ትግራይ ሚድያ ሃውስ ናይ ወያነካባ ከምኡውን መልሓስ
ምትእኽኻብ ትግራይ ሚድያ ሃውስ
ካብ መቀለ ስጋብ ከባቢ ዋይት ሃውስ
ናይ ወያነ ኣገልጋሊ ከም ትሮጃን ፈረስ
ዝዓለመ ሕማም ወያነ ብሚድያ ንምፍዋስ
ንወያነ ካብ ታኼላ ዝኣተዎ ንኸተፍኩስ
ናይ ሕውሓት ካባ ከምኡውን ምርኩስ
ኣብ ሓደ ርእሲ ሰለስተ መልሓስ
ብሰለስተ መንነት ቅልውላው እትሕመስ
ኢትዮጵያዊነት ትግራዋይነት ኣጋዚያን ብምትሕውዋስ
መእከቢ ዑስባት መፈልፈሊ ሃሱስ
ብፋይናንስ ማለሊታውያን እትወሳወስ
ጅግንነት ህግ ብወያነ ዝዓለመ ንምውራስ
ታሪኽ ናይ ወያነ ኣብ ልዕሊ ህግ ትፍትን ከተካሓሕስ
ናይ መንነት ቅልውላው ዘሎዎም ሰባት ተበጋግስ
ታሪኽ ኤርትራዊያን ትፍትን ከተብርስ
ታሪኽ ኢትዮጵውያን ትህቅን ክትህስስ
ታሪኽ ትግራይ ትፍትን ከተንግስ
ኣብ መንጎ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ተባእስ
ጀግንነት ወያነ ብፈጠራ ከተዕቢ ንካልኦት ግን ትወቅስ
ጌጋኣ ነቃልዓያ ንበላ ከም ድሙ ብስብስ
ዕድል ኣይንሃባ ኣብ ልዕለና ከም ደላያ ከይትቅልስ
ስቅ እልና ኣይንርኣያ ናይ ሓሶት ታሪኽ ክትለውስ
ምእንቲ ናይ ሓሶት ታሪኽ ፈጠራ ከብቅዕ ክብስብስ
ናህራ ምስ ወድእት ከተብቅዕ እያ ክትዕበስ