Dehai

BBC: እቲ ኣፍካ ዘየኽድን ወደይ ኣበይ ኣተወ? ኣደ ስውእ ወይዘሮ መብራት

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Tuesday, 23 June 2020

መጎስ ብርሃነ ምስ በዓልቲ-ቤቱ ኣለም መሓሪ
Image copyrightMG

ህዝባዊ ግንባር ክሳብ ሓምሻይ ወራር መኪቱ ኣብ ሳሕል ቀዋሚ ዕርድታት ምስ ሓዘ፡ ዓቕሚ ሰራዊቱ ንምምሕያሽ ኣካዳምያዊ ትምህርትን ወተሃደራውን ሞያውን ስልጠናታት ከካይድ ጀመረ።

ነቶም ፊደል ዘይቆጸሩ ሰራዊቱ ምጽሓፍን ምንባብን፡ ነቶም ኣብ መንጎ ዝተኾልፉ ከኣ ክሳብ ሓሙሻይ ክፍሊ፡ ኣብ ገሊኡ እውን ልዕሊኡ ክምህር ጀመረ።

ተጋዳላይ፡ ፈኲስን ማእከላይን ኣጽዋር፡ ከምኡ እውን ምጽዋድን ምውጻእን ነታጒ ተማሂሩ ዓቕሙ ከማዕብል፡ ኣብ ስልጠና ተዋፈረ።

ንሰራዊትን ህዝብን ዝሕክሙ ኣጋር ሓካይም ብብዝሒ ተማህሩ።

ኣብ ርእሲኡ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ትምህርትን ጎስጓስ ተኻዪዱ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ንጥፈታት ባህሊ'ውን ዓምበበን ዓበየን።

ዳርጋ ኣብ ኩሉ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ንጥፈታት ኢዱ ዝሕውስ ኣፍካ ዘየኽድን ፍቱው ተዋዛያይ ተስፋይ ባይረ ከኣ ብኣብነት ዝጥቀስ ኣበርክቶ ነበሮ።

ህዝባዊ ሰራዊት ካብ ከበሳታት ኣዝሊቑ ኣብ ሳሕል ምስ ሰፈረ ስርዓት ደርግ "ሰውራ ኤርትራ ተደምሲሱ'ዩ።

"ውሑዳት ወምበዴታት ጥራሕ'ዮም ኣብ በረኻታት ሳሕል ተንጠልጢሎም ዘለዉ" ይብል ስለ ዝነበረ፡ ህዝባዊ ግንባር፡ እቲ ወረ፡ ሓቂ ከም ዘይኮነ፡ ብመንገዲ ኣህጉራውያን ጋዜጠኛታት ንማሕበረ ሰብ ዓለምን ህዝቢ ኤርትራን ክነግር ኣብ ጥሪ 1979 ድምጺ ሓፋሽ ኣቚሙ ህላዌኡ ብሬድዮ ኣበሰረ።

ብዙሓት ናይ ግዳም ጋዜጠኛታት ከኣ ንሜዳ ኣትዮም ምስክርነቶም ሃቡ።

ኣብ ስደት ካብ ዝነብሩ ሓፋሽ ውድባት እውን ሓያሎ ንሜዳ ኣትዮም ህላዌን ጽንዓትን ህዝባዊ ሰራዊት ርእዮም ተመሊሶም ንህዝቢ ይነግሩን የደዓዕሱን ነበሩ።

ሓደ መዓልቲ፡ ንወይዘሮ መብራት፡ ኣደ ወዲ ባይረ ዝፈልጡ ሰባት ካብ ዓዲ ጥልያን ስለዝመጽኡ፡ ተስፋይ ወደን ደሓን ከምዘሎ ዝነግር መልእኽቲ ንዓዲ ጥልያን ተላእከ።

ኣይደንጎየን፡ ምስ ካልኦት በጻሕቲ "ተስፋይ ወደይሲ ብሓቂ ኣብ ምድሪ ዓለም ኣለኻ" ዝብል መልእኽቲ ዘለዋ ሰመያዊት ኣይሮግራም ንሳሕል መጽአት።

ወዲ ባይረ ከኣ ምስተን ክልተ ሳዕ ንድፍዓት መጺኣ ከይረኸበቶ ዝተመልሰት ወላዲቱ ብደብዳበ ተራኸበ።

እቶም ናይ ቀረባ አዕሩኽቱ እውን "ብርክኹም ይጽናዕ!" ዝብል ምርቓ ኣደይ መብራት ተቛደሱ።

ወዲ ባይረ፡ ንሳሕል ምስ ኣተው ኮሚሽነር ጋንታ ኮይኑ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ኣትዩስ፡ ኣብ ኩናት ከቢድ ስንክልና እግሪ ኣጋጢሙዎ፡ ካብ ሞት ንስክላ ድሒኑ፡ ከም ሓኪም ቦጦሎኒ ከገልግል ናብታ ናይ ቀደም ቦትኡ ተመልሰ።

Short presentational grey line

ቅድሚ ሻድሻይ ወራር ምድረ ሰማይ ምስ ተረጋግአ፡ ህዝባዊ ግንባር መርዓ ስለዘፍቀደ፡ ብርክት ዝበሉ መጻምድቲ ፍቑራት ብጃምላ ቃል ኪዳን ይኣስሩ ነበሩ።

መጎስ ብርሃነ ከኣ ኣለም መሓሪ (ካምቦድያ) ምስ ዝተባህለት ብጸይቱ ቃል ኪዳን ኣሰረ። ሕጽኖት ሰውራ ብጃምላ እዩ-ግን ከኣ ኣብቲ ናይ ሓባር ህይወት ፍቕሪ ኣሎ።

እቶም ደቂ-መርዓ (ብሓንሳብ ዝተመርዓው) ከም ደቂ ገዛውትን ደቂ ቤት ትምህርትን ኣብ ሓድሕዶም ፍሉይ ዝምድና እዮም ዝምስርቱ።

ኣብታ ናይ ወርሒ ሕጽኖት ነንሓድሕዶም አዐርዮም ስለዝፋለጡ፡ ፍልይ ዝበለ ምሕዝነት እዮም ዘጥርዩ። ግን ፍቕሪ ሰውራ ነባሪ ኣይኮነን።

ኣብ ነብሲ ወከፍ ኩናት፡ ኣፍቃሪ ወይ ተፈቃሪት ብመስዋእቲ ስለዝሓልፉ ኩሉ ሳዕ ቃንዛ ኣሎ። መጎስ ብርሃነ እውን ከም ብዙሓት ብጾቱ ካብቲ ዕድል'ቲ ኣየምለጠን።

ሰራዊት ደርግ፡ ሺሾ ሰራዊት ሒዙ ሻድሻይ ወራር ብወግዒ ንኽጅምር ንሳሕል ምስ ወረደ፡ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ዝተኣኻኸበ ሰራዊት ኣቐዲሙ ንክድህሎ፡ ተቐዳዲሙ፡ ብ12 ለካቲት 1982 ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ከቢድ መጥቃዕቲ ፈነወ።

እቲ ኩናት ዋላኳ ንጸላኢ እንተደሃሎ፡ ግን ብኸቢድ መስዋእቲ እዩ ነይሩ።

ኣብታ ዕለት ንዝተወግኡ ብጾተን ንሕክምና ኣብጺሐን ናብ ድፈዐን ዝምልሳ ዝነበራ ትሽዓተ ደቀንስትዮ ካብ ኣንቴኖቭ ነፋሪት ዝተተኮሰ ከቢድ ቦምባ ኣብ ማእከለን ዓለበ።

'ሂም' ዝብል ሓያል ድምጺ ክሰምዓን ዛንተአን ክውዳእን ሓደ ኮነ። እተን ሸሞንተ ብጾት ኣየምለሳን - ሓንቲ ካብኣተን ከኣ ኣለም መሓሪ ነበረት።

እቲ ዝሃረመን ከቢድ ቦምባ ንኣከላተን ስለዝበታተኾ ከካብ ዝተዘርዎ ሓመድን ገረብን ኣራርዮም ሓመድ ኣልቢሶመን።

ጸሃይነሽ (ኮይኑላ) ዝተባህለት ብጸይተን ግን፡ ጸሓይ ጽባሕ ረአዪ ኢሉዋ ብህይወት ተሪፋ።

ሽዑ ጥራሕ ዘይኮነት ድሕሪኡ እውን ካብ ተኸታታሊ ኩናት ሰሪራስ ናጽነት ርእያ ፈርያን ዘሚዳን ኣብ ኤርትራ ትነብር ኣላ።

"እዝኒ ንዋንኣ ጓና እያ" ከምዝበሃል፡ መስዋእቲ ኣለም ካምቦድያ ኩሉ ኣሃዱ ሰሚዑዎ ከብቅዕ ንመጎስ ብርሃነ ግን ተሓቢኡዎ ኣይሰምዐን።

ኣብ ጁባ እታ ብጸይቲ ዝነበረት ናይ መርዐኦም መዘከርታ ስእሊ ግን፡ ምስ ዝተረፍተተ ኣካላታ ኣብ ገረብ ተንጠልጢላ ተረኺባስ ንተስፋይ ባይረ ብሓደራ ተዋህበት።

ተስፋይ ባይረ፡ ብጻዩን ዓርኩን መጎስ ብርሃነ፡ መስዋእቲ ኣፍቃሪቱ ምስተነግረ እንታይ ክስመዖ ከም ዝኽእል ተገንዚቡ ነታ ስእሊ ባዕሉ ክዕቅባ መረጸ።

ንኽልቲኦም ኣጸቢቑ ስለዝፈልጦም ከኣ ነታ ስእሉ ንመዘከርታ ኣትረፋ።

ሻድሻይ ወራር ምፍሻሉ ብወግዒ ምስ ተኣወጀ መጎስ እውን መስዋእቲ ኣፍቃሪቱ ብዕሊ ተነግረ።

"ብጸይትኻ ኣለም መሓሪ ተሰዊኣ ኣላ" ምስተባህለ፡ ዝሕዞን ዝጭብጦን ኣይፈለጠን - ቀዚዙ ሰንበደ። ነቲ ናይ ሽዑ ሃለዋት ሕጂ እውን ኣይርስዖን እዩ።

"ትፈትዋ ሰብ ምስኣን ከመይ ከምዝኾነ ዝፈተነ ጥራሕ'ዩ ዝፈልጦ" ይብል፡ ነቲ ቅድሚ ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ዝገበረ ፍጻሜ እንክዝክር።

ኣብ ሰውራ ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጥኻ እዩ - ጋሂኻን ንብዓትካ ብልብኻ እዩ - ገጽካ ግን ብፍሽኽታ ክደምቕ ኣለዎ።

ጽባሕ ንግሆ ደድሕሪ ኣፍቃሪትካ፡ ደድሕሪ ሓውኻ ሓፍትኻ፡ ደድሕሪ ኣቦኻ ኣዴኻ፡ ብጻይካ ብጸይትኻ ከምእትስዕብ ኣሚንካ ንመስዋእቲ ብፍሽክታ ጥራሕ ኢኻ ክትቅበሎ ዘለካ።

ንመስዋእቲ ከም ዓወት ምቕባል ባህሊ ኮይኑ እዩ። ዋላ ዘይከኣል እንተኾነ ክትክእሎ ኣለካ። ካብኡ ወጻኢ ነቲ ባህሊ ከም ምኽሓድ ስለዝቑጸር ቅቡል ኣይኮነን።

ዋላ እውን በቚባቚ/ ደንጋጽ እንተኾንካ፡ ነቲ ቃንዛ ክትክእሎ ኢኻ ትጽዕር።

ምናልባት ገለ ውሑዳት ካብ ብጾቶም ርሒቖም ኣብ ጽምዋ በኽዮም- በኽዮም ጓሂኦም ዘንፍሱዎ ኣይሰኣኑን ነይሮም - ግን ከም ፍቕዲ ኣጻብዕ እዮም።

መጎስ ከኣ ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጡ ጸይሩ ክሳብ ንብጸይቱ ዘርክባ ቃልሲ ክቕጽል ምስ ነብሱ ቃል ኣተወ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሻድሻይ ወራር ተሳዒሩ፡ ነገራት ምስ ተረጋግአ፡ ስርዓት ደርግ ንህዝበዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ካብ ምድረ ደደቢት ከርሕቖ፡ ኣብ ትግራይ ሻብዓይ ወራር ከካይድ ይሸባሸብ ምህላው ምስተፈልጠ፡ ነቶም ኣብ ሻድሻይ ወራር ኣብ ሳሕል ተሳቲፎም እጃሞም ዘበርከቱ ህወሓት ንምሕጋዝ ቦጦሎኒ ተስፋይ ባይረን ምስ ካልኦት ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ንትግራይ ነቐለት።

እቲ ጉዕዞ ለይትን ቀትርን እዩ። ለይተ ለይቲ ብመካይን፡ ቀትሪ ሓዊስካ ከኣ ብእግሪ።

ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል፡ ኣብ ዝባን ኤነትረ ተሰቒልካ፡ ንሰማይ ኣብ ዘንቃዕረረ ኣጻድፍ ብዝተሃንጸ (ንመገዲ ዓርበ-ረቡዕ ኣብ ዝመሳሰል ጥውይዋይ፡ ብደሆ ዝተሰምየ ጸቢብ ጽርግያ) ኣብ ርእሲ ርእሲ ተጸፋጺፍካ እዩ ነይሩ'ቲ ጉዕዞ።

እሞ ኸኣ ኣብ ግብ ዝበለ ጸላም፡ መብራህቲ ኣጥፊእካ፡ ብሰሜን ንዝባን ደይብካ ብደቡብ ንቁልቁል ተነቚትካ፡ ኣብ ሩባ ዓምበርበብ ካብኡ ንባርካ ተመናኒህካ ኢኻ ትኣቱ።

ስለዝኾነ ዝበዝሕ ሰብ "ብእግርና ምሓሸና" እዩ ዝብል።

ኩምራ ዝዓነዋ ታንክታት

እቲ ኣሃዱ፡ ንጎላጉል ባርካ ብኣጋር ጸንፊፉ፡ ብሽላሎ ገይሩ ንባድመ፡ ካብኡ ብደምበ ሰንበል ቆሪጹ ንሸራሮ ኣተወ።

ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ሓኪም በጦሎኒ ተኽሉ ሓደ ነገር ትዝ በሎ። ንተስፋይ ኣቡኡ፡ ኣቦይ ባይረ ኣብቲ ከባቢ እዮም ዝነብሩ።

ሓደ ግዜ ብዛዕባ ኣተዓብበያኦም ከዕልሉ እንከለው፡ ተስፋይ፡ ዓዶም ደቂ ዘርኡ ምዃኑ፡ ንኣቡኡ ከኣ ርእዩዎም ከምዘይፈልጥ አዕሊሉዎ ስለዝነበረ፡ ተኽሉ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ሓታቲቱ ደሃይ ኣቦይ ባይረ ምስ ረኸበ፡ ወዶም ኣብ ሸራሮ ምስ ዘለዋ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባር ከምዘሎ ለኣኸሎም። ንሶም ከኣ፡ ሪፍ (ሰናር) (ኣይ ፈረስ ኣይ በቕሊ ቅልጡፍ ሰጋር ኣድጊ) ተሰቒሎም ሂፍ እናበሉ ንጽባሒቱ ሸራሮ ኣተው።

"እዞም ደቀይ ተስፋይ ዝበሃል ወደይ ምሳኹም ኣሎ ሰሚዐ" ምስ በሉ፡ እቶም ተጋደልቲ፡ ብመልክዖም ጥራሕ ኣቦ ወዲ ባይረ ምዃኖም ተረዲኦም " ወዲ ባይረ - ወዲ ባይረ፡ ኣቦኻ መጺኦም" ኢሎም ተቐቢሎም ምስ ወዶም ኣራኸቡዎም።

ኣቦን ወድን ተሓናኒቖም ተሰዓዓሙ።

ተስፋይ ምስ ወላዲቱ ኣብ ኣስመራ እዩ ዓብዩ። ኣቦይ ባይረ ምናልባት ብቖልዕኡ እንከሎ ርእዮሞ እንተኾይኖም እዮም።

ሳላ ተኽሉን ተስፋይን አዕሊሎም ዝጸንሑ ዕድል ገይሮም ግን ኣቦን ወድን ድሕሪ ክንደይ ዓመታት ብኣካል ክራኸቡ ክኢሎም።

እምበር ኣብ ሰውራስ ዋላ ብጎደቦኻን ዓድኻን እናሓለፍካ እውን ንስድራኻ ምንጋርን ኣይነበረን - ጽባሕ ዘይተርፍ መስዋእቲ ስለዝህሉ፡ እንተቐበጹ ይሓይሽ ብምባል፡ ንስድራ ዘይምንጋር እዩ ዝምረጽ።

ብጻዩን ሓላፊኡን ተኽሉ፡ "እሞ ተስፋይ ምስ ኣቦኻ ሓዲርካ ቀስ ኢልካ ኣርክበና" ምስ በሎ፡ ተስፋይ ከም ቀደሙ፡ " ኣይከውንን እዩ" በለ።

እንተኾነ ብጾቱ ዓይንኻ ዓይንኻ ምስ በሉዎ ምስ ኣቡኡ ከዕልል ኣብ ሸራሮ ተረፈ። ኣሃዱኡ ከኣ ምስተን ኣብ እዚ ተጋዳላይ ሓየሎም ህወሓት ተጠርኒፈን ንራማ ከጥቅዓ ዝግስግሳ ኣሃዱታት ንቕድሚት ጉዕዞኣ ቀጸለት።

ኣቦን ወድን ንበይኖም ምስ ኮኑ፡ ኣቦይ ባይረ፦

"ተስፋይ ወደይ ኣዴኻ'ያ ኣዕብያትካ፡ ኣየሐንቀኩኻን፡ ኣይትሓዘለይ፡ ሕጂ ግን ውድብኩም መርዓ ኣፍቂዱ ስለዘሎስ፡ ጓል ሰብ ከምጽኣልካ፡ ወይ ካብዘን ምሳኹም ዘለዋ ብጾትካ ትጥምታ እንተልያትካ ከመርዕወካ - ክኽሕስ፡ ሓራይ በለኒ " በሉዎ ብሓውሲ ልማኖ።

ተስፋይ፡ "እንታይ ጸገም ኣለዎ ኣቦ፡ ሓደ መዓልቲ ክኸውን እዩ - ሕጂ ግን ኣይጥዕምን እዩ። ብሓደ ስለዘሎናስ ነርክበሉ ኢና ጸገም የብሉን፤ ግዜ ምስጠዓመ ባዕልኻ ኢኻ ተመርዕወኒ" ኢሉ ካብ ልመና ኣቡኡ ከምልጥ ፈተነ።

ኣቡኡ ግን " ኣይፋልካን'ዚ ወደይ ሕጂ ደኣ" ኢሎም ምስ ጸቐጥሉ፡ "ሐራይ እምበኣር ክንሓስበሉ ኢና" ኢሉ ኣረጋጊኡ፡ ለይቲ ድቃስ ምስ ወሰዶም ላምፓዲናኦም ሒዙ ኣብ ዓዲ ሃገራይ ንብጾቱ ኣርከቦም።

ኣቦይ ባይረ ንግሆ ምስተንስኡ ተስፋይ ኣይነበረን። ተጋደልቲ ኣለው ክትብሎም ከምዝርሕቁ፡ ከይዶም ክትብሎም ከምዝበርቁ ስለዝፈልጡ፡ "ደሓን እዝጊ ይሓልዎ!" ኢሎም ብልቦም መረቑዎ።

ውሁድ መጥቃዕቲ ራማ - 1982

ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ተሓባቢሮም፡ ኣብ ራማ ንዝነበረ ሰራዊት ደርግ ኣጥቂዖም ነታ ኸተማ ተቖጻጺሮም ኣጽዋርን ምሩኻትን ሒዞም ናብ ዝመጽኡዎ ተመልሱ።

መጎስን ወዲ ባይረን ዝነበሩዋ ሕክምና ቦጦሎኒ፡ ኣብ ዓዲ ነብሪ ኢድ፡ ኣብ ገዛ እንዳ ሓየሎም ኣርኣያ ከምዘዕረፉን ወላዲት ሓየሎም ጽቡቕ ገይረን ከም ዝተቐበለኦምን ብምሕዝነት ህዝባዊ ግንባርን ህወሓትን ኣዝየን ሕጉስቲ ምንባረን መጎስ ይዝክር።

ወዲ ባይረ ምስ ዘይፈልጦም አሕዋቱ

ብድሕሪኡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ባርካ ኣብ ዝተፈላለየ ነቑጣታት፡ ኣብ ፎዴ፡ ኩሉኩ፡ ቢንቢና ዓስኪሩ ንዝነበረ ሰራዊት ደርግ እናኣጥቅዐ ሓያል ዓወታት ኣመዝገባ።

ኣብቲ እዋን'ቲ ኣሃዱ ወዲ ባይረ ኣብ ባርካ ይንቀሳቐስ ስለዝነበረ፡ ብወረ እምበር ብኣካል ዘይፈልጡዎ ዝነበሩ አሕዋቱ መመጺኦም ይርእዩዎም ይላለዩዎን ነይሮም።

ተስፋይ እውን እትረፍ ብኣካል ብወረ እውን ምስ ዘይፈልጦም በብኡ ዝውለዱ ኣሕዋቱ ረኺቡ፡ ንኹሎም ኣሓንቂቑን ኣሓጒሱን ፍቕሪ ሕውነት ኣቕሚሱ ኣተባቢዑ የፋነዎም ነበረ።

ኣሃዱ ወዲ ባይረ ቦጦሎኒ ሓደ ብርጌድ 31 ኣብ ባርካ እናተንቀሳቐሰት እንከላ ከኣ ኣብ መጀመርታ 1983 ናይ ካድር ትምህርቲ ክመሃር ንሳሕል ተመልሰ።

ምጅማር ሰላሕታ ወራር

ጎቦታት ኤርትራ

ድሕሪኡ እቲ ብምሉእ ዓቕሙ ናብ ደደቢት እዩ ክወፍር ዝተባህለ፡ ድሕሪ ፍሽለት ሻዱሻይ ወራር ዝተወዳደበ ሰራዊት ደርግ፡ ብቐጥታ፡ ኣብ ከባቢ ከረን ኣብ ሓልሓል ዓሪዱ ኣብ ዝነበረ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ከቢድ መጥቃዕቲ ስለዝጀመረ እተን ኣብ ባርካ ክንቀሳቐሳ ዝጸንሓ ሓይልታት ንሳሕል ተመሊሰን ኣብ መኸተ እቲ ወራር ተጸምዳ።

እንተኾነ እቲ ካብ ምሉእ ውድብ ናይ ካድር ትምህርቲ ንኽወስድ ዝተኣኻኸበ ሓይሊ ኩናት ሰላሕታ ምስ ጻዕጸዐ ከም ሓደ ኣሃዱ ቆይሙ ኣብ ድፍዓት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕል ዓሪዱ ወራር ክከላኸል ተሰለፈ። እታ ክሳብ ሽዑኡ ኣብ ማህደሩ ዓቂቡዋ ዝጸንሐ ስእሊ ስውእቲ ብጸይቱን ሰይቲ መጎስ ዓርኩን ኣለም መሓሪ ጓል ሃይለ ብእትበሃል ብጸይቲ ንመጎስ ለኣኸሉ።

ሰላሕታ ወራር፡ ህዝባዊ ግንባር ካብ ዕርድታት ሓልሓል ንነዊሕ ኪሎ-ሜተራት ዝተደፍኣሉን ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለሉን ንኣርባዕተ ወርሒ ብዘይ ምቁራጽ ዝቐጸለ ሓያል ኩናት እዩ ነይሩ።

ወዲ ባይረ ግን ዕድል ገይሩ፡ ካብቲ ወራር ወጺኡ ኣብ መጥቃዕቲ ውቃው እዝ መጋቢት 1984፡ ኣብ ኩናት ኣውገት ሃንደት ምስ መጎስ ተራኺቦም።

ተሓቛቚፎም ህዉኽ ሰላምታ ኩናት ተለዋዊጦም ከኣ ነናብ ዋኒኖም ተፈላልዮም።

ሰራዊት ደርግ ካብ 1979 ኣትሒዙ ዓሪዱሉ ዝጸንሐ ሰፊሕ ግንባር ውቃው እዝ ምስተጸርገ፡ ወዲ ባይረ፡ ኣብ መፋርቕ 1984፡ ምስ ምቛም ክፍለ ሰራዊታት ኣብ ብርጌድ 58 መራሕ ሓይሊ ኮይኑ ተመደበ።

ዕማም ተጋዳላይ/ወተሃደር ወትሩ ኩናት ስለዝኾነ ወዲ ባይረ ኣብ ዝተፈላለየ ናእሽቱን ዓበይትን ኩናት ተሳቲፉ ብዙሕ ከቢድን ፈኲስን መውጋእቲ ተወጊኡ ቃልሲ እናቐጸለ፡ ኣብ 1985 ኣብ ኩናት ባረንቱ ተሰዊኡ።

ኩናት ባረንቱ እውን ቀሊል ኣይነበረን።

ህዝባዊ ግንባር ንከተማ ባረንቱ ሓራ ድሕሪ ምውጻእ፡ ኣብ ጎላጉል ባርካን ጎቦታት ኬርታን ነታ ከተማ ከምልስ ብኹሉ ሸነኽ ንዝወፈረ ሓይሊ ጸላኢ ን50 መዓልታት መኪቱ ልዕሊ ዓቕሙ ምስ ኮኖ ንጸላኢ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ምድኻም ይሓይሽ ናብ ዝብል እስትራቴጂኡ፡ ናብ ዕርድታት ሳሕል ተመልሰ።

ብዝተፈላለየ ዓበይትን ናእሽቱን ስርሒታት፡ ድሕሪኡ ንዝቐጸለ ወራራት ኣምኪኑ ከኣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኣስታት 10 ዓመት ኣብ ዙርያ ናቕፋ፡ ኣብ ገፊሕ ግንባር ዓሪዱ ንዝነበረ ብናደው እዝ ዝፍለጥ ምምሕዳር ኣፍሪሱ ንኣፍዓበት ተቖጻጸረ። ዓወታቱ ከኣ ኣብ ውሽጥን ደገን ተቓለሐ።

ደሃይ ተስፋይ ኣብ ቦሎኛ - ኢጣልያ

እቲ ግንባር፡ ኣብ ስደት ንዝነበረ ህዝቢ ብኹሉ ዝኽእሎ ንኺንቀሳቐስን ክጉስጉሶ ብምሕላን፡ ንጉጅለ ባህሊ እቲ ውድብ፡ ኣብቲ ዓመት ዓመት ዝካየድ ዝነበረ ኤርትራውያን ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝተኣኻኸቡሉ ንግደት ቦሎኛ ንክሳተፍ ንኢጣልያ ለኣኻ።

ኣብቲ ህዝባዊ ውራይ፡ ኣደ ተጋዳላይ ተስፋይ ባይረ፡ ኣደይ መብራት፡ ምስቶም ካብ ሜዳ ዝመጽኡ ኣባላት ባህሊ ተራኸባ።

ብርኽቲ ወልደስላሰ (ታንኪ) ቀረባ ቤተሰበን እያ። መኮነን ሰረቐ (ቢቲ-ቢቶ) ከኣ መተዓብይቱን ዓርኩን እዩ ንወደን።

ተራኺቦም ደሃይ ሓድሕድ ምስተሓታተቱ፡ ዋላ እውን ደሃይ ወደን እንተዘይነበሮም፡ ከምዛ ቅድሚ ቀረባ እዋን ዝተራኸቡ፡ " ተስፋይ ጽቡቕ ኣሎ - ሰላም ኣሎ!" ኢሎም ኣቕሰኑወን።

ወይዘሮ መብራት ወደን ክሳብ ሽዑ ብደሓነ ሰላም ካብ ሃለወ ኣብቲ ርሑቕ ዘይኮነ ዓወት ናጽነት ክንራኸብ ኢና ኢለን ተተስፈዋ።

ኩነታት ኣይደንጎየን - ድሕሪ ናደው ኣብ ካልኣይ ዓመታ ባጽዕ ተሓሪራ፡ ብ24 ግንቦት 1991 ከኣ ኣስመራ ናጻ ወጺኣ።

ኣደይ መብራት ቅድሚ ናጽነት፡ ኣብ ኣስመራ መቐበልን መትከሊ እግርን ወደን ዝኸውን ግሩም ቪላ ዓዲገን ስለዝነበራ፡ ኣስመራ ሓራ ምስወጽአት ቀልጢፈን እየን ንዓዲ ኣትየን።

ትጽቢትን ሻቕሎትን ኣደይ መብራት

ወደይ ሎሚ ጽባሕ ክኣቱ እዩ ኢለን ሃንቀው ክብላ ግን ኣዋርሕ ሓሊፉ። ተስፋይ ኣይመጽአን - ሰይቲ ተስፋይ እየ ትብል ሰብ እውን ኣይመጽአትን።

'ብዓሰብ እዩ ዝህሉ፡ ገና ካብ ሳሕል ዘይኣተው ኣለው' ዝብል መመኽነይታ ክሳብ ዝጸርር ተጸብየን - ግን ደሃይ ኣይረኸባን።

ሰነ- 1992 ምንጋር ስውኣት ምስ ኮነ እውን መስዋእቲ ወደን ኣይተነግራን።

እቲ ኣፍካ ዘየኽድን ብኹሎም ዝፈልጡዎ ተጋደልቲ ዝድነቕን ዝፍቶን ውላደን ኣብ ዝኣተዎ ሓርበተን - ወደይ ኣበይ ኣተወ ክብላ ከም ሕሱም ተጨነቓ። ዝፈልጡወን ዘበሉ ረሓቑወን፡ ኣብ ፈቐዶ ኣብያተ ጽሕፈት ኮለል ኢለን ደሃይ ምስ ሰኣና ከኣ መሊሰን ተሓመሳ።

ኣደታት ኤርትራ

ክበጽሑወን ንገዛ ብዝመጽኡ ተጋደልቲ ቤተሰብ፡ ብወረ ወረ መጎስ ብርሃነ ዝበሃል ዓርኩ ኣሎ ተባሂለን ተነግራ።

መጎስ እውን፡ ኣደ ወዲ ባይረ ካብ ዓዲ ጥልያን ምምጸአንን መስዋእቲ ወደን ስለዘይተነግራ ብዙሕ ይሻቐላ ምህላወን ተሓበረ። ከይደንጎየ ከኣ ምስ ልኡል ዝተባህለ ዓርኪ ስዉእተ ተስፋይ ወደን ንገዝአን ከደ። " ወደይ ኣበይ ኣተወ - ኣበይ እዩ ወዲቑ?" ክብላ ሓተትኦ ንመጎስ።

ክሳብ ሽዑ መስዋእቲ ወደን ዘይምንጋረን ገሪሙዎ "ደሓን ክሓታትት እየ" ኢሉወን ከደ።

ከምዝበሎ ኣብቲ ሰነዳት ስውኣት ዝተሓዘሉ ኣብያተ ጽሕፈታት ሓታቲቱ፡ ፋይሉ ንባረንቱ ከምዝኸደን፡ ኣቡኡ መስዋእቲ ወዶም ከምዝተነግሩን ሓበሬታ ረኸበ።

መጎስ ነቲ ጉዳይ ከጻሪ ንባረንቱ ወረደ። እቲ ዝተባህለ ከኣ ሓቂ ነበረ።

እንተኾነ ኣቦይ ባይረ መስዋእቲ ወዶም ምስተነግሩ ነዊሕ ከይጸንሑ ሓሚሞም ስለዝዓረፉ ንወይዘሮ መብራት እውን ከርድኡወን ኣይከኣሉን።

ንዝምልከቶም ኣካላት፡ ወላዲቱ ብህይወት ምህላወን ምስተሓበረ ከኣ፡ ንሰን እውን ብወግዒ መስዋእቲ ወደን ተነግራ - መጎስ ከኣ ምስክር መስዋእቲ ሓርበኝነት ብጻዩ ኣብ ቤትሮ አእተዩ ንወላዲቱ ኣረከበን።

ነብሲ ወከፍ 20 ሰነ ከኣ ንተስፋይን ነቶም ኣብ ቃልሲ ዝተፈልዩዎ ብጾቱን ብሽምዓን ዝኽረ ሕልናን ይዝክሮም - ብመንፈስ የዕልሎም።

 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events