Dehai

ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝፈሰሰ ደምና ፡ ዝተሰብረ ኣዕጽምትና ፡ ብሰንኪ መን እዩ ?

Posted by: Hagos Tesfamariam

Date: Monday, 25 September 2017

ንልዕሊ ፍርቂ ዘመን ዝፈሰሰ ደምና

ዝተሰብረ ኣዕጽምትና

ብሰንኪ መን እዩ ?

ብተስፋማርያም ሓጎስ

ኣብ መጀመርታ መበል 18 ክፍለ ዘመን ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ወረርቲ ኤውሮጳውያን ወዲቓ። ኤውሮጳውያን ኣብ መሬት ኣፍርቃ እግሮም ካብ ዘንበሩላ ዕለት ጀሚሮም ንህዝቢ ኣፍሪቃ ጉልበቱ ኣብ ምምዝማዝን ምጽናቱን እዮም ተጓይዮም። ኣፍሪቃውያን ብኣልማማ ተረሺኖም ፣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ተቖሪጹ ንምስንባዶምን ንምድሃሎምን ተባሂሉ ከም ኣዕጻው ይእከብ ኔሩ። ኤውሮጳውያን ኲናት ኣብ ዝገብርሉ ንደቀባት ኤርትራውያን ኣብ ቅድም ብምስራዕ ድራር ጥይት ይገብርዎም ኔሮም። ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዘውረድዎ ህልቂትን ግፍዕን ኩሉ ንክትዝርዝሮ ሰማይ ወረቐት ውቅያኖስ ቀለም እንተ ዝኸውን ውን ኣይምኣኸሎን። ሎሚ ውን እንተ ኾነ ኤውሮጳውያን ደመኛ ጸላእቲ ህዝቢ ኣፍሪቃምበር ፈተውቲ ኣፍሪቃ ኣይኮኑን። ንህዝቢ ኣፍሪቃ ኣጽኒቶም ንኣፍሪቃ ክብሕትዋ እዮም ዝደልዩ።

ነዚ ንምትግባር ዝተፈላለየ ሜላታት እዮም ዝጥቀሙ። ገለ ካብኡ ኣብተን ሃገራት ዕሱባት መጋበርያ መራሕቲ ብምቛም ንባህርያዊ ሃብቲ ናይተን ሃገራት ጓሕጒሖም ንዓዶም የግዕዝዎ ህዝቢ ናይተን ሃገራት ሃብቱ ተመንዚዑ ግዳይ ጥምየትን ሕማምን ስደትን ይኸውን ። ኣብ ኣፍሪቃ ነዚ ዝቃወም መንግስቲ ምስ ዝኽሰት ፣ እሞ ኣብ ርእስኻ ምኽኣል ተሞርኲሱ ሃብቲ ሃገሩ ኣብ ህዝቡ ዘውዕል ንኤውሮጳውያን ድማ መንገዲ ምዝመዛ ምስ ዝዓጽዎም ንዕኦም እሾኽ ኣብ ዓይኒ እዩ፣ ተቐላጢፎም ድማ ይኣልይዎ። ካብ ምዝዛም ካላኣይ ኲናት ዓለም ብዙሓት ጀጋኑ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ተቐልቂሎም እዮም፣ ኩሎም ድማ ብስለያ ናይ ምዕራባውያን ሃገራትን ዕሱባት ደቂ ሃገርን ተቐንጺሎም እዮም። ከም ኣብነት እንተ ወሲድና፣ ፓትሪስ ሉቡምባ፣ ኩዋሚ ንክሩማ ፣ ኣሚልካር ካብራል፣ ሳሞራ ማሸል፣ ጆን ጋራንግ፣ ጀማል ዓብደል ናስር ፣ ሞዓመር ቓዛፊ ወዘተ ክንጠቅስ ንኽእል። ንስልጣነን ምዕባለን ኣፍሪቃ ፍሕት ከም ዘይብል ዝገብሩ ዘለዉ ናይ ምዕራብ ሃገራት እዮም፣። እዚ ነፍሲ ወከፍና ክንፈልጦን ክንነቕሓሉን ዘለና እዩ። እዚ ክንብል እንከለና መጋበርያ ዝኾና ሃገራት ከም ዘለዋ ውን ክንዝንግዕ የብልናን። ሓንቲ ካብዚኤን ኢትዮጵያ እያ። ኢትዮጵያውያን ኣብ ሕቝፊ ኣሜሪካን ናይ ምዕራብ መንግስታትን ኮይኖም ብናይ ሓሶት ጃህራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘይወደቕና ጎብለል ኢና እናበሉ ኣእዛን ሰብ ከጽምሙ ይርከቡ። እስኪ መበገሲ ክኾነና ኢትዮጵያውያን ብርግጽ ሓያላት ኮይኖም ድዮም ኣብ መግዛእቲ ዘይ ወደቑ ? ኣይፋል ! ኤውሮጳውያን ኣብቲ ንኣፍሪቃ ዝወርሉ ዝነበሩ ግዜ እተን ቀንዲ ሓያላትን ተጻረርትን ዝነበራ እንግሊዝን ፈረንሳን እየን። ክልቲኤን ንኢትዮጵያ ንምሓዝ ድሌት ኔርወን ግንከ መን ይሓዛ ብምባል ኣብ ጠጠው ክብል ዘይክእል ኣዕናዊ ውግእ ክሽመማ ምዃነንን፣ ነተን ሒዘንአን ዘለዋ ሃገራት ካብ ኢደን ክመልቋ ምዃነን ስለ ዝተረድኣ ንኢትዮጵያ ንዘይ ምሓዝ ተሰማምዓ። እወ ጥልያን ፈቲና ግን ተሳዒራ፣ እቲ ምንታይ ጥልያን ኣብቲ ግዜ ዝጠቕም ሓይሊ ኣይነበራን። ንኢትዮጵያውያን ግን መጀሃሪ ኮይንዎም። እንተ ደኣ ሓያላት ኔሮም ደኣ ንምንታይ ብ 1935 ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ጥልያን ንብምልእታ ኢትዮጵያ ክትሕዛ ክኢላ ?

እስቲ ኣብ ሃገርና ምልስ ክንብል፣ ኢትዮጵያ ብባርኾት ኣሜሪካ ንኤርትራ ጎቢጣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸመቶ ህልቂትን ግፍዕን ንዘንት እለት ዘይርሳዕን ይቕረ ዘይበሃሎን እዩ። እንተ ኾነ ህዝቢ ኤርትራ ብተፈጥሮኡ ሕነ ንምፍዳይ ዘይጎይን ንነገራት ህድእ ኢሉ ብልቦና ስለ ዝርእዮም ይቕረ ካብ ምባል ድሕር ኢሉ ኣይፈልጥን።

ኣብ ኢትዮጵያውያን እንተ መጺእና ንዝተገብረሎም ጽቡቕ ረሳዕቲ ፣ ንዝተገብረሎም ይቕረ ከም ፍርሒ ዝቖጽሩ ፣ ኣብ ጉርብትናዊ ሕውነትን ምሕዝነትን ዘይኣምኑ ፣ ክጽግሞም ከሎ ዝመሻኸኑ ቅሩብ ሓይሊ ምስ ዝረኽቡ ንዝተገብረሎም ኩሉ ጽቡቕ ንጎድኒ ደርብዮም ኣባትሮም ብምልዓል ንምድምሳስ ዝጓየዩ ኣህዛብ ምዃኖም ኣብ ዝሓለፈ ሓምሳ ዓመታት ዝረኣናዮን ገና ንርእዮ ዘለና እከይ ተግባራቶም ህያው ምስክር እዩ።

ኣብቲ ናይ ሰላሳ ዓመታት መሪር ተጋድሎና ብኢትዮጵያውያን ዝፈሰሰ ደምና ዝተሰብረ ኣዕጽምትና ዝዓነወ ንብረትና ክትዝክሮ ከሎኻ ባሕሪ ከብድኻ ከም ማዕበል ውቅያኖስ ይገላበጥ እሞ ኣዒንትኻ ከም ማይ ቡንባ ንብዓት ጃሕጃሕ ይብል። ኢትዮጵያውያን ወተሃደራት ንዝማረኽዎም ተጋደልቲ ኣሳቕዮም ክቐትልዎም ከለዉ ህዝባዊ ግንባር ግን ንዝማረኸቶም ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንዝቖሰሉ ሓኪማ ካብ ደገ ለሚና እናቐለበት ብክንክን ትሕዞም ኔራ። 1991 መላእ ኤርትራ ሓራ ምስ ኮነት ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተማሪኾም ኔሮም፣ ህዝባዊ ግንባር ከም ኣብ ኩሉ ዓለም ዝግበር ንዓመታት ኣብ ዳግመ ህንጻ ሃገር ማሲኖም ክሳብ ዝሞቱ ከስርሖም ይኽእል ኔሩ፣ ግን ኣይገበሮን ብሰላም ንዓዶም ኣፋንይዎም። ኢትዮጵያ ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ንኤርትራ ዳግም ንምጕባጥ ኲናት ምስ ከፈተት እቶም ህዝባዊ ግንባር ብነጻ ዝሰደዶም ወተሃደራት ብረት ዓጢቖም መጺኦም። ስለዚ እዞም ህዝቢ እዚኦም ብምንም ተኣምር ኣብ ነጻነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጽኒቶም ንኤርትራ ክጎብጡ ዝደልዩ ምዃኖም መዓስ እዩ ክርደኣና። ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነት ኢትዮጵያውያን ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ክኾኑ ከም ዘይክእሉ ፈሊጡ፣ እሞ ክህሉን ህላውነቱ ቀጻልነቱን ክረጋገጽ እንተ ኾይኑ ፈተውቱን ጸላእቱን መምዩ ክፈልጥ ኣለዎ። ፈተውቱን ጸላእቱን ፈልዩ ዘይፈልጥ ህዝቢ ህላውነቱን ቀጻልነቱ ከውሕስ ኣይክእልን እዩ። ወግሐ ጸብሐ ንሓደ ጌጋ ክደግምን ግዳይ ክኸውንን ይነብር ብኡ ኣቢሉ ድማ ካብ ምድረ ገጽ ይጠፍእ። ኣብ ደሴት ዝነብር ህዝቢ ብማይ ተኸቢቡ ስለ ዝነብር እቲ ናይ ቀረባ መዳውብቱ ማይ እዩ፣ ምስቲ ማይ ከኣ ዝኣክል ሌላን ኣፍልጦን ስለ ዝህልዎ ተሰማሚዑ ይነብር። ኣብ ሰፊሕ መሬት ከም ኣብነት ክፍለ ዓለም ትነብር እንተ ደኣ ሃሊኻ ግን ብሰሜን ብደቡብ ብምዕራብ ብምቕራብ መዳውብቲ ሃገራት ክህልዋኻ ናይ ግድን እዩ። ምስ እዚኤን ጎረባብቲ ሃገራት ተሰማሚዕካ ክትነብር ትኽእልን ኣይትኽእልን ምፍላጥ ከድልየካ እዩ። ምስቲ ንዓኻ ከም ደለኻዮ ተቐቢሉ ምሳኻ ብስኒት ክነብር ዝደሊ ብሰላምን ስኒትን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ክህልወካ ናይ ግድን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ድማ ካብ ዘመነ ባሕረ ነገስታት ኤርትራ ኣትሒዞም ኢትዮጵያውያን ንምጥፋእና እምበር ንህላዌና ዋላ ንሓንቲ ደቒቕ ውን ሓሲቦም ኣይፈልጡን እዮም። መግዛእቲ ጥልያንን እቲ ስዒቡ ዝመጸ መግዛእቲ እንግሊዝ ንህዝቢ ኤርትራ ንምግዛእን ምርጋጽን መታን ክጥዕሞም ብዝያዳ ነቲ ኣብ ከበሳ ዝነብር ህዝቢ ሓማሴን ሰራየ ኣከለጉዛይ እናበሉ ብጽልእን ቅርሕንትን ኣብ ክንዲ ኣንጻሮም ንሓድሕዱ መታን ክናቖት ዝከኣሎም ዘበለ ይገብሩ ኔሮም። እቲ ንዕኦም ተኪኡ ዝመጸ ንጉሳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ውን ነዛ መግዛእቲ ተኺልዋ ዝኸደ ዕንጨይትን ላምባን ብምውሳኽ ክፈላልየናን ከተሃናኹተናን ይጽዕር ኔሩ። ምስ ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት ግን እቲ ጸላኢ ዘሳወሮ ክነድድ ኣይከኣለን። ንህዝባዊ ግንባር ውን እንተ ኾነ ቀሊል ኣይነበረን። እቲ ውድብ ቅኑዕ መትከል ዝሰረተን ቀንዲ ሰረቱ ሓፋሽ ብምዃኑን ኣብ ዝተናውሐ ከም ዝጠፍእ ጌርዎ። ህዝባዊ ግንባር ንትሽዓቲኤን ብሄራት ኣብ ሓደ ጥሒኑ ሓደ ዘይንቕነቕን ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዘይሰዓር ሓድሽ ህዝቢ ኤርትራ ፈጢሩ። እቲ ዝፈጠሮ ስሙን ሃገሩን ጥራይ እዩ መጸዊዕኡ። ኤርትራዊ ዝብል መንነት እዩ ፈጢሩ።ነዚ መንነት እዚ ብዓጽሙን ደሙን እዩ ነዲቕዎ። ዓዲ፣ ወረዳ፣ ኣውራጃ ናይ ምምሕዳር ስም እምበር መንነት ከም ዘይኮነ ብቓላት ዘይኮነስ ብደሙ እዩ ኣረጋጊጽዎ ።

ናይ ሎሚ መንእሰይ ብኢትዮጵያውያን ዝፈሰሰ ደም ኣያታቱን ኣዴታቱን ገና ከይነቐጸ፣ ዝቖሰለ ኣካል ገና ከይጸገነ ትማል ትማል ድማ ብኢትዮጵያውያን ዝፈሰሰ ደምን ዝተሓማሸሸ ኣዕጽምትን ዝዓነወ ንብረትን ብዓይኑ እናረኣየ እሞ ከኣ ባዕሉ ብኣካል ዝተሳተፎን ዝረኣዮን ከመይ ጌሩ ይርስዖ ? ኣሕዋቱ ኣሓቱን መዛንኡን እኮ እዮም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ብታንክታት ኢትዮጵያ ተጣሒኖም ብናፓል ቦምብን ክላስተር ቦምብን ተቓጺሎም ፣ ዝዓነወ ዓድታትን ዝዓነወ ንብረትን ገና እኮ ኣይተሃንጸን ! እቲ ስምብራት ብውዑዩ እዩ ዘሎ። ብሰንኪ መን እዩ እዚ ኹሉ መከራ ንረኽቦ ዘለና ብሰንኪ ኢትዮጵያን ስርዓታቶምን ደይኮነን ! ብኸመይ ደኣ መንእሰይ ኣብቲ ብወያነ ካብ ምድረ ገጽ ንምጥፋእና ዘዋደደቶ መጻወድያ ትኣቱ ? ዋዛ ከይመስለካ ነጻነትና ብደም ሚእቲ ሽሕ መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን እዩ መጺኡ ! ሎሚ ውን እንተ ኾነ ብደምና ከም እንዕቅቦ ፍለጥ ! ቀንዴል ናጽነትና ብላምባ ትበርህ ከይመስለካ በቲ ካብ ልቢ ነፍሲ ወከፍና ዝውሕጅ ደም እያ እትበርህ። ስም ህዝባዊ ግንባር ብኸንቱ ምልዓልን ምጽላምን ወንጀል /ገበን እዩ። ኣብ ኤውሮጳ እየ ዘለኹ ኣበይ ከይተርክበለይ ከይትብል! ሓለንጊ ሰውራና ተመጣጢት እያ፣ ንሳ ዘይትበጽሖ ኵርናዕ ናይዛ ዘለናያ ዓለም የሎን። ልዕሊ ኩሉ ብደም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተነድቀ ግንባር ስለ ዝኾነ ፣ ደም ሰማእታት ከይፋረደካ !

ኢትዮጵያን እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ጸበብቲ ርእሲ ወያነ ንህዝቢ ኤርትራ ንምስቓይን ንምዕናውን ዘይተኮስዎ ብረት ዘይፈሓርዎ ጉድጓድ የሎን፣ ግን ነቲ ዘይጸዓድን ዘይሰዓርን ጅግና ህዝቢ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባርን ኣይኮነንዶ በዛ ርኳን ወያነ ትምራሕ ኢትዮጵያን ካልእ እንተ መጸ ውን ጸፊዕና ትሕቲ መሬት ከም እነሕድሮ ዘይፈልጥ የሎን። እዛ ርኳን ጭፍራን ኣዘዝታ ናይ ምዕራብ ሃገራትን ንህዝቢ ኤርትራ ንምስዓር ንመንእሰይ ኤርትራ መእተዊ ኣፍደገ ከፊትና ዘቚቝና እንተ ኣውጺእናዮ መንግስቲ ኤርትራ ደሙ ጸንቂቑ ጥይት ኳሕ ከየበልና ክንስዕሮ ንኽእል ኢና ዝብል ሓድሽ ቅዲ ኲናት ወያነን እዩ። ኦ መንእሰይ ኤርትራ ሓንትስ ካብ ኤርትራ ወይ ንኢትዮያ ደኣ ውጻእ እምበር ካብኡስ ናብ ዝደሌኻዮ ኣሜሪካን ኤውሮጳን ክንሰደካ ኢና እንተ በሉካ ኣሚንካዮም ኣብ መጻወድያኦም ኣቲካ። ነዚ ሜላ እዚ ተጠቒሞም ኣፍደገ እንተ ከፈቱልካ ከመይ ጌርካ ናብቲ ደምካ ዘፍሰሰን ህዝብኻ ዝሓረደን ዓድታትካ ዘዕነወን ጸላኢ ኣብ መፈንጠራኡ እናጎየኻ ትኣቱ ! ኣእምሮኻ ኣስፍሕ ኣቢልካ እንተ ትሓስብ፣ ኢትዮጵያ ንወለዶታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩን ንኢትዮጵያ ዝሃነጹን ዝመሃሩን ሰብ ጸጋ ሰማንያ ሽሕ ኤርትራውያን ንብረቶም ሃጊራ ብዝተኸድንዋ ቢጃማ ንኤርትራ ከተባርሮም ብዓይንካ እናረኣካ ንኢትዮጵያ ገጽካ ኣይምተሰደትካን ። ወያነ ንዓ ጥራይ ናብቲ ወርቂ ብባዴላ እትግሕጠሉ ኤውሮጳን ኣሜሪካን ክንሰደካ ኢና እንተበሉኻ ኣሚንካ ኬድካዮም፣ ግን ወርቂ ዘይኮንካ ብባዴላ ክትግሕጥ ህይወትካ ኣብ ምድረ በዳ ሰሃራ ስነ ስርዓት ቀብሪ ዘይብሉ ብከንቱ መታን ክትዓርብ እዩ እቲ ዕላማ ጭፍራ ወያነ። ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ቀለብ ዓሳ ኮይኖም ኣሽሓት ኣብ ምድረ በዳ ሲናይ ከም ገንሸል ኣፋስጋ ተሓሪዳ ። እቶም ኣብ መሬት ኤውሮጳ ዝኣተዉ ውን እንተኾኑ ግደ ብስጭትን ጓሂን ሕርቃን ተስፋ ምቝራጽን ኮይኖም እዮም ዘለዉ። ባዕልኻ እናረኣኻን እናሰማዕካን ዝኣተኻዮ ዓዘቕቲ ሞትን ስቓይን ከመይ ጌርካ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ተላግቦ ! ተሓታቲ ባዕልኻ ኢኻ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን እዞም ሎሚ ብገድሊ መቐለ ዝፍለጡ ቀደም ማዕበል ሰውራና ጉሒፉ ንደገ ዝሰንደዎም ሓተላ ፣ ትማል ወያነ ዳግማይ ምስ ወረረትና ተጠቕሊሎም ኣብ ጎድኒ ወያነ ዝተሰለፉ ናይ ታሪኽ ሓተላ ዘይተቐብሩ ሬሳ ፣ መሳፍርቲ ዕሲ መታን ክኾንዎም ነዞም ሓደስቲ ዝኣተዉ ኣብቲ ኣውራጃዊ ሕማም ኣእትዮም መሳርሂ ክጥቀሙሎም ምራኣይ እዩ። ሎሚ ቀደም ሳላ መሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ጉሒፍና ዝቐበርናዮ ኣውራጃዊ ሕማም ኣጕላዕሊዑ ንርእዮ ኣለና። ዘይወግሕ መሲልዋ ኣብ ቡዅራ ትሓርእ ከም ዝበሃል እዞም ንኣውራጃዊ ፍልልይ ተስፋሕፍሑ ዘለኹም ወገናት ወይለኹም ! በብኣውራጃ ተመቓቂልና ተቓሊስና ሃገር ኣየምጻእናን ! ኤርትራዊ ዝብል መንነት ተሓንጊጥና ኢና ፣ ነታ ኤርትራዊ ትብል መንነት ካብ ምንጋጋ ጸላኢ ኣውጺእና ብዅርዓትን ሓበንን መታን ክንጽውዓላን ክንነብረላን ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ከፊልና ዘምጻእናያ። ንምዕቃባ ከኣ ዳግማይ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብሉጻት ዝኸፈልና ! እዚ ንህዝቢ ብኣውራጃ ምፍልላይ እከይ ውጥን እዚ ጽባሕ ይቕረ ዝበሃለሉ ነገር ኣይኮነን። ወይለኹም ከዳዓት ንህዝቢ ብኣውራጃ ትገማምዑ ዘለኹም ! ሓለንጊ ሰውራና ዝደርበናያ ከይመስለኩም ! ኣላ እኳ ደኣ ብስብሕታ! ሴፍናን ጉራዴናን ውን ብበላሕተን ኣብ ሰፈረን እየን ዘለዋ! እንተ ወጺኤን ክሳድ ጸላኢ ከይቆረጻን ብደም ከይጠልቀያን ኣይምለሳን እየን ። ሎሚ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝርከብ ኤርትራዊ እንታይ እዩ ወሪድዎ ? ገለ ወገናት ነቲ ኣውራጃዊ ሕማም ብዘለዓለ ክሰርሕሉ ይረኣዩ ፣ኣብ ኣብያተ ክርስትያናት ሰሊኾም ብምእታው ነቲ ቅዱስ ስፍራ መሳርሒ ኣውራጃዊ ሕማም ክገብርዎ ይረኣዩ። እዘን ኣውራጃዊ ሕማም ዝሰረተን ወገናት ንህዝባዊ ግንባርን መንግስቲ ኤርትራን ከም ሰይጣን ጌሮም ክገልጽዎምን ኣንጻሮም ዘመተታት ክገብሩ ይረኣዩ። እዚኦም ብጭፍራ ወያነ ዝእለዩን ዝምወሉን ባእታታት እዚኣቶም ድሌቶም ካብ ብህዝባዊ ግንባር ትምራሕ ነጻ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ትምራሕ ኤርትራ መሪጾም ደኾን ይኾኑ ? ህዝባዊ ግንባር ብተፈጥሮኡ ዓቃል ተሃዊኹ ዝኾነ ስጉምቲ ዘይወስድ ኣዝዩ ብሱልን ንቑሕን ግንባር ምዃኑ ሕሉፍ ታሪኹ ምስክር እዩ፣ ይኹን እምበር ኣድላዪ ኮይኑ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ግን ዘይምሕር ስጉምቲ ዝወስድ ምዃኑ ክፈልጡ ይግባእ።

መንእሰይ ኤርትራ ሃገር ህነጽ፣ ሃገር ኣልምዕ፣ ሕድሪ ሰማእታት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣያታትካን ኣዴታትካን ኣኽብር ሃገር ከይትድፈር ሓሉ ስለ ዝተበሃልካ ፣ ነዚ ከም ግፍዕን ባርነትን ቆጺርካ ዲኻ ንደገ ትሃድም ዘለኻ ፣ እንታይ እዩ ወሪዱካ ! ሃገር እንተ ሃነጽካ ንዓኻን ንህዝብኻን ሰረት ንመጻኢ ወለዶታት ደይኮነን ! ሃገር እንተ ኣልማዕካ መን ድዩ ክረብሓሉ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ደይኮኑን ክረብሑሉ ! ሃገርካ ካብ ወረርቲ ምክልኻል ኣባኻ በጺሑ ከመይሉ ገበን ይኸውን ? እሞ ነዚ መታን ከይትገብር ኣብ በረኻታት ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ህይወትካ ብከንቱ ከተጥፍእ ! ኣብ ዝኣተኻዮ ጉዕዞ ስደት ካብ ብሱል ጥረ ኮይንካ ኤውሮጳ እንተ ኣተኻ ውን እቲ ዝሓለምካዮ ረኺብካዮዶ ? እቶም ቃል ዝኣተዉልካ ኣብ ቃሎም ጸኒዕምዶ ? መጻኢኻ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ስቓይ ታኼላ ምዃኑ ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ፍለጦ ኢኻ። ብሕጂ ምቁር ህይወት ክህልወኒ ኢልካ ኣይትጸበ፣ ንውርደትን ሕስረትን ተቓሊዕካ ኢኻ። ክብረት ኣብ ሃገርካ ምስ ህዝብኻ እዩ።ኤውሮጳውያን እዚ ሎሚ በጺሐሞ ዘለዉ ምዕባለ ካብ ሰማይ ዝወረደ ከይመስለካ ንዓመታት ዘይኮነ ንዘመናት ደሞምን ረሃጾምን ኣፍሲሶም እዮም በጺሐሞ።

ክትፈልጦ ዘሎካ ! ሻዕብያ ማለት ፍትሒ ሰላም ማዕርነት ሓርነት ነጻነት ምዃኑ ፍለጥ ! ሻዕብያ ማለት ርእሰ ተኣማንነት፣ ዘይተምበርካኽነት ማለት እዩ። ሻዕብያ ክበሃል ከሎ ሓፋሽ ህዝቢ ዝሰረቱ ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ ዘይድፈር ግንባር እዩ። ከምቲ እቲ ናይ መጀመርያ ፕሮፈሶር ኣብ ኢትዮጵያ ዝኾነ ፕሮፈሶር መስፍን ወልደማርያም ዝበሎ፣ ብዙሕ ሰብ ዘይተረድኦን ኣዝዩ ዝነኣድን፣ ናይ ኣሜሪካ ባጤራን ናይ ኣሜሪካ ጸቕጥን ንኤርትራ ከምበርክኻ ዘይምኽኣሉ እዩ። ካብ ከዳሚ እንከሎኻ ጎይታ ምምሳል፣ ድኻ ኮይንካ ክትክበር ይሓይሽ ኢሉ። ብርግጽ እዚ እዩ ሻዕብያ ማለት። ንሻዕብያ መን ምዃኑ ከደምቲ መንግስታት ኣይኮናን ዝፈልጥኦ፣ እተን ሓያላትን ርእሰ ሓያላን መንግስታት እየን ጽቡቕ ጌረን ዝፈልጥኦን። ሻዕብያ ሓያላትን ርእሰ ሓያላትን እምበር ምስ እፍሊ ገፈል መፈል መንግስታት ኣንቺ ምንቺ ዝበሃል መንግስቲ ኣይኮነን፣ መዛርብትናን መዛትይትና ሓያላን መንግስታትን ርእሰ ሓያላን መንግስታት ምዃኖም ኩሉ ክፈልጦ ኣለዎ።

ክብርን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ !!!

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና !!!

ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ !!!


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events