Dehai News

ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ - ጊልያ ምድንፋዕ ረብሓታት ኣሸቀልቲ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 19 November 2025


ጂኦፖለቲካዊ ርከሳ

ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ - ጊልያ ምድንፋዕ ረብሓታት ኣሸቀልቲ


ሓዳስ ኤርትራ  19 ሕዳር 2025
ሱልጣን መሓመድስዒድ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት፡ ንሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝፈታተን፡ ንርግኣት ቀይሕ ባሕሪ ዝህውጽ፡ መኸተምታ ዝተገብረሉ ብሉይ ግርጭታት ዘለዓዕል፡ ሓደገኛ ባህርይን ሳዕቤንን ዘለዎ ጂኦፖለቲካዊ ጸወታ ክንዕዘብ ጸኒሕና ኣለና። ኣብ ሕምብርቲ ናይዚ ቅልውላዋት’ዚ፡ ናይ ገማግም ባሕሪ ናይ ምስፍሕፋሕ ኣጀንዳ እቲ ዝደመቐ ስእሊ እዩ።

ምስ’ዚ ጉዳይ’ዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ‘‘ሆርን ረቪው’’ ዝተሰመየ ሓድሽ ማዕከን ሓበሬታ መንግስቲ ብልጽግና፡ ነቲ ናይ ምስፍሕፋሕ ህርፋን ናይቲ መንግስቲ ይምጥን ዝበሎ፡ ሽፋን ኣስማት ናይ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ናይ መጽናዕቲ ትካላትን እናተጠቐመ፡ ብሓደ ወገን ንማሕበረ ሰብ ዓለም ምግጋይ፡ በቲ ካልእ ከኣ ናይ ስሕተት ትረኻ (ትምህርቲ) ንምህናጽ ዓሊሙ ዘሰናድኦ ዘሎ ዓንቀጻት ክንርኢ ቀኒና።

እዚ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሓዊስካ፡ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣምባሳደራት፡ ተመወልቲ ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾና መሳዅቲ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ከምኡ’ውን ብስም ኣክቲቪዝም ዝነጥፉ ተኸፈልቲ ሰራዊት ሚድያ ኣኽቲቱ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ፡ ብዕቱብ ዝስርሓሉ ዘሎ ኣጀንዳ እዩ። እዚ፡ “ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ሕቶ ህላውነት እዩ፡ ብዝሒ ህዝቢ ኣለና ብጂኦግራፍ ተኣሲርና ኣይክንነብርን ኢና። ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ወደብ ዓሰብ ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለየትሉ ኣገባብ ቅኑዕ ኣይነበረን፡ ዝኾነ ሕጋዊ ሰነድ ክንረክብ ኣይከኣልናን፡” ወዘተ. ዝብል ቅኒታት ተሓንጊጡ ብዝተፈላላየ ኣገባብ ዝቐርብ ናይ ዓፈና ዘመተ፡ ነቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ምግሃስ ዝ ዕላምኡ ቴማ ዝጥርነፍ እዩ።

ናይዚ ኵነት’ዚ ስግንጢርነት፡ ማዕረ ማዕረ እዚ ናይ ምትዅታዅ ኣጀንዳ ተወሃሂዱ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ግንባር ዝካየድ ዘሎ፡ ‘ተገፍዑልና፡’ ዘስምዕ ስምዕታን ምሕጽንታን መራሕቲ ብልጽግና እዩ። እዚ ናብ ዝተፈላላዩ ኣካላት ደብዳበ ብምስዳድን ናይ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ መድረኻት ብምፍጣርን ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት፡ ንኢትዮጵያ ከም ሃዋርያ ሰላምን ምትሕብባርን ገይሩ ዝስእል እዩ።
እዚ ምስቲ ብመንግስቲ ደረጃ ብውዱብ መልክዕ ዝካየድ ዘሎ፡ ዳርጋ መዓልታዊ ክበሃል ብዝከኣል ደረጃ ንዝተጻሕፈሎም ስክሪፕት ሒዞም ዝቐርቡ ሓደስቲ ተሰለፍቲ ዝውርውርዎ ንልኡላውነት ኤርትራ ዘቈናጽብን ዝግህስን መግለጺታት’ዚ ብኸመይ እዩ ዝሳነ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ካልኣይ ክንፊ፡ ንሕጋውን ታሪኻውን ክዉንነታት እናጠምዘዘ፡ ንሃገራዊ ቃልስን ሕጋውነትን ሃገርነት ኤርትራ ብባዶ ዘርብሕ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ክንፊ ዝስማዕ ናይ ተገፍዑልና መረረ ዝጋጮ፡ ካብ ሓደ ርእሲ ብክልተ ልሳን ዝ ው ጽ እ ኣበሃህላታት እዩ።

እዚ ዘመተ’ዚ፡ ኣቐዲሙ ብሓደ ካብ ኣካላት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ትካል IFA (Institute of Foreign Affairs) ተጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ፡ ኣደናጋሪ መልእኽትታትን ኢሞጐታዊ ክልሰ ሓሳብን ተሓንጊጡ ዝካየድ ዘሎ እዩ። ‘ሆርን ረቪው’፡ ነዚ ልዕል ኢሉ ዝተገልጸ ጉዳያት ብዝግባእ ክትቃንዮ ምሉእ ሓላፍነት ተሰኪማ ዘላ መርበብ ሓበሬታ እያ። ቀንዲ ዕማም ናይዛ መርበብ ሓበሬታ፡ ምስተን ካልኦት ናይ ሓበሬታ ኣካላት ብምንባብ፡ ነቲ ዓይኑ ዝዓወረ ህርፋን ኣፍደገ ባሕሪ፡ “እንተስ ብምርድዳእ እንተስ ብሓይሊ ከተግብሮ እየ፡” እናበለ ብቅሉዕ ኣዋጅ ኲናት፡ ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራ ዝግህስ ብህሎታት ዘቃልሕ ዘሎ መንግስቲ ብልጽግና ብኸመይ ኣብ ዓውደ ዲፕሎማሲ ናብ ኤርትራ ዝቐንዐ ዝተፈላለየ ክስታት ብምውህሃድ ኣቓልቦ ክዕድም ይኽእል ብረቂቕ ስትራተጂ ምስራሕ እዩ። ምስቲ ብቅሉዕ ዝፍንዉዎ ዘለዉ ታህዲድን ፈኸራን ኣቃንዮም ድማ ንመላእ ዓለም ኣእማኒ ዝብሉዎ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ይጽዕቱ ኣለዉ።

ገለ ካብቲ ዓንቀጻት ንምጥቃስ ርግኣት ቀይሕ ባሕሪ ክወሓስ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ክትኣቱ የድሊ ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ዝወጸን ካልእን ም ርኣይ ይከኣል።
ብመሰረት መግለጺ ‘ሆርን ረቪው’፡ ምርግጋእ ቀይሕ ባሕሪ ተሳትፎ ኢትዮጵያ ይጠልብ ብዝብል ምጉት፡ ነቲ ጸጥታኡ ክወሓስ ዝብሎ ዘሎ ዞባ ቀንዲ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ኮይና ንዘላ ሃገር ከም ናይ ምርግጋእ ሓይሊ ክቘጽር ምስ ምንታይ ይቑጸር! ዋላ’ውን እታ ሃገር ባዕላ ረጊኣ እንተ ትነብር፣ ብኢደወነና ኣብ ምሕደራ ቀይሕ ባሕሪ ከም ናይ ምርግጋእ ቅድመ ኵነት ክትጽንበር ምሕላን፡ ንልኡላውነት ሃገራት ገማግም ባሕሪ ዝግህስን ንዝተቐመጠ ፍሉጥ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ዕሽሽ ዝብልን እዩ። ርግኣት ቀይሕ ባሕሪ ዝረጋገጽ ኣብ መንጎ መዳውብቲ ሃገራት ብዝግበር መንግስቲ ማእከል ዝገበረ ምትሕብባርን ዘተን እምበር፣ መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ብዘይኮና ሃገራት ዘይሕጋዊ ሞጐት መሰል ቀጥታዊ ምሕደራ ብምሕታት ኣይኮነን።

እቲ መርበብ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ካብዚ ዕማም’ዚ ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ ከም እተገለለት እዩ ዝገልጽ። ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ሕቡራት ሃገራት (UNCLOS)፡ ኣገባብ ምሕደራ ማለት ኣብ ምሕደራ ድሕነት ባሕሪ ብቐንዱ ዘተኮረ ዕማም፡ ቀንዲ ስልጣንን ሓላፍነትን ናይተን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ምዃኑ ብዕሊ ይሕብር። እዚ፡ “ነተን ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ይምልከት፡” ዝብል ሕጋዊ ቃል ብዓንደ ርእሱ፡ ነቲ ብሓባራዊ ኣገባብ ወነንቲ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ሕጋዊ ጾር ዝምልከት ብምዃኑ ምሕደራ ልኡላውነት እውን እዩ። እዚ መትከል’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ናብቲ ባሕሪ ዘይግምገማ ጐረባብቲ ሃገራት ጽልኢ ንምቕስቓስ ዓሊሙ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጎ ጂኦግራፍያዊ ምትእስሳር ዘለወን ሃገራት ዞባዊ ምትሕብባር ዘደንፍዕ፡ ኣብ ሕጊ ዝተመርኰሰ ኣህጉራዊ ተግባር ስለ ዝኾነ ጥራይ እዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ብጂኦግራፍያዊ ክሊ ናብ ባሕሪ ዘይበጽሓ ሃገራት፡ ምስ መውጽኢ ኣፍደገ ዘለወን ሃገራት ብዝፍጽምኦ ክልተኣዊ ስምምዓት ተጠቃምነት ረብሓታት ኣፍደገ ባሕሪ ከው ሕሳ ይኽእላ።

ኣብዚ ዝተገልጸ መቓን’ዚ፡ ይትረፍ እተን ንባሕሪ መውጽኢ ዘይብለን ሃገራት፡ እተን ምስ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት’ኳ ውሽጣዊ ርግኣት ከየውሓሳ ናብ ካልእ ዕማም ክሰግራ ከም ዘይክእላ ዞባና ህያው ምስክር እዩ። እታ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ዝበዝሓ ክልላት ብዘጋጥም ዘሎ ሓያል ወጥሪን ግጭታትን ከቢድ ውሽጣዊ ግርጭታትን ቊጠባዊ ውጥረትን ከምኡ’ውን መኣዝኑ ዘጥፍአ ዝተሓላለኸ ፖለቲካዊ ኩነታት እትሓልፍ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጸጥታን ርግኣትን ቀይሕ ባሕሪ እጃመይ ክጻወት’የ ክትብል ንመን ከተጋጊ ትኽእል፧ ምኽንያቱ ናይ ቀይሕ ባሕሪ እሞ ይጽነሓልና፡ ውሽጣዊ ዘይምርግጋእ ጸጥታ መሬት ዘየውሓስካስ ጸጥታ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቀንዲ ጠንቂ ስእነት ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝኾነ ካብ ዓይኒ ኩሉ ዝተኸወለ ኣይኮነን።

ናይ ታሪኽ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ብዙሓት ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ተልእኾ ኣፍሪቃዊ መርሓ ስልጣነን ምዕባለን ከሳሲ ዝኽእል መስርሕ ህንጸት ሃገር ዘይሓለፋ ብምዃነን፡ ኣብ ገምገም ሰንደልደል ክብላን፡ ከም ውጽኢቱ ንመጻወድያ ግዳማዊ ምትእትታው ክቃልዓን ጸኒሐን እየን። እዚ ድማ ንዝተራቐቐን ኣቃጫጭን ጸወታ ጂኦፖለቲካዊ ዕላማታት ኣቃሊዑ ንዞባዊ ርግኣት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእትዎ ኣሎ።

መዳውብቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾና ሃገራት፡ ካብ ዝኾነት ዘይመዳውብቲ ሃገር ዝመጽእ ተመሳሳሊ እለሻ፡ ከም ስግኣት ልኡላውነት ክወስድኦ ንቡር እዩ። ስለዝኾነ ከኣ ከምዚ ዓይነት ዝነደየ ምዕዝምዛማት ኣብ ዝኽሰተሉ፡ ዞባዊ ወጥሪ ክኽሰት ግድን እዩ። እቲ ዕላማ ናይ ብሓቂ ምርግጋእ እንተኾይኑ፡ ወጥሪ ኣወጊድካ ዝኽየድ መገዲ እዩ ክናደ ዘለዎ። ሓቀኛ ምርግጋእ ኣብ ምትሕብባር፡ ህሉው ዶባት ምኽባር ሰረት ዝገብር መስርሕ እምበር፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝነተጐ ቅልውላው ናብ ምሉእ ዞባ ከም ዝልሕም ንምግባር ብሉይን ተወዲኡ ዝሓደረን ግዝኣታዊ ክርክር ዳግማይ ብምኽፋት ዝነግስ ኣ ይኮነን።

ክንዮ እዚ ዝተገልጸ ናይ ምርግጋእ ቅድመ ኩነት፡ ነቲ ምትሕብባርን ሽርክነትን ዝብል ኣምር ሰረቱ ብቐንዱ ምትእምማን እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኢትዮጵያ ከም ስግኣት ናይ ምርግጋእ እትገልጾ ምስ ግብረ ሽበራ ባሕሪ፡ ቀርሰና፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ካልእን ተተሓሒዙ ዝዝረበሉ ዛዕባታት ንምብዳህ፡ ከም እምንቲ መሻርኽቲ ከስምያ ዝኽእል ርትዓዊ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ክትውንን ቅድም ቀዳድም ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ጸጥታ ስግኣት ክትፈትሕ የድልያ።

ይቕጽል . . .




ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events