Dehai

ታሪኽ ኤርትራ ብክቡር መስዋእትን ስንክልናን ዝተነድቀ ዘይጥለም ሕድሪ እዩ!

Posted by: Hidru Niguse

Date: Sunday, 12 November 2017


ታሪኽ ኤርትራ ብክቡር መስዋእትን ስንክልናን ዝተነድቀ ዘይጥለም ሕድሪ እዩ!

 

ብሕድሩ ዑቕባትንሳኤ!

 

ድሕሪ ፈደረሽን ኣብ ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ቃልሲ ብዙሓት ኤርትራውያን ማእሰርትን ማሕነቕትን ስቅያትን መከራን ኣጓኒፍዎም ዝፈትዉዋ ሃገሮም ገዲፎም ድማ ናብ ስደት ኣምሪሖም፡፡እንተኾነ ግን ህዝቢ ኤርትራ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ናጽነት ኤርትራ ካብ ኢዱ ከይትመልቆ ሓያል ተቓውሞን በዳሂ ፖለቲካዊ ቃልስን ኣካይዱ፡፡ ነቲ በብእዋኑ ጉዳዩ ብሰላም ንኽፈትሖ ዝገብሮ ዝነበረ ጥርዓናት ብሕቡራት ሃገራትን ርእሰ ሓያላን መንግስትታትን ጸማም እዝኒ ስለዝተዋህቦ፡ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ ድማ ምእንቲ ናጽነቱን ክብሪ መሰሉን ብዕጥቂ ብረት ንኽቃለስን መስዋእቲ ንኽኸፍልን ተገዲዱ፡፡

 

ኣብ ምምስራት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ዝድለ እኹል ንቕሓትን ንጹር ሃገራዊ ዕላማን ፖለቲካዊ ስረታትን ስለዘይነበሮ፡ኣብ ውሽጢ እቲ ቃልሲ ኣሰከፍቲ ዕንቀፋታትን ናይ ምፍንጫላትን መስፍናዊ ሕማማትን ተርእዮታት ተቐላቒሎም ፡፡ንሰውራ ኤርትራ ኣዳኺምዎ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ቃልሲ ከምዝነውሕ እውን ጌርዎ፡፡

 

ኣብ መወዳእታ ግን ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕን ውሽጣዊ ጎንጽታትን ዝወለዶ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሰውራ ንቑሓት ማዕድን ሕብረተሰብ(ምሁራት ባእታታት)ስለ ዝተፈጥሩ፡ ሓደ ንሰውራ ኤርትራ ቅኑዕ ዕላማን ማእዝንን ከትሕዝ ዝኽእል፡ ንህዝቢ ዝሓልን ንጹር ሃገራዊ ዕላማን ፖለቲካዊ መስመርን ሒዙ ዝጎዓዝን፡ ዋሕስነት ሰውራ ኤርትራ ዘረጋግጽ ናይ ነዊሕ ናይ ቃልሲ ጠመተ ዝነበሮ ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ዝተማህረን፡ ሓያልን ዘይዕጸፍ ፖለቲካዊ መርገጽ ዘለዎ ንህዝብን ሰራዊትን ወዲቡን ኣንቂሑን ኣዕጢቑን፡ኣብ ሓድነትን ስኒትን ዝኣምን ንጹር ፖለቲካውን ስትራተጂካውን ዓቕምን ክእለትን ዘለዎን፡ ናጽነት ኤርትራ ከውሕስ ዝኽእል ውድብ ህዝባዊ ግንባር ተወሊዱ፡፡

 

እቶም ምምስራት ህዝባዊ ግንባር ዘሰንበዶም ሓይልታትን መግዛእቲ ስርዓት ኢትዮጵያን ግን ህዝባዊ ግንባር ንኸይስስን ገና ብዕሸሉ ውልዶ እንከሎ ክቖጽዩዎን ከጥፍእዎ እዮም ተጓዮም፡፡ስርዓት ሃይለስላሴ ብቐዳምነት ንህዝባዊ ግንባር ንኸጥፍእ ዝኣለሞ ተንኮልን ሰራም እስትራተጅን ፡ገረብ ብሓኽላ ከምዝብሃል ካብ ገጠራት ኣባጽሕ ኣኻኺብካ ኣንጻር ሰውራ ኤርትራ ከምዝዓጥቁ ምግባር እዩ፡፡

 

እቶም ካልኦት ሓይልታት ድማ ንዓና ጥራሕ እንተዘይሰሚዕኩምና ብምባል ነቲ ፍሑኽ ዝብል ዝነበረ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ከምዝነበሮ ስለ ዘስተብሃሉን ህላውነቶም ውን ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ከምዘብቅዕ ስለ ዝገመቱን ህዝባዊ ግንባር ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኤርትራ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ከምዝሕረምን ናይ ጥፍኣት ውሳኔ ከም ዝወሰንን ተገይሩ፡፡እንተኾነ ቀዳዊኻ ኣሎ ከምዝብሃል ንሓጺር እዋን ድኣ ኣብ ልዕሊ ሰውራ ኤርትራ ሃስያ ኣውሪዱ እምበር፡ጸኒሑስ ኩሉ መንእሰይ ኤርትራ ብጸቢብ ጉጅላዊ ኣተሓሳስባን ብመግዛእታዊ ሚላን ኣይተታለለን፡፡ንቕሓቱ ስለ ዘበረኸን ብመግዛእቲ ስለ ዝተገፍዐን ድማ እታ ዝፈትዋ ሂወቱ መባእ ሃገር(መስዋእቲ) ንኽኸፍል ናብ ሰውርኡ ውሒዙ ፡፡

 

ሰውራ ኤርትራ እውን ብኣሽሓት ዝቑጸር ሓይሊ ጉልበትን ንቑሓት ፖለቲከኛታትን ክረክብ ኪኢሉ፡፡ብኡ መጠን ድማ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቁጠባውን ማሕበራውን ጽላታቱ ብናህሪ ክስጉም ሓጊዝዎ፡፡ነቶም ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ካብ ዝተፈላለያ ብሄራት ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝተሰለፉ መንእሰያት ኤርትራ ብረቂቕ ንቕሓትን ሃገራውነትን ከምዝበስሉን ብዲሲፕሊን ተሪሮምን ተመልሚሎምን ኣብ ደምበ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር ሓያል ኣበርክቶ ከምዝገብሩን ተገይሩ፡፡እዚ ዘይብሃል ንኽትኣምኖም ዘጸግሙ ኣብ ዓለምና ውሑድ መዳርግቲ ጥራሕ ዘለዎም ተራእዮምን ተሰሚዖምን ዘይፈልጡ ከቢድ መስዋእትን ስንክልናን መስተንክራዊ ጅግንነትን ተወፋይነትን ፈጺሞም ድማ ንኤርትራን ህዝባን ካብ ኣርዑት መግዛእቲ ሓራ ኣውጺኦማ፡፡

 

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ውሑዳት ብሓሳድ ቅንኢ ዝዓወሩ ብብልሽው ኣተሓሕዛ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተበከሉ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ነቲ ብመሪሕ ህዝባዊ ግንባር ዝተዛዘመ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኣምኑን ንህዝባዊ ሰራዊት ክምጉሱን ኣይተራእዩን፡፡ በንጻሩ ድማ ብግዚያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንዝተኣወጁ ሃገራዊ መርሓን ምድላዋት ረፈረንዶም ኤርትራን ኣይተቐበልዎን ጥራሕ ዘይኮነ ንዝወጹ ኣዋጃት መንግስቲ ከቋናጽቡን መሳርሒ ባዕድን ምዕራባውያን ሃገራትን ውልቀሰባት ጸለውቲ ዝብልዎም ኣካየድቲ መራኸቢ ብዙሓንን ኮይኖም ኣንጻር ሃገር ቃልኪዳን ኣሲሮም፡፡እቲ ዝተመደበ ረፈረንዶም ግን ሳላ ውሕሉል ኣተሓሕዛን ኣወዳድባን ህዝባዊ ግንባርን ዕቱብ ተሳትፎ ህዝብን ውጽኢቱ ንዓለም ኣደኒቑ፡፡እንተ እቶም ሰራም ብመስፍናዊ ሕማማት(ብሃይማነታውን ኣውራጃውን ዓሌታውን ዝተበከሉ)ውልቀሰባት ግን ምፍንጫላትን ምጉዝዛይን ቀጺሎም፡፡

 

ሎሚ እቶም ባህጎም ዘይሰመረሎም ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ወጻእ ኮይኖም ኣይትሓዙና ይብሉ ኣለዉ፡፡እንሆ ሜዳ እንሆ ፈረስ ከምቲ ዝደልይዎ ወረቐት ክሓናጥጡን፡ ኣብ ኤሜሪካ፡ምዕራባውያን ሃገራትን ኮይኖም ዝምድንኦም ምስ ወያነ ከሕይሉን ናይ ፖለቲካ ወራዙት ኮይኖም ክቐርቡን ሃርገፍገፍ ክብሉን ትርእዮም፡፡ስልጣን ሕሱም ሎሚ ተኣኪቦም እብሉኻ እሞ ንጽባሒቱ ድማ ተባኢሶም ትሰምዕ፡፡ በብእዋኑ ምስቶም ዝኸተቡዎምን እንጀራ ልማኖ እናተመወሉ፡ንምዕራባውያን ሃገራት ንኸሕጉሱን መንቀሳቐሲ መቑነን ንኽረኽቡን ኣብ ወረቕት እንዳስፈሩ ሓቀኛታት ተሓለቕቲ መሰል ክመስሉ ክብሪ መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ከሕስሩን ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከናሽዉን ንኽቡር ምስዋእቲ ኤርትራውያን ከዋርዱን ደሞክራሲ እባ ቅዋም እባ እናበሉ ህዝቢ ክበታትኑ ይፍትኑ፡፡ከምኡ ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን እዩ ነገሩ እሞ ህዝቢ ኤርትራ ኣይትተሃመል ኣብ ሃገራዊ ዕላማኻ ጽናዕ፡፡

 

እቶም ምስ ህዝባዊ ግንባር ንጥቕሞም ክብሉ ናይ ቃልሲ ምሕዝነት ጌሮም ክሳብ ናጽነት ዝተጓዕዙ መራሕቲ ወያነ፡ ብዶብ ኣሳቢቦም ወራር ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ድሕሪ ምፍጻሞም፡ እቶም ደቂ ሃገር ኢና ዝብሉ ( ዕሱባት ኤርትራውያን)ኣብ ጎኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ኮይኖም ነታ ንቃለሰላ ኣሎና ዝብልዋ ሃገረ ሕድሪ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ኤርትራ ኣብ ክንዲ ምክልኻል ምስ ወያነ ምሕዝነት ብምግባር የማናይ ኢድ ወያነ ኮይኖም ኣብ ምምራሕ ስትራተጂዊ ቦታታት ኤርትራን ኣብ ምቅጻል ንብረትን ምፍራስ መቓብር ሰማእታትን ምግሳስ ክብሪ ኤርትራውያንን ተዋፊሮም እቕረ ዘይበሃሎ ገበን ፈጺሞም፡፡

 

ሎሚ ኩሉ ክዳን እንተተኸድነ ሰብ ይመስል ከምዝበሃል ዝዛረብዎን ዝገብርዎ ኣኼባታትን ክትሰምዖ እንከለኻ እትረፍዶ ንሃገር ነዛ ሂወቶም እውን ክመርሑ ዘይክእሉን ንኤርትራ ኣብ ስደት ኮይኖም ከማሕድሩን እዋሓስ እግብእ ክብሉ ብብእዋኑ ክፋናጨሉን ብመምርሒ ፖለቲካዊ ካርታ ስርዓትወያነ እናተመርሑን መቑነን እንዳተኸፈሉን ዝነብሩ ዘለዉ ጉጅለታት ምዃኖም ትዕዘብ፡፡ሕማቕ ንፋስ ዘበኑ ዘበን ኣካሒዳ ዩ ነገሩ፡፡

 

ናጽነት ኤርትራ ንምምጻእ ዝተኸፍለ ረዚን መስዋእቲ ኣብ ዓለምና መዋዳድርቲ የብሉን ፡፡ምስቶም ኣብ ዓለምና ዝተኻየዱ ሓርነታውያን ቃልስታት ኣዋዳዲርካ ምስ እትርእዮ፡ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብርዝነት መስዋእትን ንዓለም ዘደነቐ ስትራተጂካዊ ኣተሓሕዛ ቅዲ ኲናት፡ ኣብ ምሕብሓብ ካብ ኲናት ዝተዛናበሉ ህዝብን፡ኣብ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ጸላኢ፡ኣብ ውደባን ምስልጣን ካድራትን ምምስራት ህዝባዊ ተራድኦታትን ምትእትታው ፖሊሲ ነብኻ ምኽኣልን ወዘተ.. ቀዳማይ ቦታ ምሓዘ፡፡እንተኾነ ግን ዓለምና ጅግንነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝተኻየደ ረዚን መስዋእትን ኣብ መዛግብቲ ዓለም ከስፍርዎን መምሃሪ ክኸውንን ኣይደልዩን፡፡ ምኽንያቱ ሰራሕቲ እቲ ቅያ ኤርትራውያን ስለዝኾኑ፡፡እቲ ብኻልኦት ዝተሰርሐ ቅያ ባዕሎም ሰሪሖሞ እንተዝኾኑ ኣይመደቅሱናን፡፡ ንረብሐኦም ክብሉን ተኣምር ከምዝሰርሑን ኣብ ዓለም ብመጽሓፍትን መራኸቢ ብዙሓንን ምዘርግሕዎ ነይሮም፡፡

 

ታሪኽ ሓቢእካ ስለ ዘይሕባእ ግን ሎሚ ሳላ እቶም ሓያላት ሓርበኛታት ኤርትራን ሳላ እቶም ምኩራትን መስተውዕልትን ዝኾኑ መሪሒነት ህዝባዊ ግንባርን እቲ ግንባር ዝመልመሎም ደረስትን ሰራሕቲ እቲ ቅያን ኮይኖም ታሪኽ ኤርትራን ዝተኸፍለ ዋጋን ብጉቡእ ሰኒዶም ይዝርግሕዎ ኣለዉ፡፡ ነቶም ታሪኽ እንዳማቶም ኣበኪሎምን ኣዳናጊሮምን ዝጽሕፉ ድማ ዓቢ ስንበዳ እዩ፡፡

 

ህዝባዊ ግንባር ሰናይ ጉርብትናን ረብሓ ዞባዊ ሽርክነትን ብኣግኡ እዩ ኣስተውዒልሉ፡፡ምእንቲ ነባሪ ሰላም ዞባና ንኹሉ ሓድግታት ጌሩ፡፡ነቶም ንህዝቢ ኤርትራ ዝቐትሉን፡ዝጭፍጭፉን፡ ዝኣስሩን ዝሓንቁን፡ ንኣረገውያንን ሕጻናትን ብኻራ ዝዝልዝሉን፡ ዓድታት ዘቃጸሉ፡ ብጃምላ ብሓዊ ዘቃጸሉን፡ ብታንክታት ዝጨፍለቑን፡ ህዝቢ ዓዱ ገዲፍ ንኽስደድ ዝገበሩን ፡ጨካን ኣረሜናዊ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውረዱን ዘጋፍዑን ዝነበሩ ወተሃደራት ባዕዲ ካብ ኤርትራ ጓሕጒሑ ኣውጺኡዎም ምሕረት ድማ ለጊስሎም፡፡ሳላ እቲ ውሕሉል ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ህዝባዊ ግንባር ድማ ኩሎም ኣብ ኤርትራ ዓስኪሮም ዝነበሩ ወተሃደራት ባዕዲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ ፋሺሽታዊ ግፍዒ እቕረ ብምባል ምእንቲ ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክብል ምስ ምሉእ ንብረቶምን ደቆምን ብሰላም ነዓዶም ከምዝኸዱ ተገይሩ፡፡

 

ነቶም ምስ ጸላኢ ተሓባቢሮም ንህዝቢ ኤርትራ ዘጋፍዑ ዝነበሩ ዕሱባት ሃገራውያን ድማ ምኽርን ተግሳጽን ሂቡ ሃገራዊ ሓድጊ ለጊስሎምን መጠናዊ ናይ ሕልና መቕጻዕቲ ከምዝቅጽዑን ተጌሩ፡፡ ነቲ ተመንጢሉ ዝነበረ ናጽነትን ክብሪ ዜግነት ኤርትራን ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ተረኪቡ፡፡ ሎሚ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ተሰኪምዎ ዘሎ መንነት ኤርትራ ህያብ ሰማእታት ኤርትራ ከምዝኾነ ከስተውዕል ይግባእ፡፡ ሳላ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዝኸድካዮ ሃገራት ዓለም ኣነ ኤርትራዊ እየ እናበልካ ብመንነትካ ኮሪዕካ እትጎዓዝ ዘሎኻ ኤርትራዊ እቶም ንመንነትካን ታሪኽካን ዘናሽዉን ዘቋናጽቡን ናይ ለቓሕ መንነት ተሰኪሞም (ዘይኤርትራውያን) ንግዝያዊ መኽሰብ ብስምካ ዝሽቅጡን መንነቶም ዝኸሓዱን ተጠንቀቐሎም ሓደራ፡፡ ነቶም ንህዝቢ ኤርትራ ደምሲሶም፡መንግስቲ ቀይሮም ኣብትሕቲ ግዝኣቶም(ትግራይ ትግሪኚ)ከእትዉና መንነትና ከህስሱን ንኤርትራ ካብ ካርታ ዓለም ክሓኩን ዝሓልሙን ድቃስ ዝስእኑን ዘለዉ ስርዓት ወያነ ድማ ብኣካይድኦምን ዕንደርኦምን ኣብ ህዝቦምን ጎረባብቶምን ብዝገብርዎ ዘለዉ ቀቢጸ ተስፋ እኹል መምሃሪ እዩ እሞ ኣይንተሃመል፡፡

 

ታሪኽ ኤርትራ ብክቡር መስዋእትን ስንክልናን ረዚን ሓርበኝነትን ዝተነድቀ ዘይጥለም ሕድሪ እዩ፡፡ኩሎም ምእንቲ ኤርትራ ህዝባን ክብሉ ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ክቡር መስዋእቲ ዝፈጸሙ፡ኣካላዊ ስንክልና ዘጋጠሞም ሓርበኛታት ኤርትራ፡ ኣብ ወፍሪ ልምዓትን ምክልኻል ሃገርን ተዋፊሮም ዘለዉ ዋርሳይ ይከኣሎን ሳላኹም ብመንነትና ኮሪዕና ክብረት ድማ ይሃበልና ንብሎም፡፡

 

ሰላም መኽሰብ እምበር ክሳራ የብላን

 

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታት ኤርትራ!

 

ዓወት ንሓፋሽ !!

 


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events