Dehai News

************ ሕጊ ዘኽብር ዓስቢ እለዎ ************

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Wednesday, 21 February 2024


ሰብ ኮይኑ ንትማሊ ዝርስዕ፡ ንጽባሕ ዘይዳሎ፡ ኣብ ሎሚ ጥራሕ ዝንበር ዝመስሎ፡ ናይ ሰብ መልክዕ ዝሓዘ ተግባሩን ኣተሓሳስብ ግን ትሕቲ እንስሳ'ዩ እንተተባህለ ጌጋ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ እንስሳ ዝተዓንቀፈሉ መንገዲ ካልኣይ ግዜ ኣይምለሶን'ዩ መታን ቀጻሊ ሂወቱ ብሰላም ክነብር። እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘሎና ቀጻሊ ጉዕዞ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕንቓፍን፡ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ሕንፍሽፍሽ ንምእታው መን የዋፍሮ ከምዘሎ ርዱእ ኮይኑ፡ እቶም ደቂ ሃገር መጋበርያ ብምዃን ኣብ ሕሱር ስርሓት ተዋፊሮም ዘዕገርግሩ ዘለዉ ውጺኢት ተግባራቶም ጸሊም ታሪኽ ኣብ ሂወቶም ከትርፍ ምዃኑ ዘይምሕሳቦም ትሕቲ እንስሳ የቕጽሮም።  ህዝቢ እኤርትራ ኣብ ዘዘለዎ ሃገር ንበዓላትና ብዝግብኦ ክብሪ ክጽንብል ኣብ ዝተኣከበሉ ዳሳት ብምኻድ ግብረሽበራዊ ስጉምትታት ምውሳድ ካብ ሕጊ ናይ ዝኾነ ሃገር ወጻኢ እዩ። ካብ ሕጊ ዝወጸ ብሕጊ ክእሰር፡ ክግረፍ፡ ክፍረድ፡ ክጥረዝ ሕጊ ስለ ዘፍቕድ፡ እዞም ህዝቢ ኤርትራ ዘሕለፎ ታሪኽ ጅግንነትን መስዋእትነትን ከም ዘይእንታዮም ክጉሕፍዎ ዝፍትኑ ውርደተኛታት፡ ዓምን ቅድሚ ዓምን ኣብ ፈስቲቫላትና ዘርኣይዎ ቀይድ በተኽ ስጉምትታት ልቦና ብምዕባይ ሕጊ ተኸቲልና ንኹሉ ከርክበሉ ኢና ካብ ምባብል ነቲ ረሳሕ ተግባሮም ካብ ሕጊ ወጺእና ክንምልሰሎም ኣይመረጽናን።  ነዚ ሕጂ ኣብ ሆላንድን ቻርሎት ሴመን ካሮሊናን ዘጋጠመ ፖሊስ ኣብሊዕሊ'ዞም ሃሱሳት ዝወሰድዎ ስጉምቲ ተዓዚብናዮ ኣሎና።  ንሕና ኣብ ሕጊ ንኣምን፡ ክብሪ ባህልና ንዕቅብ፡ ንኽፉእን ጽቡቕን ብሕጊ ንቕየድ፡ ደቂ ሕጊ ዘለዋ ሃገርን መንግስትን ህዝብን ስለ ዝኾና ጻማ ጽንዓትናን ትዕግስትናን ፍሪኡ ይርኤ ኣሎ።  ብትዕግስትን ብሕግን ኩሉ ተጻብኦ ሃሱሳት ከም ንስዕሮ ዘማትእ ነገር የለን። 


ነባሪ ዝኽሪ ንሰማእታትና፡

ዓወት ንሓፋሽ፡

ገ/ንጉስ መስመር


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events