Dehai

YouTube.com: Flashback-In Asmara,1999.Yeharerwerk Gashaw's effort to re-unite Eritreans/Ethiopians. Part 1 & 2 (Must watch)

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Friday, 01 December 2017

In Asmara,1999.Yeharerwerk Gashaw's effort to re-unite Eritreans/Ethiopians. Part 1& 2

December 01, 2017
 
መብርሂ፡ ኣብ`ዚ ታሕቲ ዘለዋ ናይ ተንቀሳቓሲ ስእልታት ኣብ`ቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ብወያነ ትግራይ ትምራሕ ኢትዮጵያን ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተላዕለ እዩ። ንመዘኻከሪ፣ እቲ ፋሽስታውን ዓሌታውን ስርዓት ትግራይ-ኢትዮጵያ  ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዝነበሮም ኢትዮጵያውያንን ካብ`ቲ ናዚ-ጀርመን ኣረሜናዊ ስርዓት ነበር ብዘይፍለ ኣገባብ መዋእሎም ሰሪሖም ዘጥረይዎ ንዋይን ንብረትን ዘሪፉን ሰሪቑን ብዘይ ሳንቲምን ክዳን ናይ ለይትን/ቖምሽ-ውሽጥን ጥራሕ ኣልቢሱ ሰብ ከይሪኦም ብለይቲ ከም ደቂ-ሕድርትና ካብ መደቀሲኦም ብሓይሊ ብረት ብዓመጽ እናውጽኤ በቲ ሓደገኛ ናይ ውግእ መስመራት ናብ ኤርትራ ከም  ዝሰጒጉውም ናይ ትማል ዘይርሳዕ ሓቀኛ ታሪኽ እዩ። ሕጂ እዛ ቀጣፊትን ሰራቒትን ሓሳዊትን ጭፍራ ወያነ ትግራይ ሎሚ "ንኤርትራውያን ኣሕዋትና ተቐቢልና ነዕቁቦም ኣሎና ነምህሮም ኣሎና`ዶ ሃበስ ቀደስ" ትብል ዘላ፣ ንበቲ ብሓይልን ብውግእን ከተምበርክኾ ዘይከኣለት ጽኑዕ ኤርትራዊ መንነትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ትግራዎት ጥራሕ ዘይኮኑስ ዓለም ዝፈልጦ ጀግንነት ህዝቢ ኤርትራ ክትበቕዖ ስለ ዘይከኣለትን ተስፋ ስለዝቖረጸትን ብኻልእ መንገዲ ትገብሮ ዘላ ሸርሒ እዩ። እዚ ግን ከንቱን ዘይጭበጥ ሕልምን ጥራሕ እዩ።
 
ነቶም ገለ በሃማትን በሶሮታትን ደናቑር ምሁራት ኢና በሃልቲ ደቂ ሃገር ቁሩብ ንኽስቆሮም ግን፣ ሰራቒት ጉጅለ ትግራይ ብስም ኤርትራውያን ካብ ጎይቶታ ምዕራባውያን ሃገራት ኮነ ሰላያቶምን ዝለመነቶ ብኣማኢት ሚሎናት ዶላር ዋህዮታታ ትመልእን ከብዳ ተዘፍጥጥን ከም ዘላ እዩ። ብስርቂ ሃብቲ ኢትዮጵያን ብለመናን ትኳቦን ምጽወታን ጎይቶታ ምዕራብ ዘይትፈልጦ ሚሎናት ኣኻዕቢታ ድማ እዛ ጭፍራ ከብዳ ከሲዑ ምንቕስቓስ ስኢና ድንክልክል ክትብልን ናይ ምሕሳብ ዓቕማ ኣሪጉን መሽሚሹን ተሓዋዊስዋ ኣብ ጻዕረ-ሞት ትነብር ኣላ። ከምኡ'ውን ናታ ትግራዎት ቤተ-ሰብ ከም "ስደተኛታት ኤርትራውያን" ኣምሲላ ኣብ መኣከቢ ደምበ ብምእታው ናብ ደገ ከም ትሰዶም ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ እቶም ነዚ ታሪኽ እናፈለጡ ከምዘይፈለጡ ናብ ምድረ-ወያነን ናብ ደገ ዝሃድሙን ኣብ ዓጀውጀው ዝነብሩን ካልኦት ገለ መውደኽደኽትን ኣንጻር ሃገሮምን ህዝቦምን ጥቅሞምን ዝሰርሑ ዘለዉ ዕሱባትን ክሰምዕዎ ኣለዎም። እንተ ሃገርና ኤርትራ ግን በቶም ጽኑዓት ጀጋኑ ደቃ ተኽቢራን ተሓፊራን ክትነብር እያ።
 
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ዓወት ንሓፋሽ!
ውድቀት ንፈሽፋሽ!
ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም
 
 
 
In Asmara,1999.Yeharerwerk Gashaw's effort to re-unite Eritreans/Ethiopians Deportees By TPLF in Asmara said to Yeharerwerk Gashaw "We are Ethiopians" The Amharas were there for us. Col. Assefa Berehe, according former Ethiopian students in Cuba, now a political refugees in America, said "Colonel Assefa is known as our father in Cuba. He advocated on our behalf for a better education specially in medical filed. He wants us all to become doctors. We will like to bring him to US if he wants he is our father" Video credit "Ethiopian Women For Peace & Democracy" based and found in 1986 by Yeharerwerk Gashaw in Dallas, Texas U.S A now "Ethiopian Unity People's Voice Congress"

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events