Dehai

ኣማኑኤል እያሱ ወናኒ ዱኳን መሽረፈት ሓሰና መን እዩ?

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 06 April 2019

ኣማኑኤል እያሱ ወናኒ ዱኳን መሽረፈት ሓሰና መን እዩ?

*ሃገራውነቱ ከዲዑ ብመሳፍንቲ ህውሓት ብገንዘብ ዝተዓስበ፣ ከዳሚ-ባርያ ባዕዳውያን ናይ ለማኖ ኣመሓደርትን ብስሞም ሸቂጦም ዋህየኦም መላእትን ፍረ-ጻማ ተቛዳሲ 
*ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓይሎይ ግዜ ብሓሶት ሞይቱ ኢሉ ዝጸወየ
* ኣብ ሓደ እዋን 2009-2010 ዓም እዩ መስለኒ ኢሳይያይ ንጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ካብ ስልጣኑ ኣውሪዱ ኣሲሩዎ ኢሉ ብሎቕታ ቤላቤሎው ጻዕዳ ሓሶት ዘጋወሐ ...........ወዘተረፈ ባዕላትኩም ወስኹሉ።

ብርሃነ ሃብተማርያም
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

 
Bild könnte enthalten: 2 Personen, Personen, die lachen, Kamera, Telefon und Text
Bild könnte enthalten: 2 Personen, Personen, die lachen, Text
Bild könnte enthalten: Text
EriStaruk.Com ist mit Eri Staruk unterwegs.Seite gefällt mir

ሓረግ ወለዶ ኣማኑኤ እያሱ (ራድዮ ኣሰና)

ንሎሚ ናይ መለስ ዜናዊ ( ለገሰ ዜናዊ) ምስ ኣማኑኤል እያሱ (ራድዮ ኣሰና)) ንህዝቢ ተኸዊልዎ ዝጸንሐ ናይ ቀረባ ናይ ስጋ ዝምድና ንርአ. ነዚ ንምድህሳስ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ሓረግ መወለድ (Family tree) ናይ ግራዝማች ገብረልዑል በዓል ዓዲ ኳላ ንመልከት::

ግራዝማች ገብረልዑል ኣብ መንጎ ካልኦት ን ኣብርሀትን ን ኣለማሽን ፈርዮም::
ወ/ት ኣለማሽ ግራዝማች ገብረልዑ ናብ ኣይተ ዜናዊ ኣስረስ ተዋሲበን ናብ ዓድዋ ሰጊረን::
ኣይተ ዜናዊ ኣስረስ ካብ በዓልቲ እንድኦም ወ/ት ኣለማሽ ገብረልዑል ን ለገሰ ዜናዊ (መለስ) ምስ ሓሙሻ ርእሱ ሰዲረን::

ኣቶ እያሱ በዓል ዓዲ ጸጋሮ ምስ ወ/ት ኣብርሀት ግራዝማች ገብረልዑል ሓዳር መስሪቶም:
ን ኣማኑኤል (ራድዮ ኣሰና): ን ኤደን ከምኡ ውን ነታ ናብ ዓድዋ ን ኣይተ ዜናዊ ኣስረስ ተመርዕያ ዓዲ ዘርሓቐት መዘከርታ ክኸውን ስም ሰብኣይ ሓፍቲ ዝወረሰ ዜናዊ ዝተጠመቐ ን ሰለስተ ውሉዳት በቕዑ::
ሓረግ መወለድ ብ ስእሊ ተመልከቱ:-
መለስ ዜናውን ኣማኑኤ እያሱ (ራድዮ ኣሰና) ደቂ ካብ ሓንቲ ማህጸን ዝቦቖላ ኣሓት እዮም::

ኩሉ ሰብ ብዛዕባ ሕሉፍ ፍቕሪ ህወሓት ብፍላይ ድማ ሕግብግብ መለስ ዜናውን ኣማኑኤል እያሱን (ራድዮ ኣሰና) ክገርሞ እዩ ጸኒሑ:: ንምጪ ናይዚ ሕቱኽቱኽን እንካን ሃባን እቲ ጥቡቕ ስጋ ደቂ ሓትኖ ምስግሳግን ምውትታፍን ሓድሕዳዊ ቁጠባዊ ረብሓን እዩ:: ብሕጽር ዝበለ መለስ ዜናውን ኣማኑኤል እያሱን ደቂ ክልተ ኣሓት እዮም: ደቂ ኣብርሀትን ኣለማሽን::

ከምኡ ውን እቲ ገደብ ዘይብሉ ጽልኣት ሃገር: ን ህዝቢ ኤርትራ ዕግርግርን ሓድሕድ ህልቂትን ምምናይ : ን ግሩህ ተዓዛባይ ምንጩ እንታይ ዩ ኢሉ ኣብ ሓንጎሉ ከመስርሖ ክሽገር ጸኒሑ እዩ:: ምቅዋም ኣንጻር መንግስቲ ምንቅስቓስ ንቡር እዩ:: ኣማኑኤል እያሱ ምዕናው ሃገርን መንግስትን ኤርትራ ዚደረቱ ጎስጋስ: ብ ወዲ ሓትኖኡ (መለስ ዜናዊ) እናተመወለ ብርኡይ ምስ ጸላእትና እናወገነ ንህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ዓይነት ኣደራዓትን ባዕዳዊ ምትእትታውን እናዘመረ ረዚን ዋጋ ክኸፍል ኢድ ኔርዎ እዩ::

እዚ ብንዳዲኡ ካብ ኮነ ብእንዳቡኡ ኸ ገለ ኣበሳ ዶ ይህልዎ ይኸውን? እስከበሉ ንበቡ ኣቶ እያሱ ኣብ መፋርቕ ሰብዓታት ከም ኩሉ መንእሰይ እቲ ግዜ ን ናጽነት ኤርትራ ን ገድሊ ወፊሩ:: ኣይደንጎዩን ስድርኡ: በዓልቲ ቤቱ ኣብርሀት ገብረልዑል ምስ ደቃ: ናብ ሳሕል ሰዓብዎ:: ወ/ሮ ኣብርሀት ኣብ ደብዓት ዝበሃል ቦታ ሳሕል ስድራቤታት ተጋደልቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ህዝባዊ ግንባር ዝዕቆቡሉ ዝነበረ መዓስከር: እንዳዴታት ኣተወት:: ኣማኑኤል ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዜሮ ኣምሪሑ:: እቶም ክልተ ኣሕዋቱ ድማ በቲ ዝነበረ ኣመዳድባ ከከም ዕድሚኦም ናብ ቤትምህርቲ ሰውራ ተጸምቢሮም::

ተጋዳላይ እያሱ እብቲ ዝነበረ ፈታኒ ትንፋስ ዘሕልፍ ምረት ቃልሲ ን ዝተበገሰሉ ዕላማ ናጽነት ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ: ን በዓልቲ ቤቱ ተ/ጋ ኣብርሀትን ደቁን: ንኣማኑኤል (ራድዮ ኣሰና): ኤደን ን ዜናዊን: ኣብታ ብዓኑ ዝረኣያ እሞ ምረታ ዘይተጻወራ በረኻታት ሳሕል ራሕሪሕዎ ናብ ጸላኢ ናብ ደርጊ ኢዱ ሂቡ:: እዚ ን ምሉእ ስድራቤት ስነኣእምሮኣዊ ነውጺ እዩ ኔሩ:: እቲ ሰማይ ዝሃገሩ ከም ሰብኣይ ብረት ኣልዒሉ ዝነቐለ: ነብሱ ፈትዩ ክድሕን ክምችኦ ተመንዩ: ነቶም ሕንጫላት ካብ ብርኩ ዝወጹ ቆልዑን: በዓልቲ ኪዳኑን ኣደደቁን: ንድሕሪኡ ኣብቲ ከርፋሕ ናብራን: ሞትን መስገደልን ጠንጢንዎም ንዕኡ ነታ ውልቁ ከድሕን ክድዓት መሪጹ:: ነቶም ደቁ ውን ኣብ ዘይነቐሉሉ ኣንፈት ክሕዙ ን ክድዓትን ጥልመትን ወላዲኦም ክሽፍኑ ብሓደ ሸነኽ:: በቲ ሓደ ሸነኹ ድማ ነቲ ብ ስጋ ወዲ ሓትኖኦም ዝኾነ: መራሒወያነ ዝነበረ መለስ ዜናዊ ቀንዲ ተጻባኣይ ኤርትራውነት ዝተወተፈሎም ዶላር እናለቐሙ መምርሒ እናተቐበሉ ኣፈኛ ህወሓት ኮይኖም ክሰርሑን ምስ ነብሶም ክራጸሙን ዝገበሮም ጠንቂታት እዩ::

ስለዚ ንታሪኽን ጅግንነትን ህ.ግ ክትድውን ህርድግ ምባል: ውድቀት ሃገር ምምናይ: መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሪስካ ብ ወያነ ዝምእዘዝ መንግስቲ ምትካል: ኤርትራ ቀጥታዊ ልክዕ ከም ዒራቕን ሊብያን ብናይ ደገ ሓይልታት ክትድፈር ምጽዓር: ናይ ህዝቢ ተስቆርቋሪ ወይ ኤርትራውነት ዝኣምን ተቓዋሚ መሲልካ: ንህዝቢ ብሓሶት ኣጋጪኻ: ዝሓለፈ ሓጥያትካ ምሽፋን ካብ ኣማኑኤል እያሱ (ራድዮ ኣሰና) ክንጽበዮ ዘለና እዩ::

ምንጪ ጽሑፍ፡ ኮኸብ ኤርትራ ዓዲ እንግሊዝ

Exposing The Assenna Radio Scam Fake News for profits and how to tackle its financing

https://www.youtube.com/watch?v=VLSkr4wfl20

 

6ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 6 - ERi-TV Documentary

Dehai Events