ንወዲ-ሰብ ኣብ ዓለም ዛጊት ብህይወት እንከሎ ከም ኣድላይነቱ ኣለመለ በሎ [ደሃዩ ግበር]። እንተ ሓሊፉ ግን.....ንብዓትን 'ምጽ ...መስኪናይ' ምባልን ዋጋ የብሉን!
===========================================================================
ወዲ ሰብ [ናይ ቀረባ ሰብካ ዓርክኻ ወዲ ሃገርካ ከምኡ'ውን ኣብ ኸባቢኻ ዝነብር ዝተሸገረ ሰብ] ኣብዛ ዓለም'ዚኣ ብህይወት እንከሎ ሽግር ምስ ዘጋጥሞ [ምስ ዝሓምምን ዝጽገምን ጥረ ነገራት ስኢኑ ህይወቱ ብግቡእ ንኽመርሕ ምስ ዘይክእልን] ዋላ"ውን ካብዚ ዝተጠቕሰ ኩነታት ወጻኢ ምስ ዝህሉ፣ ሃለዋቱ ግበር ሕተቶ ኣጸናንዓዮ [ናይ ስነ-ልቦና ምትብባዕ] ግበረሉ ሃናጺ ምኽሪ መጥዎ፣ እንተ ኽኢልካ'ውን ከከም ኣድላይነቱ ንዋያዊ ሓገዝ ወፍየሉ።