Dehai

ፍሬኣ ዘይውዳእ ምርጽቲ ተኽሊ

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Thursday, 16 April 2020

ፍሬኣ ዘይውዳእ ምርጽቲ ተኽሊ፡

ኤርትራ ሃገርይ ምርጽቲ ተኽሊ፡
ትጭብጭብ ትፈሪ ብዘይ ማይ እኽሊ፡
መሪጹ ዝፈጠራ ልዑል ፈጣሪ።

ክንደይ ጺዒሮም ከህስሱ ስምኪ፡
ኲዒቶም ምሕዮም ከጥፍኡ ሱርኪ፡
ንስኺ ግን መመሊስኪ ድኣ ጠጣዕኪ።

ቀምሲላ ሓሪራ ኢሎም ከዕልሉ፡
ጉንድኺ ከንቅጹ ሓዊ ከእትዉሉ፡
ንስኺ ግን ትለምዒ ሱርኪ ጠሊሉ።

ማይ ኣይኮነን ኣጥሊሉዎ ጎሮሮኺ፡
መግቢ ኣይኮነን ዓንጊሉዎ ከብድኺ፡
ፍቕሪዩ ፍቕሪ'ቶም ሰብ መትከል ደቅኺ።

ጉራምራ ተመሲሉ ከስዔ ኣደ፡
ኣብ ሞንጎ ጀጋኒ ይውለድ ሓደ ዕደ፡
ንነብሱ ኣይከውን ንዝወለደ፡
ህዝቡ ከይሕግዝ ኣእዳዉ ተቐየደ።

ዋጋ ኣይንሃቦ ባዕሉ ተደናገረ፡
ግን ንምዓዶ ልቢ እንተገበረ፡
ንሕናሞ ኣይንፈትሕን ዝዓጠቕናዮ ስረ፡
ወፈያና ቀጻሊ'ዩ ኮቪድ19 ከይተሳዕረ።

ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡ ዓወት ንሓፋሽ፡ ገብረንጉስ መስመር 4/14/20




6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events