Dehai

Re: ኣብ ነብሱ ዘይተኣማመን ሓረስታይ ቅጫ ጎረበቱ የማዕዱ።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 03 July 2021




On Fri, Jul 2, 2021 at 2:45 PM, Ghebrengus Mesmer
<gmesmer1@yahoo.com> wrote:
ወያነ ጸረ ነብሰ ሙርኮሳ፡ ቲፎዞ ረዲኢት"       
                                                                                     ኣተሓሳስባ ወያነ ክሳብ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ካብ ረዲኤ ምጽባይ ክገላገልዩ ዝብል ኣረኣእያ ዘለዎ ሰብ እንተሎ 27 ዓመታት ንድሕሪት ተመሊሱ ታሪኽ ይወከስ። ህዝቢ ትግራይ ንዝሓለፉ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዘመስግነሉ ግዜ በጺሑ ኣሎ። ሜረት ትግራይ ካብ ሜረት ኤርትራ ኣይሓምቕንእዩ። ክልቲኡ ሓውሲ ምድረበዳ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ረዲኤት ክጽበ ዘይኮነስ ሓሲቡዎ'ውን ኣይፈልጥን እዩ። ምኽንያቱ መንግስቲ ኤርትራ ነብሰ ምርኮሳ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ከንግስ ከሎ፥  ወያነ ንህዝቡ ነብሰ ምትሓት ተጸባይ ረዲኤት ክኸውንዩ ገሩዎ። ወያነ ኣብ ስልጣን ከለዉ 2.5 ሚልዮን ህዝቢ ብጥምየት ተጠቒዑና ኣሎ ኢሎም ክልምኑ ናይ ትማል ተዘክሮ መን ይርስዖ። 

ሕጂውን በተን ተልእኩኤን ካልእ ስመን ግብረሰናይ ዝበሃላ ማሕበራት ዝኣቱ ሓገዛት 20% ምናልባት ናብ ስኡናት እንተበጽሔ። ብዝተረፈ ጁንታ ከም ቀደኑ ኣብ ውልቃዊ ዋኒኑ ከውዕሎ ምዃኑ ርዱእዩ። ህዝቢ ትግራይ ረዲኤት ንግዚኡ ንሓጺር ግዜ ከም መበገሲ ክጥቀመሉ እንትዝኽእል፡ ዓላማኡ ግን ነብሱ ናይ ምኽኣል ዕድል ከንግስ ካብ ጽልዋ ወያነ ሪሒቑ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓባር ክምዕብል ክሓስብን ክብገስን እለዎ። 
ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events