ኲናት ዝእውጁ – ኲናት ዘይፈልጡ እዮም
ጉጅለ ብልጽግና ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣወጆ ኲናት፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደብዳበ ብምልኣኽ፡ ዕላዊ ገይሩዎ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ደብዳበኡ፡ “ይነቅል ኣለኹ! መርቑኒ!” ብዝዓይነቱ ቃና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ክወርር ይብገስ ከምዘሎ ብግልጺን ብዘየሻሙን ቃላት ኣፍሊጡ ኣሎ። በዚ ናይ ቅብጸትን ዕንደራን ውሳነኡ ድማ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ፡ (ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ዓፈር፡ ኦሮሞ ወዘተ.) ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱዳን ዝኣወጆ ኲናት፡ ናብ ኤርትራ ክልሕሞ ምውሳኑ ብወግዒ ነጊሩ ኣሎ። ብልጽግና፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ህዝብታት ሱዳንን ኤርትራን ኣዊጁዎ ዘሎ ሰፊሕ ኲናት፡ ዋናታቱን መወልቱን መን ምዃኖም ዘይፈልጥ የለን። እከይ ውጥናቶም ምስ በርዓነ፡ ነቲ ኲናት ዞባዊ መልክዕ ከትሕዞ ብርቱዕ ጸቕጢ ክገብሩሉ ምጽንሖም እውን ካብ ማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን።
ኣብ ታሪኽ ተደጋጊሙ ከም ዝተራእየ ኲናት ዝውልዑ እቶም ኲናት ዘይፈልጡ እዮም። እቶም ኲናት ዝፈልጡ ግን፡ ገና ከይመጸ ንምውጋዱ ዝከኣሎም ይጽዕሩን ነብሶም ይገትኡን። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቶም ኲናት ዝፈልጡ ይዕወቱ፣ ኲናት ዘይፈልጡ ይሰዓሩ። እዚ ተደጋጋሙ ዝተመስከረ ሓቂ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ብነዊሕ ኲናት ዝሓለፈ፡ ሳዕቤናቱ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጥ ብምዃኑ፡ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ኲናት ምርጫኡ ኮይኑ ኣይፈልጥን። በዚ ምኽንያት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመት፡ ካሕዳይ ጉጅለ ብልጽግና፡ ነጋሪት ኲናት ኣበርቲዑ እናደሰቐ፡ ብዓቕልን ልቦናን፡ ልዑል ነብሰ ግትኣት ገይሩ ጸኒሑ ኣሎ። ካብ ሕጂ ንድሓር ግን፡ ነዚ ብወግዒ ተኣዊጁሉ ዘሎ ናይ ቅብጸት ኲናት ገጢሙ ካብ ምስዓር ወጻኢ ካልእ ምርጫ የብሉን። ውጽኢቱ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ዕምሪ ብልጽግና ዝድምድም ከም ዝኸውን ድማ ርጉጽ እዩ።
ኩሉ ይዕዘቦ ከምዘሎ ጉጅለ ብልጽግና፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓይሊ ብረ ት ከንበርክኽ፡ ኣበየ ከባቢኡ ባዕሉ ብዝወልዖ ኲናት ኣብ ማፍጢ ኣትዩ፡ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘርዕድ መገዲ ይልብልቦ’ዩ ዘሎ። ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ቀምሪሩ ከቃብጾ ምዃኑ እውን ምግማቱ ኣየጸግምን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃለዋት፡ ምስ ኤርትራ ኲናት፡ ንብልጽግና ርእሰ-ቅትለት እዩ። የግዳስ ካብ ኲናት ምሕያብ እውን ካብ ውድቀት ዘድሕን ምርጫ ኣይኮነን። ወራር ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ናይ ኣዝዩ ዝተዋጠረን ዝተጨነቐን ኣእምሮ ውሳነ’ዩ። ገና ከይነቐልካ ዘሎ ጫውጫውታ ብልጽግና ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ነጸብራቑ እዩ።
ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ