Dehai News

(Shabait.com) መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 13 November 2021


መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና

ምምሕዳር ስርዓት ኣሜሪካ፡ ከም መቐጸልታ ዝምቡዕ ተጻባኢ ፖሊሲታቱ፡ ሓድሽ ዝመስል ዓላቚ “እገዳ” ኣዊጁ’ሎ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኸኣ ብፍሉይ፡ ዘላቒ (sustainable) ርግኣት ዝፈጥር መሰረታዊ ፍታሕ ንኸይወሓስ፡ ቀጻሊ/ዝተናውሐ ናይ ህውከት (chaos) ሕሱም-ሸንኰለል ንምምሕዳር፡ ንኤርትራ ብጠቐነ ግዳይ/ገንሸል ንምግባር ዝዓለመ፣ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝረግጽ፣ ልዑላዊነትን ናጽነትን ሓርነትን ህዝብታትን ሃገራትን ዝግህስ – በይናዊ እገዳ’ዩ።

ነዚ ዓለቚ ንምዕብላዂ፡ ኣፋፍኖት ሓቂ ዘይብሉ ጠቐነታት እናፈብረኽካ፣ ብናይ ሓሶት መናፍሕ እናጋዋሕካ፣ በይናዊ ክሲ መስሪትካ፣ ብዕዱጋት መሰኻኽርካ ክዉን ጌርካ “እገዳ” ምብያን፡ ኣረብራቢ ሕሱር ሕላገት’ቲ ኣሽካዕላል’ዩ።

“ኣብ ርእሲ ማህረምቲ ጸርፊ” ከምዝበሃል ግን፡ ህዝቢ ኣሳቒኻን ኣጥሚኻን፡ ናዕቢ ንምብግጋስ ዘይሕጋውን ኢሞራላውን “እገዳ” እናበየንካ፡ “እገዳና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ንምህሳይ ኣይኰነን” ዝብል ምምጽዳቕን “ንብዓት ሓርገጽን”፡ ንዝዀነ የዋህ ዝምስጥ ወይ ዘጋጊ ኪኸውን ኣይክእልን።

መንግስትን ህዝብን ኤርትራ፡ ነዚ ዘይሕጋዊ በይናዊ “እገዳ”፡ ብቓልን መንፈስን እናውገዙ፡ ንኹሉ ፈታው ፍትሒን ሓርነትን፡ ናጻን ልዑላዊን ህዝብታትን ሓይሊታትን፡ ናይ መኸተ ምሕዝነቱ ከሐይል ይምሕጸኑ።

ሚኒስተሪ ዜና

ኣስመራ

13 ሕዳር 2021

---------------------
መግለጺ ሚኒስትሪ ዜና


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events