Dehai News

ንዝኽሪ መበል 36 ዓመት ዓቢ ወትሃደራዊ ስርሒት ነጥበ-መቐይሮ ኣብ ታሪኽ ሰውራታት ዓለም መዘና ዘይብሉ ዓወት ጅግና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ [ህ•ግ•ሓ•ኤ•/ህ•ሰ•ሓ•ኤ•]......

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Monday, 18 March 2024

ንዝኽሪ መበል 36 ዓመት ዓቢ ወትሃደራዊ ስርሒት ነጥበ-መቐይሮ ኣብ ታሪኽ ሰውራታት ዓለም መዘና ዘይብሉ ዓወት ጅግና ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ/ሻዕብያ [•/•] ደርጋዊትመግዛእታዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍዓበት ዘሕረረ፡ ንሕብረት ሶቭየት ነበር ዘሕፈረ፡ ንመስፍናዊት ጉጅለ ሕወሓት ዘባህረረ፣ አሎ ታሪኽ ዘይተነግረ ወትሃደራዊ - ስርሒትናደው እዝ ሰላሊዓን!"

*ኣብ ውሽጢ 3 መዓልትታት መጋቢት 17-19, [ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት] 1988 ዓምፈ ብጅግናን ሰራሕ ቅያን ውድብ ህግሓኤ/ሻዕብያ ዝተፈጸመ ኣብ ዓለም ካብ ዝተኻየዱ ሰውራታት መወዳድርቲ ዘይብሉ ቅልጡፍን ዕዉትን ዝድነቕን ታሪኻዊ ወትሃደራዊ ስርሒት.........

https://www.facebook.com/search/top/?q=%E1%8A%95%E1%8B%9D%E1%8A%BD%E1%88%AA%20%E1%88%98%E1%89%A0%E1%88%8D%2036%20%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B5%20%E1%8B%93%E1%89%A2%20%E1%8B%88%E1%89%B5%E1%88%83%E1%8B%B0%E1%88%AB%E1%8B%8A%20%E1%88%B5%E1%88%AD%E1%88%92%E1%89%B5%20%E1%8A%90%E1%8C%A5%E1%89%A0-%E1%88%98%E1%89%90%E1%8B%AD%E1%88%AE%20%E1%8A%A3%E1%89%A5%20%E1%89%B3%E1%88%AA%E1%8A%BD%20%E1%88%B0%E1%8B%8D%E1%88%AB%E1%89%B3%E1%89%B5%20%E1%8B%93%E1%88%88%E1%88%9D%20%E1%88%98%E1%8B%98%E1%8A%93%20%E1%8B%98%E1%8B%AD%E1%89%A5%E1%88%89%20%E1%8B%93%E1%8B%88%E1%89%B5%20%E1%8C%85%E1%8C%8D%E1%8A%93%20%E1%88%85%E1%8B%9D%E1%89%A3%E1%8B%8A%20%E1%8C%8D%E1%8A%95%E1%89%A3%E1%88%AD%20%E1%88%93%E1%88%AD%E1%8A%90%E1%89%B5%20%E1%8A%A4%E1%88%AD%E1%89%B5%E1%88%AB%2F%E1%88%BB%E1%8B%95%E1%89%A5%E1%8B%AB%20.....
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

*[እቲ ዝነበረ ኣሰላልፋ ኣጽዋርን ዓቅሚ ሰብ ናይ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን ሓይልታት መግዛኣታዊት ኢትዮጵያን ንምንጽጻርን ዓሚቕ መረዳእታ ንምርካብን፣ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ ብሓቂ ታሪኻዊ ጸብጻብ ብጽሞና ኣምብብዎ ኢኻትኩም]
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~

•=> "ኣብ ሂወተይ ሶቬታውያን ወትሃደራት ክማርኽ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን!" 1ይን 2ይኽፋላትን


ተጋዳላይ |ሓርበኛ| ዳንኤል ሃብተማርያም

[SHIDA TV] https://youtu.be/tR6FsacR-Ew?si=c2Vkg0PY0ry3YoDe
~~~~~~~~~

•=> "ቀያሕቲ ደርጋውያን ሶቬታውያ ወትሃደራት ምስረኣኹ ተገሪመ" 2 ናይ መወዳእታን ክፋል


ተጋዳላይ|ሓርበኛ| ዳንኤል ሃብተማርያም

[SHIDA TV] https://youtu.be/bU_ZM72wzc0?si=4eLJbOTUzKEMPnP8
~~~~


ዚስዕብ ታሪኽዝኽርታት ሓመድ ድበ ናደውብዚብል ርእስ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ካብ ዝተዳለወ መጸሐፍ ዝጸባሕናዮ ኢዩ። ታሪኹ ታሪኽ ሕዝብናን ሕዝባዊ ሰራዊትናን ክንዲ ዝኾነ ነፍስወከፍ ዜጋ ኪፈልጦ ይግባእ። ታሪኽ ከይጭወ ከይስረቕ ካብ ውሉድ ወለዶዉን ምስ ኩሉ ጽባቘኡ ኪወራረስ ምእንቲ ነቲ ዛንታ ከምቲ ኣብመእተዊክፋል እታ መጸሐፍ ተሰኒዱ ዘሎ ቀሪብናዮ ኣሎና።ምሕንጻጽ ዶብ ዘይበለ፡ ካባና ይፈለ!” እናበልናብመሬት ዓደቦ የሎን ዋዛ!” እናደገምናሉንዶብ እንዲዩ ተኸፊሉ ጅግና!” እናሰለስናሉኣብ ገዛእ መሬተይ ንባዕዲ ኣይግብርን ኢየ!” እናበልና ቀዳሞት ኣያታትና ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንወልድ ክንዝምድ ከይበሉ ንእስነቶም ብምልእታ በጃ ዝሃቡሉ ገድሊ፡ ሓድጉዘይተሸርመመት ዘይተቆርመመት ኤርትራ ምውናንምዃኑ ኣይንዝንግዖን ኢና፤ ክንዲዝኮነውን ነዚ ህዝብናን ሰራዊቱን ዝፈጸሞንደርጊ ኣብ ኣፍዓበት ዘሕረረ፡ ንሕብረትሶቭየት ዘሕፈረ፡ ንሕወሓት ዘባህረረመስተንክር ቕያ ህዝባዊ ሰራዊትና ነፍስወከፍ ኤርትራዊ መታን ኪፈልጦ እነሆ በሉ ኣብዚ ቀሪብናዮሎናሞ አስተማቕርዎ። ኣብቲ እዋን ሕወሓት ንተጋደልቲ ኤርትራ ምጽላምን ምቍንጻብን ስርሔይ ኢላ ሒዛቶ ነበረት፣ ተጋደልትና ነዚ መስተንክር ቅያ ክሳብ ዚፈጸሙሉ ሕሞት ሕወሓት ኣብ ጸርፊን ፖለቲካዊ ግስርጥና ተጸሚዳ ነበረት፣ ድሕሪ እዚ መስተንክር ቅያ ግና ባህሪራ፣ ተሸቝሪራ ከም ደርጊውን ሓፊራ ኔራ፣ መክንያቱ ተጋደልትና መልሓሳ ክትሕይኽ ስለዝገበርዋ!!! እንተኾነ ግዳ ክሳብ ሕጂ ሕወሓት ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ዝተማህረት ኣይትመስልን ኣላ። ሕዝቢ ኤርትራን ደቁን ግን ሓቂ ዓትዒቶም ሒዞም ሕጂውን ክምርሹ ኢዮም። ደቂ ኤርትራ ዓቢኩም ንኡስኩም እዚ ታሪዅምዩ፡ ታሪኽ ሕዝብኹምን ታሪኽ ነፍስወከፍ ዘይተጸዓዲ ኤርትራዊ ስድራ ኢዩ። ንኾላዓዮ ደኣ፡ ብሓበን ንዳሕድሓዮዉን!!!

ዝኽርታት ሓመድ ድበ ናደው።


•=> መእተዊ፣

“. . . ህዝባዊ ግንባር፡ ንዓወት ግንባር ናቕፋ፡ ኣብ ውሽጢ ዝተናውሐ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣውራ ድማ ኣብ ውሽጢ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ናይ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣእትዩ እዩ ዝመዝኖ። እቲ መጥቃዕቲ ሓያል፡ ቅልጡፍን ዓሚቝ ስምብራት ዝገደፈን ምንባሩ ዘይክሓድ እዩ። ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ካብ ዝጎብጥዋ ንደሓር፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣእምሮኦም፡መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ክቕጽል ድዩ ኣይቅጽልን?’ ዝብል ሕቶ ከም ህጹጽ መልሲ ዘድልዮ እዋናዊ ጉዳይ ከም ዝለዓል ዝገበረ ስርሒት እዩ። . . .

ተጋ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዋና ጸሓፊ .... መጽሔት ሳግሞ .14


ኣብ መጋቢት 1988 ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪዱ ንዝነበረናደው እዝተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ ክፋል ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ አብ ፍጹም ከበባ ብምእታው ዝተኻየደ ደምሳሲ ቀለቤታዊ መጥቃዕቲ፡ አብ ብወርቃዊ ቅያታት ዝተመልኣ ታሪኽ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ከም ነጥበ-መቐይሮ ዝጥቀስ፡ ዓቢ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ፍጻመ እዩ።

ስርሒት ምድምሳስእዚ ናደውኣብ ወተሃደራዊ ግጥማት ሓርነታዊ ቃልስና ጎሊሑ ዝርአ ይኹን እምበር፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናብ ገዚፍን ስትራተጂያዉን መጥቃዕቲ ክሰግር፡ ቅድሚኡ ዘካየዶ ምርብራብ፡ እቲ ዝነውሐ ዝበርተዐን ሓያል ጽንዓት ዝሓተተን እዩ ነይሩ። ምድምሳስእዚ ናደውእምበኣር፡ ውህሉል ምህርቲ ናይቲ ንዓሰርተ ዓመት መመላእታ ኣብ ቀዋሚ ሰንሰለታዊ ዕርድታት ናቕፋ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ባርካን ዝተካየደ ተሪር መኸተ፡ ከማኡውን ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ፡ ብደባይን ተንቀሳቓሲን ውግኣት፡ ብተርግእን መሃንድሳዊ ስርሒታትን ብዘይ ዕረፍቲ ዝተሰላሰለ፡ ሰራዊት መግዛእቲን ዘራያቱን ኣላሽ ዝበልሉ ማእለያ ዘይብሉ ናይ ምርብራብ ግጥማት እዩ።

•=> ሓጺር ድሕረ-ባይታ።

ኣብ 1977-1978 ብዘይካ ሓሙሽተ ተኸቢበን ዝተረፋ ከተማታት፡ መላእ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰውራ ኤርትራ ኣትዩ፣ ስርዓት ደርግ ብመጥቃዕቲታት ሰውራ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ በቲ ምስ ሶማል ዘካይዶ ዝነበረ ኵናት እውን ወተሃደራዊ ዓቕሙ ኣዝዩ ተዳኺሙ ነበረ። ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ጽባሕ መግዛእቲ ከብቅዕ እዩ እናበለ ግና፡ ኣብ ወተሃደራዊ ሚዛን ሓይሊ መሰረታዊ ምቕይያር ዘምጽአ ምትእትታው ርእሰ-ሓያል ሕብረትሶቭየት ኣጋጠመ። ደርግ ብገዚፍ ሓገዝ ሕብረት-ሶቭየት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ 300,000 ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ፡ ኣብ ጸሊም ኣፍሪቃ ዝሓየለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብምህናጽ፡ ብቕጽበት ካብ መድረኽ ምክልኻል ናብ መድረኽ መጥቃዕቲ ተሰጋገረ።

ኣብ መፋርቕ 1978 ደርግ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሶማል መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈነወ። ኣብ ውሽጢ ሰሙናት፡ ኵናት ሶማል ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ ከኣ፣የምስራቅ ድል በሰሜን ይደገማል” (ዓወት ምብራቕ ኣብ ሰሜን ክድገም) ብዝብል ፈኸራ፡ ኣንፈቱ ንሰሜን ብምቕናዕ፡ ንሰውራ ኤርትራ፡ኣንዴና ለመጨረሻ” (ሓንሳብን ንሓዋሩን) ኢሉ ብዝሰመዮ መጥቃዕቲ ንምድምሳስ መጠነ ሰፊሕ ወራር አበገሰ። እቲ ኵናት ናይ ጻጸን ሓርማዝን ግጥም እዩ ነይሩ። ክንዲ ዝኾነ .. ዓቕሙ መዚኑ፡ ነዚ ገዚፍ ወራሪ ሰራዊት ኣብ ዝተናውሐ ኵናት ንምድኻም፡ ካብቲ ሓራ ዘውጽኦ መሬት ደረጃ ብደረጃ እናሰሓበ፡ ንሓይሊ ጸላኢ ኣብ ዝጥዕም ግዜን ቦታን እናገጠመ፡ ስትራተጂያዊ ዝምላቕ ክገብር ወሰነ።

•=> በዚ መሰረት፣


°ኣብ ቀዳማይ ወራር፡ ካብ ደቡባዊን ምብራቓዊን ኤርትራ ከዝልቕ ከሎ፣
°ኣብ ካልኣይ ወራር ካብ ሰሜናዊ ግንባር፣
°ኣብ ሳልሳይ ወራር ድማ፡ ካብ ከባቢ ከረንን አፍዓበትን ስሒቡ ኣብቲ ቀዋሚ ዕርድታቱ ክከውን ዝመረጾ ኣኽራናት ናቕፋን ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ጸብሐ። [ስትራቴጂ ህዝባዊ ሰራዊት ካብ ቀደም እናንሳሓብኻ እናደሰቕካ ኣብ ዘዝጥዕመኻ ምዝባጥ ምዃኑ ፈላጢኡ ኢዩ ዚፈልጦ።]

ሰራዊት .. ኣብ ዝጥዕም ቦታ ተሪር እናመከተን ኣብ ልዕሊ ህንዱድ ሰራዊት ከቢድ ክሳራ እናውረደን ኣብ ለካቲት 1979 ኣፍ-ደገ ናቕፋ ድሕሪ ምብጽሑ፡ የማነ-ጸጋም እምባ ደንደን ዓረደ። እዚ እቲ ናይ መጨረሽታ መከላኸሊ መስመር ክኸውን ዝመረጾ ቦታ እዩ ነይሩ። ግንባር ናቕፋ እምበኣር ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ እዩ ተመስሪቱ። ኣብቲ ፈለማ፡ እቲ ግንባር ዝርጋሐኡ ጸቢብ እዩ ነይሩ። ሰራዊት ጸላኢ፡ ብውሱን ቦታ በሲዑ ንምሕላፍ ዘካይዶ ዝነበረ ተደጋጋሚ ፈተነታት ምስላጥ እናኣበዮ ብዝኸደ ግን፡ ኣብቲ ዝሰዓበ ወራራት (4 5 6) ብሜላ እንትላፋፍን ምርቃቕ ሓይሊን፡ ነቲ ግንባር ብኽልተ ክንፊ እናመጠጦ እዩ ከይዱ። ብዘይካ ግንባር ናቕፋ፡ ግንባራት ሰሜናዊ ምብራቕ ሳሕልን ሓልሓልን እውን ብተመሳሳሊ ዝርጋሐኦም እናሰፍሐ ስለዝኸደ ኣብ መወዳእታ ሰለስቲኦም ግንባራት ዳርጋ ተኣሳሲሮም እዮም። ኣብዚ ንኣስታት 10 ዓመታት ዝቐጸለ ከቢድ ናይ ምርብራብ ውግእ፡ ክልቲኡ ወገን ዕርድታት ናይ ምድልዳል ቀጻሊ ስርሓት የካይድ ብምንባሩ፡ አብ መወዳእታ ብኽልቲኡ ወገን ብነተጕቲ ዝተሓጽረ 667ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ኣዝዩ ድልዱል ድፍዓት እዩ ተፈጢሩ። [ህዝቢ ኤርትራ ንኣከያይዳ ወያኔን ኣፈታትሓ ጉዳይ ዶብን ተመሳሳሊ ስትራቴጂ ዝተከተለ ይመስል፣ ድሕሪ ነዊሕ ምርብራብ ዶባቱ ዘውሕሰሉን ልዑላዊ ግዝኣቱ ብጠቕላላ ዘመሓድረሉ መድረኽ ካብ ትማል ሎሚ እናቀረበ ዚከይድ ይመስል ኣሎ።]

ካብ መፋርቕ 1978 ክሳብ 1988 ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ኣብ ዝቐጸለ ከቢድ ናይ ምርብራብ ግጥማት፡ እቲ ብገዚፍ ንዋታዊ፡ ቴክኒካዊን ምኽራዊን ደገፍ ርእሰ-ሓያል ሕብረት-ሶቭየት፡ ንሰውራ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድምሳስ ዝነቐለ ወራሪ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ከቢድ ሰብኣዊን ንዋታዊን ክሳራ ተሰኪሙ፡ ካብ መድረኽ መጥቃዕቲ ናብ መድረኽ ጃላነት፡ ካባኡ ቀጺሉ ኣብ መድረኽ ምክልኻል ክኣቱ ተገደደ። ኵናት ስለዝነውሖ ድማ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ተስፋ እናቘረጸ፣ ናይ ምውጋእ ወኒ እናጥፍአ፡ ሞራሉ ባይታ እናዘበጠ ከደ።

ብጽጹይ ስለያዊ መጽናዕቲ፡ ኩነታት ጸላኢ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብልክዕነት ዝግምግም ዝነበረ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ ዓመተ 1987 ኣቓልቦ ጸላኢ፡ ካብ ቅድመ ግንባር ንድሕሪት ናብ ውሽጢ መስመር ዝሰሐበ፡ ጽዑቕ ናይ ደባይን ተንቀሳቓሲን ስርሒታት ተተሓሓዞ። ኩነታት ናይ ኣብ ግንባር ዝነበረ ጸላኢ ኣጸቢቑ ንምምዛን ድማ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1987 ኣብ ማእከላይ መስመር ግንባር ናቕፋ፡ ኣብ ውሱን ከባቢታት መጠነ ንኡስ መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ንጸላኢ ደፊኡ ነቲ ዝቕጽል ዝዓበየ ስርሒት ምድምሳስእዚ ናደው መበገሲ ዝዀኑ፡ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዝነበሮም ገዛእቲ ቦታታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእተዎም።

በዚ መጥቃዕቲታት ዝተሰናበደ መራሒ ስርዓት ደርግ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ኣብ ለካቲት 1988 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኣስመራ ብምምጻእ፡ ንኣዘዝቲ ናይ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት (...) ኢሉ ዝጽውዖ ኣብ መላእ ኤርትራ ዝነበረ ሰራዊቱ፡ ኣኼባ ድሕሪ ምክያድ፡ ብምድኻምናደው እዝ ከም ሳዕቤኑ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዘጋጠመ ስዕረትን ቀንዲ ተሓታቲ፡ ኣዛዚ ናይ ግንባር ዝነበረ ብሪጋዴር ጀነራል ታሪኩ ያይኔ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣብ ቅድሚ ሰራዊት ከምዝርሸን ገበረ። ተሓታትነት ናይ ኣብ ከበሳታት ብደባይን ተንቀሳቓሲን ውግኣት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ደርግ ዝወርድ ዝነበረ ክሳራ ድማ ንኣዛዚመክት እዝዝነበረ ብሪጋዴር ጀነራል ከበደ ጋሼ ብምስካም፡ ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ማዕርጉ ተገፊፉ ብዘይ ጥሮታ ከምዝባረር ገበረ። ኣዛዚ...’ ሜጀር ረጋሳ ጂማን ምክትሉ ሽዋረጋ ቢሆነኝን ካልኦት ልዕሊ 20 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ድማ፡ ካብ ኤርትራ ናብ ካልእ ከባቢታት ኢትዮጵያ ቀየሮም። ኣብ እዋን መንግስቱ ሃይለማርያም ዝወሰዶ ናይ ዓቕሊጽበት ስጕምቲታት ንድኽመት ናይ ሰራዊት መሊሱ ዘጋደደ እዩ ነይሩ። ስርዓት ደርግ፡ ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ከበሳታት ኤርትራ፡ ብተንቀሳቓሲ ውግኣት ዝወርዶ ዝነበረ ቀጻሊ መጥቃዕቲታት ክጻወሮ ስለዘይከኣለ፡ ናይ ውሽጢ መስመሩ ከደልድል ካብ ቀንዲ ግንባራት በብቕሩብ ሓይሊ እናሰሓበ ይኸይድ ነበረ።

ነቲ ወተሃደራዊ ምዕባለታት ብደቂቕ ኣብ ምክትታል ዝነበረ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር፡ናደው እዝንምድምሳስ ኣቐዲሙ ከካይዶ ዝጸንሐ መጽናዕቲን ከሰላስሎ ዝጸንሐ ውጥንን ኣብ ባይታ ዝትግበረሉ ልክዕ ግዜ ከም ዝኣኸለ ገምገመ። ቀቅድሚ ስርሒት ምድምሳስ እዝ ናደው ካብ 25-28 ለካቲት 1988 ዝተቓንዐ ካልኣይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ሽማግለ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘውጽኦ መግለጺ ነዚ ዝእምት እዩ ነይሩ።

ማእከላይ ሽማግለ . . . . ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝያዳ ምብርታዕን ዓንኬሉ ምስፋሓን ዘኽእል፡ ጸላኢ ዓቕሙ ከመሓይሽ ዕድል ዘይህብ ወተሃደራዊ መደብ ስራሕ ሓንጺጹ።ይብል እቲ ሽዑ ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ።

ነዚ ዕላማ ንምውቃዕ ክትግበር ዝተወጠነ ቀዳማይ መደብ፡ ንናደው እዝ ኣኽቢብካ ምድምሳስ እዩ ነይሩ። መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ከም ዓይነት ዓቢይን ተባዕን ውሳነ ዝወሰደ፡ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ጸላኢ ብዝምልከት ብደቂቕ ስለያዊ ሓበሬታ ኣዝዩ ጽፉፍ መጽናዕቲ ስለዘካየደ በቲ ኣብ ዓመተ 1987 ኣብ ድሕሪ መስመር ዘካይዶ ዝነበረ ቀጻሊ መጥቃዕቲታትን ምንቅስቓሳትን ድማ ንጸላኢ ከታልልን ኣቓልቦኡ ክገዝዕን ስለዝኸኣለ እዩ።

ቅድሚ ክልተ ወርሒ ናይ ዓቢ ስርሒት፡ ኣዛዚናደው እዝብሪጋዴር ጀነራል ታሪኩ ያይኔ፡ ናብ ኣዛዚ ካልኣይ ኣብዮታዊ ሰራዊት (...) ጀነራል ረጋሳ ጂማ ኣብ ዝለኣኮ ደብዳበ፡ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ግንባር ናቕፋ ጽዑቕ ስለያዊ መጽናዕቲታት የካይድ ከም ዘሎን ገዚፍ መጥቃዕቲ ክገብር ከም ዝኽእልን ብምእማት፡ መክት እዝክሕግዙ፡ ካብ ግንባር ንከበሳታት ኤርትራ ዝተሳሕቡ ክፍለጦራት 15 22 ብህጹጽ ክምለሱ ጠሊቡ ነይሩ። ይኹንምበር ኣዛዚ...’ ዝሃቦ መልሲ፡ብዘለና ሓበሬታን ገምጋምን መሰረት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሻዕብያ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክኸፍት ዝብል እምነት የብልናን። ስለ እቶም ክፍለጦራት ንግዚኡ ነቲ ኣብ ከበሳ ዘለና ስግኣት ንምውጋድ ክሰርሑ ክጸንሑ እዮም፣ ንዝዀነ ነገር ግን ልዑል ጥንቃቐ የድሊ፡ዝብል ነበረ።

ኣዘዝቲ...’ “ሻዕብያ ኣብ ግንባር ናቕፋ መከላኸሊ ዕርዲ ናይ ምድልዳል እምበር ናይ ምጥቃዕ ኣንፈት የብሉንኣብ ዝብል መደምደምታ ብምብጻሕ ክደናገሩ ዝኸኣሉ፡ ብሓደ ወገን ህዝባዊ ግንባር ንጸላኢ ንምድህላል፡ ልዕሊ ሽዱሽተ በራጊድ፡ ናብ ድሕሪ መስመር ኣንቀሳቒሱ ይሰርሕ ብምንባሩ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ድሕሪ ኣብ ታሕሳስ 1987 ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝተኻየደ መጠነ ንኡስ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሓዲሽ ዝተቘጻጸሮ ከባቢ፡ ዕርድታት ናይ ምድልዳል ጽዑቕ ማእቶታዊ ንጥፈት የካይድ ብምንባሩ እዩ።

"ንደርግኣብ ኣፍዓበት ዘሕረረ፡ ንሕብረትሶቭየት ዘሕፈረ፡ ንሕወሓት ዘባህረረ፡ አሎ ታሪኽ ዘይተነግረ - ‘ናደው እዝ ሰላሊዓን!" ይቕጽል!!!
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

•=> ፈጽሚ ስርሒት

1.1 ዓቕሚ ሰራዊትን ኣሰላልፋ ክልቲኡ ወገናትን፣

ኣቐዲሙ ከም እተገልጸ፡ ምድምሳስናደው እዝኣብ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ክሰላሰል ዝጸንሐ ውጥን እዩ። በዚ መሰረት፡ ነዚ ዓቢ ስርሒት ንምፋጻም ግዜ ዝወሰደ ደቂቕን ጽፉፍን መጽናዕቲ እዩ ተኻይዱ። ጸላኢ ንምድህላል ከኣ፡ ኣብ ከበሳታት ይኹን ኣብ ግንባራት ጽዑቕ ወተሃደራዊ መናውራታት ይግበር ነይሩ።

እዚ ስርሒት ሰዓቱ ምስ ኣኸለ፡ ነዚ ሰፊሕ ውጥን ደምሳሲ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ዝተመደቡ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር፡ ማለት ኣጋር ክፍላተ-ሰራዊት 8561167052 መካናይዝድ ክፍለ-ሰራዊት 74 ከምኡውን ዝተፈላለዩ ወሃብቲ-ደገፍ ኣሃዱታት ስለያ፡ ሃንደሳ፡ ሎጂስቲክስ፡ ህክምና፡ ወዘተ ነናብ ዝተዋህቦም ተልዕኾን ሸቶታትን ኣምሪሖም። ኣብ ስርሒት ዝተሳተፈ ዓቕሚ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብድምር 10400 ምንባሩ ናይ ሽዑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ከቢድ ናይ ምርብራብ ውግኣት፡ ብዝሒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ እናንቈልቈለ እዩ መጺኡ። በዚ መሰረት ቀቅድሚ ምድምሳስናደው እዝስርዓት ደርግ ኣብ ኤርትራ ኣሰሊፍዎ ዝነበረ ብዝሒ ሰራዊት ኣስታት 94,000 ኣቢሉ ነበረ።

° ኣብ ከበሳታት ዝነበረመክት እዝኣስታት 30,000
° ኣብ ግንባር ሓልሓል ዓሪዱ ዝነበረመንጥር እዝልዕሊ 21,000

° ኣብ ባርካ ዝነበረበርግድ እዝ’ 14,500 ክፍልታት...’ ልዕሊ 7,000 ብዝሒ ሰራዊት ነይሩዎም።ናደው እዝከኣ፡ ካብ ጠቕላላ ዓቕሙ፡ በቲ ኣቐዲሙ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝወረዶ መጥቃዕቲ፡ ልዕሊ 4,700 ብሞት፡ መውጋእቲን ካልእ ጸገማትን ጎዲሎሞ ስለዝነበሩ፡ ብዝሒ ሰራዊቱ ናብ 16,500 ኣንቈልቍሉ ነይሩ። ነቶም ውግእ ኣብ ዝተኸፍተሉ ሰዓት ብሄሊኮፕተር ኣብ ኣፍዓበት ወሪዶም ዝተደረብዎ ናይ 15 ክፍለ-ጦር ክልተ ሻለቃ ወሲኽካ እምበኣር፡ ሰብኣዊ ዓቕሚናደው እዝኣብ እዋን ስርሒት ኣስታት 18,000 ነበረ። ኣብ ግንባር ተሰሊፎም ዝነበሩ ኣሃዱታት፡ ኣጋር ተዋጋእቲ ክፍለጦራት 21 19 14 መካናይዝድ ብርጌድ 29 (ዘርኣይ ደረስ) 157 ሻለቃ መድፍዕን ካልኦት ወሃብቲ-ደገፍን ንኡሳን ተደረብቲ ኣሃዱታትን እዮም።

ናደው እዝዓጢቝዎ ዝነበረ ኣጽዋር ድማ፣

•54 ታንክታት፡
•16 መዳፍዕ 130 ..
• 36 መዳፍዕ 122 ..
• 12 .ኤም. 21 ወንጫፊ ሮኬት፡
• 55 ከበድቲ ረሻሻት፡ ከምኡውን ብብዝሒ ሞርታራትን ማእከላይ ረሻሻትን ልዕሊ 18,000 ፎኰስቲ ብረታት የጠቓልል።

•=> 1.2 ውጥን መጥቃዕቲ፣

ናደው እዝ ዝቈጻጸሮ ዝነበረ ቦታታት፡ ኣብ ቅድመ-ግንባር ኣስታት 165 .. ንውሓት ዝነበሮ ሰንሰለታዊ ዕርዲታት፡ ብድሕሪ ዕርድታት ድማ ልዕሊ 70.. ዕምቈት ዝነበሮ ቦታ ኮይኑ ኣስታት 12,000 ትርብዒት .. ስፍሓት ዝነበሮ እዩ። ኣብ ዝተጠቕሰ ንውሓትን ዕምቈትን ዝተሰለፈ ሰራዊት ጸላኢ ብምሉእ ኣኽቢብካ ንምጭፍላቕ ዝተሓንጸጸ ወተሃደራዊ ውጥን ከኣ፡ ሽዱሽተ መኣዝን ነበሮ። ብኡ መሰረት፡ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሽዱሽተ ምድባት ተኸፋፊሉ ንመጥቃዕቲ ተበጊሱ።

•=> ተልእኾ ቀዳማይ መኣዝን መጥቃዕቲ፣

ብጸጋማይ ክንፊ (ምብራቕ) ናይ ግንባር፡ ካብ መሸታይ ከባቢ ቃምጨዋይ ጀሚሩ ንማዕሚደ ሒዙ ክሳብ መዕጥር ብምዝርጋሕ ንምብራቓዊ ጎላጕል ዝቈጻጸር ዝነበረ ሰራዊት ጸላኢ (ክፍለጦር 14 መካናይዝድ ብርጌድ 29) ብምጥቃዕ፡ ማዕሚደ ተቘጻጺርካ፡ ብጸጋማይ ክንፊ ብቐጥታ ናብ ኣፍዓበት ምግስጋስ። ኣብ ቀዳማይ መኣዝን ዝተመደቡ ኣሃዱታት፡ ክልተ ብርጌዳት ናይ ክፍለ-ሰራዊት 85 ክልተ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 87 ክፍለ-ሰራዊት 61 መካናይዝድ ብርጌድ 23 ከምኡውን ገለ ክፋል መካናይዝድ ብርጌድ 63 ነበሩ።

•=> ተልእኾ ካልኣይ መኣዝን መጥቃዕቲ

ኣብ መንጎ ኢትሓልበብን ክርፍን ካብ ዘሎ ዓሞቝቲ ስንጭሮታት ነቒልኻ ጸልማት ጉልባብ ተጠቒምካ፡ ብመንጎ ዕርዲታት ጸላኢ ብምስላዅ፡ ናብ ሩባ ጉድ ምእታው፣ ካብኡ ንየማን ተዓጺፍካ፡ ናብ እምባታት ሮሬት ምድያብ፣ ካብዚ ገለ ክፋል ናይ ወገን ሰራዊት አንፈቱ ንሰሜን ገይሩ ኣብ ብራኸታት 1419 1467 ዓሪዱ ንዝነበረ ጸላኢ ብድሕሪት ከጥቅዕ ገለ ክፋል ድማ፡ ኣንፈቱ ንደቡብ ናብ ሓራስ ሓርማዝ ብምቕናዕ ኣብ ጎቦ ሓርጠጠት ንዝነበረ ጸላኢ ከጥቅዕ፣ በዚ ድማ ነቲ ኣብ ጎቦታት ሮሬትን ሩባ ሕዳይን ዓሪዱ ዝነበረ መበል 19 ክፍለ-ጦር ምስ ተደረብቲ ናይ ታንክ፡ መድፍዕ፡ ረሻሻትን ሞርታራትን ኣሃዱታት ምድምሳስ።

ኣብ ካልኣይ መኣዝን ዝተመደቡ ኣሃዱታት፤ ካብ ክፍለ-ሰራዊት 61 ብርጌድ 81 ሓደ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 87 ከምኡውን ሓደ ሓይሊ ኣጋር ከቢድ ብረት፣ ካብ ክፍለ-ሰራዊት 52 ሓደ ቦጦሎኒ ናይ ብርጌድ 24 ካብ ክፍለ-ሰራዊት 16 ሓደ ሓይሊ ናይ ብርጌድ 26 ብዘይካ ብሩባ ሕዳይ ክኣትዉ ዝተመደቡ፡ መካናይዝድ ብርጌዳት 34 63ን።

•=> ተልእኾ ሳልሳይ መኣዝን መጥቃዕቲ፣

ካብ ኣምባ ክሳብ ኣርሃጸት ዓቢን ሩባ ጠልቀሳን ኣብ ዝተዘርግሓ ስትራተጂያዊ ጎቦታት ዝዓረዱ ክፋላት 19 21 ክፍለ-ጦራት ምስ ተደረብቲ ኣሃዱታቶም ምድምሳስ። ኣብ ዕማም ብዘይካ ብሞርታራትን ረሻሻትን ተሰንዩ ብቕድሚት ከጥቅዕ ዝተመደበ ውሑድ ሓይሊ፡ ዳርጋ ኵለን ቦጦሎኒታት ብመንጎ ከፋት ቦታታት ጸላኢ ብሓያል ጥንቃቐ፡ ድምጸን ሓቢኣን ብምሕላፍ ብድሕሪትን ብጐድንን ከጥቅዓ እዩ ተመዲቡ። ኣብ ስራሕ ዝተሰለፉ ኣሃዱታት፤ ካብ ክፍለ-ሰራዊት 70 ብርጌድ 26 ብጸጋም፣ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 61 ብርጌድ 11 ድማ ብየማን ኣብ ርእሲ ብመስመር ፋርኔሎን ቀብርጻዕዳን ዝተሰለፉ ኣሃዱታት መካናይዝድ ብርጌድ 34 ነበራ።

•=> ተልእኾ ራብዓይ መኣዝን መጥቃዕቲ፣

ካብ ከባቢ ሸገ ነቒልካ ብመንጎ ኣንደብ፡ ሓሳይድ ብምስንጣቕ፡ ንሓሳይድ ብደቡብ ኣጥቂዕካ ብምቁጽጻር፡ ካብ ኣፍዓበት ንምዕራብ ናብ ዝርከብ ስትራተጂያዊ ቦታታት ምግስጋስ፣ ንሩባ ገብገብ፡ ግሎብን ሽኽናብን ኣጥቂዕካ ብምጽራይ፡ ካብ ሃበሮ ዝመጽእ ረዳት ምዕጋት። ኣብ ዕማም ዝተዋፈሩ፤ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 70 ብርጌድ 10 ብምሉኡ፣ ካብ ብርጌድ 71 ድማ ሓደ ቦጦሎኒ፡ ከምኡውን ሓደ ቦጦሎኒ ኣጋር ከቢድ ብረት ገለ ኣሃዱታት መካናይዝድ ብርጌድ 34 ነበሩ።

•=> ተልእኾ ሓምሻይ መኣዝን መጥቃዕቲ፣

ናደው እዝንምድምሳስ ብግንባር መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈነወሉ ሰዓት፡ ኣብ መስመር ኣፍዓበት-ከረን ሰሊዅካ ብምእታው፡ ካብ ከረን ኣስታት 30 .. ርሒቑ ዝርከብ ስትራተጂያዊ መሓንቖ ሰንሰለታዊ ጎቦታት መስሓሊት ተቘጻጺርካ፡ እዚ ናደው ክወጽኣሉ ኣብ ዘይክእል ከበባ ምእታው፣ ካብ ከረን ረዳት ከይመጾ ምዕጋት፣ ካብ ኣፍዓበት ዝሃድም ሰራዊት ሰቡን ኣጽዋሩን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጽጽር ምውዓል። ኣብ ዕማም ዝተዋፈሩ ኣሃዱታት፤ ክፍለ-ሰራዊት 52 ብምሉኡ ከምኡውን ሓደ ቦጦሎኒ ኣጋር ከቢድ ብረት ነበሩ። እዚ ሓይሊ ካብ ድሕሪ መስመር ጸላኢ ከባቢ ማይ መደፍ ተበጊሱ፡ ብደርሰነይ ሓሊፉ፡ ጽርግያ ከረን-ኣስመራ ብሽንድዋ ቆሪጹ፡ ብምራራ፡ ዒራዒሮ፡ እምባ ገይሩ ብኣፍሉቕን እንስን ሓሊፉ፡ ንመስመር ኣፍዓበት-ከረን ክኣቱ እዩ ተመዲቡ።

•=> ተልእኾ ሻድሻይ መኣዝን መጥቃዕቲ፣

ካብ ጫካታት ሰሜናዊ ባሕሪ ነቒልካ፡ ብምብራቕ ናይ ከተማ ኣፍዓበት ማለት ብከባቢ ኣዛህራን ከባቢ ጋድም ሓሊብን ዝነበረ ዕርድታት ጸላኢ ብምጥቃዕ፡ ብሸነኽ የማን ምስ ብግንባር ብሸነኽ ፈልከት ዝመጸ ናይ ወገን ሓይሊ ተኣሳሲርካ ኣፍዓበት ምእታው። እዚ ሓይሊ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ፡ ብሸነኽ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ክሳብ ዝድፋእ ድሕሪ ምጻባይ፡ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይ ውግእ ተልእኾኡ ክፍጽም ዝተመደበ እዩ። ኣብ መኣዝን መጥቃዕቲ ዝተሰለፉ ኣሃዱታት፤ ካብ ክፍለ-ሰራዊት 85 ብርጌድ 22 ምስ 5 ጋንታታት ኣጋር ከቢድ ብረት፣ ካብ ክፍለ-ሰራዊት 61 ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ብርጌድ 13 ምስ ሓደ ሓይሊ ኣጋር ከቢድ ብረት ነበሩ።

እቲ ውጥንስ ከምዚ ነበረ ውዕሎ ትግባረ ብዕለት 17-19 መጋቢት ዝተካየደ ደማዊ ኵናት ከመይ ነበረ፧ ኣብ ዚቕጽል ክፋል ክንነቦ ኢና። እዚ ወደሓንኩም!!!

"ንደርግኣብ ኣፍዓበት ዘሕረረ፡ ንሕብረትሶቭየት ዘሕፈረ፡ ንሕወሓት ዘባህረረ፡ አሎ ታሪኽ ዘይተነግረ - ‘ናደው እዝ ሰላሊዓን!" ይቕጽል!!!

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

•=> 1.3 ውዕሎታት ትግባረ [17-19 መጋቢት]

ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር በዚ ዝተጠቕሰ ኣሰላልፋ፡ ኣብ ወጋሕታ ናይ 17 መጋቢት 1988 ብሓሙሽተ መኣዝናት መጥቃዕቲ ከፈተ። ዋላ ሰራዊት ጸላኢ ተሪሩ ክዋጋእ እንተፈተነ፡ አብ ምሉእ መዓልቲ ዝቐጸለ ውግእ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር፡ ቀዳማይን ካልኣይን መከላኸሊ መስመሩ ለቒቑ ክድፋእ እንከሎ፡ እተን ካብ ቅድመ ግንባር ወጻኢ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ከጥቅዓ ዝተመደባ ናይ ወገን ኣሃዱታት፡ እንተላይ እቲ ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ኣብ መስመር ከረን-ኣፍዓበት ክኣቱ ዝተመደበ ሓይሊ ዝተዋህቦም ሸቶታት ኣብ ልክዕ ግዜ ተቘጻጺሮሞ። ኣብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ዘጥቀዐ ክፍለ-ሰራዊት 52 እቲ ዕለት ኣብ ክሳድ መስሓሊት ዓሪዱ፡ ካብ ከረን ናብ ኣፍዓበት ክረድእ ንዝነቐለ ሓይሊ ጸላኢ ክከላኸል ወዓለ።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይ ውግእ ማለት 18 መጋቢት፡ ብሓሙሽተኡ መኣዝናት መጥቃዕቲ ዘበገሰ ናይ ወገን ሓይሊ፡ ከቢድ ጽምእን ጥሜትን ድኻምን ተጻዊሩ፡ ዝጐደሎ ኣጽዋርን ተተዃስን ካብ ጸላኢ እናመንዝዐ፡ ብልዑል ቅልጣፈ ንቕድሚት ብምግስጋስ፡ ሰፊሕ ቦታታት ተቘጻጸረ። ጸላኢ በዚ ትንፋስ ዘይህብ መጥቃዕቲ፡ ውዳበኡ ተዘራሪጉ፡ እዚን ቁጽጽርን ኣጥፊኡ ዝዓበየ ክፋሉ፡ ብዘይተወደበ መገዲ ንድሕሪት ክሃድም ተቐሲቡ።

ኣብ ምድምሳስ እዝ ናደው ዝበርትዐ ግጥም ዝተካየደሉ ከባቢታት ሞጋዕ ቀጣሪትን ቃምጨዋን እዩ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ጸላኢ፡ እቲ ካብ በረኽቲን ስትራተጂያዉን ጎቦታትን ተደፊኡ ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ናብዚ ዝተጠቕሰ ሩባታትን ስንጭሮታትን ዝወረደ ኣጋር ሰራዊቶም፡ ዳግም ተወዲቡ ነቲ ቦታ ከበድቲ ኣጽዋራት ዝዀነ ደጀን ክከላኸለሉ ከምዘይክእል ብምግምጋም፡ ኣብዚ ከባቢታት ዝነበረ ኣጽዋር ከይማረኽ ቀልጢፉ ከዝልቕ ወሰኑ። በዚ ድማ ካብ 70 ክሳብ 80 ዝዀና ታንክታትን ተሽከርከርቲን፡ ብቐትሩ ናብ ኣፍዓበት ተበገሳ። እንተዀነ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 1530 እዘን ታንክታትን ተሽከርከርቲን እዚኣተን፡ ብዓቐብ ዓሽሩም ተተቲዐን እናወጻ፡ ኣብ ዒላማ ናይቶም ብሩባ ሕዳይ ዝወረዱ ታንከኛታት ህዝባዊ ሰራዊት ኣተዋ። ሓንቲ ካብተን ናይ ብርጌድ 34 ናይ ወገን ታንክታት፡ ካብ ርሁቕ ብዝተኰሰቶ ቦምባ ድማ፡ ኣብ ክሳድ ዓሽሩም በጺሓ ዝነበረት .ኤም. 21 ወንጫፊ ሮኬት ዝጸዓነት መኪና ተቓጸለት። ብካልኣይቲ ቦምባ፡ ሓንቲ ኣብ ማእከል ዓቐብ ዝነበረት ታንክ ተደግመት። በዚ ድማ፡ መብዛሕትአን ንብረት ናይዘርአይ ደረስተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፡ ጸላኢ ኣመና ዝምክሓሉ መካናይዝድ ብርጌድ 29 ዝዀና ተሽከርከርትን ታንክታትን መሕለፊ ስኢነን ንሓደጋ ተቓልዓ።

መዋጽኦ ምስተሳእነ፡ ነቲ ኵናት ዘወሃህድ ዝነበረ ኣዛዚ...’ ሜጀር ጀነራል ውበቱ ጸጋየ እቲ ዅሉ ዝተዓግተ ንብረትን ኣጽዋርን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህዝባዊ ግንባር ከይውዕል፡ ነፈርቲ ከቃጽልኦ ትእዛዝ ሃበ። ኣብ ጽንኩር ህሞት፡ ናይ ወገኑ ንብረትን ኣጽዋርን ከቃጽል ትእዛዝ ካብ ዝተዋህቦም መራሕቲ ነፈርቲ ውግእ ሓደ፡ኣዬ መንግስት ሲወድቅ” (ኣየ መንግስቲ ኪወድቕ እንከሎ) ክብል ብሬድዮ ተሰምዐ። ብርግጽ ድማ ውጽኢት ናይ መጠነ ሰፊሕ ደምሳሲ መጥቃዕቲን ውድቀት ሰራዊት ጸላኢን፡ ኣብ ክሳድ ዓሽሩም እዩ ዝያዳ ጎሊሑ ተራእዩ።

ኣብ ውዕሎ 18 መጋቢት፡ ክልተ ሲሶ ዓቕሚ ናይ ጸላኢ ተዳሂኹ፡ ብቕድመ ግንባር ዘጥቅዐ ናይ ወገን ሰራዊት ኣስታት 40 .. ንቕድሚት ደፊኡ ንጸላኢ ካብ ኩሉ ስትራተጂያዊ እምባታት ጸሪጉ ከውርዶ እንከሎ፡ ብየማናይን ጸጋማይን ክንፊ ዘጥቅዐ ናይ ወገን ሓይሊ ድማ፡ ናብ ኣፍዓበት ዘገምግም ቦታታት ተቘጻጺሩ ሓደረ። ብድሕሪት ንመስመር ከረን-ኣፍዓበት ለኵቱዎ ዝወዓለ ክፍለ-ሰራዊት 52 ከኣ፡ ካብ ከረን ክረድእ ንዝመጸ ገዚፍ ሓይሊ ጸላኢ ብተሪር መኸተ ዓጊቱ ክረባረቦ ወዓለ። በዚ ድማ፡ እቲ ብዝተፈላለየ መኣዝን ተዀብኵቡ ኣብ ኣፍዓበትን ከባቢኣን ዝተኣከበ ሰራዊትናደው እዝኣብ ጸቢብ ናይ ከበባ ቀለቤት ኣተወ።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ 19 መጋቢት 1988 ወጋሕታ ሰዓት 530 ብዝተፈላለየ መኣዝን ንኣፍዓበት ከቢቡዋ ዝሓደረ ሓይሊ ህዝባዊ ሰራዊት ናይ መጨረሽታ መጥቃዕቱ ፈነወ። ብናይ ክልተ መዓልቲ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ተዳኺሙ፡ ከቢድ ሞራላዊ ውድቀት ዘጋጠሞ ሰራዊት ጸላኢ፡ ንሓጺር ግዜ ተቓውሞ ክገብር እኳ እንተፈተነ፡ መጥቃዕቲ ህዝባዊ ሰራዊት ዝጽወር ስለዘይነበረ፡ ንብረቱ እናቃጸለ ክሃድም ጀመረ። ብሸነኽ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ናብ ከተማ ተጸጊዑ ዝሓደረ ናይ ወገን ሓይሊ ኸኣ፡ ሰዓት 900 ቅድሚ ቐትሪ ኣፍዓበት ኣተወ። እቲ ብሰሜንን ሰሜናዊ ምዕራብን ክግስግስ ዘርፈደ ናይ ወገን ሓይሊ እውን፡ ክሳዕ ሰዓት 1000 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዝነበረ ግዜ ዕማሙ ፈጺሙ ኣፍዓበት ኣተወ።

ኣፍዓበት ንምቁጽጻር ንግሆ ኣብ ሻባይ መንደር ኣብ ዝተኻየደ ጽዑቕ ናይ ተዅስ ምልውዋጥ ዝነበሮ ሓጺርን ጽዕጹዕን ውግእ፡ ናይ ክፍለ-ሰራዊት 61 ብርጌድ 87 ቦጦሎኒ 3 ሰለስተ ሶቭየታውያን ኣማኸርቲ ምስ ካልኦት መኰንናት ኢትዮጵያ ማረኸት።

ብድሕሪ ኣብ ኣፍዓበትን ከባቢኣን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ካብ ሞትን ምምራኽን ኣምሊጡ፡ ገለ ታንክታትን መካይንን ሒዙ ንከረን ክሃድም ዝፈተነ ሰራዊት ጸላኢ፡ ክፍለ-ሰራዊት 52 ኣዳልዩዎ ኣብ ዝጸንሐ ድብያ ስለዝኣተወ፡ ንብረቱ ራሕሪሑ፡ ኣብ ከባቢ ግዝግዛ፡ ቀልሃመትን ሂካኖን ፋሕ ጭንግራሕ ኢሉ ተበታተነ።

ስርሒት ምድምሳስ እዚ ናድው፡ በዚ 19 መጋቢት 1988 ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከባቢ ግዝግዛ ዝተኻየደ ናይ መጨረሽታ ግጥም ተዛዘመ። ከምቲ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ መጥቃዕቲ ዝተዛረቦ እቲ ደርግ ምኩርን ሓያልን ሰራዊት ኢሉ ዝምክሓሉ ዝነበረናደው እዝሓመድ ድበ ለበሰ።

ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር፡ ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት መሪር ምርብራብ ግንባር ናቕፋ ገዲፉ፡ ኣብ ከባቢ መስሓሊት ግንባር ከረን ዝተሰምየ ሓዲሽ ግንባር ብምኽፋት፡ ናብ መድረኽ ስትራተጂያዊ መጥቃዕቲ ዘሰጋግር ጸብለልትነት ጨበጠ።

ኣብዚ ዝስዕብ ክፋል እዚ ታሪክ ፍሉይነትን ጽልዋን ስርሒት ምድምሳስናደው እዝክንርኢ ኢና!!!

"ንደርግኣብ ኣፍዓበት ዘሕረረ፡ ንሕብረትሶቭየት ዘሕፈረ፡ ንሕወሓት ዘባህረረ፡ አሎ ታሪኽ ዘይተነግረ - ‘ናደው እዝ ሰላሊዓን!" ይቕጽል!!!

፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

•=> ፍሉይነትን ጽልዋን ስርሒት ምድምሳስናደው እዝ

ስርሒት ምድምሳስናደው እዝኣብ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዓይነቱን ውጽኢቱን ፍሉይን ታሪኻዊን ወተሃደራዊ ስርሒት እዩ። ፍሉይ ዝገብሮ ዝዓበየ ረቛሒ፡ ንሓደ ገዚፍ ክፋል ሰራዊት መግዛእቲ፡ ኣብ ምሉእ ከበባ ኣእቲኻ ብዘይመላስ ኣውያት ናይ ምድምሳስ መጥቃዕቲ ብምንባሩ እዩ። ቅድሚ መድረኽ ሰራዊት .. ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ብዙሕ መጠነ ሰፊሕን ንኡስን መጥቃዕቲታት የካይድ እኳ እንተነበረ፡ ኩሎም እዞም መጥቃዕቲታት እዚኣቶም፡ ንጸላኢ ደፊእካ ቦታታት ምቁጽጻር ዝዕላማኦም እምበር፡ ከም ስርሒት ናደው ቀለቤታዊን ደምሳሲን መልክዕ ኣይነበሮምን።

ሰራዊት .. ኣብ ካብ መፋርቕ 1978 ጀሚሩ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ዝተኻየደ ነዊሕ ናይ ምርብራብ ኵናት፡ ብዙሕ ኣጽዋርን ታንክታትን ካብ ጸላኢ መንዚዑ ናይ ተዅሲ ሓይሉ ከደልድል በቒዑ እዩ። ኣብ ምድምሳስናደው እዝከኣ፡ ንጉልበት ቶዅሱ ዝያዳ ዘበርኹ፡ ቅድሚኡ ማሪኹዎም ዘይፈልጥ፡ 130 .. መዳፍዕን .ኤም. 21 ወንጫፊ ሮኬት ሚሳይላትን ክማርኽ እንከሎ፡ ልዕሊ 50 ታንክታት ዝርከቦ ብዙሕ ኣጽዋርን ተቶኰስቲን እውን ሰሊቡ። ብዘይካዚ፡ ስርሒት ምድምሳስናደው እዝህዝባዊ ግንባር ንፈለማ ግዜ ሰለስተ ወጻእተኛታት ኣማኸርቲ ኵናት (ሶቭየታውያን) ዝማረኸሉ ውግእ እዩ ነይሩ።

እዚ ዓቢይን በርቃዊን ስርሒት ኣብ ስርዓት ደርግ ከቢድ ራዕዲ እዩ ፈጢሩ። በዚ ድማ፡ ደድሕሪ ስርሒት 31 መጋቢት 1988 ህጹጽ ኣኼባ ዘካየደ ማእከላይ ሽማግለ ... ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገን ናይ ክተት ኣዋጅን ኣውጺኡ። መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖ ቓል፡ ናይ ኢትዮጵያ ህላወ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቐ ብምግላጽ፡እቲ ሕቶ ወንበዴታት ይጥፍኡ ወይስ ንሕና ንጥፋእክብል ብሓያል ነድሪ ግዒሩ። በቲ ሽዑ ዝወጸ ናይ ክተት ኣዋጅ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሰራዊት ተፋንዮም ዝነበሩ ኣባላት ምዱብ ሰራዊት ይኹን ብሄራዊ ኣገልግሎት (ሃገራዊ ኣገልግሎት) ናብ ሰራዊት ክምለሱ እንከለው፡ ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ኣባላት 5 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከኣ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ታዕሊሞም ወዲኦም ኣብ ቅድመ ግንባር ከም ዝኣትው ተገብረ። መራሂ ስርዓት ደርግ መንግስቱ ሃይለማርያም ኣብቲ ቅንያት ምስ መራሒ ሶማል ስያድ ባረ ብተብተብ ናይ ሰላም ስምምዕ ምፍራሙ እውን ውጽኢት ስርሒት ምድምሳስ ናደው እዝ እዩ። ሽዑ ንሽዑ ድማ፡ ኣብ ምብራቕ ካብ ዝነበረ ሰራዊቱ፡ ዓቢ ክፋል ናብ ኤርትራ ኣግዒዝዎ። ካብ ትግራይን ምዕራብ ኢትዮጵያን እዉን 3ይ፡ 9ይን፡ 10ይን ክፍለ-ጦራት ብህጹጽ ናብ ኤርትራ ኣንቀሳቒስዎም። ኣብ ትግራይ ንሓለዋ ዝገደፎ ዓቕሚ ኣብ ውሱናት ከተማታት ስለዝተሓጽረ ድማ፡ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ካብ ቁጽጽር ሰራዊት ደርግ ሓራ ወጸ።(ትግራይ ናጻ ትወጽእ ብሓፋ አብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝተገብረ ባርዕ ኩናት ኢዩ ማለት ኢዩ።) ድሕሪ ምድምሳስ ናደው እዝ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ዝተንቀሳቐሰ ሰራዊት ብዝሑ ልዕሊ 90,000 በጽሐ።

ብዘይካ ስርዓት ደርግ፡ ኣብ ምዕራብ ኤርትራ፡ ካብ ከረን ክሳብ ተሰነይ ኣሰሊፍዎ ዝነበረበርግድ እዝዝተሰምየ ሰራዊቱ ብህጹጽ ስሒቡ፡ ግስጋሰ ህዝባዊ ሰራዊት ንምዕጋት፡ ኣብ ግንባር ከረን ኣሰሊፍዎ። ብጽልዋ ስርሒት ምድምሳስ እዚ ናደው ከኣ፡ ከተማታት ተሰነይ፡ ባረንቱን ኣቑርደትን ሓራ ወጺኣን፡ ሰራዊት ጸላኢ ካብ ባርካ ጠቕሊሉ ተጸርገ። ብምብራቕ ድማ፡ ህዝባዊ ግንባር ንሳህል ምስ ሰሜናዊ ባሕሪን ጎላጉል ሰምሃርን ዘራኽብ ሰፊሕ ቦታታት ክቈጻጸር ከኣለ። ሰራዊት .. ነዚ ቦታታት ምቁጽጻሩ ድሒሩ ንስርሒት ፈንቅል ባብ ዘርሓወ ዓቢ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ፍጻመ እዩ።

ድሕሪ ምድምሳስናደው እዝሰራዊት .. ነቲ ዝጨበጦ ዓወት ንምዕቃብን ዝያዳ ንምስፍሑን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ግንባር ሓልሓል ዓሪዱ ዝነበረመንጥር እዝመጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ብምፍናው ከቢድ ክሳራ ኣውሪዱ ሰፊሕ ቦታታት ክቈጻጸር እንከሎ፡ ኣብ ከባቢ ከረን እዉን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ብምክያድ፡ ነቲ ሓድሽ መከላኸሊ መስመር ኣብ ምድልዳል ኣተወ። ስርዓት ደርግ ድማ፡ .. ጨቢጥዎ ዝነበረ ጸብለላታ ንምምንዛዕ፡ በቲ ኣኻኺቡ ዘምጽኦ ገዚፍ ሰራዊት፡ ኣብቲ ሓድሽ ግንባር ከረን ሰፊሕ ጸረ-መጥቃዕቲ ፈነወ። ኣብ ጎቦታት ሮራ መንሳዕ እንሲ፡ ግልንዲ፡ ግዝግዛ፡ ዓጋመት፡ ሩባ ዓንሰባን ሓልሓልን ድማ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ብርቱዕ ውግኣት ተኻየደ። ስርዓት ደርግ ኣብ ርእሲ ብግንባር ዘካይዶ ዝነበረ ሓያል መጥቃዕቲታት፡ ንመበል 102 ኣየር ወለድ ሰራዊቱ፡ ብስቱር ኣንቀሳቒሱ፡ ብምብራቓዊ ጎላጉል ተዃሊሉ ኣፍዓበት ናይ ምእታው ፍሹል ስርሒት እውን ፈቲኑ እዩ። ኣብዚ ዘይተጸንዐ ናይ ሃታሃታ ስርሒት ምሉእ ክፍለ-ጦር ገና መጥቃዕቲ ከይጀመረ፡ ብማይ ጽምኢን ነዊሕ መገዲን ተሰኒፉ፡ ሓንቲ ከየፍረየ ግዳይ ሞትን ምምራኽን ኮይኑ።

ብወተሃደራዊ ስትራተጂ ምድምሳስ ናደው እዝን ጽልዋኡን ብምልኣት ክግለጽ ዝኽእል፡ ምስቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ መጥቃዕቲን ጸረ-መጥቃዕቲን ዘጠቓለለ መጠነ ሰፊሕ ውግኣት እዩ። ኣብዚ ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ምርብራብ፡ ስርዓት ደርግ ዝኸሰሮ ዓቅሚ፡ ካብቲ ኣብ ስርሒት ምድምሳስ ናደው እዝ ዝኸሰሮ እንተዘይዓብዩ ዝንእስ ኣይኮነን። ኣብዚ ውግኣት ሰራዊት .. ነቲ ብስርሒት ምድምሳስ ናደው እዝ ዝጨበጦ ዓወትን ዝተቘጻጸሮ ሰፊሕ ከባቢታትን ክዕቅቦ ምኽኣሉ፡ ብኣንጻሩ ሰራዊት ደርግ ብዙሕ ፈተነታት ኣካይዱ ለውጢ ከምጽእ ዘይምኽኣሉ፡ ወተሃደራዊ ሚዛን ሓይሊ ምሉእ ብምሉእ ናብ ሰውራ ኤርትራ ምቕያሩ ዘጉልሐ እዩ ነይሩ።

ስርሒት ምድምሳስናደው እዝንመላእ ኢትዮጵያ ዘነቓነቐ፡ ጽልዋኡ ክሳብ ሞቓድሾን ክረምሊንን (ቤተ-መንግስቲ ሕብረት ሶቭየት) ዝበጽሐ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ድሕሪ ስርሒትናደው እዝእታ ሰለስተ መኰንናታ ኣብቲ ውግእ ዝተማረዅኣ ሕብረት ሶቭየት እውን እንተኾነ፡ ስርዓት ደርግ ክዕወት ከም ዘይክእል ገምጊማ እያ። ልክዕ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ህብረት ሶቭየት ዝመጸ ናይ ፖሊሲ ለውጢታት ተወሲዅዎ ድማ፡ ድሕሪኡ ርክባታ ምስ ደርግ ኣዛሕቲላቶ እያ።

ምድምሳስናደው ኣዝ ስርዓት ደርግ ንሰውራ ኤርትራ ክስዕር ዝነበሮ ሕልሚ ምሉእ ብምሉእ ዘብነነ፡ ናጽነት ኤርትራ ዘይተርፍ ምዃኑ ንዓለም ዘግሃደ ስርሒት ኣዩ። በዚ ድማ ድሕሪ ስርሒት ምድምሳስናድው እዝጉዳይ ኤርትራ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዓቢ ኣተኩሮ ረኺቡ። እቲ ውሩይ ናይ ታሪኽ ተመራማሪን ጸሓፊን እንግሊዛዊ በዚል ደቪድሰን ንውጽኢት ናይ ኵናት ብዓይኑ ድሕሪ ምዕዛብ፡ ንስርሒት ናደው፡ድሕሪ ውግእ ድየን ብየን ፉ፡ ብሓደ ሓርነታዊ ምንቅስቓስ ዝተፈጸመ ዝዓበየ ወተሃደራዊ ስርሒትክብል ገሊጽዎ። ውግእ ድየን ብየን ፉን ስርሒት ምድምሳስ ናደው እዝን ብጽልዋኦም (ዕምሪ መግዛእቲ ኣብ ምሕጻር) ተመሳሳልቲ እኳ እንተኾኑ፡ ከም ወተሃደራዊ ስርሒት ግን ምድምሳስ ናደው እዝ ካብ ውግእ ድየን ብየን ኣዝዩ ዝተፈልየን ዝዓበየን እዩ። ድሕሪ ስርሒት ብዙሓት ሃገራት ጉዳይ ኤርትራ ሰላማዊ ፍታሕ ክርከበሉ እየን ጸዊዐን። ስርዓት ደርግ እውን ቅድመኡ ዝሕሰሞ ዝነበረ ዘተ ሰላም ክቕበል ተቐሲቡ።

ሽሕ ጸሓፊ እዚ ታሪኽ ( ተጋዳላይ ሰለሙን በርሀ) ነዚ ብርቂ ዝኾነ ዓወት ጀጋኑ ተጋደልቲ ኤርትራ ምስቲ ሕወሃት አብቲ እዋን እቲ ተርእዮ ዝነበረት አካይዳ አዛሚዱ እንተዘየቀረበልና፡ ስለቲ ብወገኑ ዝገበሮ ጻዕሪ ልዑል ምስጋናና ነቕርበሉ አሎና።

ነዚን ከምዚን ዝአመሰለ ክንደይ መስገደላት ሰጊራ ልዑላዊት ንዝኾነት ሃገረ ኤርትራ ብስመ ምርባሕ ኾነ ምድማር ክትጎብጡ ተንባህቑ አካላት እንተሊኹም እዚ ሃተፍተፍ ቀጥሪ ወይ ሕልምኹም ፍረ አልቦ ምዃኑ ክንገልጸልኩም ንፈቱ። ሕወሃትውን ንውሽጣዊ ሓይሊ ኤርትራን ንትዕግስቲ ኤርትራዉያንን አዳዕዲዕኪ ትፈልጢ ኢኺ። እቲ ምንታይ ስረን ብረትን ሞራልን ዘዕጠቐኪ እቲ ናይ ትማሊ ሓይሊ ንሱ ስለዝኾነ። ክንዲ ዝኾነውን ብስም አግአዚ ኮነ ትግራይ ትግርኝ ኮነ ካልእ ፍሹል ፍልስፍና ሕዝቢ ኤርትራ ከምዘይደናገር እናገለጽና፣ እኳ ደኣ ሕወሃት ካርታኪ አመሓይሽኺ፣ እቲ መሬትኪ ከምዘይኾነ ዓለማዊ ይግባይ ዘይብሉ ቤትፍርዲ ዝበየኖ ፍርዲ ተቐቢልኪ፣ መሬት ኤርትራ ናብ ዋንኡ ብሰላም መሊስኪ ብንስሓን ብፍቅርን ንበሪ ንማለት ኢዩ። ብኻልዕ አዘራርባ በቲ ዝርደአክኪ ቋንቋ ንምብርሁ ድማናይና አይንህብይ ላይ እንዳማትና ለይንደልይ!!!” ኢኺን ትበሃላ ዘሎኽን።

"ንደርግኣብ ኣፍዓበት ዘሕረረ፡ ንሕብረትሶቭየት ዘሕፈረ፡ ንሕወሓት ዘባህረረ፡ እዚ ታሪክ ደኣ ዘልኣለም ይነብር እናተነግረ!!! - ስርሒትናደው እዝ ሰላሊዓን!"!!!
~~~~~~~~~~

•=> ጽባቐን ብዙሕነትን ትሽዓተ ብሄራትና......ሕላገት ጽኑዕ ኤርትራዊ ሓድነትና እዩ!!!

> ዘልኣለማዊ ኽብሪን ዝኽሪን ንስውኣትና! ኽብሪ ድማ ንጀጋኑ ኣብ ብረታውን ፍትሓውን ናጽነታውን ሓርነታዊን ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራን ምክልኻል ልኡላውነትን ኲናት ዝተሰውኡን ዝስንከሉን ኽቡራት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብጾትና!!!

> ሞሳን ኽብርን ነቶም ደኺምና ሕጅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ከይተሓለሉ ስጋብ ሎሚን ቀጻልን ብጽንዓት ሃገር ኣብ ምሕላውን ምህናጽን ምምዕባልን ዝቃለሱን ዘቃልሱን ዝሰርሑን ዘሎዉ ኽቡራት ሓርበኛታት ኤርትራውያንን ተብዓት ጀጋኑ መንእሰያት ኣሕዋትናን ኣሓትናን!!!

> ውድቀት ንሓሳዊ ፈሽፋሽ!
> ዓወት ንሓፋሽ!

ብርሃነመስቀል ሃብተማርያም [ወዲ ቐሺ]
፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠፠

Credit to Meleket
~~~~~~~~~~~~

•=> * "ሓመድ-ድበ 'ናደው እዚ' ነጥበ-መቐይሮ፣ ጫፍ ናብ ዓወት..."!

1ይን 2ይን 3ይን 4ይን 5ይንኽፋላት...

1• https://youtu.be/4tS1-1MfY5E
2• https://youtu.be/yg7W-kHKwHs
3• https://youtu.be/R3pWUztBseI
4• https://youtu.be/bvI5tEG2S5o
5• https://youtu.be/sKomoQUQ_xM
••••••••••
" ሓመድ-ድበ ናደው፣ ቅያ መቐይሮ ስርሒት ዓዲ ሽሩም! መወዳእታ ናደው እዝ"!

[Eri TV]
https://youtu.be/QGZrWZDO7L4
••••••••••

ስርሒት ናደው ከመይ ነበረ? ካብ ቃል መራሕቱን ሓንጸጽቱን እቲ ግምባር 2013, 1 ኽፋል

[EriDoc]
https://youtu.be/PiAyJ6cFXJo
•••••••••••••••••••

*=> " ይከኣሎ" 1988 ዓም ኾቦጃ


ብስነ ጥበባውን ድምጻውን ተጋዳላይ/ሓርበኛ ተኽለ ኽፍለማርያም [ወዲ ትኹል]

[Andat Kifle]
https://yo


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events