Dehai News

(ኤፍ.ቢ.ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Saturday, 18 July 2020

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ (ኤፍ.ቢ.ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣስመራ ኣምሪሖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምኡ እውን ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ሬዲዋን ሑሴንን ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣይተ ታገሰ ጫፎን  ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ እንትበፅሑ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቶም መራሕቲ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘጠናኽሩ ጉዳያትን ቀጠናዊ ዛዕባታትን ትኹረት ብምግባር ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ ክብሉ ሚኒስትር ዜና ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2012 ዓ.ም ኣዲስ ኣበባ ምምፅኦም ይዝከር።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ፃንሒቶም፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልተኣዊ ርክባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣድሂቦም ተዛቲዮም ኢዮም።

ብተወሳኺ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሉ መገዲ ሓዊሱ ብዛዕባ ዕስለ ኣምበጣ በረኻን ካልኦት ዞባዊ ጉዳያትን ብዝምልከት ልዝብ ከምዝገበሩ ይፍለጥ።



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events