Dehai

Visiting Alexander Pushkin's Monument

Posted by: Haile Bokure

Date: Tuesday, 30 January 2018

       

መስከረም 9፡ 2017 ናብ ኣለክሳንደር ፑሽኪን ሓወልቲ፡ ብፍላይ ኣብ ቅድሚ’ቲ

 

ናይ ቀደም ቤት-ንባብ ኣሜሪካ ዝርከብ ዝነበረ ከድኩ። ኣቡኡ ኣብርሃም ጋኒባል ኣብ መበል 18 ዘመን ካብ ምድሪ-ባሕሪ ብቱርካውያን ተጨውዩ፡ ከም ህያብ መልክዕ ንዓቢ ጰጥሮስ (Peter the Great) ክሳብ 1725 ከም ቄሳር ወይ ንጉስ ሩስያ ኰይኑ ዝገዝእ ዝነበረ ተዋህበ ። ብድፍረቱን ብትብዓቱን ዝኣክል

 

ስለ ዘደንቆ፡ ዝለዓለ ናይ ውትህድርና መዓርግ ሸለሞ። ሓንቲ ሩሳያዊት ተመርዕዩ ብዙሓት ቆልዑ ወለደ። ኣለክሳንደር ሓደ ካብኣቶም ኰይኑ፡ ከምቶም ንጉሳውያን ቤተ-ሰብ ክማሃር ናብ ፍራንሳ ከደ። ብግዚኡ ቋንቋ ናይ’ዚ ዝገለጽናዮ ሃገር፡ ልሳን ናይ ላዕለዎት ሙሁራን ሩሳውያን ነይሩ። ኣለክሳንደር ብዝቀመሶ ትምህርቲ ዝኣክል፡ ኣብ ክንዲ ብፍራንሳ፡ ብሃገሩ ቋንቋ ብዙሓት ግጥምታትን፡ ልበ-ወለድን፡ ሓጸርቲ ዛንታታትን ጸሓፈ። ከም ኣበራባሪን ሃናጽን ቋንቋ ሩስያ፡ ብዙሓት ደረስቲ ከም ናይ ሃገሮም ሸክስፒር ገይሮም ይርእይዎ። ግን ብግዚኡ ዝነበረ ዓለታዊ ትምክሕቲ ዝኣክል፡ ሽግር ከም ዝፈጠረሉ ኣይሰሓትን። ንዳሕራዩ ንሓንቲ ጽብቅቲ ሩሳያዊት ብምፍቃሩ፡ ብቅንኣት ዝኣክል ኣብ ውድድር ባእሲ (ቻፖላ) ብተንኰል ከም ዝገጥም ብምግባር ተቀትለ። ይኹን እምበር ኣለክሳንደር ፑሹኪን ካብ ሃገሩ ሓሊፉ እቲ ዝተፈትወን ዝተወርየን ደራሲ ኢዩ። ንኽብሩ ኣብ ዓዓመት ኣብ’ቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ሰፊሕን ማራኺን ወመዘክር ቦታ፡ ካብ ሙሉእ ዓለም ዝመጹ ደረስቲ

 

በብቋንቁኦም ግጥምታቱ የንብቡ። ስኣን ኣፍልጦን ምስትውዓል ዝኣክል፡ ምቋም ሓወልቱ ኣካራኻሪ’ኳ እንተዀነ፡ ካብ ሃገር ኣቡኡ ሓሊፉ ኣበይከ ይመስረት ዝብል ሓተታ ዝቅረብ ይመስል። ልዕሊ ኹሉ ግና፡ ንዓና ብድሆ ኢዩ ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ ኣብዚ ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ባህሊ

 

ዘይማዕበለሉ ሕብረተሰብና

 

ዘተሓሳስብ ብምዃኑ። 

 

 

              Image may contain: 1 person, standing, sky, shoes and outdoor           

 

 

 

 

 

 

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events