Dehai News

ሓተታ - ፍሽለት ዓቢ ውዲት ዝፈጠሮ ዕብዳ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 21 September 2023

ሓተታ - ፍሽለት ዓቢ ውዲት ዝፈጠሮ ዕብዳ


ሎሚ ዓመት፡ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ኤርትራውያን ንምዝራግ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ወጻኢ ዝተኸስተ ዕብዳን ንተዓዘብቲ ኣገሪሙ’ዩ። ታሪኻዊ ድሕረ- ባይታኡ፡ ናብ’ዚ ዕብዳን’ዚ ዘብጽሐ ብስጭት፣ ወደብቱ፣ መወልቱ፣ ኣተናኡ ኣማእዝዩ ንዝፈልጥ ግን ዘገርም ኣይኮነን።
ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዘመን፡ “ናጽነት ኤርትራ ንግሎባዊ ስትራተጂና ኣየገልግልን’ዩ” ዝብል መርገጺ ዝሓዙ ታሪኻውያን ተጻባእቲ፡ ነዛ ብመሪር ተጋድሎን ረዚን መስዋእቲን፡ ዓለማዊ ውዲት ፈንጢሳ ናጽነታ ዝተጓናጸፈት ሓዳስ ሃገር፡ ከሎ ገና ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ነጺሎም፣ ብኹሉ መዳይ ረሚሶም፣ ህዝባ ኣብ ቀጻሊ ግጭትን ቁጠባዊ ሕሰምን ተሸሚሙ ሞራሉ ከምዘውድቕ፡ ናጽነቱ ከምዝጸልእን መግዛእቲ ከምዝናፍቕን ንምግባር፡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ዘይዓርፍ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ሽርሒታት ፈጺሞም እዮም።

1) ካብ 1998 ክሳብ 2000 ንጃንዳ ወያነ ዓሲቦምን ደጒሞምን፡ ቅሉዕ ወራር ሃቂኖም። ዕላማኡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ገሪፍካን ድሂልካን፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣሊኻ፡ ብዞባዊ መልሕቖም ዝእዘዝ ምስሌነ መንግስቲ ምቛም’ዩ ነይሩ። እንተኾነ፡ እቲ ውጥን ምስ ሓያል መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ተራጺሙ ኣይሰመረን። ድሕሪ’ዚ፡ ብይን ኮምሽን ዶብ ከይትግበር ጀሆ ሒዞም፡ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ውጡር ሃዋህው ፈጢሮም።

2) ጎድኒ ጎድኒ’ዚ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ኤርትራ ብምሕናቕ፡ ህዝቢ ብምረት ናብራ ተነዓዒቡ ኣጀንዳ “ምልዋጥ ስርዓት” ከተግብረሎም እናተማህለሉ፡ ብዙሕ ሃሊኾም። ኤርትራ፡ ካብተን ብምዕራብ ዝዝወራ ኣህጉራውያን ትካላት ፋይናንሳዊ ልቓሕ ከምዘይትረክብ ኣብ ርእሲ ምግባር፣ ኩባንያታት ምዕራብ ኣብ ኤርትራ ርእሰ-ማለን ከየውፍራ ተኣጊደን። ኣብ 2009/2011 ድማ፡ ነቲ ብምስኩር ተጻዋርነቱ ብርኪ መንግስቱ ዘጽንዐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕርሕራይ ጌርካ ንምቕጽዑ፡ ምኽንያት ዘይነበሮ ዘይሕጋዊን ዘይርትዓዊን እገዳታት ኣስገዲዶም። እንተኾነ፡ ንሰባት ብሽግር ናይ ምጭናቕ ሜላ፡ ኣብቲ ቁራስ እንጌራ ጠልቆም ኢሉ፡ ቆጽሊ ተዓንጊሉ፡ ናጽነት ዝሓረየ ገድለኛ ህዝቢ ዝሰርሕ ኮይኑ ኣይተረኽበን።

3) ማዕረ ማዕረ’ዚ ንከም ‘ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕ.ሃ. (UNHCR)’፡ ‘ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል’፡ ‘ህዩማን ራይትስ ዎች’፡ ‘ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት’ ዝኣመሰሉ “ተሓለቕቲ ኢና” በሃልቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ጉጅለታት ቲንክ-ታንክን መጋበርያ ተጠቒሞም፡ እዛ ውልዶ ሃገር ብሰንኮም ዝወረዳ ኣደራዕ ብምምዝማዝ፡ ምስሊ መንግስቲ ኤርትራ ንምድዋን፡ ታሪኽ፡ ባህልን ክብርታትን ህዝቢ ኤርትራ ንምንሻው፡ ንዓመታት ብዘይምቁራጽ ኣብ ዘመተ ምስይጣን ተዋፊሮም። እዚ’ውን ምስቲ በሪኽ ፖለቲካዊ ንቕሓት ህዝቢ ኤርትራ ተ ላቲሙ፡ ፋይዳ ኣይተረኽቦን።

ብድሕሪ ስደት ኤርትራውያን ዘሎ ሓቅታት

- መኸተ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብወተሃደራዊ ሓይሊን ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ሽርሒታትን ስለዘይተጻዕደ፡ ስዒቡ ዝመጸ ካልእ ወዲት፡ መንእሰያት ርስቲ ወለዶም ለቒቖም ሃጽ ዝበልሉ መርበብ ፍልሰት ምውዳድ’ዩ። ኣብ 2004፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ብምትሕብባር፡ ንሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ማለት “ንብሄረ ኩናማ” ብጅምላ ንምግዓዝ ፈቲኑ ምንባሩ ኣይርሳዕን። ኣብ ለካቲት 2009 ድማ፡ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዝሃድሙ መንእሰያት ኤርትራ 10,000 ናይ ዑቕባ መሰል ከምዝመደበ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ “ኣብተን ከም ሰሜን ኮርያን ኤርትራን ዝኣመሰላ ‘ዝኸፍኣ’ ሃገራት፡ ደቀንስትዮ፡ ቆልዑን መንእሰያትን ሃዲሞም ንኸምልጡ ምስ ዝሰርሑ መሻርኽቲ ንተሓባበር ኣለና. . . ውጽኢት ድማ ንረኽበሉ ኣለና” ክብል ምግላጹ፡ ንኤርትራውያን ዒላማ ዝገበረ መርበብ ፍልሰት፡ ኢድ ዓበይቲ መንግስታትን ትካላት ስለያን ኣህጉራውያን ውድባትን ዘለዎ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ሽርሒ ምንባሩ ኣቃሊዕዎ እዩ።

- ሓያሎ ሃገራት ምዕራብ፡ ነቲ ኣብ 2009/2011፡ UNHCR ብምስጢር ዝዘርግሖ፡ “ዜጋታት ኤርትራ ብቐጥታ መሰል ዑቑባ ዝረኽብሉ ዕድል” ክፈጥራ ዝምሕጸን ጻውዒት ተቐቢለን፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ብብዝሒ ናብ ስደት ከምርሑ ዓዳሚ ባይታ ፈጢረን’የን። በቲ ንኤርትራውያን ዝግበር ዝነበረ ሓለፋ ድማ፡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከይተረፉ፡ “ኤርትራውያን ኢና” እናበሉ መሰል ዑቕባ ክረኽቡ ምጽንሖም፡ እቶም በዚ ሜላ’ዚ ወረቐት ዝረኸቡ ባዕሎም ኣግሂዶም ዝዛረብሉ ናይ ዕዳጋ ምስጢር’ዩ።

- ኣምባሳደር ኣውስትርያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣንድርያስ ሜላን ኣብ 2015 ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ፡ “ኣብ ኤውሮጳ ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት 40% ኢትዮጵያውያን እዮም. . .” ክብል ገሊጹ ነይሩ። (ገለ ወገናት ክሳብ 60% ይብሉ እዮም።) “ፓናሮማ” ዝተባህለ ናይ ኢጣልያ መጽሔት እውን፡ ኣብ 2017 ንሓያሎ ስደተኛታት ኣዘራሪቡ ብዝረኸቦ ውጽኢት መጽናዕቲ፡ “ብውሑድ ሓደ ሲሶ ካብቶም ‘ኤርትራውያን’ ተባሂሎም ኣብ ኤውሮጳ መሰል ዑቕባ ዝረኸቡ፡ ደቂ ሰሜን ኢትዮጵያ እዮም” ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

- መገዲ ፍልሰት ንምጥጣሕ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን መቐበሊ ስደተኛታት ዝደኰኑ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታትን መሻርኽቶም ሰበስልጣን ናይተን ሃገራትን፡ ብስም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ቀሊል ዘይኮነ ረብሓ ከኻዕበቱ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። “ምምሕዳር ስደተኛታትን ጉዳያት ተመለስቲን” (Administration for Refugee & Returnee Affairs – ARRA “ኣራ”) ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ብካድረታት ወያነን ብኣባላት ድህንነት ክልል ትግራይን ዝመሓደር ዝነበረ ትካል፡ ምስ ሰራሕተኛታት UNHCR ብምትሕብባር ዝፍጽሞ ዝነበረ ናይ ረብሓ ጸወታ ከኣ፡ ነቲ ብድሕሪ መጋረጃ ናይዚ ሰብኣዊ ሓልዮት ዝመስል ንጥፈት ዘሎ ገዚፍ ረብሓታት ዘቃልዕ’ዩ።

- ኣራ - ARRA ካብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መሬት ብምክራይ ኣርባዕተ መዓስከራት (ሽመልባ፡ ሕጻጽ፡ ማይ-ዓይኒን ዓድሓርሽን) ብምቛም፡ ምስ UNHCR ብምትሕብባር ስደት ኤርትራውያን ከተባብዕ ዝጸንሐ ትካል እዩ። ክራይ ናይዚ መዓስከራት’ዚ UNHCR እዩ ዝኸፍሎ። ናይ ኣርባዕቲአን መዓስከራት ዓመታዊ 9.6 ሚልዮን ዶላር፡ UNHCR ብመንገዲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ARRA ኣታዊ ይገብሮ፣ ARRA ድማ ክራይ ናይቲ መሬት ንምምሕዳር ክልል ትግራይ የረክቦ።

- ARRA ካብ UNHCR ንነፍሲወከፍ ስደተኛ ወርሓዊ 150 ዶላር መሻርፍ ይቕበል ነይሩ። ነቶም ስደተኛታት ዝህቦም ግን ኣብ ወርሒ 80 ብር ጥራሕ’ዩ። እቲ ዝተረፈ ናብ ካዝና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይኸውን። ካብዚ እውን ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወርሓዊ ካብ 4.5 ክሳብ 6 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ነይሩዎ። ብዘይካ’ዚ፡ ብስም ‘ኤርትራውያን ስደተኛታት’ ካብ ዝተፈላለያ ለገስቲ ማሕበራት ዝመጽእ ብዙሕ ዓይነታዊ ሓገዛት፡ ሓለፍቲ ARRA ምስ ወኪላት UNHCRን ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይን ተመሻጢሮም ንውልቃዊ ረብሓኦም የውዕልዎ ነይሮም። ንህጻናትን ትሕቲ ዕድመን ተባሂሉ ብUNICEF ዝወሃብ ዝነበረ ፍሉይ ደገፍ ከይተረፈ፡ ብዘይ ኣስሓኮ ጁባኦም የህጥሩሉ ነይሮም።

- ሰበ መዚ ARRA ምስ ሓለፍቲ ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ብምምሽጣር ክፍጽምዎ ዝጸንሑ ካልእ ብልሽውና፡ ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምስጋር ዕድላት ገንዘብ እናኽፈሉን ብሰበይ ሰብካን፡ ብስም ‘ኤርትራውያን’ ንዘይ ኤርትራውያን ምምጣው እዩ ነይሩ። በዚ ድማ፡ ፋይሎም ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣውስትራልያ፡ ካናዳን ኣመሪካን ዝኸደ፡ ሂወቶም ግን ኣብተን መዓስከራት ዝበለየ ኤርትራውያን ብቁጽሪ ውሑዳት ኣይኮኑን።

- እዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት Human trafficking፡ ህይወት ደቂ-ሰብ ንዘስካሕክሕ ሓደጋታት ከቃልዕ ዝጸንሐ ዓቢ ገበንን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ክንሱ፡ እቶም ኣብዚ ገበን’ዚ ዝተዋፈሩ (ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ትካላት) ዘተባብዖም እምበር ‘ዓገብ!’ ዝብሎም ኣይረኸቡን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ገበናት ንግዲ ሰብኣውነት ብናጻ ኣካል ክጻረን ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ተደጋጋሚ ምሕጽንታ እውን ሰማዒ ኣይረኸበን።

- ቀዳማይ ፖለቲካዊ ዕላማ ውዲት ፍልሰት፡ ዓቕሚ ምክልኻል ኤርትራ ምድኻምን ዓያዪ ጉልበት ምዝቛቚን ኮይኑ፡ እቲ ካልኣይን መሰረታውን ዕላማኡ ግን፡ ኣብ ደገ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝብድህ ተቓዋሚ ሓይሊ ጠፍጢፍካ፡ ትሕተ-ሃገራዊ ፖለቲካ ኣጐሳጒስካ፡ ውሽጣዊ ሽግር ብምፍጣር፡ ኤርትራ ብዛዕባ ዝተወረረ ልኡላዊ መሬታ ሕቶ ከይተልዕል ኣፋ ንምዕባስ፣ እንተሰሊጡ እውን ናይ ስርዓት ለውጢ ብምምጻእ፡ ብይን ኮምሽን ዶብ ዝቕየረሉ ኩነት ምፍጣር እዩ ነይሩ።

- በዚ ዕላማ’ዚ፡ ነቶም ካብ ሃገሮም ዝወጹ መንእሰያት ፈለማ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ትግራይ ኣኪቦም፡ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ዕጥቃዊ ተቓውሞ ከልዕሉ ብዙሕ ጎስጒሶምን ጽዒሮምን። እንተኾነ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ሃገር ዘውጽኦም ጉዳይ ናብራ እምበር ፖለቲካዊ ምኽንያት ስለዘይነበረ፡ ግዳይ ናይቲ ሽርሒ ክኾኑ ኣይከኣሉን። እኳ ድኣ ኣብቲ ዝኸድዎ ሃገር፡ ኣብ ማሕበረ ኮማት ብምጥርናፍ፡ ኣንጻር ሃገሮም ዝቐንዐ ተጻብኦታት ኣብ ጎድኒ ህዝቦምን መንግስቶምን ኮይኖም ክምክቱ ተራእዮም። ዜጋታት ኤርትራ ንሃገሮም ዝኸፍልዎ 2% ግብሪ ናይ ምዕጋት ስጉምቲ ዝመጸ ከኣ፡ ውጥን ፍልሰት ሒዝዎ ዝተበገሰ ዕላማ ዘይምስማሩ ዝደረኾ ናይ ጭንቀት ግብረ መልሲ’ዩ ነይሩ።

- ሓቂ’ዩ፡ እዚ ዓቢ ውዲት’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን መንእሰያትናን ዘውረዶ ማህሰይቲ ቀሊል ኣይኮነን። ምስቲ ዝፈሰሶ ገዚፍ ማልን ዝተኻየደሉ ጻዕርን ብምዝማድ ግን ዕላማኡ ኣይወቕዐን። ቁጠባዊ ጸገማቶም ንምፍታሕ ናብ ስደት ዘቕንዑ ዜጋታት፡ ካብ ህዝቦምን መንግስቶምን ከይረሓቑ፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ብንጥፈት ክዋስኡ ምርኣይ ድማ፡ ንሃንደስቲ ፍልሰት ድኻሞም ፋይዳ ዘይብሉ ምንባሩ’ዩ ኣግሂዱሎም። ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝተሃቀነ ዕንደራ፡ እዞም መንእሰያት ኣብ ጎድኒ ህዝቦምን ሰራዊቶምን ደው ብምባል ዘይንቕነቕ ሃገራዊ መርገጺኦም ንተጻባእቲ ተስፋ ብዘቚርጽ መገዲ ደጊሞም ምምስካሮም፡ እቲ ብዝተራቐቐ ውጥን ዓቕሚ ሰብ’ዛ ሃገር፡ ብሕልፊ ድማ ኣእምሮን ጉልበትን መንእሰያት ንምጽንቃቕ ዝተሃቀነ ሽርሒ፡ ምስ ኩሉ ዝተገብረሉ ምወላ፡ ናይ ዕቑባ ሓለፋን ጽዑቕ መደናገሪ ፕሮፖጋንዳን ማይ ዓሚዂ ምትራፉ ዘግሃደ’ዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዓቢ ውዲት’ዚ ሰጊሩ፡ ብዓወት ክወጽእ ዝኸኣለ ብፖለቲካዊን ስነ- ኣእምሮኣዊን ብልጸቱ እዩ። በሪኽ ፖለቲካዊ ንቕሓትን ነዊሕ ናይ ቃልሲ ተሞኩሮን ዘለዎ ህዝቢ ስለዝኾነ፡ ብዝተፈነወሉ ቅሉዕ ወራርን በቲ ንዓመታት ዝቐጸለ እልቢ ዘይነበሮ ናይ ምስይጣን ዘመተታትን ሽርሒታትን ኣይተሰናበደን፣ ኣይተደናገረን፣ ኣይተሓለለን። ብውዲትን ሽሕጣንን ሃገራዊ ረብሓኡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ህዝቢ ከምዘይኮነ ከኣ ብግብሪን ብተደጋጋሚን ኣመስኪሩ።

ህዝቢ ኤርትራ በዚ ነቕ ዘይብል ጽንዓቱን በሪኽ ንቕሓቱን፡ ንኹሉ ተጻብኦታት መኪቱ ብዓወት ምውጽኡ ንደለይቲ ሰላምን ፍትሒን ሓበንን ኣርኣያን ክኸውን እንከሎ፡ ንሃንደስቲ ዓቢ ውዲት ግን ውርደት’ዩ ኮይኑዎም። ከምቲ ዝወጠኑዎ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተጻዕደሎምን። ብኣንጻሩ፡ ኣብ ነዊሕ ምርብራብ፡ እቲ መልሕቕና ኢሎም ዝኣመኑዎ መጋበርያ ተመናኒሁ፡ መወዳእታኡ ብቑጥዐ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ስልጣኑ ተደርብዩ። ኮን ዶኾን ካብ ሳንዱቕ ሬሳ ንምትንስኡ ዝተሃቀነ ከንቱ ዕንደራ ድማ፡ ውጽኢቱ ህልቂትን ዕጥቂ ምፍታሕን ኮይኑ። እዚ ተደጋጋሚ ስዕረትን ፍሽለትን’ዚ ዝፈጠሮ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጺ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ጨርቂ ምድርባይ እንተምርሓሎም እምበኣር ከገርም ኣይክእልን። ኣንጻር መንግስቲ ተቓውሞ ምጉሃር ካብ ዘይተኻእለ፡ ብቐጥታ ነቲ ህዝቢ ዒላማ ምግባር’ዩ ተመሪጹ። ሃገራዊ በዓላትን ምትእኽኻብን ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ምዝራግ ዕብዳን ከኣ ካልእ ዘይኮነ፡ ፍሽለት ዓቢ ውዲት ዝፈጠሮ ናይ ቅብጸት ስጉምቲ እዩ።

እዚ መቐጸልታ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርዓኖ እልቢ ዘይብሉ ተጻብኦታት ዝኾነ ናይ መወዳእታ ፈተነ ቅብጸት፡ ብፍኑው መገዲ ዝመጸ ኣይኮነን። ቅድሚ ኣዋርሕ ተኣንጐት ተሸብሸብ ዝተባህለሉ’ዩ። ዓዲ ዘየምልስ ገበንን ስርቂን ዝፈጸሙ ኩብላልያ፣ ጸርፊን ዘለፋን ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዝመስሎም ተናበይቲ ማሕበራዊ ሚድያ፣ ብትሕተ-ሃገራውነት ተቐንዘውቲ፣ ንባዕሎም ዓዲ ኣርሒቖም ህዝቢ ዝዝልፉ ሒደት ሓርበኛታት ማዕዶ ካብዝን ካብትን ኣኻኺብካ፣ ቅሩብ ቁራቦ ትኳቦ ኣስኒቕካ፣ ዝበዝሑ ካብቶም ብስም ኤርትራውያን ወረቐት ዑቕባ ዝረኸቡ ቅድሚት ኣሰሊፍካ፣ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ከምዘይኮነት ዘምስል ባንዴራ ቀደም ጀንጂንካ፣ ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታቶም ሸፊንካ፣ ዕግርግር ንምፍጣር ውሃ ዝበለ መደብ ተሓንጺጹ፡ ዘድሊ ምወላ ፈሲሱሉ።

ወደብቱን መወልቱን፡ ብቐንዱ ዓበይቲ ትካላት ስለያ ምዕራብ እዮም። መንግስታት ምዕራብ ከኣ፡ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብዘይኮነሉ ሜላ፡ ነቲ ዝኽሰት እምባጋሮ ብዕሽሽታ ከአንግዳ ተሓቢሩወን እዩ። ‘ተሓለቕቲ ሰብኣውነት’ ኢና በሃልቲ፡ ኣነቓቕሕቲ፡ (ኣክቲቪስትስ) ዝተዓስቡ ወጻእተኛታት ጋዜጠኛታትን ሚድያታትን ብግደኦም ነዚ ሽበራዊ ተግባር ፖለቲካዊ ተቓውሞ ህዝቢ ኣንጻር መንግስቲ ኣምሲሎም ከጋውሕዎ ተነጊሩዎም።

በዚ ረብሻ’ዚ ክውቃዕ ዝተደልየ ዕላማ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ምስቲ 2% ግብሪ ንምዕጋት ዝተወስደ ስጉምቲ ዝመሳሰል እዩ። ነቲ ብዓረርን ሓዊን ዘይተኻእለ፡ ብኹለንተናዊ ጸቕጢታትን ቁጠባዊ ሽርሒታትን ኣብ እግሮም ዘይሰገደ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተኣኻኸበሉ ሃገራዊ በዓላትን መድረኻትን ብምርባሽ፡ ጸጥታዊ ምኽንያት ኣቕሪብካ ከምዝእገድ ምግባር’ዩ። ፍሽለት ዓቢ ውዲት ዘስዓቦ እንጽርጽሮትን ቅብጸትን!

-----------------------------




Broadcasted on 2024-07-21 | ዓወት ቢንያም ግርማይን ደግፍ መላእ ህዝቢ ኤርትራን | Analysis - Biniam Girmay's Tour De France performance - ERi-TV #eritrea