Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ዘሐብን መኸተ ራብዓይ ግንባር

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 20 February 2024

ዘሐብን መኸተ ራብዓይ ግንባር

ሰሉስ 20 ለካቲት 2024   ሓዳስ ኤርትራ

ጕዕዞ ታሪኽ ኤርትራ፤ ቅሉዕ ወራር፣ ዘየቋርጽ ተጻብኦ፣ ግዳማውን ውሽጣውን መሰናኽል፣ ተፈልይዎ ኣይፈልጥን ኢዩ። ጸላእቱን መጋበርያታቶምን፣ እናኽሰዓሩ ኣብ ክንዲ ስዩምን ኣላሽን ምባል፣ ስልትን ጕልባብን ቀይሮም’ዮም ክጻብእዎ ጸኒሖም። ባህሪኦም ኣጸቢቑ ዝፈልጥ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፣ ንኹሉ’ዚ ጠሓሒሱ፤ ናጽነት፣ ምድልዳል ልኡላውነት፣ ውሽጣዊ ሰላምን ስኒትን፣ ምንጻፍ ሰረተ-ልምዓት ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብ ወጻኢ፣ ቅድምን ድሕርን ናጽነት፣ ብዝተፈላለየ ኣስማት፣ ብበበይኑ ጭርሖታት፣ ከም ነፋሒቶ ብዝቀያየር ጉልባባት፤ ስዉርን ቅሉዕን ሸርሒታት፣ ክድዓትን ኣዕናውነትን ተፈታቲኑናስ፣ ማይ ዓዅቱ ተሪፉ ኢዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመትን መንፈቕን፣ ጽባሕ’ቲ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ዘመዝገብዎ ታሪኻዊ ዓወትን ዘሰነዮ ድግመ-ግንፋለ ሃገራዊ ሓበንን ተሳትፎን፣-

▸ ብሓደ ወገን፤ ናይ ወጻኢ መንግስታትን ትካላት ስለያን ከተባብዕዎ ዝጸንሑ፤ በትርን እምንን፣ ስሕለት ዝዕጥቁ፣ ሃገራዊ ትእምርታት ዘሰንብዶ፣ ጎነጻዊ ግብረ- ሽበራዊ፤

▸ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፣ ክምስጥን ከደናግርን ዝኽእል ዝመሰሎ፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተሸጕጡ፣ ብሓድሽ ዝመስል ግን ከኣ ብዙሕ ግዜ ተሃቂኑ ዝፈሸለ ብሉይ ስልቲ፣ ኣብ ወጻኢ ንዝነብር ህዝብናን ውዳበታቱን ንምጕዝዛይን ንምፍራስን፣ ዝሰርሕ ምትእኽካብ፤ ንዕዘብ ኣለና።

ራብዓይ ግንባር፣ ነቲ ጐነጻዊ ጉጅለ፣ ብትብዓትን ሜላን ተቓሊሱ ኣብ ውሽጢ ዓመት ኣዳኺምዎ ኣሎ። ነቲ ብሽፋን ‘ምእራም ጌጋታት’፣ ዘለፋን ጠቐነን፣ ጸለመን ሓሶትን ዝዕጥቁ መርበብ ድማ፣ ብዓቕልን ነብሰ-ግትኣትን ክዕዘቦን ካብ መንገዲ ዕንወት ንኽምለስ ክምዕድን ክላቦን ጸኒሑ፣ ናብ ምቅላዕን ብኣድማዕነት ምምካቱን ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው፣ ዳግም ክረጋገጽ ዝግብኦ፣ ተመክሮና ዝምስክሮ ሓቂ ኣሎ። ኩሉ ዜጋ ርእይቶ፣ ሓሳባት፣ ነቐፌታ ክገልጽን ሃናጺ ተበግሶ ክወስድን ንዘልዕሎ ጉዳያት መልሲ ክረክብን መሰሉ ኢዩ። ሕግን ስርዓትን ጥሒስካ፣ ትካላትን ግቡእ መስመራትን ነጺግካ፣ ንህዝቢ ንዒቕካ ከተደናግሮን ክተከፋፍሎን ምዕልባጥ ግን፤ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝፍጸም ኣዕናውነት ኢዩ።

ሎሚ’ውን፤ ዕላማናን ቀዳምነትናን ኣብ ወጻኢ፤ ምዅስኳስ ኤርትራዊ ሃገራውነት፣ ምድልዳል ስጥመት-መሳርዕ፣ ምሕያል መኸተ፣ ብራኼ ኣበርክቶ ንሃገራዊ ልምዓት ኢዩ።

ሃምን ቀልብን ኩሉ ሃገራዊ ዜጋ ናብኡ ይቕናዕ።

ቦርድ ክፍሊ ጋዜጣ  



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events