Dehai News

ሓተታ፡ ህልው ኩነታትን ኣንፈት ብሩህ መጻእን

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 08 May 2024

ሓተታ፡ ህልው ኩነታትን ኣንፈት ብሩህ መጻእን

ረቡዕ 8 ግንቦት 2024

ህልው ኩነታትና፡ ካብ ሕሉፍ ኩነታትና ዝተነጸለ ኣይኰነን። እቲ ሕሉፍ ንብሎ፡ ነዚ ህልው ዝወለደ፡ ኣብ’ዚ ህልው ዘሎ’ምበር፡ ኣሰር ከይገደፈ ዝሓለፈ ኣይኰነን። መጻኢና፡ መጻኢ ኩነታትና ድማ፡ ውልዶ ሕሉፍናን ህልውናን’ዩ። ብሓጺሩ፡ ህልው ኩነታትና ውጽኢት ናይ’ቲ ትማሊ ዝሓለምናዮ፡ ዝወጠንናዮ፡ ዝሰራሕናዮ፡ ዝረሃጽናዮ፡ ዝተጋደልናዮ፡ ዝመከትናዮ፡ ዝመሃዝናዮ፡ ዝተመሃርናዮ፡ ዝተወደብናዮ፡ ዝሰመርናዮ፡ ዝሰንከልናዮን ዝተሰዋእናዮን’ዩ። ንመጻኢና ዝውስኖ ድማ፡ ሎሚ ሃንቀው ንብሎ፡ ንትልሞ፡ ንዂስኲሶ ሃገራውነት፡ ነደልድሎ ሓድነት፡ ነስጥሞ መሳርዕ፡ ንሃንጾ ትካላት፡ ንመሃሮ፡ ንቐስሞ ሞያ፡ ንውደቦ፡ ንነጥፎ፡ ንምክቶ፡ ንጋደሎ፡ ንጽዕቶ፡ ንስንክሎን ንኸፍሎ መስዋእትን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ኣብ’ዚ መረዳእታ’ዚ ዝተሰረተ፡ ቀንዲ መግለጺታት ህልው ኩነታትና’ሞ እንታይ’ዩ?

ኤርትራ፡ ሎሚ ናጻ ልኡላዊት ሃገር’ያ። ከም ናይ ብዙሓት ንማለቱ ዘይኰነስ፡ ሓቀኛ ናጽነትን ልኡላውነትን ዘለዋ ሃገር’ያ። ናጻ ፖለቲካዊ መስመር ትኽተል፣ ብምጽወታ ዘይኰነስ ኣብ ነብሳ ተመርኵሳ ትሓድር፣ ክብረታን ክብረት ህዝባን ትሕሉ፣ ንነብሳ ብብቕዓት ትከላኸል’ምበር – ዘይተድፍር’ያ።

ኤርትራ ናይ ህዝባ ሓድነትን ስኒትን ዘለዋ ሃገር’ያ። ካልኦት ሓድሕዶም ኣብ ዝዋጠጡሉ፡ ዝናቖቱሉን ዝቃተሉሉን፡ ህዝቢ ኤርትራ ሓባራዊ መንነቱ ኣዕሚቑ፣ ብዙሕነቱ ኣኽቢሩን ኣስተማቒሩን፣ ሓድነቱ ኣደልዲሉ፣ ብሰላምን ስኒትን ይነብር ምህላዉ፡ ዓቢ ዓወትን ምንጪ ሓይልን’ዩ። ሳልኡን ሳላ’ቲ ዝተኸሎ ንኹሉ ዜጋ ብዘይኣፈላላይ ብሓደን ብማዕርነትን ዝርኢ ኣብ ዜግነት ዝተመርኰሰ ፖለቲካዊ ስርዓትን ኣብ መንጎ ውድብን መንግስትን ህዝብን ዘሎ ሓድሕዳዊ ምትእምማንን፡ ኤርትራ ዘቤታዊ ሰላም ዝሰፈና፣ ሕግን ስርዓትን ዝኽበረላ፣ ህዝቢ ወፊሩ ዝኣትወላ ሃገር’ያ።

ኤርትራ ሃገር ማሕበራዊ ፍትሒ ድማ’ያ። ኣብ ነዊሕ ታሪኽ ዝተፈጥረ ዘይምድልዳል ኣብ መንጎ ህዝብን ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርን ገና’ኳ እንተሎ፡ ኤርትራ መትከል ማሕበራዊ ፍትሒ ኣጽኒዓ እትኽተል፣ ንኹሎም ዜጋታት ማዕረ ዕድላት ንምፍጣር እትጽዕት፣ ንምዕሩይ ምዕባለን ኣገልግሎታትን ኣብ ኩሉ ከባቢታት እትሰርሕ፣ ድሒሩን ተሃስዩን ንዝጸንሐ ክፋል ህዝብን ከባቢታትን ቀዳምነት እትህብን ጋግ እተጽብብን ሃገር’ያ። እዚ ድማ፡ ሓደ ጽኑዕ መሰረት ሰላማን ርግኣታን ናይ ህዝባ ስኒትን ኢዩ።

ኤርትራ ብሰንኪ ኵናትን ተጻብኦን፡ ማዕረ ህዝባውን ባህርያውን ጸጋታታ፡ ብመጠን’ቲ ዝሓለነቶን ዝተበገሰቶን ኣብ ህንጸት ቁጠባን ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝባን ክትግስግስ ዕድል ዝተነፍጋ ሃገር’ያ። ምስናይ’ዚ ግን፡ ዝርካቡ ትሕዝቶኣ ብኣገባብን ኣብ’ቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዓውድታትን እተውዕል፣ ካብ ረድኤት ከይተጸበየት ህዝባ እትዕንግል፣ ንህዝባ መሰረታዊ ኣገልግሎታት እንተላይ ትምህርትን ሕክምናን ብዓቕማ እተቕርብ፣ ሰፊሕ መደባት ማሕበራዊ ደገፍ ንህዝቢ ዘለዋ፣ ንዘተኣማምን ዕብየት ቁጠባ ድልዱል መሰረት ልምዓት ክትሃንጽ ዝጸንሐት፣ ድሕሪ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ዕዉት መኸተን ዘንጸፈቶ ባይታን ናብ ልምዓት ኣተኵራ ዘላን ከም እትዕወተሉ እትተኣማመንን ሃገር’ያ።

ዘለናዮ ግዜ፡ እዋን – ዓቢ ወፍሪ ዝግበረሉ ረቂቕን ሓደገኛን ባህላዊ ወራርን ስነ-ኣእምሮኣዊ ኵናትን’ዩ። መንነት ህዝብታት ንምድኻም፣ ክብርታት ንምፍሓቚ፣ ነውርታት ንምስላዅን ንምዝርጋሕን፣ ሓበንን ነብሰ-ምትእምማንን ንምብሕጓግ፣ ጽገዕተኛነትን ተንበርካኽነትን ንምዝራእ፣ ሕብረተሰባት ሓድነቶም ኣማህሚንካ ንምግምማዕን ንምንቛትን ንምትህንዃትን ዝዕላምኡ ሰራም መጥቃዕቲ። ኤርትራን ህዝቢ ኤርትራን ግን፡ ሽሕ’ኳ በዚ ወራር’ዚ ኣይትንከፉን’ዮም እንተዘይተባህለ፡ መንነቶም፡ ሃገራውነቶም፡ ክብርታቶም፡ እምነታቶም፡ ቋንቋታቶምን ባህልታቶምን ኣጽኒዖምን እናኣሐየሉን ይኸዱ ምህላዎም፡ ንዘላቒ ምዕባለ ሃገርና ተወሳኺ ውሕስነት ዝኸውን’ዩ።

ኤርትራ ናይ እንዳማታ መሬት ዘይትጥምት፣ ናይ ካልኦት ናጽነትን ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን እተኽብር’ምበር ዘይትጥሕስ፣ ብመንጽሩ ድማ፡ ንነብሳ ንምክልኻል ናይ ማንም ፍቓድ ዘይትሓትትን ናብ ዝዀነ ቁሊሕ ዘይትብልን ሃገር’ያ። ብዙሓት ዘይሕሰብ ዝቘጸርዎ ናጽነታ ዝጨበጠትን ልኡላውነታ ዘውሓሰትን ብገዛእ ዓቕማ ምዃኑን ዘድሊ ብቕዓት ከምዘለዋን ብተደጋጋሚ ዝተረጋገጸ’ዩ።

ኤርትራ፡ ኣብ ፈለማ መሰላ ንናጽነት ብዓበይቲ ሓይልታት ዓለም ዝተሓረመት፣ ንዓሰርታታት ዓመት ግዳይ ዝርያን ተጻብኦን ቅሉዕ ወራርን ዝዀነት ሃገር’ያ። ሎሚ’ውን፡ ካብ ሓሳድን ተጻባኢን መሊኣ ኣይተናገፈትን፣ ድሕሪ 80 ዓመትታት ናጻ መስመራ ዘይተዋሕጠሎም ዓበይቲ ሃገራት ኣለዉ። ይኹን’ምበር፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን ዝምድናታታ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ትርከብ። መሓዙታ፡ መሻርኽታ፡ ምስኣ ጽምዶ ዘለዎም ሃገራትን ሓይልታትን ትካላትን እናበርከቱን ሃናጺ ተራኦም እናወሰኸን ይኸዱ ኣለዉ።

ኣብዚ ግንዛበ ዝሓትት ክልተ ነገራት ምልዓል ኣገዳሲ’ዩ። ህልው ኵነታት ኤርትራ፡ ሓደ ካብቲ ካልእ ፈሊኻ ዝርአን ዝተነጻጸለን ዘይኰነስ፡ ንሓድሕዱ ዝመላላእ፡ ውህደት (ሲነርጂ) ፈጢሩ ድማ ካብ ተራ ድምር ናይ ነፍስ-ወከፍ ዝዓበየ ሓይልን ኣድማዕነትን ዝፈጥር’ዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ናይ’ዚ ሸውዓተ መምዘኒታታ፡ ኤርትራ ‘በቃ ዘበለት’፣ ጒድለትን ድኻምን ዘይብላ ኣይኰነትን። ከምኡ ዝበሃል ነገር፡ ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ዝዀነ ሃገር’ውን ስለዘየለ። እቲ ካብ ህዝብን ግንባርን መንግስትን ዝሕተት ድማ፡ ነቲ ሓያል ሸነኽ እናሓለኻን እናኣሐየልካን፣ ነቲ ድኻምን ኣበርን ንምውጋድ ከይተሓለልካ ምስራሕ’ዩ።

8 ግንቦት፥ 2024

WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events