Dehai

"ኤርትራዊ ኣስተውዕል!! ብቆርበት በጊዕ ዝተሸፈኑ ደመኛ ጸላእትኻ ከይትህመል"

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Saturday, 02 March 2019

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርምን ዘስደምምንን እቶም ናይ ትማል ገለ ኤርትራውያን ኢና በሃልቲ ዕሱባትን ወይጦታትን ህውሓትን ካድራቶምን ሰዓብቶምን ከደምትን ባረዩ ናይ ሰብ ንዋይ ሓያላት ባዕዳውያን መንግስታትን ንኤርትራ ከም ልዕላዊት ሃገር ኮይና ንኸይትቕጽልን ንህዝቢ ኤርትራ ክሓስሞን ክበታተንን ክምበርክኽን ለይትን መዓልትን ብግብሪ ከም ዝሰርሑን ረሲዖም፣ ካብ ዓሚ ጀሚሩ ብሳላ ህዝባዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ተባዕ ሰራዊቱን ብፍላይ ቃልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኸኣ ብሓፈሻ ነቲ ዓሌታውን መስፍናውን ስርዓት ጭፍራ ህውሓት ካብ ቤተ መንግስቲ ምነሊክ ኣዲስ ኣባባ ብእግዛምቤቲ ገሪፉ ንመቐለ ከም ዋኻርያ ከም ዝሃድምን ኣውኡ ከም ዝሕባእን ዝገበረ መንግስቲ ኤርትራን ምክልካል ሰራዊትን ህዝቢን ኣብ`ዚ እዋን`ዚ እዞም ወይጦታት ወያነ ሃገር ያኢ ወርቂ ኩትሻ ኮይናስ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝገበሩዎ ሃገራዊ ክሕደት ኣህሲሶም ካብቶም ሃገራውያን ተቓልስቲ ንላዕሊ ኮይኖም ንኽረኣዩን፣ ነቶም ሰራሕቲ ታሪኽን ሰብ ጽቡቕ ውዕሎን ድማ "ኤርትራ ንኢትዮጶያ ሸይጦማ ካን ሓሪጆማ" እናበሉ ብምጥቃንን ብምጽላምን ንገለ የውሃት ደቂ ሃገር ብጻዕቂ ሓሶት ንምድንጋር፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ነውራም ስነ-ኣእምሮኣዊ መጠነ ሰፊሕ ሰላሕታ ወራር ተታሓሒዞሞ ኣሎዉ። መሳፍንቲ መራሕቲ ህውሓትን ኮራኹሩን ከምኡውን ገለ ወይጦታት ደቂ-ሃገር ኢና በሃልቲ፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋናትን ትማልን ሎሚን እንታይ ይብሉ ከም ዝነበሩ እንታይ እኩይ ነገራት ከም ዝሰርሑን ጌና`ውን ካብ ጌግኦም ከይተማህሩ "ነክይሉ እንተበልኩዋስ እንደገና ትጎስመሉ" ከምዝበሃል ብቐጻሊ ብሓሶት ይግዕሩ ምህላዎምን ግን ኩሉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ፣ እቲ ኣዕናዊ ስርሖም ስኑድ እዩ። 


"ህበይ`ሲ እታ ቀያሕ መላጥ መዓኮራ ክትሽፍን ዓቕሚ የብላን" ከም ዝበሃል፣ ዕሱባት ድማ እቲ ኹሉ ዝገበሩዎ ጸይቅታቶም ሕጂ ብምስልዩነት ክኽውልዎ ፍጹም ኣይክእሉን እዮም!!!

ብርሃነ ሃብተማርያም

Shamot News
Am 01.05.2016 veröffentlicht
ነቲ ካብ ደደቢት ሓንጊሩ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ዘእተዎ ጅግና ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እዚ ርጉም ዊዒጊን ሽፍታ ክብሎስ ኣየገርምንዶ?

YOUTUBE.COM
 
ነቲ ካብ ደደቢት ሓንጊሩ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ዘእተዎ ጅግና ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር እዚ ርጉም ዊዒጊን ሽፍታ ክብሎስ ኣየገርምንዶ? Subscribe @ https://www.youtube.com/c/isaiasisimEritrea Shaebiasim...
 
 
caution-traingle
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events