Dehai News

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ቃለመሕትቱ ዘልዓሎም 5 ቀንዲ ጉዳያት | ቢቢሲ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Monday, 21 July 2025


ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ቃለመሕትቱ ዘልዓሎም 5 ቀንዲ ጉዳያት


21 ሓምለ 2025

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ
ምንጪ ስእሊ,shabait

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳም 19 ሓምለ ምስ ኤሪ-ቲቪ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዝዳህሰሰ ቃለመሕትት ኣካይዱ። ኣብቲ ንኽልተ ሰዓት ዝቐጸለ መደብ፡ ኢሳይያስ ንዓለማዊ ፖለቲካዊ ኵነታት፣ ነቲ ኣብ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተፈተነ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን፣ ኣብዚ ሓድሽ ምልሶት ትራምፕ ዝብገስ ዘሎ ሓድሽ "ጽምዶ" ምስ ዋሽንግተን፣ ጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ጉዳይ ኢትዮጵያን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ ዝለዓል ዘሎ መግለጺታት፣ ጉዳይ ጐረባብቲ ሃገራትን ምስኦም ዝዛመዱ ዛዕባታትን ኣልዒሉ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ "ዘቤታዊ ጉዳያት" ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል ቃለመሕትት ኣይተተንከፈን።

ነቲ ዝሃቦ መግለጺታት እምበኣር ኣብ ሓሙሽተ ዓንዲ ጉዳያት ብኸምዚ ዝስዕብ ይቐርብ።

1) ስርዓተ ዓለም - ምጽንቃቕን ምሕዳስን


ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዘስምረሉ፡ ጉዳይ ኤርትራ ንበይኑ ካብቲ ዓለማዊ ስርዓት ፈሊኻ ክርአ ከም ዘይከኣል እዩ መልእኽቲ ኣሕሊፉ። እቲ ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቭየት ዝዓንተረ ኣመሪካ እትመርሖ እንኮ ቀጽራዊ ስርዓተ ዓለም፡ ንዓለም ብምልእታ ናብ ሽግርን ቅልውላዋትን ከም ዝሸመማ ክኸስስ ተሰሚዑ።

"ምፍርኻሽ ሕብረት ሶቭየት ብቐንዱ ብውሽጣዊ ኵነታት እታ ሃገር፡" ዝተኸስተ ምዃኑ ዘመልከተ ኢሳይያስ፡ እዚ ግን ኣብ ምዕራባዊ ዓለም፡ "ንሕና ኢና ፈጺምናዮ፡" ዝዓይነቱ ግጉይ ንያትን ዕንደራን ፈጢሩ ኢሉ።


እቲ ኣብ "ዓብልል ገብት" ኣተሓሳስባ ዝተሰረተ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት "ክሊታት ጽልዋ" ብምፍጣርን ጸጋታት ሃገራት ንምዝማትን ተጠቂሞምሉ ክብል ተሰሚዑ።

ኤርትራ ድሕሪ ናይ ሓምሳ ዓመታት ቃልሲ ዝረኸበቶ ናጽነትን ልኡላውነትን ድማ፡ በቲ እንኮ ቀጽራዊ ስርዓተ ዓለም ከም ዝተሃስየን ናብ ዕላማኡን ባህጉን ክበጽሕ ከም ዘይከኣለን፡ ብምግልጺ ነቲ ኣመሪካ ብሓፈሻ ኣብዚ 80 ዓመታት ዝፈጸመቶ "ጌጋታት" ከም ጠንቂ ኣቐሚጡ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ብፍላይ ምስ ምምጻእ ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ "እንኮ ቀጽራዊ ኣብ ምጽንቃቑ፡" እዩ ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ናይ ምስግጋር መድረኽ ከም ዘሎ ተንቲኑ።

ምምጻእ ትራምፕ፡ "ነቲ ዝጸንሐ ኣካይዳታት ዝሓቍን እዩ ዘሎ፡" ብምባል ድማ፡ እቲ ኣመሪካ ዝጸንሐ ጸጋታት ዓለም እናገበትካ ቍጠባኻ ምዕባይ ከም ዘይሰርሐ፡ ንጉዳይ እዚ ብትራምፕ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝጸዓን ዘሎ ስልዒት ታሪፍ ከም ኣብነት ጠቒሱ ኣረዲኡ።

ንዂናት ዩክረይንን ጉዳይ ኔቶን'ውን ብምጥቃስ፡ እቲ ብምዕራባውያን ሃገራት ንሩስያ ንምግታእ ዝተገብረ ሃቐነ ንቻይና ዕድል ከም ዝሃባ ብምግላጽ፡ "ቻይና ኣብዚ እዋን ኣብ ቅድሚት እያ ዘላ፡" ኢሉ።

ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ይመጽእ ከም ዘሎ ዝኣመተ ፕረዚደንት፡ "ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ስርዓት እንታይ ንገብር ኣለና ዝብል ወሳኒ እዩ፡" ኢሉ።


እንተዀነ፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓለማዊ ለውጢ፡ "ኤርትራ እንታይ እያ ትገብር ዘላ?" ኣብ ዝብል ዝገለጾ ንጹር ነገራት የሎን። ይዅን'ምበር፡ ን80 ዓመታት ዝተመኰርናዮ እዩ ብምባል፡ "ናበይ ከም እንኸይድ ኣይጠፍኣናን እዩ፡" ኢሉ።

እዚ ግን፡ "በይንና ንገብሮ ጉዳይ ኣይኰነን፣ ጉዳይ ህዝቢ ዓለም እዩ፡" ብምባል፡ "ምቕሉል ኣበርክቶ ክንገብር ግን ንኽእል ኢና፡" ኢሉ።

እዚ ይዅን ግን ኤርትራ ኣብ ዞባውያን፡ ኣህጉራውያንን ዓለምለኻውያንን ትካላትን ዓበይቲ ሃገራትን ዝጥቀስ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከም ዘይብላ እዩ ዝፍለጥ።

ቅድሚ ሕጂ ኣፍሪቃ ምስ ቻይናን ሩስያን ዘለዋ ሽርክነት ክሕይል ከም ዘለዎ ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ እቲ ሓድሽ ካብ "እንኮ-ቀጽራዊ" ዝሰጋገር ዓለማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት'ውን ብሩስያን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲንን ክምራሕ ኣለዎ፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ'ዩ።

2) ናይ 'መግደፍ ፖለቲካ' - ቀንዲ ሕማም ኣፍሪቃ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ ጸገም ኤርትራ ይዅን ጸገም ኣፍሪቃ ካብ ደገ ዝመጽአ ምዃኑ ብምምልካት፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ካብ "መግደፍን ድጐማን" ከይተገላገላ ጸገማተን ይዅን ጸገማት እቲ ኣህጉር ክፍታሕ ኣይክእልን ክብል ኣመልኪቱ።

"እቲ ዝመጽኣና በደል፡ እቲ ዝመጽእ ዕንቅፋት ብደገ'ዩ ኵሉ ግዜ። ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ስለምንታይ ናጽነትና ኣይረኸብናን፣ መን ከልኪሉና፣ መን ዓንቂፉና፣ መን ኣብ ገድሊ ኣእትዩና? ኢልና ንኸስስ ኢና። ኣብ ኵሉ ታሪኻዊ መድረኻት ግን ብኽሲ (Blame game) ኣየወጽኣናን'ዩ። ንዝኽሰሱ ክንከስስ ንኽእል፣ ግን ናብኡ ጥራይ ምዝባሉ፡ ንሕናኸ ባዕልና ኢልና [ክንሓትት ኣለና]።"

ኣተሓሒዙ፡ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ፡ ብፍላይ ንባህሪያዊ ጸጋታት ዝምልከት ኣተሓሳስባን ኣጠቓቕማን ድማ ብሓፈሻ ነቒፉ። ጸጋታት ኣፍሪቃ፡ ንኒጀር ከም ኣብነት ጠቒሱ፡ ጸጋታቱ ክዝመት እዩ ጸኒሑ ድማ ኢሉ፣ "እዚ ድማ ነቲ ክፍለ ዓለም ንድሕሪት ኣትሪፍዎ ዘሎ እዩ፡" ብምባል ወቒሱ።

ኣብ ዘረባኡ ኢሳይያስ፡ ኣፍሪቃ ንጥረ-ንዋይ ናይ ምምስራሕ ዓቕሚ ከየጥረየት ሸማቲት ውዱእ ፍርያት ትኸውን ኣላ ዝበሎ መቓን፡ ንኤርትራ ኣእቲኻ እንክርአ ግን፡ በቲ ንኻልኦት ሃገራት ዝነቐፈሉ መንገዲ ኤርትራ ኣብ ጸጋታታ ዝተመርኰሰ ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለን ቍጠባዊ ዕብየትን ከተረጋግጽ ከም ዘይከኣለት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ በዚ መዳይ ኣብ ኤርትራ ዝፈሸለ ኢንዱስትሪያዊ ጽላትን ምምስራሕን፡ ዕደና፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ምምስራሕ ፍርያት ጥርሙዝ ወዘተ ግን ኣይጠቐሰን።

ብጕልባብ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ እተን ኣብ ኣፍሪቃ ምዝመዛ ዘካይዳ ዘይመንግስታውያን ትካላት ወኪላት ዓበይቲ ትካላት ዓለም እየን ብምባል ድማ፡ ኣፍሪቃ ካብዚ ናይ "መገደፍ ፖለቲካ" ከይወጽአት ኣብቲ ዝቕየር ዘሎ ዓለማዊ ስርዓት ክትዋሳእ ከም ዘይትኽእል ተዛሪቡ።

"ሃገራት ክህነጻ እንተዀይነን፡ ልኡላውያን ትካላት ብግቡእ ክህነጹ ክኽእሉ ኣለዎም፤ ነቕነቕ ዘይብል፡ ዘይፈራኸሽ፡ ብሚሊሻታትን ጎይቶት ኲናትን ዝምራሕ ሃገር ክህሉ የብሉን፡" ድማ ኢሉ።

አብቲ ብኣፍሪቃ ዝንደፍ መርሓ ጐደና ኣበርክቶ ክንገብር ኣለና ክብል'ኳ እንተ ተሰምዐ፡ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ይዅን ኣህጉራዊ ትካል ሕብረት ኣፍሪቃ ንጡፍ ተሳትፎ ከም ዘይብላ እዩ ዝግለጽ።

3) ጽምዶ ምስ ዋሽንግተን

ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ብፍላይ ድማ ምስቲ ዳግማይ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ዶናልድ ትራምፕ፡ "ሓድሽ ጽምዶ" ንምፍጣር መደብ ከም ዘለዋ፡ እቲ መራሒ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ቀዳም ምሸት ቃለመሕትቱ ኣሚቱ።

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ 80 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቀጻሊ በደላት ከም ዝፈጸመት ብምምልካት፡ ኢሳይያስ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ፡ ጽምዶ ተፍቲኑ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ "ኣብቲ ናይ ቀዳማይ ሓደ ዓመት ሰሪሕና፡ ብድሕሪኡ ግን ሰለስተ ዓመት ኣይሰርሐን፣ ባይደን ንኣርባዕተ፡ መሊሱ ድማ ሸውዓተ ዓመታት ተኸሲሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ግን ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ጽምዶ ክትገብር ድልውቲ ምዃና ገሊጹ።

"ምስዚ ሕጂ ኣብ ዋሽንግቶን ዝርአ ዘሎ ምሕቋን፡ ምስኡ ከይተረበሽና፡ ከይተሃወኽና፡ ናብ መደምደምታታት ከይከድና - ነቲ ኣብ ናይ ባይደን ግዜ ኣቋሪጹ ዝነበረ ጽምዶና ኣሐዲስና ክንቅጽሎ ክንክእል ኣለና፣ ክንቅጽሎ ኢና፡" ኢሉ።

እቲ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ጽምዶ ድሕሪ 2026 ክጅምር ምዃኑ ጠቒሱ ጋዜጠኛ፡ "ኣይነውሐንዶ?" ኢሉ ምስ ሓተቶ እውን፡ "ነዘን ዝመጽኣ ዘለዋ ሰለስተ ዓመታት፡ ካብ 2026 ጀሚርካ ክሳብ 2028 ጽቡቕ ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ፡" ድሕሪ ምባል፡ "ቅድም ስርዑና ኣይንብልን ኢና። እዛ 2025 ንዓና ትጽንሓልና፣ . . . ቀዳምነታት ስለ ዘለዎ። ነቲ ቀዳምነቶም ከኣ ነኽብሮ። . . . ነተን ዝመጽኣ ሰለስተ ዓመታት ግን ብዘይ ምስልካይ ክንከደን ዘለና እየን፡" ኢሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዘረብኡ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጽቡቕ ጽምዶ ንኸይፈጥር፡ "ኣንጻርና ሰፊሕ ዘመተ ይካየድ ኣሎ፡" ብምባል ናብ ኢትዮጵያ ዘነጻጸረ ዝመስል መግለጺ ሂቡ።

መሪሕነት ኣመሪካ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓበይቲ ውሽጣዊን ዓለማውን ጉዳያት ተጸሚዱ ከም ዘሎ ብምእማት ድማ፡ "ኣብዚ ሕጂ ብዙሓት ኵነታት እናሓለፉ ይኸዱ ኣለዉ፤ ናይ ዩክረይን ኣሎ ዘይተወድአ፡ ናይ ቻይና ኣይተወድአን ኣሎ። ናይ ፓናማ፡ ግሪንላንድ፡ ካናዳ - እዞም ክድርበዩ ዝጸንሑ ባሎናት ወዲኦም ኣለዉ። ከምዚኦም ባሎናት ንፋስ እናወሰዶም ምስ ከደ፡ ኵሉ ነገር ናብ ምርግጋእ ምስ መጽአ፡ ብድሕሪኡ ኮፍ ኢልና ክንረዳዳእ ኢና፡" ኢሉ።

ኣጠማምታን ፖሊስን ኣመሪካ እውን ኣብዚ ዞባታት ዘለዎ ጽልዋ ክቕየር፡ ከመዓራረ ኣለዎ ብምባል ድማ፡ እዚ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ዝምልከት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እዚ ድማ እቲ ኤርትራ ምስ ካልኦት፡ "እተካይዶ ዘላ ጽምዶታት ኣዛሚድና ነዚ ጐደቦና ዘርብሕ ክኸውን ክንሰርሕ ኢና፡" ኢሉ።

"ነቲ ናይ ኣፍሪቃ ጉዳይ ከም ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ክስርሓሉ ዘለዎ'ዩ፣ ካብኡ ናብኡ ናብ ጎደቦና መጺእና ናይ ጎዶቦና ኵነታት ክንዛረብ ክንክእል ስለ ዘለና፡ ኣብቲ ቀጻሊ ከም መኣዝን ናይ ፖለቲካ ሒዝና ንሰርሓሉ፣ ኣብ ኣቀራርባና ይዅን ኣተሓሕዛና ናይቶም ጉዳያት ብስምዒት ብባህጊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብተጨበጥትቲ ፕሮግራማት ክንሰርሓሎም ዘለና ጉዳያት'ዮም። እዚ ከኣ ዓበይቲ ብድሆታት እንብሎ ንዘመንናን ነዚ ከባቢናን ዝጸሉ ዘሎ'ዩ፡" ክብል ተሰሚዑ።

ኣተሓሒዙ፡ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዞባ ብሓፈሻ ብሰንኪ ዝተኸተለቶ "ግጉይ" ዝበሎ ፖሊሲታት ዝሰዓበ ዕንወት፡ "ምዝጉብ ዳታ ኣሎና፡" ኢሉ።

ከም ዝፍለጥ ኤርትራ ነዊሕ ዝጸንሐ ዝሕቱል ዝምድና ምስ ኣመሪካ እዩ ዘለዋ። ሕጂ ግን ኣብ 2026 ሓድሽ ጽምዶ ክትጅምር ምዃና እቲ ፕረዚደንት ኣተንቢሁ።

4) ኢትዮጵያን 'መስኮት ባሕሪ'ን

ኣብቲ ቃለመሕትት፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ጉዳይ ዝለዓለሉ ዘሎ ኵነታት ኢትዮጵያን ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታትን'ውን ሰፊሕ ምላሽ እዩ ሂቡ። ብቐንዱ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ መግለጺታት፡ "ናይቶም በሃልቱ ኣጀንዳ ኣይኰነን፡" ክብል ንታሪኻዊ ነጥቢታት ጠቒሱ ኣስሚሩሉ።

ነቲ ኢትዮጵያ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝጸሓፈቶ፡ ንናይ ኲናት ምድላዋት ኤርትራ ዝምልከት ደብዳበ፡ ዕሸላውን ስለበጣን እዩ ብምባል፡ ኢትዮጵያ ንባዕላ ንዂናት ትዳሎ ከም ዘላ ኣመልኪቱ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ድማ እቲ ኣብታ ሃገር ይዅን ኣብቲ ዞባ ሰፊኑ ዝነበረ ተስፋን ባህግን ስለ ዝበነነ ካብኡ ንምህዳም ተባሂሉ ዝተፈጥረ ኵነታት እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ነቲ ደብዳበ ዝምልከት ካብ ዋና ጸሓፊ ኣንተንዮ ጉተረዝ እንታይ ምላሽ ተዋሂቡ ብዘየገድስ፡ "እቲ ሰብ ዝሰምዕ'ውን እዝኑ ይዀዅዮ ክኸውን ኣለዎ እዚ ዘረባታት'ዚ። ዕሸላዊ'ዩ፣ ህጻን ከምኡ ገይሩ ይዛረብ'ዩ ኢልካ ኣይትሓስብን ኢኻ። ቀዳምነት ናይ ቀዳምነት ኰይኑስ፡ ብሰልበጣ፡ ብሓሶት፡ ብዝዀነ ነገር ምሂዝካ ኣምጺእካ ናብ ዋና ጸሓፊ መልእኽቲ ክሳብ ክንዲ'ዚ ምጽሓፍ መድለየ? ነዚ ሓሶት'ዚ፡ ርካሽ ሓሶት፡" ኢሉዎ።

ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ "ቅልውላዋት" እውን ዘርዚሩ። ነዚ ኢትዮጵያ ከተካይዶ ትደሊ ዘላ "ኲናታት" ንምጕልባብ እዩ ብምባል፡ ከምዚ ዝበለ ኵነታት፡ "ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተራእዩ'ውን ኣይፈልጥን እዩ፡" ኢሉ።

እቲ ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝተሓሓዝ ነቲ ኢትዮጵያ፡ "ኣመሪካ ኣብ ጐድንና ኣላ..." እናበልካ ዝወሃብ መግለጺታት ሓቅነት ከም ዘይብሉ'ውን እቲ ፕረዚደንት ኣሚቱ።

"መስኮት ባሕሪን ሓይሊ ባሕሪን ዝስማዕ ዘሎ ዘረባታት ዝጸንሐን ናይቶም ዝዛረብዎ ዘለዉ ጉዳይ'ውን ኣይኰነን፡" ብምባል ድማ እዚ ጉዳይ፡ "ፕረዚደነት ኢማራት ዘካይዶ ዘሎ ውልቃዊ ዕንደራ፡" ምዃኑ ጠቒሱ።

እቲ ጉዳይ ንዅሉ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ወደባት ንምቍጽጻር፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ የመን ካልእ ዝግበር ዘሎ ምትእትታዋት ምስ ኢማራት ዝተሓሓዝ ምዃኑ'ውን ኣመልኪቱ። እዚ ጉዳይ ብሓፈሻ ናይተን ኣብዚ ዞባ ሓያላት ኢና ዝብላ ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ኢድ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኢድ ትካላት ስለያ ኣመሪካን ዝሓወሳሉ እዩ እውን ኢሉ።

"ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ኣጀንዳ ኣይኰነን፡" ብምባል፡ "ሓደገኛ ሳዕቤን ከምጽእ ይኸልል እዩ፡" ብምባል ድማ እዚ ጉዳይ ኣብቲ ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ትገብሮ ዘላ ጽምዶ፡ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሃገራት እስያን... ብቐንዱ ንርግኣት እዚ ከባቢ ወሳኒ ስለ ዝዀነ፡ "ከነልዕሎ ኢና፡" ኢሉ።

5) ጐደቦ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ ምስ ኵሎም ጐረባብታ ኣድማዒ ጽምዶ ብምግባር ርጕእ ዞባ ክፍጠር ትሰርሕ ከም ዘላ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ዞባዊ ውህደት ክፈጥር፡ ነቲ ኣብ ፈለማ 1990ታት ዝነበረ ባህጊ ከም መካኒዝም ዝተፈጥረ ኢጋድ "የሎን" ኢሉ። ብተመሳሳሊ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ኣድማዕነት ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

ኣብዚ ቅንያት ምስ ቢቢሲ ፍሉይ ቃለመሕትት ዝገበረ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ኣምባሳደር ሃይለ መንቀርዮስ፡ ንኢጋድ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኢጋድ ብዘይካ ኣብ ፈለማ 1990ታት ዝዀነ ሓባራዊ ስጕምቲ ወሲዱ ከም ዘይፈልጥ ሓቢሩ ነይሩ። እተን ቀንዲ ደፋእቲ ናይቲ ውድብ ዝነበራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኲናት ምስ ኣተዋ [1998-2000]፡ እቲ ናብ ሓድነትን ምትሕብባርን ከምጽእ ተስፋ ዝተነብሮ ውድብ ከም ዝተዳኸመ ገሊጹ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ መግለጺኡ፡ "ብሽም ኢጋድ ክፍጸም ኣይተኻእለን? - ሽግር የሎን፣ ብሽም ሕብረት ኣፍሪቃ ኣይተፈጸመን? - ጸገም የሎን። ብሽም ሕቡራት ሃገራት ኣይተፈጸመን? - ዘጸግም የሎን። ኣብ ነፍሲወከፍ ሃገር ዝመጽእ ዘሎ ጸገማት፡ ምስዚ ሕጂ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ሽርሕታት፡ ነቲ ሽርሕታት ኣሊና፡ ናይ ብሓቂ ምቹእ ሃዋሁን ባይታን ፈጢርና፡ ናይ ኵሉ ኣብቲ ጎዶቦ ዘሎ ተዋስኦ ከም ዝህልዎ ምግባር ዝወንዘፍ ጉዳይ ኣይኰነን። እሞ ኣነ እዚ፡ ብዘላቕነት ክንምክቶ ዘለና ጉዳይ'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ሱዳን ንምብትታን ዝግበር ዘሎ ዓቢይ ውዲት ከም ዘሎ ብምጥቃስ ድማ፡ ምንጻል ደቡብ ሱዳን ኣንጻር ደቡብ ሱዳናውያን ዝተገብረ ታሪኻዊ ሓደጋ ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ሶማል ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ውድቕቲ ሃገር ንምግባራ ዓቢይ ውዲት ከም ዝተገብረ ብምጥቃስ፡ እቲ ኤርትራ ዝሃበቶ ወተሃደራዊ ስልጠና ትካላት ኣመልኪቱ፡ "10,000 ዝዀኑ ሶማላውያን ኣሰልጢንና ዓሊምና። ንምንታይ? ልኡላዊ ትካላት ናይ ሶማል ክፍጠር ምእንቲ። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካ ንቕሓት ጥራይ ዘይኰነ እቲ ትካላት'ውን ንገዛእ ርእሱ ክህነጽ ኣለዎ ተባሂሉ። [ግን] በታቲኖሞ፡ ምስዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ። ነንበይኖም ብድሆታት ኣጋጢሞምና ግን ተስፋ ንቘርጸሉ ጉዳይ ኣይኰነን፡" ብምባል በቲ ክሳብ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውዲታት ግን፡ "ተስፋ ኣይንቘርጽን፡" ኢሉ።


ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኣብ ሃገራት እዚ ዞባ ዝዀና ሶማል፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ውዲታት ዝተፈላለያ ሃገራትን ሓይልታትን ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ነዚ ውዲታት'ዚ ክንገጥመሉ ዘኽእል ንቕሓት ግን "ተጠርዩ'ሎ፡" ይብል።

ናብተን ኣርባዕተ ጐረባብቲ ሃገራት ብምንጽጻር ድማ፡ "ብናትና ዘቤታዊ ኵነታት ጥራይ ተኣማሚንና እንታይ ገደሰና ኢልና ክንከይድ ኣይንኽእልን፣ እቲ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝዕድመና ዘሎ ከኣ ሽርሒ ናይ ደገን ናይ ውሽጢ ድኻማትን ስለ ዝዀነ፡ ነዚኦም ክንምክተሉ ንኽእል ባይታ ምውዳድ ኣካል ሃገራዊ ህንጸት እዩ፡" ብምባል፡ "ህንጸት ሃገር ካብዚኦም ፈሊና ክንርእዮ ኣይንኽእልን። ንዕኡ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ክሳብ ሕጂ ናይ ብሓቂ ከምቲ ዝደለናዮ ውጽኢት ኣየምጽአን ዘሎ፡" ብምባል፡ እቲ ኣብዚ ጉዳያት ዘድሃበ ቃለመሕትቱ ዛዚሙ።

እቲ ብዙሓት ዜጋታት ትጽቢት ዝገበሩሉ፡ ብፍላይ ምስቲ ክገልጾ ዘምሰየ ዓለማውን ዞባውን ኵነታት ተዛሚዱ ዘቤታዊ ኵነታት እታ ሃገር እንታይ ይመስል? እቲ ተራ ዜጋታት ዝሓትዎ ሕቶታትከ ይምለስዶ ይኸውን? ወይስ ኣብ መቓን እቲ ግዳማዊ ጉዳያት ኣቲኻ ሕጂ'ውን ተወንዚፉ ክተርፍ እዩ? ዝብሉ ጉዳያት እቲ ብሕጂ ክካየድ ትጽቢት ዝግበር መቐጸልታ ክፋል ዝምልሶ ክኸውን እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ቃለመሕትቱ ዘልዓሎም 5 ቀንዲ ጉዳያት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ህልው ዓለማውን ዞባውን ጉዳያት ዘተኰረ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ኣካዪዱ

/haddas_eritra_20072025.pdf



ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events