Dehai-News
Dehai
Events
World News
Videos
DMB
Contact
Search
Dehai
<< Back
ግጥሚ " ይከ ኣልደሎ " ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ (ከተማ ማንሃይም /ሃ. ጀርመን)
Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German
Date: Monday, 04 December 2017
ግጥሚ " ይከ ኣልደሎ " ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ (ከተማ ማንሃይም /ሃ. ጀርመን)
**ይከ ኣልደሎ**
እቲ ናይ ትማሊ ስንክልና
ኣብ ዕድመ ንስነት ጉብዝና
ኣብ ሰብዓታት ከሎ ድልዱል ዳንጋ
ብረን ክትኩስ በድራጋ
ክሳብ ዘርክብ ስንክልና ምንጋጋ
መዉጋእቲ መሓዉር በልማማ
ብተጻዋርነት ሓሊፉ ስለቲ ዕላማ
ሎሚ ዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ን ኡሰይ
ሓይሊ ተጻዋርነት ሕጂ ካበይ
ዕድመ ቆጺሩ ኣካላት ህያበይ
ቃንዛ ሎሚዩቲ ዝኸፍ ኤ
ኢድን እግርን ምንቅስቓስ ምስኣበ
ይከ ኣልዶሎ ቃንዛ ርእሲ
ተጻዋርነት ኣጥርዩ ንኸኒና ፈዉሲ
ንሱዉን ኣብቂዑ ተሳኢንዎ መዐገሲ
ሓንቲ ከኒና ዝውሓጥ ዝነበረ
ሎሚ ብድርብ ተሳኢንዎ ፍረ
ከም ቁሕማ ሽኮር ኮይኑ ዝመቀረ
ኣብ ጊዘ ዛሕሊዩ ቲዝመረረ
ዝከ ኣለኩም ገርኩም ንኽነብር
ብሂወት እነና ዋላ ተመረረ
ንሰግሮለና ነቲ ብድሆ ዝተገተረ
ዝለገስኩምልና ብኸመይ ክንገልጾ
ከፊትኩምልና ዝተዓጽወ ማዕጽ
ሳላኹም ነቲ ምረት ንጻወሮ
ሎሚ ምንጽብራቕ ኣየድልየናን ካምኛ ስረ
ኮቦርታታትዩ መዉሉልና ሎዝባን ዝቖረረ
ድቃስ ለይቲ ስ ኢና ንቐትሪ መብረ
ኣብዛ ዕለት ትዝክሩና ዘለኹም
ለይቲ ክንድቅስ ብሓገስኩም
ከይተቖንዘና ክንዉዕል ብልግስኹም
ዝከኣለኩም ግበሩ ከምቀደምክም
ሂወና ተጸባዪ ኢዩ ንከኒናኹም
ነዘን ዝተረፋ ዕድመና ክንጸንሓልኩም
ብሳላኹም እናበልና ከነመስግነኩም
ምእንታና ኩሉ ጊዘ ምስተወፈኹም
መልእኽቲያ ካብ ስንኩላን ኣካልኩም
ትማልን ሎምን ጎንኹም
ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ
ማንሃይም
Back to Dehai
EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!
See More Videos
Dehai Events
See More Events
A Twitter List by dehai
Latest Posts
GeoPoliticalMonitor.com: Chad Looks to Expel US Forces ahead of Polls
CounterPunch.org: How to Not Get Along With Apocalypses in Other Countries
ForeignPolicy.com: Will Washington Sanction Sudan’s RSF?
A MASTERPIECE OF POST-WW2 U.S. HISTORY: Christopher Simpson’s 1988 BLOWBACK
English.AAwsat.com/: Ex-Security Official Sparks Tribal Crisis in Eastern Sudan
TheConversation.com: Sudan: civil war stretches into a second year with no end in sight
EurAsiaReview.com: The Horn of Africa States: The Continuing Challenges – OpEd
TheEastAfrican.co.ke: Ethiopia armed clashes displace over 50,000 people, UN Ocha says
Thomas C. Mountain indepth interview on Eritrea on Solo Media
Flooding in Dubai: evidence points to the real deal, not artificial rain