Dehai

ባህርያዊ መስሕብ ቱሪዝም ሃገርና ቀዳሞት ዳህሰስቱ ንኹን ባዕልና።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 09 January 2021

ሃገርና ኤርትራ ኣዝዩ ኣደናቕን ሰሓብን ባህርያ ጸጋታት ኣለዋ። ንባዕሉ ጆግራፊካዊ ኣቀማምጣ ሜሬታ ነቶም ኣብኣ ተወሊድና ኣብኣ ዝዓበና ከምቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ወርቂ ዳርጋ ጨርቂ ዝበሃል ኮይኑ ክረኣየና ይኽእል ይኸውን። ብዓይኒ ናይ ካልኦት ኣህዛብ ዓለም ክትጥመት ከላ ግን ዜግኣ ኮይነ ተፈጢረ እንተዝኸውን ዘብል ተመስጣውን ቅንኣውን ስሚዕታት እተሕደር ሃገር እያ። ሓርበኛ ስነ ጥበባዊ ኣያና በረኸት መንግስትኣብ ዝደረፋ ደርፊ ትዝ ትብለኒ። (ሩባሩባ ታሕቲ ሸፊኑዋ ግመ፤ ኣይጠራጠርን ንዓኣ ኣሚነ) ካብ በሪኽ ቦታ ከበሳ ንቆላማ ጎላጉል ሰምሃር ኣብ ሞንጎ ግመ ዓሲሉ ዝደረፋ ደርፊ፤ ከም ደርፊ ኣስተማቒርካ ትሕለፍ ጥራሕ ኣይኮነትን። ንጽባቐ ሃገርና ቱሪዙማዊ መስሕብ እትገልጽ ዜማ እያ።  ጸላእትና ንሃገርና ክወሩዋን ክገዝኡዋን ሚእቲታት ኣሽሓት ኣብ ውግእ ክሞቱ ኩለዉ ጽቐ ሃገርና ንምውናን እንበር ካልእ ኣይነበረን። ኣግሂዶም ተዛሪበምሉ እዮም፤ (ኤርትራ ሜረታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን) ኢሎም እዮም። ካብዚ ብንጹር ንርድኦ ነገር እንተሎ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ንወጻእተኛታት በጻሕቲ (ቱሪስት) ተባሃጊት ምኹዋና ንግንዘብ።  እዚ ካብቲ ብዙሕ ክበሃል ዝከኣል ገለ ካብ ኮነ፣ ንሕና ኤርትራውያን ንጣዕምን ጽባቐ ሃገርናን ዳህሰስቱን ኣስተማቐርቱን   ክንከውን ብቀዳምነት እንስራዕ ቱሪስት ክንከውን ኣሎና።  ኣብ ገለ እንገብሮ በዓላት ኤርትራ ዝበጽሑ ዕዱማት ወጻእተኛታት ጻንሖቶም ከካፍሉና ንዕድሞም እሞ እቲ ዝመሰጦም ትዕዝብቲ ስለ ዘይንፈልጥ ብኣንክሮ ዝያድኦም ንምሰጥ።  ዙሮሞ  ንሃገርካ ትብል ደርፊ ደጋጊምና ንስማዓያ። ንሕና ብዛዕባ ጸጋታት ሃገርና ነገርቲ እምበር ተነገርቲ ከይንኸውን ንዙራ ሃገርና።

ዝኽሪ ንሰማእታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ገብረንጉስ መስመር


Sent from Yahoo Mail for iPhone

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events