ ናይ ልዕሊ 200 ሚልዮን ህዝብታት እዩ። ክንዲ-ዝኾነ፡ ኣብ ትሕቲ ውሑስ ሰላም፡ ህዝብታት’ዚ ዞባ፡ ነዚ ገዚፍ ጸጋታቶም ክጥቀምሉ እንተኽኢሎም፡ ከረጋግጽዎ ዝኽእሉ ልምዓትን ምዕባለን፡ ብቐሊል ዝግመት ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣኡን ጸጋታቱን፡ ማእከል ዓለማዊ ጥሙሓትን ውድድራትን ኮይኑ ብምጽንሑ፡ ህዝብታቱ ምስ ኣኽል-ታርፍ ጸጋታቶም ግዳይ ድሕረትን ሕብረ-ብዙሕ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊን ሰብኣዊን ቅልውላዋት ኮይኖም ጸኒሖም እዮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ደድሕሪ ምኽታም ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ ጠንቂ ናይዚ ዕድል ወለዶታት ዘኽሰረ ብድሆታት’ዚ፡ ብቐንዱ ኣብ ዘመነ ዝሑል ኲናትን ድሕሪኡን፡ ብመገዲ መጋበርያ ስርዓታት ዝተሰርሓሉ ግሎባዊ ስትራተጂ ርእሰ-ሓያላን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ድሕሪ ነዊሕን ዘሕዘንን ምዕራፋት ታሪኽ፡ ዞባና ናብ ሓድሽ መድረኽ ክሰጋገር ዕድል ዝረኸበ፡ ብቐንዱ ኣብቶም ግዳይ ናይዚ ፖሊሲ’ዚ ዝኾኑ ህዝብታት ኩዂስኰስ ዝጸንሐ ንቕሓት እናበረኸ ስለዝመጸ ምዃኑ ሰፊሕ መረዳእታ ሂቡሉ ነይሩ።

ናይ 9 ሓምለ 2018 ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣስመራ፡ ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን መላእ ህዝብታት ዞባናን ዓቢ ብስራትን ናይ ተስፋ ደወልን እኳ እንተነበረ፡ ኣብቶም ብርዱእ ምኽንያታት፡ ንስለ ጸቢብ ረብሓታት ምርግጋእ ናይዚ ዞባ ዘይደልዩ ወገናት ዝፈጠሮ ስንባደ ቀሊል ኣይነበረን። ነዚ ትስፉው ኣንፈት’ዚ ብኣጋ ንምቑጻይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብዝተፈላለየ ሜላታት ዝተሃቀነ ናይ ምሕንኳል ተግባራት፡ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ግብሪ ከይውዕልን ዶባት ከይሕንጸጽን ዝነበረ ዕንቅፋት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ብግጉይ ቅማረ፡ ንህዝቢ ትግራይ ግዳይ ብምግባር፡ ብመገዲ ጃንዳ ወያነ ዝተፈተነ ፍሹል ወተሃደራዊ ዕንደራ ድሙቕ መርኣያ ናይቲ ውዲት እዩ።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ህዝብታት ዞባና ተዀስኲሱ ዘሎ ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ንቕሓት፡ በዚ ከብዲ ዘየበቚቡቚ ንብዓት ሓርገጽን ምዕልባጥን ንድሕሪት ዝምሰስ ኣይኮነን። ተስፋ ህዝብታት ዞባና፡ ተርፍ መረፍ ብድሆታት እናጸራረገ፡ ሎሚ ናብ ዝበረኸን ዝያዳ ውሑስን ኣርከን ተጊሩ ኣሎ።

እዚ ሓድሽ ምዕራፍ’ዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ንህዝብታት ክልቲአን ሃገራትን ዞባናን ክኸፍቶ ዝኽእል ዕድላት ርእሰ-ግሉጽ ኮይኑ፡ ሕጂ እውን ብዓቕልን ትዕግስቲን፡ ሓበራዊ ኣመለኻኽታን ስራሕን፡ ምጽጻይ ዘድልዮ ምህሙን ናይ ሕንከራ ሃቐነ ክህሉ ምዃኑ፡ ካብ ማንም ዝተኸወለ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ፡ ተኸሲቱ ዘሎ ባና ትስፉውን ብሩህን መጻኢ፡ በቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣንፈት ዝያዳ ገስጊሱ፡ ራእይን ድሌትን ህዝብታት ዞባና ክሰምር፡ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሰላማዊ ዝምድና ክሕይልን ክድልድልን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ኩሉ መዳያዊ ምትሕግጋዝ ክሰጋገር፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኣጸደ ውሑስ ሰላምን ምትሕብባርን ልምዓትን ኬስተርሑ፡ ንመንግስታትን ህዝብታትን ዞባና ጥንካረ፡ ሓድሕዳዊ ምትእምማንን ውፉይ ስራሕን ይሓቶም።

ሰላምን ዕብየትን ንመላእ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ!



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events