Dehai News

ኣየ ወየንቲ - ኣብ ዶባት ክልተ ሃገራት ዝነብር ህዝቢ ናይ ታሪኽን ዓሌትን ዝምድና ክህልዎ ግድነት’ኳ እዩ!

Posted by: ሳምሶን ሃይለ

Date: Sunday, 11 October 2020

ኣየ ወየንቲ - ኣብ ዶባት ክልተ ሃገራት ዝነብር ህዝቢ ናይ ታሪኽን ዓሌትን ዝምድና ክህልዎ ግድነት’ኳ እዩ!

ሳምሶን ሃይለ (ጋዜጠኛ)

10/11/2020
ሁቱን ቱትሲን ኣብ ርዋንዳ ዝነብሩ ብሄራት ምዃኖም ብዙሓት እንፈልጦ እዩ። እንተኾነ ኣብ ብሩንዲ ዝነብር ህዝቢ’ውን ናይ ሁቱን ቱትሲን ዓሌት ኣለዎ። ርሑቕ ከይከድና ህዝብታት ሃገራት ዓረብ - ስዑዲ ዓረብ፡ ቐጠር፡ ኤማራት ዓረብ፡ ኲወይት፡ የመን፡ ዖማን - ወዘተ ዓረባዊ ዘርእን ባህልን ቅዲ መንብሮ (life style)ን ዘለዎም እዮም። ሓደ ዓይነት ቋንቋ ድማ እዮም ዝዛረቡ። ኣብ ጉዳይ ሃገር ግን ይፈላለዩ - ነናቶም ሃገራዊ መንነት ኣለዎም። እቲ ኲዌታዊ - ኲዌታዊ እዩ፣ እቲ ኤማራታዊ ኤማራታዊ እዩ፣ እቲ ስዑዳዊ ከኣ ስዑዳዊ እዩ። ኣይኮነንዶ እዘን መዳውብቲ ዝኾናስ፡ ዋላ እተን ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከባ ከም ኣልጀርያ፡ ቱኒዝያ፡ ሊብያ፡ ግብጺ፡ ሞሮኮ ዝኣመሰላ ሃገራትከ ቋንቋአን ይኹን ዓሌተን ዓረብ ዶ ኣይኮነን! በርበር ዝበሃሉ ብውሑድ መጠን ዝርከቡ ዓሌት’ውን ብተመሳሳሊ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ናይ ኣፍሪቃ ሃገራት ኣብ ናይ ሓባር ዶባት ኣለዉ። ናብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ እንተዄድና’ውን ተመሳሳሊ ኩነት ኣሎ። ኣብ ዶባት ገለ ሃገራት ኤውሮጳ ዝነብሩ ህዝብታት ንባዕሎም መበቈሎም እንተፈቲሽናዮም ተመሳሳልነት ክህልዎም ባህርያዊ እዩ። ናብ ሃገራት ኤስያን ደቡብ ኣመሪካን እንተኸድና’ውን ተመሳሳሊ ተመኩሮ ኢና እንረክብ።

ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንተመጻናኸ? ኩሎም ኣብ ዶባት ዝርከቡ ህዝብታት ተመሳሳሊ ዓሌትን ቋንቋን ኣለዎም። ኣብቲ ምስ ኬንያ ዝዳወብ ክፋል ኢትዮጵያ 'ቦሮና' ዝበሃል ብሄር ኣሎ። ኣብ ኬንያ’ውን ብተመሳሳሊ ቦሮና ዝበሃሉ ዓሌት ኣለዉ። ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዝነብር ህዝቢ’ውን ሓደ ታሪኽን መንነትን ቋንቋን ዝውንን ህዝቢ እኳ እዩ። ህዝቢ ሶማልያ ሶማላዊ እዩ። ብሄረ ሶማል ብተወሳኺ ኣብቲ ምስ ሶማልያ ዝዳወብ ከባቢታት ኢትዮጵያን ኬንያን ኣሎ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህዝቢ ሶማል ኢትዮጵያዊ ሃገራዊ መንነት ኪሕዝ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ኬንያ ዘሎ ሶማላዊ ድማ ኬንያዊ ሃገራዊ መንነት ይውንን።

ናብ ዶብ ኤርትራን ጎረባብታን ድማ ንምጻእ። ንኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ዘዳውባ ከባቢ ዝነብሩ ህዝቢ ዓፋር እዮም። ብሄረ ዓፋር ኣብ ኤርትራ ኣለዉ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለዉ፣ ኣብ ጂቡቲ’ውን ኣለዉ። ሓደ ዓሌትን ቋንቋን ዘለዎም ህዝቢ እዮም። ብሓደ ደርደር (ቀቢላዊ መራሒ) ከኣ እዮም ዝመሓደሩ። ኣብ ጉዳይ ሃገር ክኸውን ከሎ ግን ነናብ ሃገራቶም ይመጽኡ። ኣብ ልምዓት ይኹን ኲናት ኣብ ጎኒ ሃገራቶም ይስለፉ። ኤርትራ ብሸንኽ ምዕራብ ምስ ሱዳን ኢያ ትዳወብ። ኣብዚ ከባቢ’ዚ ድማ ብዳውየት (ብልምዲ ሕዳረብ ኢልና ንጽውዖም) ብሄር ኣለዉ። ብዳውየት ኤርትራ፡ ብዳውየት ሱዳን ከኣ ይበሃሉ። ብሸንኽ ደቡብ ድማ ምስ ኢትዮጵያ እያ ትዋሰን። ኣብዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብ ናይ ሓደ ሽሕ ኪሎሜተር ዝንውሓቱ ከባቢ ኣብ ክልተኡ ሃገራት ትግርኛ፡ ዓፋር፡ ኩናማ ዝበሃሉ ብሄራት ይነብሩ። ኣብ ትግራይ - ትግርኛን ኩናማን ኣለዉ፣ ምስቶም ኣብ ገለ ክፋል ኤርትራ ዝነብሩ ብሄራት ትግርኛን ኩናማን ድማ ናይ ዓሌትን ቋንቋን ባህልን ዝምድናታት ኣለዎም። ግን ከም ኣብ ኩሉ ዶባት ሃገራት ዓለም ዝነብሩ ኣህዛብ ነናቶም ሃገራዊ መንነት ኣለዎም።

ወያነ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወራር ኣብ ዝኣወጀሉ ቅንያት፡ ኢያሱ ዝበሃል ደራፋይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ስነኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ንምግባር ያኢ፡ “ትግራዋይ ጥራይ ኣይኮነን፣ ኣምሓራይ ኣሎ በሎ፣ ኦሮሞ ኣሎ በሎ፣ ጉራጌ ኣሎ በሎ፣ ጋምቤላ ኣሎ በሎ፣ ካምባታ ኣሎ በሎ. . .” እናበለ ዝደረፈ ከሎ ሓቁ እዩ። ምኽንያቱ ከም ኢትዮጵያዊ መጠን እኒ ኦሮሞ፡ እኒ ኣምሓራ፡ እኒ ጉራጌ እዮም ኣሕዋቱ እምበር ኤርትራዊ ደኣ ጎረቤቱ እንደኣሉ!ስለዚ ትግርኛ ዝበሃል ብሄር ኣብ ትግራይን ኣብ ከበሳታት ኤርትራን ስለዘሎ ጥራይ፡ ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ኣሕዋት ኢና፣ ሓደ ህዝቢ ኢና ወዘተ እናበልካ ንየዋሃት ክተጋጊ ምህቃን ናይ ዝነደዩ ፖለቲከኛታት ጸወታ እዩ! ንምዃኑ ኣብ ኤርትራ ትግርኛ ጥራይ ድዩ ዘሎ ብሄር! ከም በዓል ትግረ፡ ብዳውየት፡ ዓፋር፡ ብሌን፡ ናራ፡ ራሻይዳ ወዘተ ዝኣመሰሉ ንልዕሊ 50% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዘቑሙ ብሄራትከ ምስ ትግራይ እንታይ ታሪኻውን ዓሌታውን ምትእስሳር ኮን ኣለዎም እዩ!? ዓሌታውን ቋንቋኣውን ባህላውን ምትእስሳር እንተለዎምከ ነናቶም ሃገራዊ መንነትዶ ኣይኮነን ዘለዎም - ከም ኣብ ኩሉ ኣብ ዶባት ዝነብር ኣህዛብ ዓለም!? 

image.png
 

7ይ ክፋል: ማዕበል ስርሒት ፈንቅል - የካቲት 1990 - ሰነዳዊት ፊልም| sirihit fenkil 1990 - part 7 - ERi-TV Documentary

Dehai Events