Dehai

ግጥሚ " ይከ ኣልደሎ " ብብጻይ ወልዳይ ተኸስተ (ከተማ ማንሃይም /ሃ. ጀርመን)

Posted by: Dimtzi Eritrawian1 Kab German

Date: Monday, 04 December 2017




   ግጥሚ "  ይከ ኣልደሎ "   ብብጻይ  ወልዳይ ተኸስተ (ከተማ ማንሃይም /ሃ. ጀርመን)

 **ይከ ኣልደሎ**
እቲ ናይ ትማሊ ስንክልና
ኣብ ዕድመ ንስነት ጉብዝና
ኣብ ሰብዓታት ከሎ ድልዱል ዳንጋ
ብረን ክትኩስ በድራጋ
ክሳብ ዘርክብ ስንክልና ምንጋጋ
መዉጋእቲ መሓዉር በልማማ
ብተጻዋርነት ሓሊፉ ስለቲ ዕላማ
ሎሚ ዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ን ኡሰይ
ሓይሊ ተጻዋርነት ሕጂ ካበይ
ዕድመ ቆጺሩ ኣካላት ህያበይ
ቃንዛ ሎሚዩቲ ዝኸፍ ኤ
ኢድን እግርን ምንቅስቓስ ምስኣበ
ይከ ኣልዶሎ ቃንዛ ርእሲ
ተጻዋርነት ኣጥርዩ ንኸኒና ፈዉሲ
ንሱዉን ኣብቂዑ ተሳኢንዎ መዐገሲ
ሓንቲ ከኒና ዝውሓጥ ዝነበረ
ሎሚ ብድርብ ተሳኢንዎ ፍረ
ከም ቁሕማ ሽኮር ኮይኑ ዝመቀረ
ኣብ ጊዘ ዛሕሊዩ ቲዝመረረ
ዝከ ኣለኩም ገርኩም ንኽነብር
ብሂወት እነና ዋላ ተመረረ
ንሰግሮለና ነቲ ብድሆ ዝተገተረ
ዝለገስኩምልና ብኸመይ ክንገልጾ
ከፊትኩምልና ዝተዓጽወ ማዕጽ
ሳላኹም ነቲ ምረት ንጻወሮ
ሎሚ ምንጽብራቕ ኣየድልየናን ካምኛ ስረ
ኮቦርታታትዩ መዉሉልና ሎዝባን ዝቖረረ
ድቃስ ለይቲ ስ ኢና ንቐትሪ መብረ
ኣብዛ ዕለት ትዝክሩና ዘለኹም
ለይቲ ክንድቅስ ብሓገስኩም
ከይተቖንዘና ክንዉዕል ብልግስኹም
ዝከኣለኩም ግበሩ ከምቀደምክም
ሂወና ተጸባዪ ኢዩ ንከኒናኹም
ነዘን ዝተረፋ ዕድመና ክንጸንሓልኩም
ብሳላኹም እናበልና ከነመስግነኩም
ምእንታና ኩሉ ጊዘ ምስተወፈኹም
መልእኽቲያ ካብ ስንኩላን ኣካልኩም 
ትማልን ሎምን ጎንኹም


ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማታትና
ዓወት ንሓፋሽ
ወልዳይ ተኸስተ 
ማንሃይም



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events