Dehai

*** ማሰ እስከ "ታ ማሰ*** ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ ) - ጀርመን

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Friday, 12 April 2019

  *** ማሰ እስከ "ታ ማሰ***

ማሰ ዶ፤ ክብል ማሰ
ነቶም  ዝበከሎም፥ ዲጂታል ቫይረሰ
 መን ዮም ተበልካ "ስ ፥ዳዋ ማዋ
ቃና ዝደግሙ ፓፓጋሎ፥ ደቂ ዓድዋ

      ኣድራሽኦም ፤እንዳማዕጠና ሺሻ
ኩሎም ንሶም ፥ዘይብሎም መለሳ
ዝተጻሕፈሎም ዘንብቡ፥ሃሁ ደቂ መቕለ
ማሰ ዶ ክብለሎም፥ሓንጎሎም ንዝኣጎለ

      ለይቲ ለይቲ ዝጭጭሑ፥ከምዘን ኣናጹ
ወግሐ ጸብሐ ዝጥመቑ ፥ኣስማት እንዳመረጹ
ስመር ይብሉኻ ፥ጸኒሖም ደለይቲ ፍትሒ
ብርሃን ጸሓይ ዘጻሕጽሖም፥ ድምቀት ወርሒ

       ማሰ እስከ"ታ ማሰ 
ማሰ ክንብለሎም ፥ነዞም ዕሰ ምሰ
ጨምጫማት ኮራኩር፥ ዓይኒ "ኳ ዘየንቁሑ
ጋህሚ ዝገሰሞም ፥ ብዲጂታል ዝምርሑ

      ወፍሪ ተረኺቡለይ ያኢ፥ዲጂታል ሰብ ጎደቦ
ኣዮኻ እንተበልዎም ፥ደቂ እንድርታ ሽረ ኣድያቦ
መራግእቲ ዘይብሉ፥ ናይቲ ካዕቦ ገበታ ዝሕሱ
 እንቀዓ ዝልፍልፉ፥ ኣፍርዩ ኣማኒል እያሱ  

     ማሰ እስከ "ታ ማሰ 
ክንገብረሎም ፥ሎኽሳሰ  ሞኽሳሰ
  ሰዶ ሰዶ በሉኒ፥ ንእኒ ውቃርማ ወዲ ቃርማ
ጽንጽያ ተኣኪቦም ፥ክኸፉቱ ያኢ ክዱን ሳርማ

       ገለን ዓንጓረ መንጓር፣ጽያፎም ዘይከተቱ
ገለን ድኑሳት ፥ብደዎም ዝሞቱ
ገለን ዋጦት ፥ሰብ ሕሙስ ቅኒት
ወየ ዶ ክንብለሎም ፥ተጣጢቕና ድግድጊት

    ማሰ እስከ "ታ ማሰ 
ብቐትሩ ዝዓረቦም ፥መሬት ከይመሰ
ኣብ ኢንተርነት ዝእውጁ ፥ሕልማዊ መንግስቲ
 እኒ ስሪኤል ቀትሪ ፥ ሰብ ሽኩሽኳ ዛርቲ 

        ለይቲ ቦቒሎም ፥ቀይሪ ዝቕምስሉ
በዓል ግብዝ ሃካይ፥ ምስ ጠራሙስ ዝውዕሉ
ማሰ እስከ "ታ ማሰ ፥በሉኒ ሰዶ ሰዶ
ሎምስ ኣይተረኽበን ፥ክትፎ ኣዋሳ ናይ ደብረዘይቲ ብርንዶ
           
       ዓወት ንሓፋሽ
   ኣሸናፊ ኣብርሃም (ኣሼ ) /  ጀርመን
          9/4/ 2019





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events