ዜና ሓሶት ብዛዕባ መርከብ ሽኵሹኳ
ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሎንደን፡ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብ20 ነሓሰ 2026፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን “ባንዴራ ኤርትራ ዝኣርማኣ” መርከብ ጽዕነት ነዳዲ ተጨውያ ተባሂሉ፡ በቶም ሚዛን ኣለዎም ዝበሃሉ ማዕከናት ዜና ከም ሮይተርስ፡ ኤ.ኤፍ.ፒ.፡ ቢቢስን ካልኦትን ከይተረፈ ዝተጋውሐ መጋገዪ ሓበሬታ ብዝምልከት፡ እዚ ዝስዕብ መብርሂ ክህብ ይደሊ።
እዚ መስደመም ዜና’ዚ ብብዙሕ መዳያቱ ፋልሶ እዩ፥
1. ኩሎም እቶም ብዛዕባ’ዚ ፍጻመ’ዚ ዘጋውሑ፡ ከም ቀዳማይ ምንጪ ሓበሬታኦም ገይሮም ዝጠቐሱዎ፡ ንትካል ንጥፈታት ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ (UKMTO) እዩ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቅድም ቀዳድም፡ ሓበሬታ UKMTO እታ መርከብ ‘ባንዴራ ኤርትራ ዝኣርማኣ’ ኢሉ ከም ዘይጠቐሰ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ። ነቲ ትካል መብርሂ ክህቦ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብወግዒ ኣብ ዝሓተተሉ ድማ፡ UKMTO ነዚ መሰረታዊ ሓቂ’ዚ ደጊሙ ኣረጋጊጹዎ።
2. ኣብ ኩሉ ህዝባዊ መወከሲታት፡ ብዛዕባ’ዛ መርከብ እዚኣ ዝተዘርግሑ ሓበሬታታት ኩሎም፡ እታ መርከብ ብኤርትራ ከም እትውነን ወይ ምስ ኤርትራ ዝኾነ ርክብ ከም ዘለዋ ዘመልክት ኣመት የብሎምን። እዚ ፍጻመ’ዚ ኣካል ናይቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ማሪታይም (IMO)፡ ምንቅስቓስ ዘይሕጋውያን መራኽብ ንግዲ (Shadow fleet) ኢሉ ዝምድቦ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ።
3. ብተወሳኺ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ባሕራዊ ምንቅስቓስ፡ እዛ ቁጽሪ መዝገብ IMO 920476 ዝሓዘት መርከብ፡ ኣብ ወግዓዊ ሰነዳቱ ኣብ ምድብ ዋንነተን ዘይፍሉጣት (indeterminate ownership) መራኽብ ኢሉ ኣስፊሩዋ ይርከብ። ቀዋሚ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ IMO እውን፡ ሰነዳት ናይቲ ውድብ ተወኪሱ፡ እዛ ባንዴራ ኤርትራ እተንበልብል መርከብ፡ ብኤርትራ ከም ዘይትውነን፡ ኣብ ኤርትራ ምዝግብቲ ከም ዘይኮነት፡ ኣስፊሩዎ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሓቀኛ ጭብጢታት እዚ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፡ ገለ ኣንጻር ኤርትራ ዝንቡዕ ሓበሬታታት ምዝርጋሕ ዝኣመሎም፡ ካብ ደረጃን ስነ-ምግባርን ጋዜጠኛነት ወጺኦም መጋገዪ ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ይርከቡ።
ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ
25 ነሓሰ 2026
ሎንደን