Dehai

(ኤፍ.ቢ.ሲ) ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መንግስቲ ክልል ትግራይ ከካይዶ ኢየ ዝበሎ ምርጫ ብዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 05 September 2020

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን መንግስቲ ክልል ትግራይ ከካይዶ ኢየ ዝበሎ ምርጫ ብዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ፣ ኮሚሽን ምርጫን ኣፈፀምቲ ኣካላትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምርጫ ብዝምልከት ዘውፅኦ ኣዋጅ ምርጫ ቁፅሪ 351/2012 ዘሕለፍዎም ውሳነታትን ዝፈፀምዎም ተግባራትን ምስ ሕገ መንግስቲ ዝፃብኡ ብምዃኖም ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 9(1) ከምዘይተገበረ ዝሕሰብ፣ ዘይፀንዑን ተፈፃምነት ዘይብሎምን ኢዮም ብምባል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሙሉእ ድምፂ ናይ መወዳእታ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ምንቅስቓስ ምርጫ ክልል ትግራይ ብዝምልከት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ማንነትን ትርጉም ሕገ መንግስቲን ኣብ ዘቕረበሉ ውሳነ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዩ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣፃራዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ብምርኣይ ናይ ባዕሉ ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኢዩ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕገ-መንግስቲን መንነትን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፥ ምስ ምንዋሕ መረፃ ተተሓሒዙ ዝቐረበሉ ሕቶ ሕገ-መንግስታዊ ትርጉም ኣብ ትሕዝቶ ኣተረጓጉማ፣ መምርሒ፣ ሜላን ዕላማን ኣድሂቡ ብምግምጋም ግቡእ ምርመራ ብምግባር ውሳነ ምትሕልላፉ ይፍለጥ።

ቤት ምኽሪ ፌዴሪሽን በቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብምድማፅ ኣብቲ ውሳነ
ብምዝታይን ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ስግኣት ኮይኑ ክሳብ ዝቐፀለ፤ ኩሎም ባይቶታት ፌዴራልን ክልልን ስረሖም ይቐፅሉ ብዝብል ዝቐረበ ሓሳብ ኣፅዲቑ ነይሩ።

ዝምልከቶም ኣካላት ዝርገሐ እቲ ቫይረስን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣትን ብግቡእ ገምጊሞም ከምዝነከየ ወይ ድማ ጉድኣት ምብፃሕ ጠጠው ከምዘበለ ምርግጋፅ እንትኽእሉ፤ ካብ 9 ወርሒ ክሳብ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ሃገራዊ መረፃ ምክያድ ከምዝከኣል ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኢዩ።

ይኹን እንበር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እቲ ውሳነ ብምግዳፍ ኣብቲ ክልል ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ምንቅስቓስ ይገብር ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ፓርቲታት ፖለቲካን ዘለዎም ቅርታታት ነቲ ቤት ምኽሪ እናቕረቡ ምፅንሖም ተገሊፁ።

ካብ መንጎ እቶም ቅሬታታት ዘቕረቡ፥ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ/ትዴፓ/፣ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ራያ ራዮማን ኮሚቴ ምምላሽ ማንነት ወልቃይት ጠገዴን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ትዴፓ እቲ ክልል ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቓስ ምርጫ ሕገ መንግስታዊ ብዘይምዃኑ ንባዕሉ ካብቲ ምርጫ ምግላሉ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ከይዲ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ንክወሃቦ ንጉባኤ ኣፃራዩ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ኣቕሪቡ።

ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣመልካቲን ስልጣን ጉባኤን ብዝምልከት እቲ ሕገ መንግስቲ ኣግባብነት ሕቶ ትርጉም ኣመልካቲ ብዝምልከት ብመሰረት ዓንቀፅ 84 ንኡስ ዓንቀፅ 2 መሰል ኣለዎ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ እቲ ዝቐረበ ሕቶ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ብዓይነትን ኣቀራርባን ዝተፈለየ ብምዃኑ ክረኣይ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ።

ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ንክልላትን መንግስቲ ፌዴራልን ብተናፀልን ብሓባርን ዝሃቦም ስልጣን ብግልፂ ዝተቐመጠ እንትኸውን፥ ምርጫ ብዝምልከት ግን ንመንግስቲ ፌዴራል ጥራሕ ዝተውሃበ ስልጣን ምዃኑ ገሊፁ።

ምርጫ ብዝምልከት ንክልላት ዝተውሃበ ስልጣን ብዘምህላዉ ሓደ ናይቲ ካሊእ ስልጣን ከኽብር ስለዝግበኦ ብመሰረት ዝተገለፀ ተግባራዊ ክግበር ይግባእ።

ስልጣን ብዝምልከት መንግስታት ክልልን ፌዴራልን ኣከራኻሪ ጉዳይ እንተጋጢሙዎም ግን ንኣፃራዪ ጉባኤ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ብምቕራብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝህቦ ናይ መወዳእታ ውሳነ ክፀንዕ ከምዝግባእ ሪኡ።

ምርጫ ናይ ምፍፃም ስልጣን ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ትሕቲ ዓንቀፅ 51 ን 55 ን ናይ ፌዴራል መንግስቲ ስልጣን ከምዝኾነ ኣቐሚጡ።

እዚኦም ኩሎም መሰረታዊ መርህታት ሕገ መንግስቲ ብዝፃባእ መገዲ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ናይ ባዕሉ ኣዋጅ ምርጫ ምውፅኡ ኢዩ ውሳነ ሓሳብ ዘድለዮ ወይ ክለዓል ዝገበረ።

እዚ ድማ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 102 ብግልፂ ንብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ዝተውሃበ ስልጣንን ተግባርን ዝፃባእ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ድማ ክልላት ስልጣን ምጥያሽ ኮሚሽን ምርጫ ከምዘይብለን ዘርዚሩ ኣቐሚጡ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ምርጫ ናይ ምክያድ ውሳነ ይኹን ምንቅስቓስ ምግባር ብመሰረት ዝተሓበሩ ሕገ መንግስታዊ ዓንቀፃት ተቐባልነት ዘይብሎም ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ።

ስለዝኾነ ጉባኤ ኣፃራዪ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ብዝርዝር ኣብ ዝረኣዮ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ሰለስተ መሰረታዊ ውሳነታት ኣቐሚጡ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘውፅኦ ኣዋጅ ምርጫ ምስ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዓንቀፅ 51 ን 52 ዝፃረር ከምዝኾነ፣ መንግስቲ እቲ ክልል ዘጣየሾ ኮሚሽን ምርጫ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 102 ንብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ዝተውሃበ ስልጣን ዝዳፋእ ከምዝኾነን ኮሚሽን ምርጫን ኣፈፀምቲ ኣካላት ቤት ምኽሪ እቲ ክልልን ምርጫ ብዝምልከት ዘመሓላለፍዎም ውሳነን ዝፈፀምዎም ተግባራትን ምስ ሕገ መንግስቲ ዝፃብኡ ብምዃኖም ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 9(1) ከምዘይተገበሩ ዝሕሰቡ፣ ዘይፀንዑን ተፈፃምነት ዘይብሎም ኢዮም ኢሉ።

ስለዝኾነ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 84 እቲ ውሳነ ሓሳብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ናይ መወዳእታ ውሳነ ንክህበሉ ኣቕሪቡ፥ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ማንነትን እቲ ቤት ምኽሪ ተቐባልነት ረኺቡ ኢዩ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕገ መንግስቲን ማንነትን ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ንምፅዳቕ ድማ ናብ ቤት ምኽሪ ብምቕራብ ብዕፁው ዘተ ገይሩ።

ድሕሪ እቲ ዘተ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ክሳብ ሐዚ ብዘሎ ከይዲ ቤት ምኽሪ ፊዴሬሽን ንህዝቢ ትግራይ ዝለዓለ ክብሪ ከምዘለዎ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ዘይሕጋዊ ኣካላት ብመሰረት ዝፍፅምዎ ተግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ክበፅሕ ኣይብሉን ብምባል ዝኣምን ምዃኑን ኣብ ቀፃሊ እውን ፀገማት ብሰለማዊን ሕጋዊን መገዲ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእን ኣብ ምርድዳእ ከምዝበፅሐ ኣፍሊጡ።

ብኻሊእ መዳይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይ/ትዴፓ/፣ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ራያ ራዮማን ኮሚቴ ምምላሽ ማንነት ወልቃይት ጠገዴን ነቲ ቤት ምኽሪ ዘቕረብዎ ቅርታታት ብምሕባር፥ መንግስቲ ክልል ትግራይ የካይዶ ምስዘሎ ዘይሕጋዊ ምርጫ ብምዝማድ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይበፅሕ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ብሕገ መንግስቲ ዝተረጋገፁ መሰላት ፓርቲታት ፖለቲካ ዘይምኽባርን ተቐባልነት ዘይብሉን ክእረም ዝግበኦን ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 3 ሰነ 2012 ዓ.ም ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ብዝምልከት ዘመሓላለፎ ውሳነን ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ሕገ መንግስቲን ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ንክኽበር ዝሕብር ዝፀሓፍዎ ደብዳበን ዘይምኽባሩ ኢ-ሕገ መንግስታዊ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ እቲ ቤት ምኽሪ ዝስዕቡ ውሳነታት ትርጉም ሕገ መንግስቲ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

  • ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘውፅኦ ኣዋጅ ምርጫ ቁፅሪ 351/2012 ምስ ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 55(15)ን ዓንቀፅ 55(2)(መ) ይፃባእ ኢዩ።
  • ኣዋጅ ምርጫ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 351/2012 መሰረት ብምግባር ኮሚሽን ምርጫ ምጥያሽ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 102 ንብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ዝተውሃበ ስልጣን ዝጥሕስ ኢዩ።
  • ቤት ምኽሪ፣ ኮሚሽን ምርጫን ኣፈፀምቲ ኣካላትን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምርጫ ብዝምልከት ዘውፅኦ ኣዋጅ ምርጫ ቁፅሪ 351/2012 ዘሕለፍዎም ውሳነታትን ዝፈፀምዎም ተግባራትን ምስ ሕገ መንግስቲ ዝፃብኡ ብምዃኖም ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዓንቀፅ 9(1) ከምዘይተገበረ ዝሕሰብ፣ ዘይፀንዑን ተፈፃምነት ዘይብሎምን ኢዮም ብምባል ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ብሙሉእ ድምፂ ናይ መወ3ዳእታ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
ብሃይለየሱስ ስዩም





7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events