Dehai

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ጽምብል ናጽነት

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 24 May 2021

መደረ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ብኣጋጣሚ መበል 30 ዓመት ጽምብል ናጽነት


ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጽኢን!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተሳተፍቲ!

እንቋዕ ንመበል 30 ዕለተ-ናጽነት ኣብጽሓና! ዮሃና!    

ንወደብቲ’ዚ ጽምብል ከኣ፤ ልዑል ምስጋና!

ርዝነትን መኣዛን፡ እዛ ዕዝዝቲ ዕለት፤ ዓመት-ዓመት እናዛየደ ምኻዱ፤ ኪኖ ባህታን ሓበንን፤ ብዙሓት ሓቂታት ዝቕስቅስን ዘዘኻኽርን’ዩ። መሰረት ወይ መበገሲ ናይ’ቲ ርዝነት፤ ድሕሪ 2ይ ዓለማዊ ኲናት፤ ሕጋዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ፡ ንናጽነትን ልዑላዊነትን ምስ ተዓፈነ፤ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንባርነትን መግዛእቲን ዓሎቕን መጎት-ሓይሊን ሸጠፍን ምስዳዕን ከይረዓመ፤ ን50 ዓመታት – ካብ 1941 ክሳብ 1991 – ብጽንዓትን ጅግንነትን መኪቱ፤ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ፤ ናጽነቱን ልዑላዊነቱን ብፍትሒ ዘረጋገጸሉ ሓወልቲ’ዩ።

እዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ናጽነት ከኣ፤ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ መስዋእቲ ከፊሉ፡ ብፍትሒ ጨቢጡ ዘረጋገጾ ልዑላዊነት፡ ኣብ ምክንኻንን ምሕላውን፤ ዝተፈላለዩ ብድሆታት መኪቱ ስለዘኽበረ’ዩ፡ ርዝነት ናይ’ዛ ዕለት ዝጐልሕ። ስሱዕን ገባቲን ኣጀንዳታት ስለዘይበለየን ስለዘይተገትአን ግን፤ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 30 ዓመታት ዝተፈታተነና ብድሆታት፤ ከምቲ ናይ ቅድሚ 80 ዓመታት፤ ብብዙሕ መልክዓት ኪኽሰት ተኻኢሉ’ዩ።

ሓደ ካብኡ፡ ምስምስ ዶባዊ ግጭታት’ዩ ነይሩ። ኣከራኻርነት ዘይነበሮ ሕንጻጻት መግዛእታዊ ዶባት፡ ከም መናቘቲ ጎረባብቲ እናመዝመዝካ፡ ቅልውላዋት ፈጢርካ ብምምሕዳር፤ ንኤርትራ ጅሆ ንምሓዝ ካብ ዝተሃቀኑ ሸርሒታት፤ ሓንሽን ባድመን፤ ህያው ኣብነታት’ዮም። ብፍሉይነት ኣብ ናይ ባድመ፤ ምስናይ ቀይዲን ናይ መወዳእታን ፍርዳዊ ብይን ኣብ 2002፡ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ተወሪሩ ከምዝጸንሕ ንምግባር ዝተፈጸመ ዓሎቕ፤ ሓደ መርኣያ ናይ’ቲ ኣንጻር ናጽነትን ልዑላዊነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝቐጸለ ተጻብኦ’ዩ ነይሩ።

ምንቛት ብምስምስ ዶባዊ ግጭታት ግን፡ ንሸውሃት ገባቲ ኣጀንዳታት ኣየዕገበን። መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይሰልከየን ዘይሰነፈን፤ ብሓሶትን ጠቐነን “ሽበራ”፡ ክሲ መስሪትካ፤ ባዕልኻ ከሳሲን ፈራዲን ቀጻዒን ብምዃን፤ ኣብ 2009 ንባይቶ ጸጥታ ኣስገዲድካ ዝሓለፈ ውሳኔ “እገዳ”ን፡ ዘኸተሎ ሃስያን፤ መቐጸላታን ካልእ ገጽን ናይ’ቲ ተጻብኦ’ዩ።

ሃገራዊ ናጽነትን ልዑላዊነትን ንምምሳን፤ ወግሐ-ጸብሓ ዝህቀን ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ሸርሒታት፤ ናይ ሕሱር ሓሶታት ኣሰይጣኒ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት፤ ከም መመላእታ ተጻብኦ ናይቲ ሕሙም ገባቲ ቅኒት፡ ስፍሪን ዕረፍቲን ኣይነበሮን።

ኩሉ’ዚ ተኸታታሊ ተጻብኦታት ንሃገራዊ ናጽነትን ልዑላዊነትን፡ በብዝመጾ እናበርዓነ ምስ ከደ፤ ሰብ ገባቲ ኣጀንዳታት፤ እቲ ቀንዲ ኣገልጋሊኦም ጃንዳ ወያነ፡ “ጸወትኡ ምስ ኣብቅዐ”፡ በቲ ሓደ ኢድ፤ ሳላ ዓቕልና ኸኣ፡ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ወሪርካ ን20 ዓመታት ምሓዝ’ውን ፋይዳ ስለዘይተረኽበሉ፡ በቲ ኻልእ፤ ናብ ቅጽበታዊ ሕርያ ተሃንዲዶም፤ ዕንደራ መጥቃዕቲ 4 ሕዳር 2021 ኣንቂሎም፤ ሚሳይላት ወርዊሮም’ዮም። እቲ ዓንዳሪ መጥቃዕቲ ምስ በርዓነ፤ ተሰልቢጥካ ንኤርትራ ንምጥቃን ዝተኻየደን ዝካየድን፤ ፕሮፓጋንዳ ሓሶት ናይ’ዚ 6 ኣዋርሕ ከኣ፡ ዓለም ዝዕዘቦ ዘሎ ቅሉዕ ሸጠፍን ጥፍሽናን’ዩ።

ናይ’ዛ ዕዝዝቲ ዕለት መበል 30 ዓመት ርዝነት፤ ህዝቢ ኤርትራ መኸትኡ ከይሰልከየን ከይተሰነፈን፤ ናጽነቱን ልዑላዊነቱን፡ ኣብ ምክንኻንን ምሕላውን ዘመስከሮ ዓወት ዝግለጽ’ዩ። ደጊመ፡ ዮሃና ንህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ሓይሊታት ምክልኻሉን!

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን!

ናጽነትን ልዕላውነትን፡ ምክንኻን ኮነ ምሕላው፤ ናይ ስሱዓት ገበትቲ ድሕነታዊ ተጻብኦታት ምምካት ጥራይ ኣይነበርን። ብዘድምዕ ልምዓታዊ መኸተ ሃገር ምህናጽ’ውን፡ ብማዕረ ቀዳምነት ዝተታሕዘ ተልእኾ’ዩ ነይሩ። ጽላት-ብጽላት ኮነ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታትን ፕሮጀክትታትን፤ ከም’ቲ ዝበሃግናዮን፡ በቲ ዝቐየስናዮ ናህርን ክንግስግስ ኣይንኻኣል እምበር፡ ቀዳምነታትና ኣየስነፍናን። ምረሻና ናህሪ ንምውሳኽ – ቀዲሞም ዝተሓበሩ – ተኸሊሶም ዘለዉ መደባት፣ ምስ ዝተደለበ ተመኵሮ ውጻኢታውያን ከምዝኾኑ ኸኣ ኣየጠራጥርን።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ምናልባት ምስ ልምዓታዊ መደባትናን መኸተናን ቀጥታዊ ተዘማድነት ዘለዎ እዋናዊ ጉዳይ፡ ለበዳ ኮቪድ -19 እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመትን መንፈቕን፡ እቲ ለበዳ፡ ብዓለም ደረጃ ኣኸቲልዎ ዘሎ ነውጺን ህልቂትን፡ ንደቂ – ሰብ መለበሚ መጸዋዕታ እዩ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። ንዝተፈላለዩ ቁጠባዊ ኣምራትን መለኪዕታትን ኮነ፣ ልምዓታዊ ሕርያታት፣ ንማሕበራውን ክሊማውን ጥዕናውን ግንዛበታት’ውን፣ ኣገደስቲ ጩራታት ከፊቱ’ሎ ኪበሃል ይከኣል። ኣብ ጥዕናዊ ፖሊስታትናን ኣሰራርሓናን ጥራይ ዘይኮነ፡ ድኻምነትና ከነለሊን፤ ናይ ኣጋ ምትዕርራይ ከነተኣታቱ’ውን መለበሚ ኮይኑ ስለዘሎ፡ ትኩርነትና ከየዝለቕና፣ ኩሉ-ጐናዊ ናይ ምርምርን ምክልኻልን ፍወሳን ዓቕምታትና እናጐልበትና፡ ንድሕነታዊን ልምዓታዊን መኸተና ብኣሉታ ምእንቲ ከይጸሉ፡ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽር ከነእትዎ ከይሰልከና ክንጽዕት ኢና።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን

ምስ ዘሎ ርቡጽ ዓለማዊን ዞባውን ክስተታት፤ ልዑላውነትናን ናጽነትናን፡ ኪኖ ምክንኻንን ምሕላውን፤ ድሕነታዊን ልምዓታዊን መኸተና ኣሕዪልና፡ ገስጋስና ንምሃር፡ ተኸሊሱ ዘሎ ሓፈሻዊ መርሓ ክተት፡ ከምዘድምዕ ንምርግጋጽ፤ ሰፊሕ ህዝባዊ ሓይሊ ዝጎልበቱ ንጥፈታት ኣብ ዝካየድ መደባት፡ ተበግሶታትና ከነሐይል፡  እና’ዘኻኸርኩ፤ ኣውራ ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዜጋታት፤ ምስ ዘለዎም ፍሉይ ዕድላት ኣብ ኩሉ ግንባራት ሱታፌኦም ከኻዕብቱ እላቦ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት፡ ከም መቐጸልታ ሓርነታዊ ውርሻናን፡ ሃገራዊ ስልጡን ክብሪታትናን፣ ኣብ ሃገራዊ ድሕነትን ልምዓትን፣ ሕመረትን ቅድሚትን ኰይኖም፣ ዝውፈዩ ዘለዉ ሓይሊታት ምክልኻልል፤ ሓበንን ሞሳን ንዓኹም!

ነባሪ ዝኽሪን ክብረትን ንሰማእታት!

ዓወት ንሓፋሽ!

24-05-2021

___________________________________________________________________________________________________________________




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events