Dehai News

ብልሒ ኣቦታትና ንጽላኢ ብዘይ ቶኽሲ ይስዕር።

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Saturday, 13 April 2024


ሓደ መዓልቲ ክልተ ኣቦታት ኣብ ኣጋ ጸሓይ ምዕራባ ኣብ ገበላ ናይ ሓደ ህድሞ ኩታኦም ተጎምጒሞም የዋግዑ ነበሩ።  ግዚኡ ዳርጋ ከብቲ ካብ ዝወፈርኦ ናብ ደምብኤን ዝምለሳሉ እዩ ኔሩ።  ምስቲ ድኽም ዝበለ ኣዕንቶም ናብተን ከብቲ የቋምቱወ ነበሩ።  ጓሳ እተን ከብቲ እናጎየየ ናብኦም ክመጽእ ረኣዩ። ቅርብ ምስ በሎም ድሓን ድኻ ኢሎም ሓተትዎ። ጦር ሰራዊት ይመጹ ኣለዉ በሎም። ሓደ ካብቶም ሰብኡት ዓርከይ ንዓናይ ክውል ንበል ከጥፍኡናዮም በሉ። እዋእ በሉ እቶም ሓደ፡ ቆልዓ ሰበይቲ ገዲፍና ኣበይ ክንክወል ኢሎም መለሱ። ቀጺሎም ክንደይ ግዜ ክንሹቕረር ክንነብር ዝገብሩዎ እንተሎ ይግበሩዎ ሎሚ እንተሰኣኑና ጽባሕ ይረኽቡና በሉሞ ኮፍ ኢሎም ዕድሎም ይጽበዩ ነበሩ።  ወተሃደራት ደበኽ በሉ።  ኣብዚ ከባቢ ተጋደልቲ ኣለዉ ንዑናይ ናብ ዘለዉዎ ምርሑና በሉዎም።  እዞም ደቀይ በሉ እቶም ትብዕ ዝበሉ ኣቦ፡ ምምጻእኩም ሰለ ዝሰማዕና ኢና ኣብዚ ገበላ ኮፍ ኢልና ንጽበየኩም ዘሎና። ኣብዚ ብማዕዲ ትርእዩዎ ዘሎኹም ኮረቢት ኩሉ ንሶም ኣለዉዎ። ቁጽሮም ክንደይ ክንብሎ ግን ካብ መጠን ንላዕሊ ብዙሓት ምኹኖም ብኡ ዝወዓሉ ጓሶት ሓቢሮምና ኣለዉ። ተገሪህኩም ከሎኹም ከይረኽቡኹም ኢና ክንነግረኩም ኣብዚ ኮፍ ኢልና ዊዒልና እዞም ደቀይ። ሕጂ ንሕና ወተሃደራት መጺኦም ኔሮም ኣይክንብልን ኢና ማርያም ትስማዕኩም ኩፉእ ከይተርእዩና የማን ጸጋም ከይበልኩም በታ ዝመጻእኩማ ተመለሱ ምስ በሉዎም።  ወየን ኣናብስ ክመስላ ዝመጻ ህዝቢ ከከላብታ፡ ዓዲ ከንድዳ፡ ከብቲ ክዝርፋ ዝሓሰባ ወኻሩ መሲለን  ህጣመን ኣጥፊኤን ናብ መደበረን (ማዓስከረን) ተመልሳ።  ኣቦታትና ብብልሓት ነቲ ፈኪሩ ዝመጸ ሰራዊት ደርጊ ኣንጭዋ ኣብ ማይ ከምዝኣተወት ገበሩአኦም።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events