Dehai News

ፍሉይ መደብ ኤምባሲ ሜድያ 21 ሕዳር - 15 ታሕሳስ 2020 - ዋርሳይ - ‘መላግቦን ቅኒትን ሰለስተ ወለዶ’

Posted by: Yared Tesfay

Date: Wednesday, 18 November 2020

ዋርሳይ - ‘መላግቦን ቅኒትን ለስተ ወለዶ     

ፍሉይ መደብ ኤምባሲ ሜድያ

21 ሕዳር - 15 ታሕሳስ 2020

ከም ዝፍለጥ ዝኾነ ወለዶ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ነናቱ ብድሆታትን ተልእኾታትን ኣለዎ። ናይ ሎሚ መንእሰይ’ምበኣር ኣብ ግዚኡ ዝጸንሕዎ ብድሆታት ገጢሙ፥ ብጻዕሩን ብልሑን መሃዝነቱን ተልእኾ ሕብረተሰብ ኣብ ምዕራፍ ንከበጽሕ ትጽቢት ናይዝኾነ ወለዶ እዩ። ታሪኽ ፖለቲካዊ ዕጥቅና ማለት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዑል ስነሓሳባዊ ብቅዓት ናይ ዝዓጠቁ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለዉ ሃገራውያን መንእሰያት ታሪኽ እዩ። ኣብ`ዚ ዘለናዮ መድረኽ መንእሰይ ኤርትራ ባህግን ራእን ሕብረተሰብ ኣብ ምዕራፍ ዘበጽሐ ነጻ ፖለቲካዊ መስመር እናተኸተለ፥ ነቶም ርእሲ ኩሎም ሃገራዊ ሃብትናን ያታናትን ዝሰርዑ ክብርታት ሕብረተሰብናን ሰውራናን፥ ብልዑል ጥምረትን ውዳቤን መጻኢ ዕድሉ ዝኾለዐ መሪሕ እዩ።

ኤምባሲ ሜድያ ዋርሳይ - ‘መላግቦን ቅኒትን ለስተ ወለዶ’ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለ ካብ ዕለት 21 ሕዳር ክሳብ ዕለት 15 ታሕሳስ ዝቕጽል መደባትና፥ ምስ ዋርሳይ መንእሰያት ኣብ ላዕለዋይ ትካላት ትምህርቲ ዘለዉ፥ ኣብ ወጻኢ ኣብ ውልቃዊ ሂወቶም ዕዉታት ዝኾኑን ኣብ ናይ ወጻኢ ትካላት ዕዉት ተራ ዝጻወቱ ዘለዉን፥ ከምኡ`ውን ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ዝዓበዩን ዕዉታትን ህቡባትን መንእሰያት ብቃለመሕትትን ዘተን ዘላሊ ሰፊሕ መደባትትና ኣብ ናይ Eritrea Embassy Media YouTube and Facebook ክትከታተሉና ንዕድም።


EmbassyMedia - 'ዋርሳይ'- ፍሉይ መደብ ኤምባሲ ሜድያ 21 ሕዳር - 15 ታሕሳስ 2020 ‘መላግቦን ቅኒትን ሰለስተ ወለዶ’




7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events