Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ንልክዕ መረዳእታ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 13 April 2024

ንልክዕ መረዳእታ

 ቀዳም 13 ሚያዝያ 2024     ሓዳስ ኤርትራ

ፈረምቲ ስምምዕ ሰላም ኣልጀርስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ዓብደልዓዚዝ ቡታፍሊቓን ቀዳማይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊን

ልክዕ ከምዛ ሎሚ ዕለት፡ 13 ሚያዝያ 2002፡ ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ብይኑ ዝሃበላ እያ። ኣብ ዘረባ ተልመዴን ተንታኖ እናሻዕ በጨቕ ዝብል፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ’ውን ክድሀ ዝቐነየ ሒቕታት ኣሎ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ግጉይ ኣበሃህላታት ምእራም ኣገዳሲ ይኸውን።

“ዶብ ዝመንቀሊኡ ኲናት?”

ወያነ ብገዚፍ ድጎማን ድርኺትን ግዳማውያን፡ ኣብ ግንቦት 1998 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ኲናት ምስ ኣወጀት፡ ኣዋጅ ብኣዋጅ ክምለሰሉ ግቡእ’ኳ እንተነበረ ብወገን ኤርትራ ዝተኣወጀ ኲናት ኣይነበረን። ኣሸቀልቲ ወያነ፡ ነቲ ዓቢ ዕላማኦም ‘ዶባዊ ምስሕሓብ’ ዝብል ስም ኣጠሚቖም ከኽውልዎ ብዙሕ ሃሊኾም – የዋሃት እውን ኣጋግዮም።

ዘይሰመረ ባህጎም ግዳ ክዉል ኣይነበረን። ዕላማ’ቲ ኲናት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ደምሲስካ ኣስመራ ብምእታው፡ ንህዝቢ ኤርትራ ምንብርካኽ፣ ሃሱሳት ዓሲብካ ወኪል መንግስቲ ብምቛም፡ ከምቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሓድሕዱ ዝናቘተሉ ትሕተ-ሃገራዊ ከፋፋሊ ፖለቲካ ብምውዳድ፡ ብቁጠባ እውን ረሚስካ፡ ሓንቲ ትርጉም ህላወ ዘይብላ ጥብቆ ኢትዮጵያ ዝኾነት ኤርትራ ክውን ምግባር’ዩ ዝነበረ። ጃንዳ ወያነ ከኣ ብጸቢብ ኣእምሮኡ፡ ዋናታት ናይዚ ዓቢ ዕላማ’ዚ ዝሓረይዎ ልኡኽ።

ነዚ ዕላማ’ዚ ንምዕዋት እቲ ብዶብ ዝተመኽነየ ወራር፡ ናብ ሕጋዊን ሰላማዊን ፍታሕ ከየምርሐ ከሎ፡ ብቕጽበት ናብ ምሉእ ዶባት ከምዝልሕም ተገይሩ፣ ብዛዕባ ምእላይ መንግስቲ ኤርትራን መተካእታኡን ዝዝቲ ኣኼባታት ሓለምቲን ሃሱሳትን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለምን ኢትዮጵያን ተኣንጊዱ። ቁጠባዊን ወተሃደራዊን እገዳታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዘይ ንሕስያ ተደርዲሩ፣ ዝተዋሃሃደ ዲፕሎማሲያዊን ዜናዊን ዘመተ ስይጠና ተኻይዱ፣ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ምንዕዓብ ንምፍጣር ገዚፍ ምወላ ፈሲሱ። ኩሉ ግን . . . !

“ዘይተወድአ ጉዳይ?”

ኣብ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይተወድአ ነገር ከምዘሎ ኣምሲሎም ዝዛረቡ በሃማት ኣይተሳእኑን። ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ግን፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምንቅጥቃጥ ምድሪ እውን ብዘይቅይሮ መገዲ ተመልኪቱ’ዩ። ኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ሕዳር 2007 ነቲ ልዕሊ 1000 ኪ.ሜ. ዝዝርጋሕ ዶብ ብጂኦግራፊያዊ መራኸቢ ነጥቢታት ደቂቕ ዝርዝራቱ ኣነጺሩ፣ ኣብ 45 ካርታታት ብምስፋር፣ ንክልቲአን ሃገራት ከምኡ’ውን ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣረኪቡ፣ ንህዝባዊ መወከሲ ዝኸውን ቅዳሕ ኣብ ኣሃዱ ካርቶግራፊ ሕቡራት ሃገራት ከምዝቕመጥ ገይሩ’ዩ ስርሑ ዛዚሙ። ሎሚ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዓለምና እቲ ኣዝዩ ዝነጸረን ብሕጋዊ ሰነዳቱን ዝርዝራቱን ዝደመቐን ዶብ እዩ።

“ካልእ ዛዕባ’ኸ?”

ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮነ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ክልል ትግራይን ብዘይካ ጥሕሰት-ሕጊ ካልእ ዘዋጥጥ ጉዳይ ወይ ዛዕባ ኣይጸንሐን። በዓል ገዚፍ ጸጋታት ምድርን ባሕርን ደሴታትን ህዝቢ ኤርትራ፡ መትከሉ ፍሉጥ’ዩ – ዘይናትና ኣይንደልን ናትና ኣይንህብን። “ኣብ ሽሕ ዓመቱ ርስቲ ንበዓል ቤቱ” ከምዝበሃል ድማ፡ ግዜ ናቱ መደምደምታ ሂቡ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ከኣ እቲ ብዙሕ መቕዘፍቲን ዕንወትን ዘኸተለ ግዳማዊ ዛዕባ ዓቢ ምህሮ ቀሲምሉ ኣሎ ።

“መኸተ ዘጉልሖ ወርቃዊ ክብርታት”

ነዚ እከይ ዓለማዊ ውዲት’ዚ ዘበርዓነ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ቃላት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብኸምዚ ይገልጾ፦ “ብሓይልን ታህዲዳትን ኣይርዕድን ኣይንብርከኽን”፣ “ንሸጠፍን ዓሎቚን ኣይርዕምን”፣ ንወሽለኽለኽን ቆልመጽመጽን ክብርታተይ ኣይሸይጥን”፣ “እንተጸበበ ኣይጭነቕን፡ እንተተረረ ኣይስነፍን”፣ “ሰሪሐ ኣይደክምን ርሃጸይን ደመይን ህይወተይን ኣይበቅቕን”፣ “ክሳብ ዕላማይ ዝጭብጥ ኣይሕለልን።” እዚ ክብርታት’ዚ ክንዮ እምነትን መብጽዓን ኣብ ባይታ ብግብሪ ተደጋጊሙ ዝተመስከረ፡ ሕላገት ባህርይ ህዝቢ ኤርትራን ጅግና ሰራዊቱን እዩ። ወናኒ ዘሕብን ክብርታት፡ ወትሩ ዕዉት ህዝቢ!

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events