Dehai

ኽቡር ሓውና መስፍን ሓጎስ ናይ ብሓቂ ሕጋዊ [ዕላዊ] ጀነራል ድዩ ወይ'ሲ ብገለ ስሚዕታውያን ሰባት ብኢደ-ወነኖም ዝተመጠዎ ማዕርግ እዩ?

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 17 July 2020

ኽቡር ሓውና መስፍን ሓጎስ ናይ ብሓቂ ሕጋዊ [ዕላዊ] ጀነራል ድዩ ወይ' ብገለ ስሚዕታውያን ሰባት ብኢደ-ወነኖም ዝተመጠዎ ማዕርግ እዩ?

==========================================================================

መስፍን ሓጎስ ኣብ ሓደ ብባዕዳውያን ሓገዝን ምወላን ገንዘብን ዝቖመ፣ ወጻኢ ዝመደበሩ ኣንጻር ረብሓን ጥቕሚን ኤርትራ ወግሐ-ጸብሐ ሽርሕታትን ጸለመን ዘካይድ መርበብ ሓበሬታ [ራድዮ ብዕለት 18 ሰነ 2020 ዓመፈ] ብኣብ ክንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ምግልጋል ካብ ኤርትራ ሃዲሞም፣ ንውልቃዊ ጥቕሞም ብባዕዳውያን ሓይልታት ተዓሲቦም ዝሽቅሉ ዘለዉ መደርቲ ወይ ድማ መጽሔተኛታት [ጋዜጠኛታት] ኤርትራውያን ነበር ቀሪቡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት "ናብ መቐለ ትግራይ ይመላለስ እየ፣ ምስ ወያነ ድማ ባእሲ ዝበሃል ነገር ኣይነበረንን ማለቱ ጽልኢ የብለይን" ኢሉ ካብ ዝዛረብን ዝንሳሕን ዝኣምንን ብዕሊ ካብ ዝእውጅን፣ ገለ ውሑዳት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብኣውራጃውን ወረዳውን ካብ' ሓሊፎም'ውን ብዓዳዊ ስነ-ፍልጠት ዘይውንን ባይታ ዝዘበጠ ዘሕንኽን ዕሙት ስምዒትን ተላዒሎም ከም' "ከርበ" ዝሓዞም ሰብኣይን ሰበይትን ኣይርትቕረቡኒ ኣይትሓዙኒ እናበሉ ብእብረ-መሳርዕ ኣብ መሳኹቲ ሓሶትን ጉራን ጃህራን ወጺኦም ከጉርዑን ሰባት ከፈራርሁን ቀንዮምን ሰንቢቶምን ኣለዉ። እቲ ጽቡቕ ነገሩ ናይ` መሳኹቲ ሓሶት ግን ካብታ' ዝቕመጥዋ መንግስታት ሃገራት ዝመጠዎም [ዝተኾቦሎም] ኣርባዕተ ማእዝን ውሻጠ ገዛ ጥራይ ኮይኖም ብጽምዋ ተሳቕዮም ብሃለፍታ ኣናብስ ኮይኖም ስለ ዝስምዖም ግዲ ኾይኑ እምበር፣ ካውኣ ውጽእ እንተይሎም` መን ምዃኖም ከማን ዝፈልጦምን ዘቕልበሎም ሰብ ከማን ዘይምህላዉ ኣዩ።

 

ንምዃኑ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራን ኩሎም ኣባላቱን ብፍላይ፣ ሰውራ ኤርትራ ድማ ብሓፈሻ 30 ዓመታት መመላኣታ ዕድሚኦም ካልእ ብዙሕ ኣማራጺታትን ዕድላትን እናሃለዎም ንሃገር ህዝብን ክብሉ ወርቃዊ ግዜኦም ዝወፈየይሉን ለይትን መዓልትን ብዘይ ዕርፍትን ብዘይ ሓንቲ ሳንቲም [ክፍሊት] ዝተቓለሱሉን ዝደኸምሉን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈልሉን ኩለንትናዊን ስጋብ ዓሰርተታት ሻዕ ኣካላቶም ዝተወግእሉን መሓውራቶም ዝተቖራረጽሉን ሰብ ይሰርሖ ዘይበሃል ተኣምራታዊ ወትሃደራዊ ጅግንነት ይኹን ፖለቲካዊ ኣደናቒ ስርሒት ዝፈጸምሉን እኮ፣ ንስድራ ቤቶም ንወገኖም ንዓዶም ንወረዳኦም ንኣውራጃኦም ኮነ ንቀቢላኦም ጥራይ ኣይኮኑን፣ እንታይ ደኣ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሰንሰለታዊ ኣርዑት ባዕዳዊ መግዛእታዊ ሓይልታት ናጻን ሓራን ንምውጻእ እምበር! በዚ መሰረት ድማ ኣብ ህዝባውን ፍትሓውን ቓልሲ ወይ ዂናት ዝወደቑን ዝተሰውኡን ኩሎም ተጋደልትን ተቓለስትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ ኣብ ነፍስ-ወከፍ መላእ ስድሪ መሬት ኤርትራ ብጅግንነት ተዋጊኦምን ሰንኪሎምን ተሰዊኦምን ተቐቢሮምን እዮም። ንስድራና ኣርድኡልና ኣብ ዓድና ቕበሩናውን ፍጹም ኣይበሉን።

 

እሞ እዞም ካብ ሃገር ሃዲሞም ኣብ ደገ ገጽ መጽሓፍ [FB, YOUTUBE, PALTALK, TWEETTER] ዝዓረዱ ረሳዕቲ ረዚን ታሪኽ ውሑዳት በሃማት ተጋደልቲ ነበርን ድሒሮም ዝተወልዱን ገለ ኤርትራውያንን፣ ንሕብረተሰብና ብዓዲ ወገን ወረዳ ኣውራጃ ቀቢላ ብሄር ሃይማኖት ክመቓቅልዎን ክበታትንዎን ዝህቕኑ ዘለዉ ደኣ እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ እዩ? ነቲ ጥርኑፍን ንቑሕን ውዱብን ዕጡቕን ሃገራዊ ግቡኡ ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ዝፍጽምን ህዝቢ ኤርትራ' ካን' ረሲዖሞ እዮም?

 

ናብዛ ጉዳይ መስፍን ንሓጎስም ምስ ዝምለስ፣ ተሓጓማይ እንከሎስ፣ ተሓዛይ ይጠርጥ ከም ዝበሃል፣ ባዕሉ በዓል ጉዳይ መስፍን ሓጎስ እንከሎ፣ ኣብ መሳኹቲ ሓሶትን ጃህራን ፈኸራን ወጺእካ ኣነ ስመይ እገለ ይበሃል ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ወረዳ ካርነሽም [ካልእ ወረዳውን ክኸውን ይኽእል እዩ] ዝተወልድኩሉ ዓዲ ዓዲ " ኩስቶ" ኮይኑ ነያይ መስፍን ሓጎስ ከይትወቕስዎ ዓይንኹም ከይተንፍርሉ፣ ዕላማኹም ድማ ንኣውራጃ ሓማሴን ርእሱ ንምድናን እዩ ኣናበልካ ኣይትሓዙኒ ኢልካ ምፍካር እንታይ ኣምጽኦ? ንምዃኑ እዞም ሓደ ክልተ ከምዚ ትብሉ ባእታታት ንህዝቢ ምምሕዳር ሓማሴን ነበር ዘይኮነስ ነታ ዝተወለድኩምላ ዓዲ ይኹን ስድራቤትውን ኣይትውክሉን ኢኹም። ተቀማጢ ምምሕዳር ህዝቢ ሓማሴን ነበር ከም ኩሎም ህዝቢ ምምሕዳራት ነበር ኣሕዋቱ፣ ብታሪኹ ብኤርትራውነቱ ኩሩዕን ሕቡንን ጭዋን ጅግና ህዝቢ ኣዩ። ናታትኩም በጻብዕቲ ትቑጸሩ ማእዝንኩም ዘጥፋእኩም ውልቀሰባት ህዝቢ ሓማሴን ጠበቃውን ኣየድልዮን እዩ። መስፍን ሓጎስ ኤርትራ ብዝምልከት ጉዳይ ጌጋ ክዛረብን ኣንጻር ረብሓ ህዝቢ ክገብር ከሎ፣ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፣ ኣብ ሰውራ ብላዕለዋይ መሪሕነት ኮይኑ ብውልቂ ከም ዝተሳተፈ ብፍላይ ካበየናይ ኩርናዕ ኤርትራ ይምጻእ ወይ ኣበይ ይወለድ ብዘየገድስ ንዕኡ ብዝመጥን ኣገባብ ክውቀስን ብጭብጢ ክምከትን ኣለዎ።

 

ብወገነይ መስፍን ሓጎስ ሕጂ ዘይኮነስ ተጋግዩ፣ ኣብቲ ተወላዋሊን ኣብ ግዜ ኲናት 1998-2000 ዓምፈ ኤርትራውያን ሃገር ካብ ወራሪ ሓይሊ ከድሕኑ ኣብ ቅድመ-ግምባራት ብጅግንነት ዝዋግእሉን ዝስውእሉን ዝነበሩሉ እዋን ብሕጓ ምስ ብኣሳሰይቲ ወጻእተኛታት ጌሮም ሃገራዊ ምስጢር ነታ ደመኛ ጸላኢትና መሳፍናዊት ስርዓት ህውሓት ነበር ዝመንጠዉ ኣዕናዊጉጅለ-15 ተጸንቢሩካብ ዝሰርሕ ጀሚሩ እዩ። ስለዚ እዚ ናይ ብቐዳማይ ዝተዛረቦ ዘሕፍርን ዘዋርድን ዘረባ ሓድሽ ዘይኮነስ መቐጸልታ ተዋስኦ ናይ' ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ጸሊም ታሪኽ እዩ።

 

መስፍን ሓጎስ እቲ ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ኣብዚ እዋን ዕርበት መርዛም መስፍናዊት ህውሓት ዝገለጸላ ናይ ኮሸምሸም ፍትወት' ክብሎ ወይ ፍቐሪ "ሎም'ዘበን መወድኢ እኽሊ" ከም ዝበሃል፣ እቲ ዝተጠቕመሉ ቃላት ንጹር' እንተ ኾነ፣ እቲ ዝበሎ ንገለ ዘይተረድኦ ሰብ እንተ ሃልዩ ባዕሉ ሓላፍነት ወሲዱ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ዳግም ከረድኦ ምሉእ ኣፍልጦን ዓቕምን ኣሎዎ። ዝኾኑ ሰባት ወይ መጣቓዕትን ተሓለቕትን ኣባ ጓይላ ንኽኾኑ ዝደልዩ ግን ብቕዓት ዘይብሎም ድኹማት ሰባት ኣየድልይዎን እዮም። ስለ ምንታይ' መስፍን ሓጎስ ንነብሱ ወኪሉ ባዕሉ ክምልስን ከከላኸልን ምሉእ ዓቕሚን ክእለትን ትብዓትትን ስለ ዘለዎ።

እቲ መስፍን ዝበሎ ድማ ንኹሉ ንጹር እዩ። እንተ ደኣ ምስ ኣረሜናዊትን [Fasccist] መስፍናዊትን ህውሓት ባእስን ጽልእን ዘይነበሮ ኾይኑ፣ ካብ ግዜ 1998 ዓምፈ ጀሚሩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዘመነ-ሰውራ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ንድሕሪት ዝምለስ ኮይኑ፣ ወያነ ከም ዘይተቐጽዐት ሕንቅቕቲ ቆልዓ ኮይና ብህግሓኤ ኣብ ደጀን ሳሕል እናተዓለመት ኩሉ መግባ ሕክምንኣን ተሸፊኑላ ካብ ባዶ እግሪን እንተረኸበት ድማ ጥላም ሳእንን ናብ ዝማዕበለ ኮንጎ ተጋደልቲ ወድያ ዘመናዊ ኣጽዋርን ስነ-ፍልጠትን ዓጢቓን ሰኒቓን ተሓኪማን ተሰንያ ናብ ትግራይ ኣብ ትኸደሉ እዋን፣ እዚ ኹሉ ማእለያ ዘይብሉ ጽቡቕ ነገራት ተገይሩላ እንከተብቅዕ ተገልቢጣ ሞኽ ተብሎም ዝነበረትሉ እዋን'ውን፣ መስፍን ሓጎስ ኣብ ልዕሊኣ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኔሩዎን ይፈትዋን ኔሩ ማለት እዩ። እዚ ፍትወትን ፍቕሪን ጉጅለ ህውሓት ሕጂ ኣብ 2020 ዝተከስተን ብሓደጋ ወይ ኣጋጣሚ ዝጀመረን ወዝቢ ሓድሽ ተርእዮ እዩ ኢለ ንምግማት ኣዝዩ ኣሸጋሪ እዩ።

 

እቲ ንዓይን ከም' ኸማይ ብዙሓት ዝገረመኒን ዘስደመመን ግን፣ መስፍን ሓጎስ ኣብቲ ዝሓለፈ ገድላዊ ብረታዉ ቓልሲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ካብቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሓደ ኮይኑ፣ ከም ኩሎም ብጾቱ ወትሃደራዊ ግምባራት ዝመርሐን ዝኣለየን እኳ እንተነበረን፣ ብድሕሪ ናጽነት'ውን ንሓጺር ግዜ ናይ መጀመርታ ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ከም መከላኸሊ ሓላፊ ኮይኑ ኣብ' መንግስቲ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ እንተሰርሐ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ናይ ጀነራል ማዕርግ ተዋሂቡ ከም ጀነራል ክጽዋዕ ግን ፍጹም ሰሚዐ ኣይፈልጥን። እሞ እዚ ማዕርግ ጀነራልን ብገለ ሰባት ስኑዕ ወትሃደራዊ ክዳንን ገጅፍ ቆቢዕን ኣልቢስካ ዝተጋነነ ናይ ሓሶት "ጀነራል መስፍን ሓጎስ" ኢልካ ምጽዋዕን ምቅንጃውን ደኣ ካበይ ዝመጸ እዩ? ወይ' ኣነን ከም' ኸማይ ዝኣመሰሉን ኢና ከይሰማዕና ሃሪስና [ደቂስና] ኔርና? እስከ እዚ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከም ገለ ኢልኩም ፍትሑለይ ኢኹም?

====================================================================

ብዙሕነትን ጽባቐን 9 ብሄራትና፣ ሕላገት ጽኑዕ ሓድነትናን ኤርትራዊ መንነትናን!

ዘልኣለማዊ ኽብርን ዝኽርን ንስውኣትና፣ ክብርን ግቡእ ክንክንን ድማ ንጀጋኑ ሓርበኛታት ሓርነታዊ ኲናትን/ምክልኻል ሃገርን ስንኩላን ብጾትና/ኣሕዋትናን ኣሓትናን!

ሞሳን ኽብርን ኣፍልጦን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ለይተ-ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ጸጥታ ሃገር ኣብ ምሕላውን ሰላም ህዝቢ ኣብ ምዕቃብን ሃገር ኣብ ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘለዉ ሓርበኛታት ጀጋኑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ መንእሰያት ኤርትራውያንን!

ዓወት 'ሓፋሽ!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]

==========================================================================

ሓበሬታ፣

=====

=====

1. ቁንጫል ቃለ መሕትት መስፍን ሓጎስ ምስ ራድዮ ኤረና 18.06.2020

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3053277928060560/3053194578068895/

2. ግብረ-መልሲ ዓብደልቃድር ሓምዳን ኣካያዲ መርበብ ሓበሬታ ቀርኒ ኣፍሪቃ [HoA] ንመስፍን ሓጎስ

https://www.youtube.com/watch?v=TJP0ibeh6bg&t=484s

3. 'ኣብ ሓደ እዋን ተጠራጢረ ፈደረሽን ዘይንቕበል ኢለ ኔረ' 'ዶር ኣሰፋው ተኸስተ ...

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3053277928060560/3053197361401950/

4. ምስጢር ጉጅለ-15 ብሰንጋል ወልደትንሳአ ሓዉ ንሓዉ ሃይለ ወልደትንሳአ [ድሩዕ] ሃንዳስን መራሒን ጉጅለ-15

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3053277928060560/3053223174732702/

5. ሕቡእ ምስጢር መራሒ ጉጅለ-15 ሃይለ ወልደትንሳአ [ድሩዕ]

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3053277928060560/3053233494731670

6. 'ንኢሰያስ ቅተልዎ'...ሓደ ዘይተፈልጠ ኣምባሳድር!' ረድኢ መሓሪ ኣብ 90ታት ምስ ገለ ሱዳናውያን ኮይኑ ብማሪትን ጥንቆላን ሸርሕን

እምኒ ናብ ወርቂ ክልውጥ ዝፈተነን ብስስዐን ገንዘብ ምፍታውን ዝመለለይኡ ብወንጀል ተኣሲሩ ዝነበረን፣ ከም ኣባል ስለያ ኣሜርካ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ዝጥርጠር፣ ደሓር ናብ ካናዳ ዝሃደመን፣ ብዛዕባ G15 ኣመልኪቱ፡ ሓደ ምስጢር ኣምሊቁ ኣሎ።

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3053277928060560/3053248431396843

7. ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደገርጊሽ ነበር ብዛዕባ ጉጅለ-15 ሸርሒ እንክገልጽ……

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3053277928060560/3053266554728364

=======================================================================

ደርፍታት፣

=====

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3053277928060560/3053315231390163

 

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3053277928060560/3053321438056209

 

https://www.facebook.com/100001351497949/videos/pcb.3053277928060560/3053322124722807

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events