ዘበንያ ግርምቢጥ
መን ንመንዩ ይኣክል ዝብለና
ንጎድኒ ገዲፉ ዕድመ ቃልስና
ዘበንያ ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ
ኣቱም ሰባት ገንጽሉባ መዝገብ
ሓተላ ታሪኽኩም መመሊሱ ዝእከብ
ንሕናባ ንብለኩም ዓገብ ዓገብ
መንዩ ንመን ይኣክል ዝብሎ
ነቲ ንምረት ብምረት ዝተጻወረ
ነቲ ንህዝቡ ትሕቲ መረት ዝሰፈረ
ንህዝባዊ ግምባር ንናጽነት ዘበሰረ
ነዚ ተጻዋሪ ኩሉ ሽግር ዝሰገረ
ዝደክም ዘሎ ንህንጸት ሃገረ
ንህዝቢ ኤርትራ ንጸገም ዝተጻወረ
ንድሕነት ሃገር ፈቐድኡ ዝወፈረ
መን መንዩታ-----
ህዝቢ ኤርትራዩ ይእክል ክብል ዘለዎ
ነዞም ብመዲያ ተዉደኽድኹ
ንሕሰሙ ካዕካዕ ኢልኩም ትስሕቁ
ንእገዳ ሃገርኩም ተዕስዑ ተኽድዱ
ንመንዮም ይእክል ዝብልዎ------
እዞም ንዱያት ገደል ዝእተዉ ዘይወጽዎ
ዕሱባት ጠላማት ማሕፉዳ ማለሊት
ንጥፍእት መንእሰያት ዝሕተቱ ብመሸጣ ኩሊት
መሳርሒ ገባብል ሰብ መሰል ስቡሓት
ልኡኻቶም ገሮመም ከኻዕብቱ ዶላራት
ንመንዮም ይእክል ዝብልዎ፤፤፤
ንህዝባዊ ግምባር መምህር ሓድበት
ንህዝባዊ ግምባር መምህር ፍልጠት
ንህዝባዊ ግምባር ሓኾተ ህንጸት
ንህዝባዊ ግምባር ጸረ ተበላጽነት
ንህዝባዊ ግምባር ጸረ ኣዉራጃነት
ንህዝባዊ ግምባር ጸር ቀቢላዉነት
መን ንመንዩ"""""""
ዝበደልካ በዲልካ ስግረ ዶብ ሰጊርካ
ነቲ መሪር ዘሕልፍ ዝተረፈ ድሕረኻ
ሃገር እናሃነጸ ንስኻ እናዉረኻ
ንሱ ኣብ በረኻ ዘይሃደመ ከማኻ
ንሱዩ ይእክል ዝብል ንዓኻ
ንእከኣሎ ነዚ ኩሉ ዝኸኣሎ
ጎደሎ ኣልቦ ንሱ ዝወዓሎ
ዘየዕረፈ ንህንጸት ዝጽዕር ዘሎ
ከማኻ ዘይመኸነ እናበርከተ ዝኽእሎ
ንዝሓለፈ ዘበነ ቃልሱ ዓስቢ ዘይሓተተ
ከማኻ ተሰዲዱ ማሕፍድኡ ዘየኻዕበተ
መን ንመንዩ ይኣክል ዝብሎ""""""
ትማሊ መደመር ኢሉ ክትብሉ
ዓሰብ ሸይጥዋ ኢልኩም ክትግዕሩ
ዶብ ዘይተሓንጸጸ እናበልኩም ክትሓብሉ
ሕጂ ኸኣ ይእክል ክትብሉ ዘይትሓፍሩ
ንዓኩም ክሕሸኩም ኣደብ ግበሩ
ሱዳን ቐጠር ትሩኪ ተኣኻኺበን
ዓያሹ ቀልቢ ዘይብለን
ንዓለም ብዓለማ ከምዝሰዓርና መዓስ ጠፊእወን
ምህትፍታፍዩ ከኣኹም ስለ ዘይተዕሰብናየን
ኣብ ጽኑዕ ርእሰ ምርኮሳ ስለ ዝዓገትናየን
ከማኹም ህዝብናን ሃገርነኣ ኣሕሊፋን ዘይሃብናየን
ንዝሞተ ኣይንፍሕርን ካብ መቓብሩ
መሊስና ሓመድ ክንዉስኸልኩም ኢና ከይትዝምሩ
ንዓኹም ክሕሸኩም ኣደብ ግበሩ
ክብርን መጎስን ንሰማታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ
ማንሃይም (ጀርመን)