Dehai

መዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ ሺካጎ፡ መጋቢት 11 2018

Posted by: Ben Araya

Date: Monday, 12 March 2018

ኣህጉራዊ በዓል ደቂ-ኣንስትዮ

 

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ሺካጎ፡ ብልዕል ዝበለ ጽንቡል ተሳታፍነት ትማሊ ቀዳም ተኻይዱ።

እቲ በዓል ብዝበለጸ ከድምቖ ዝኸኣለ ረቓሒታት፡ ኣበርክቶ ናይ ኣዴታትናን፣ ኣሐትናን ከምኡውን በቶም ተረከብቲ ሃገር፡ ሕድሪ፡ ዘቕረብዎ ትርኢት ዓቢ ምውዕዋዕ ሓጎስን ኣሕዲርሉ።

እዚ ድሙቕ ናይ ኣህጉራዊ ደቀንስትዮ መዓልቲ በዓል፡ ብዋሕላላት ኣዴታትን፣ ኣሓትን ተሰንዩ፡ ብዝድርኽ ግጥምታትን፣ ታሪኻዊ ተሳትፎ ደቀ`ንስትዮ ኣብ ቃልስን፣ጊዜያዊ ተራኤን ብምግላጽ፡ ``ጋል ኣንስተይቲ፡ ዋሕስ ልኡላውነትን፣ልምዓትን`` ብዝብል ቴማ፡ ትውጋሕ ለይቲ ዝሓደሮ ስምዒት፡ ድሙቕ ለይቲ ኣሕሊፉ፡፡

 

ዓወት ንሓፋሽ!!

ማሕበር ሃ.ማ.ደ.ኤ. ሺካጎን፣ከባቢኣን






EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events