Dehai News

(HdriMedia.com) ቃል ኣሕታሚ ‘ህያው ደብሪ’

Posted by: Hdri Media

Date: Monday, 11 February 2019


ቃል ኣሕታሚ

ሎሚ ኣብ ዕዮ ሕትመት ሳሕቲ፡ ኣብ ዕቑዳት ወይ’ውን ወለዶታት ዘጓንፍ ፍሉይ ዕድል በጺሑናስ፡ ሓደ መበቈላዊ ዕዮ ቕንየት ነሕትም ኣሎና። እዚ ኣብ ኢድ ኣንበብቲና ዝበጽሕ ዘሎ ‘ህያው ደብሪ’፡ ብዅሉ መስፈሪታት ስነጽሑፍ ግጥሚ፡ ልዕሊ ንቡር ብቕዓትን ብልጸትን ዘሎዎ ብርቂ መጽሓፍ ግጥምታት ኰይኑ ረኺብናዮ። በዚ ኸኣ፡ ‘ህያው ደብሪ’፡ ኣብ ስነጽሑፍ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ግጥሚ ትግርኛ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ከርሑ ዝኽእል ፈዋናይ መጽሓፍ እዩ ኽንብል ንደፍር። እዚ ገምጋም’ዚ፡ ዘይተጻመወሉ ውዳሴን ብግቡእ ከይሓሰብናሉን ሚዛኑ ከይተገንዘብናን ንማለቱ ኸም ላቔባ ዘረባ እንብሎን ዘይኰነስ፡ ኣስተውዒልናን ኣርጢብናን እንህቦ ዘለና ዕቱብ ገምጋም’ዩ። እዚ ገምጋም’ዚ፡ ብዘለዎ ኸም ደምዳሚ ኽውሰድ ስለ ዘይክእልን ስለ ዘይግባእን ግን፡ ኣብዚ ቓል’ዚ፡ ዋላ ብኣዝዩ ዝተጸምቈ ንድፋዊ ኣቀራርባ ይኹን፡ ብመንጽር ጥበባዊ ህየሳ መረዳእታና ኸነቕርብን ምዅኑይ ክንገብሮን ኣድላዪ ይመስለና።

ብቕዓትን ነባርነትን ጥበባዊ ስርሓት ብቐዳምነት ብመበቈላውነቱን ስነጸባቔኣዊ ኽብሩን ስለ ዝውሰን፡ ብመጀመርታ፡ ‘ህያው ደብሪ’ መበቈላዊን ስነጽባቔኣዊ ኽብሪ ዘሎዎን ስራሕ ድዩ ኢልና ኽንሓትት ግቡእ’ዩ። ኣብ ግጥሚ፡ መበቈላውነትን ስነጽባቔኣዊ ዕዘትን፡ ከም ኣብ ኵሉ ጥበባዊ ዓውድታትን ናይ ግጥሚ ፍሉይ ባህርያትን ተሓላላኽነቱን ተደሚርዎን፡ ሓደን ዘየሻሙን ትርጉምን መረዳእታን ስለ ዘይብሉ፡ ብሰሪ ባዕላውነቱን ኣከራኻርነቱን ዝተፈላለየን ተጋራጫውን ኣተራጓጕማታት ዝፍልፍል እዩ። ‘ህያው ደብሪ’ ኻብዚ ዝተፈልየ ዕጫ ኽህልዎ ስለ ዘይክእል፡ እነቕርቦ ኣፈናዊ ርእይቶ ናይ ኣሕታሚኡ ጥራይ ምዃኑ ብኣጋኡ ኸነመልክት ግቡእ’ዩ።

ብማሕለፊያ ጥበባዊ እልመት ወቂቡን ማዕሪጉን፡ ስነጽባቔኣዊ ጥልቀትን ብራኼን ዘጥረየ ስምዒትን ሓሳባትን ቋንቋን እቲ ሰለስተ ቐንዲ ኣዕኑድ ግጥሚ ስለ ዝዀነ፡ ንግጥምታት ‘ህያው ደብሪ’ ብመነጽር’ዚ ሰለስተ ኣዕኑድ’ዚ ህየሳዊ ገምጋም ክግበረሉ የድሊ።

ከምቲ ሓደ ስሙይ ገጣማይ ዝበሎ፡ ግጥሚ ዝውክሎ ሓሳባት ዝረኸበ ስምዒት፡ ዝገልጾ ቓላት ዝረኸበ ሓሳባት’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ግጥሚ ነቲ ኻብ ሰብኣዊ ሃለዋት ዘይፍለ፡ ዘየዕርፍን ፍታሕ ዘይርከቦን ናይ ሰብኣዊ ህይወት መፋጥርቲ ዝዀነ ሻቕሎትን ጭንቀትን ብቐጻሊ ዘንቅሎ ድንግርግር ዝበለን ዝተፈራረቐን ተጋራጫውን ህዉጽ ስምዒታት ዝነጸረ መግለጺ ብምርካብ ናይ ምዕጋሱን ግዝያዊ ርግኣት ናይ ምርካብን ጥበባዊ ህቀና፡ መፈጸምታ ዘይብሉን ንባዕሉ ትርጉም ዘኸውንን ህቀና’ዩ። ግጥምታት ‘ህያው ደብሪ’፡ ብስፍሓትን ዕምቈትን ዝውክሎን ዝገልጾን ሕብረ-ስምዒታት፤ ድፍንቕ፡ ፍቕሪ፡ ጓሂ፡ ፍስሃ፡ ጣዕሳ፡ ጭንቀት፡ ኣስቆንቍኖ፡ ቃንዛ፡ . . . ኣዝዩ ዝተመረቐ’ዩ። እቲ ዘውክኦ ስምዒታት ብብዝሑ ጥራይ ዘይኰነ፤ ብኣገላልጻኡ ውዕዉዕ፡ ዓሚቝ፡ ትኩር፡ ሓያል፣ ብትርጉማት ብዝተሰገደ ኣዝዩ ጽዑቕ ኣቀራርባኡ ከኣ ብዙሕ ዝቐጸላታቱን ዝሕብሩን ብምዃኑ ብርቂን መበቈላዊን እዩ። ኣብዚ ግጥምታት’ዚ ተጸሪሑ ዘሎ ስምዒታት፡ ካብ ብምድግጋም ዝላሸወን ዝላደየን ቋንቋ ርሒቑ፡ ብዝበቕዖ ውቁብን ብሉጽን ዘስተንክር ቋንቋ ብምግላጹ፡ ህይወትን ድምቀትን ረኺቡ’ሎ። ከም ዝበሃል፡ ግጥሚ ካብ ዝመጠቐ ፍስሃን ካብ ዝዓሞቐ ጓሂን ስለ ዝውለድ፡ ግጥምታት ‘ህያው ደብሪ’ ክልተኡ ጫፋት ናይ ሰብኣዊ ስምዒታትን ኣብ መንጎኡ ዝርከብ በበይኑ ሕብረ-ስምዒታትን ሓቚፉ፡ ንኣድማሳዊ ሰብኣዊ ተመኵሮን ንፍሉይ ኤርትራዊ ግልጸቱን ምውካሉ ተወሳኺ መርኣያ ሓቀኛነቱን ስነጽባቔኣዊ ክብሩን እዩ። ብሓጺሩ፡ ኣብ ብዙሓት ግጥምታት ‘ህያው ደብሪ’፡ ስምዒታት ካብ ዓባስ ምዃንን ድንግርግርን ወጺኡ፡ ኣፍ ከፊቱ ብቖንጆን ብሉጽን ቋንቋ ምዝራቡ፡ ንመንፈስ ኣንበብቲ ዘርክእ፡ ንኣድማስ ስነጽሑፍ ግጥሚ ኤርትራ ዘርሕብን ዘበርኽን እዩ ኽንብል ንኽእል።

ደራሲ ‘ህያው ደብሪ’ ተቐናያይ ተስፋማርያም ወልደማርያም፡ ኣብቲ ነዊሕ ስደቱ ብሒቱ ኣብ ዝነበረሉ ዓመታት፡ ከም ባሕታዊ ንስምዒታት ኣብ ሰብሪ ብግጥምታቱ ብምጽራሕ፡ ኣፍ ኣውጺኡ ኸም ዝዛረብ፡ ከም ዘፍቅር፡ ከም ዝደፋነቕ፡ ከም ዘዝይም ክገብሮ ኸሎ፣ ማዕረ-ማዕረኡ ንግጥምታቱ ካብ ዓሚቝ ኣስተንትኖ ህይወት፡ ታሪኽን ባህልን ብዝነቅል ሓሳባት’ውን ዘዊሕዎ’ዩ። ግጥምታቱ ምስ መሰረታዊን ዘይፍታሕን ግድላትን ሸኸምን ሰብኣዊ ህይወት፤ ፍቕሪ፡ ቅንዕና፡ ሓቂነት፡ ደግነት፡ ሞት፡ ስስዐ፡ ጽልኢ፡ ቅንኢ፡ ጭካነ፡ ዓመጽ፡ ኲናት፡ ሰላም፡ ፈተ-ፊት ገጢሙ ብመገዱ ትርጉምን ዕላማን ዝእልሽን ዘልኣለማዊ ሰብኣዊ ሻቕሎታት ዝገልጽን ጥበባዊ ፈጠራ’ዩ። ካብ ናይ ዕለታዊ ናብራን ዋኒንን ንምሕሳብ ዕድል ዘይህብ ሃልከትከት ኣውጺኡ ኸኣ፡ ዋላ ንገለ ህሞት ብዛዕባ ሕሉፍናን መጻኢናን ብጥልቀት ክንሓስብን ኣነባብራና ኽንመዝንን ይድርኽ። እዚ ግጥሚታት’ዚ፡ በቲ ብርኩትን ቈርቋሪን ፍልስፍናዊ ኣስተንትኖኡ፡ ነቲ ብዘይ ሕቶ ከም ፍጹምን ውዱእን እንወስዶ እምነታትን ኣረኣእያታትን ልምድታትን ብምምርማርን ብምቅላዕን ካብ ሃሜናዊ ድቃስ ከም ብወቕዒ የበራብር።

ካብ ፍልስፍናዊ ትንተና ብዝተፈልየ ጥበባዊ ፈጠራውነትን፡ ነቲ ብርትዓዊ ኣስተማኻንዮ ዘይብጻሕ ትርጉምን ዕላማን ሰባዊ ህይወትን ሕልፈትን፡ ንሕግታት ስነመጐት ብዝሰገረ ሓይሊ ቕጀላ ኽድህስሶን ናብ ናይ ሓቅነትን ጽባቔን ድንቅነትን ሚሳላዊ ዅነት ክበጽሕን ይመጣጠር። በዚ ኸኣ ካብ ክዉን ዓለም ኣውጺኡ፡ ብሜታፊሲካዊ ኣስተንትኖ ናይ ኪንዮ - ሰገራውነት (transcendence) ኵነት ንምትንካይ ይፍትን። ዘይተመርመረ ህይወት ክንበር ኣይበቅዕን’ዩ ኸም ዝበሃል፡ ብልዑል መትከላትን ክብርታትን ራእይን ዝምእዘን ሞራላዊ ህይወት ንምምራሕ ኣብ ዝግበር ቀጻሊ ጥምጥም ንዘጓንፍ ናይ ሞራላዊ ህይወትን ምርጫታትን ተጋራጫውነትን ስግንጥራትን ብጥልቀት ይምርምር። ብሓጺሩ፡ ‘ህያው ደብሪ’፡ ሓቅነትን ቍንጅናን ዘጣመረ፡ ብቐጻላታት ትርጉም ዝተደርደረ፡ ምስ ወከፍ ምግንጻል ቀጸላ ሓዲስ ትርጉም ዘኸስት፡ ዕምቈት ትርጉሙ ብቐሊሉ ዘይብጻሕ፡ ስለዚ ድማ ናብ ወለዶታት ክሰግር ዝኽእል ነባሪ ስራሕ ክኸውን ዝኽእል ወሓለ መጽሓፍ’ዩ።

ንመንነት፡ ሓርበኛነት፡ ፍቕሪ ህዝቢን ባህሊን ያታን መሬትን ዝገልጽ ሓሳባትን ስምዒታትን ኣዝዩ ዝደመቐ መዳይ ‘ህያው ደብሪ’ እዩ። ‘ህያው ደብሪ’ ኣብ ታሪኽን ባህልን ንዝተሰረተ መንነት ብመንጽር ብድሆታት ዘመናውነትን ዝጸሮ ናይ ባህላዊ ስራዝነት ሓደጋን ብዕምቈት ብዝፍትሽ፡ ዘጠንቅቕ፡ ዝግዝት፡ ዘኸሽሕ ግጥምታት ምእኩት’ዩ። ብዝጠረፈ መግለጺኡ ኸም ዓቃባውነት ክግለጽ ብዝኽእል ሮማንሲያዊ ንድሕሪት ጠማቲን ንዝሓለፈ ያታዊ መዋእል ከም ሚሳላዊ ብዘድንቕን ዝናፍቕን ኣጠማምታን ቃናን፡ ንያታታትናን ትውፊታትናን ናብ ምምላኽ ብዝገማገም ውዕውዕ መንፈስን ደረት ዘይብሉ ውቁብ ክላሲካዊ ቛንቋን፡ የድንቖ፡ የሞጕሶ፡ ዕቃቤኡን ህያውነቱን ይጠልብ። በቲ ኻልእ መዳይ ግን፡ ነቲ ዝሓለፈ መዋእልን ባህሉን ወግዕታቱን ዘሎዎ ልዑል ኣኽብሮትን ኣድናቆትን ከይሓደገ፡ ኣብኡ ዝተሰረተ ናይ ገስጋሲ ለውጥን ወደባት ዘመናውነትን ባህግን ዕላማን ብምንጽብራቕ ነቲ ዓቃባዊ ዝምባሌ ብንቕሓት ብምግራሕ፡ ኣብ መንጎ ዝሓለፈን መጻኢን ናይ ዘሎ ዝተጠናነገን ተጋራጫዊን መጐታዊ ምትእትታው ዓሚቝ ግንዛቤ የንጸባርቕ። ምኽንያቱ፡ ኣብ ‘ህያው ደብሪ’ ኽልተ ዝተጠምረ ዝምባሌታት ክንፈሊ ንኽእል፤ ብሓደ ወገን፡ ኣብቲ ያታዊ ባህልን ሕብረተሰብን ንዘሎ ጐታቲ፡ ሓላኺ፡ ግዜኡ ዝሓለፎ፡ ከም ኣባታውነትን ጽቕጠት ደቀንስትዮን ዝኣመሰለ ድሕሪት ኣትራፊ ባእታታት ብዘይ ንሕሰያ ዝነቅፍን ዝዅንንን፡ ያዕ ክበሃል ዝጽውዕን ናይ ምንጻግን ምውጋድን ዝምባሌ፣ በቲ ኻልእ ድማ፡ ነቲ ሃናጽን ኣሰጓምን ናይ ኮማዊ ሓልዮት፡ ርእሰ-ምሉእነት፡ ርእስኻ ዘይምድናን፡ ዘይተምበርካኽነት፡ ኒሕን ሓቦን፡ ማዕረ ኻልኦት ሕብረተሰባት ምዃንካ ምእማንን ናይ ምዃን ቈራጽ ሕልናን ክብርታት፡ ትውፊታት፡ ውርሻታት፡ ወግዕታት ብምሉእ ሓይሊ ዝጣበቕን ዝሕለቕን ናይ ምዕቃብን ምድንፋዕን ምምዕባልን ሃናጺን ኣፍራዪን ዝምባሌ።

ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ፡ ህዝቢ፡ ሰውራ ኤርትራን ቅያዊ ተጋድሎኡን፡ ንተጋራጫውነትን ግርምቢጣትን ወዝባዊ ባህርን ታሪኻዊ መስርሓት ብዘይግንዘብ ሓደ ጐድናዊን ጥምዓዊን ኣጠማምታ ዘይኰነ፡ ኣብ ዓሚቝ ታሪኻዊ መረዳእታ ብዝተመስረተ ውርጹጽ ጥበብ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብታ ናይዚ መጽሓፍ’ዚ ኣርእስቲ ዝዀነት ‘ህያው ደብሪ’ ንኣብነት፡ ገድሊ ኤርትራ ብኸምዚ ዝስዕብ መበቈላዊን ተምሳሌኣዊን ቋንቋ ተገሊጹ’ሎ፤

ናይ መእመናን፡ ዓንገልቱ
ናይ’ታ መሬት፡ ታቦቱ
ውርደታዊ ቕዝፈተ-ስቓይ፡ ምስ ከበዶ
እዚታት’ዩ፡ ኪቐትል-ኪቕተል፤ ዝገደዶ!
...
ካን!
ብደምኪ ባሪኽኪዮ፥ ቀቢእኪዮ፤ ነዚ ዓመጻዊ ናዕቢ፧ ገድሊ ሓፋሽ’ንዲ’ዩ፤ ገድሊ ህዝቢ!
’ዝጊ-ኣፍለጠኪ!
ገድለ-ሕልና’ስ እንዲ’ዩ፤ ገድለ-ቐስቢ!!
...
ዝመረሮ ኣዳም!
ዝነደረት ገዳም!
ቃልሲና፤ እዚ በላዕ-ሰብ፥ እዚ ደማዊ!
እካ፤ ህዝባዊ!!
መነኰስ’ኳ ዝዀነሉ፤ ተበጃዊ።

ኣብ ሓያለ ግጥምታቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድኽነትን ድሕሪት-ተረፍነትን ብጻዕሩ ወጺኡ፡ ምስ ካልኦት ዝሰልጠኑ ሕብረተሰባት ክዳረግ ዝኽእል፡ ናይ ምድራግን ናይ ምዃንን ሓሰኻ ዘለዎ ህዝቢ፡ ጭዋን ስልጡንን ባህሊ ዘሎዎ፡ ዘመናዊነት ብለቓሕ በሰሮ ኽልቃሕ ዘይኰነ፡ ብጻዕሩን ፍልጠቱን ከማዕብል ዘኽእል ብቑዕ ህዝቢ ምዃኑ ብዘስተንክርን ኣቝሪን ቋንቋ ገሊጽዎ ኣሎ። ኣብታ፡ ‘ዑደት፡ ውሁብ’ዩ፤ ምሕኳር’ዩ ወሳኒ’ ዘርእስታ ግጥሙ ኸምዚ ይብል፤

ንጭርኣዊ፥ ወግዓዊ ማዕርነት ጥራይ__ ከም ሕማማ-ደዌ ብምፍንፋን__

ካብ ደንበ ናይ ተንቀላወጥቲ፥ ናይ ተመጽወትቲ፥ ናይ በእንተኦም-ዚመጸ ደቕሎም__ ብዓመታት-ብርሃን ብምግላል፡ ባዕልኺ__
ብጻዕሪኺ፥ ብተበላሓትነትኪ፥ ንተጸማምነትኪ፤
ናብ ክበብ ናይ

ንምሸቱ፡ ብቛንቋ ናይ ዓወት__ንዅለን ናይ እኖ-ልሳናትኪ ንወለዶታት ኪትዝምሪ፤ ፰

ኣብ ሰብኣዊ ሃለዋት፡ ቋንቋ ሕመረት’ዩ። ንሰብ ሰብ ዝገበሮ ቛንቋ-ባህሊ እዩ። ሕብረተሰብ ብቛንቋ ባህሊ ይፈጥርን የማዕብልን። መሰረት ኵሉ ሰብኣዊ ፍልጠትን ስነጽሑፍን ቋንቋ’ዩ። ከምቲ ተቐናያይ ተስፋማርያም ዝጸሓፎ፡ ቃል “ዘፍጥረት’ኳ ዝመሰሰ፡ ዘኣዘዘ’’ ስለ ዝዀነ፡ መሰረት ኵሉ ስልጣኔታትን ፍልስፍናታትን ሃይማኖታትን እዩ። ሰብ ብቛንቋ ነብሱ የለሊ፡ ንሱነቱ ይገልጽ፡ ንቕሓት ነብሱ የረጋግጽ። በዚ መሰረታዊ ምኽንያታት’ምበኣር፡ ነቲ ኣካል ባህሪ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ባህሪ ዝፈልዮ ነብሰ-ንቕሓት ስለ ዝፈጥረሉን፡ ንዅሉ ባህርያዊ ተርእዮታትን ሰብኣዊ ዅነትን ናይ ምርቋሕን ምስማይን፡ ናይ ምፍላጥን ምርዳእን ስልጣን ስለ ዝህቦን፡ ቋንቋ እቲ ዝበርትዐ ሰብ ዝውንኖ ሓይሊ እዩ።

ግጥሚ ልሉይ ቅዲ፡ ረምታን ሳምራን ብምጥቃም፡ ስምዒታትን ሓሳባትን ሕሉፍ ድምቀትን ጥልቀትን ዝረኽበሉ ብልዑል ጽባቔ ዝምዕርገሉ፡ ተራ ቛንቋ ዘይኰነስ ብስነጽባቔኣዊ መልክዕ ዝተኣልመ ቛንቋ ስለ ዝዀነ፡ ኣገዳሲ ጥበብ’ዩ። ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ፍልማዊ ሕብረተሰብ ምስ ሳዕስዒትን ደርፊን ተኣሳሲሩ ዝማዕበለ ዝጠንተወ ኣድማሳዊ ጥበብ ምዃኑ ድማ መርኣያ መሰረታውነቱን ኣገዳስነቱን’ዩ።

ግጥምታት ተስፋማርያም ብርሕበትን ርቀትን ቋንቋኡ ኣዝዩ ጽግው ምዃኑ ፍሉይ መለለዪኡ እዩ። ግጥሚ ቓላት ብቝርጥውን ሳምራኣዊን ጥበብ፡ ደሃያትን መልእኽትን ብስነጽባቔኣዊ እልመት ብምውቃብ፡ ብመሳጥን ብርቅን ቋንቋ ዝስራሕ ስነጽሑፍ ብምዃኑ፡ ገጣማይ ብቐዳምነት ነሃባይ ቋንቋ እዩ። ምኽንያቱ፡ ቋንቋ ብግጥሚ እዩ ዝሓልም፡ ዝቕጅል፡ ዝጕሂ፡ ዝፍሳህ፡ ዘንሳፍፍ፡ ዝሰሪን ናብ ሃሴታዊ ዓለም ዘቐልቅልን። ስለዚ፡ ተስፋማርያም ንቛንቋ ትግርኛ ኣብሊጹ ስለ ዘፍቅሮን ዘኽብሮን፡ ኣብቲ ቛንቋ ልዑል ውሕልነትን ብቕዓትን ስለ ዘሎዎን፡ ልቢ ዝመልእ እጹብ-ድንቂ ግጥምታት ደሪሱ’ሎ።

ናይ ግጥምታት ‘ህያው ደብሪ’ ስነጽባቔኣዊ ብልጸትን ጥልቀት ቋንቋኡን ብሰለስተ መዳያት ክግለጽ ይክኣል፤

ቀዳማይ፣ ተቓናያይ ብቛንቋ ሽሕር ዝሰርሕ ኣስማተኛ እዩ ተባሂሉ ይግለጽ’ዩ። ተስፋማርያም ከኣ ብቕኔታቱ ንኣንበብቱ ዘዐንዝዝ ስራይ ይሰርሕ’ዩ። ሓድሽን መበቈላዊን ኣተኣላልማ ቛንቋ ፍሉይነት ግጥምታቱ’ዩ። በዚ ኸኣ ግሩም ግጥምታቱ ንኣንበብቱ ይምስጥን ናብ ሃሴት የእቱን።

ካልኣይ፣ ቋንቋ ቕኔ ሓባሪ፡ ገላጺ ዘይኰነ፡ ብቐንዱ ቕጀላዊ እዩ። ብጥበብ ቅጀላ ረቂቕ ዓለም ፈጢሩ፡ ኣንበብቲ ብዕምቈት ከም ዝስምዖም፡ ብዓይኒ-ሕልና ኸም ዝርእይዎን ዝህውስዎን፡ ብመንፈስ ከም ዝሳተፍዎን ዝምኰርዎን ንምግባር ይህቅን። ናይ ተስፋማርያም ልዕሊ ንቡር ናይ ቅጀላ ዓቕሚ ኣብ ግጥምታቱ ብዕዘት ተጋሂዱ’ሎ። ተስፋማርያም ኣብ ‘ህያው ደብሪ’፡ ኣንበብቲ ናብ በበይኑን

ተጋራጫውን ሰብኣዊ ዅነት ኣእትዩ ብጥልቀት ከም ዝምኰርዎ ዝገብር ቅጀላዊ ዓለም ክፈጥር በቒዑ’ሎ ምባል፡ ንሓደ ተቓናያይ ክወሃቦ ዝኽእል ዘለዓለ ሞጐስ’ዩ።

ሳልሳይ፣ ሓደ መፍለዪ ናይ ማሕለፊያ ግጥሚ፡ ኣብ ኣንበብቲ ዝፈጥሮ ግራመ እዩ። ብሉጽ ግጥሚ ናብ ናይ ቍልዕነት ግራመ ዝመልሰና፡ ንህይወትን ኣድማስ ብዓቢኡን ብሓድሽ ዓይኒ ንመጀመርታ ግዜ ከም እንርእዮ ብምግባር ዘስደምመናን ዘስተንክረናን፡ ብኣግርሞት ከም እንሓትት ዝገብረናን እዩ። ኣብ ግጥምታት ተስፋማርያም ኣፍ ዘኽፍት ኣግርሞት ሳሕቲ ዘጓንፍ ዘይምዃኑ ሓደ መርኣያ ልዑል ስነጽባቔኣዊ ደረጃኡ’ዩ።

ግጥምታት ‘ህያው ደብሪ’ ንቛንቋ ትግርኛ ምእንቲ ኽበቕዖ፡ ክብ ብዝበለ ዓቕሚ ኣብ ዘይረዊ ህቀና ናይ ዝተጸምደ ሕሉፍ ተውህቦን ጽሞናን ናይ ዝተዓደሎ ጥበበኛ ፍረ እዩ። ግጥሚ ተመስሪቡ ሓቒቕ ዝጸረየ ቛንቋ’ዩ ኸም ዝበሃል፡ እዚ ግጥምታት’ዚ ፍረ ዓሚቝ ኣስተንትኖን ነብሰ-ፍተሻን ኰይኑ፡ ከከም ኵነታቱ ብቓንዛ እንሓንሳብ’ውን ብሓጐስ እናነጠበ ዝተዋህለለ ቓላት ዝወለዶ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ መስዋእቲ ጕሉሕን ዓብላሊን ቦታ ስለ ዘሎዎ፡ ንመስዋእቲ ንምግላጽ ዝህቅን ሓያለ ጥበባዊ ፈተነታት ተገይሩ እዩ። ተስፋማርያም ንመስዋእቲ ንምግላጽ ዝገበሮ ፈተነ ግን፡ ተራን ድግማዊን ዘይኰነስ፡ ሓለፋ ዘሎዎን ብፍሉይነቱን መርእዩነቱን ድሙቕን እዩ። ኣብ ‘ናይ ግዜና ገንሸላት’ ከምዚ ይብል፤

ኣይንደዋውሶም፥ ኣይነህስሶም።
ናበይ’ቢልካ ኺድብተሩ፤ ብጃምላዊ፥ ኵሉ-ጠቓሊላ፧ ሸዊት ውልቀ-ህይወት እንዲ’ያ፤ ምሕቒ-’ላ! ጭልቅዕ-ትንፋስ እኮ ኢያ፤ ምሕዊ-’ላ!
ጻልጣ ነገር’ያ’ምበር፤ ጭፍልቕ፥ ጭፍልቒ-’ላ!!

‘ህያው ደብሪ’ ዘርሕዎ ሓድሽ ተኽእሎ ቛንቋ ኽጽንበል፡ ኣውራ ኸኣ ብዕምቈት ክድህሰስን ርሒብ ክህሎቱ ኽጕሕጓሕን፡ ንሓድሽ ፈጠራታት መበገሲን ደራኽን ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ፡ እዚ ግሩም ግጥምታት’ዚ፡ ንልሙድ ቋንቋ ዘወቅብ፡ ብጥበባዊ ኣዘወታትራ ደረት ትርጉም ንቡር ቃላት ዘመቅርን ዘዕምቝን፡ ካብቲ ሰፊሕ ማህደረ-ቓላቱ ሓያለ ዝተረስዑ ቓላት ብምዝውታር ትሕዝቶኡ ዘሰሰነ፡ ከምዚ ንፋልማዩ ዝድመጽ ዘሎ ብዘምስል ሓዲስነት ንትግርኛ ስለ ዘናግሮ ሓድሽ ደረት-ትርኢት ከፊቱ ኣሎ።

‘ህያው ደብሪ’ ኣልዒልዎ ዘሎ ኣርእስትታት መርመም’ዩ። ኣርእስትታቱ ንባዕሉ ኽምርመርን ክጽሓፈሉን ዝኽእል ኣገዳሲ ኣርእስቲ’ዩ። ኣርእስትታቱ ብብዝሕን ሸፈነን እምብዛ ሰፊሕ ምዃኑ ሓደ ኻብ ፍሉይነቱ እዩ። ‘ህያው ደብሪ’

ልዕሊ 150 ቅንየታት ሓቚፉ’ሎ። እዚ ግጥምታት’ዚ፡ ብፍቕዲ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብቕድታቱን ብትሕዝቶኡን’ውን ሃብታም’ዩ። ናይ ያታዊን ዘመናዊን ግጥሚ፡ ልቂ ጽሑፋዊ ግጥሚን (Prose Poetry) ብሒደት መስመራት ዝቐውም ጃፓናዊ ሃይኩን ቅድታት ናብ ትግርኛ ብናቱ መገዲ ብምርዓም ሓቚፉ ኣሎ። ኣውራ ግን፡ ዓይነት ኣርእስትታቱ፡ ኣቍሪ ትዕዝብትታቱ፡ ውቁብ ቋንቋኡ፡ ፍልስፍናዊ ኣስተንትኖኡ፡ ጥልቀት ሓሳባቱን ስምዒታቱን በበይኑ ንባባት ህይወትን ናይ ‘ህያው ደብሪ’ ብርቂ መለለዪ እዩ።

ተስፋማርያም ብህይወት ከሎ ኣብ መንጎ ውሑዳት መቕርቡ ጥራይ’ዩ ከም ገጣማይ ዝፍለጥ ነይሩ። ምግጥም እንተ ወሓደ ኣብ መጀመርታ 1970’ታት ኣብ ዩኒቪርስቲ ኣስመራ እኳ እንተ ጀመሮን፡ ኣብ ተሓኤ ሓላፊ ክፍሊ ዜና እንከሎ ብምሕታም ገለ ግጥምታት እንተ ቐጸሎን፡ ኣውራ ኣብ ነዊሕ ስደቱ እዩ ኸም ጸውዓ ህይወቱ ወሲዱ ዝተጸምደሉ። ካብ ቃልሲ ምስ ካልኦት ሰባት መደረ፡ ካብ ቃልሲ ምስ ገዛእ-ነብስኻ ድማ ግጥሚ ይፍጠር ከም ዝበሃል፡ ተስፋማርያም ኣብቲ ብሑት ናይ ስደት ህይወቱ፡ ምስ ነብሱ፡ ምስ ባህሉን ቋንቋኡን፡ እምነታቱን ሓሳባቱን፡ ኮታ ኵለንተናኡ እናተቓለሰ ሓቀኛ ግጥምታት ፈጢሩ። ስነጽባቔኣዊ ዕዘትን መበቈላውነትን ግጥምታት ተስፋማርያም ግን፡ እቲ ውሩይ ግሪኻዊ ጽዋ ብዛዕባ ስነጥበባዊ ፈጠራውነት ከም ዝብሎ፡ ካብ ሕሹኽ እትብሎ ሙዛ (muse) ዝመጸ፡ ካብ ውሽጡ፡ ካብ መዓሙቕ ንሱነቱን እንታይነቱን ዝተፈጥረ ጥራይ ኣይኰነን። ግጥሚ ውልቃዊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብቐንዱ ብባህልን ቋንቋን ዝቐውም ማሕበራዊ ብምዃኑ፡ ብሉጽ ተቓናያይ ድማ ኣብ ባህሉን ያታኡን ትውፊታቱን ዝተሰረተን ኣብቲ ባይታ’ቲ ኣዕሚቝ ሱር ሰዲዱ ዝበቘለን ናብ ምዕንባብ ዝበጽሐን ህያው ክኸውን ስለ ዘለዎ፡ ተስፋማርያም ሚሒር ፍቕሪ ባህሊን ያታን ምስ ልዑል ፍልጠትን ልቦናን ዘወሃሃደ ብምንባሩ፡ ህያው ገጣማይ (Organic Poet) ክኸውን በቒዑ’ዩ።

ተስፋማርያም ንቛንቋ ትግርኛ ኽሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅሮን ዘኽብሮን፡ ስለዚ ድማ ከም ዝጽዕተሉን፡ ንሓንቲ ቓል፡ ንሓንቲ ነጸላ-ሰረዝ ከይተረፈ ዝህቦ ዕዙዝ ክብሪ መርኣያኡ እዩ። ጌጋ ሓንቲ ቓል፡ ዋላ ሓንቲ ፊደል’ውን ትዅን ዘሕምሞን ዘይጻወሮን እዩ። ስለዚ ድማ፡ ክብሪ ቛንቋ፡ ክብሪ ቓላትን ሓረጋትን ስለ ዝግንዘብ፡ ወከፍ ቃል ከም ኣልማዝ ስለ ዝፈቕዳ፡ ከም ደባቢ-ቓል (word-monger)፡ ፈታው-ሓረግ፡ ፈቖዶኡ ቓላት ኣይዘሩን እዩ። በዚ ድማ፡ ዝተጸልጸለ ቍርጡው ቋንቋ ግጥሚ፡ ቍጠባ ቓላት ዘየማስኖ፡ ብሳምራ ዘዝይምን ብኣተንብሆታት ዘወሽጥን ብቕጀላታት ዝህወስን ዝስእልን ምዕሩግ ጥበባዊ መልክዕ ግጥሚ፡ ነዚ ወናም ተቓናያይን ሓሳባይን፡ ከም ወሓለ ኣንጠረኛ ተኣኒኑ ብዝኣልሞ ሒደት ቃላት ዝፈጥሮ ቕንየታት የምሕረሉ እዩ። ግጥሚ መካይድቲ ኽብሪ ቓላት ዝተሰወጦ ጥበበኛ ስለ ዝዀነ፡ ተስፋማርያም ኣብ ግጥምታቱ፡ ብሒደት ቃላት

ሓቅነትን ጽባቔን ዘጣመረ፡ ንዓሚቚ ሓሳባትን ስምዒትን ዘዳረግ ምጡቕ መግለጺ ገይርሉን፡ እጽብ-ድንቂ ናይ ቅጀላ ዓለም ፈጢሩን ኣሎ።

ተስፋማርያም ብቛንቋኡን ባህሉን ንዝመጾ ሕድገት የብሉን። ነቶም ግዳያት ነብሰ-ምትሓት ኰይኖም ንገዛእ ቋንቋኦምን ባህሎምን ጐዶሎ’ዩ እናበሉ ዘቈናጽቡን ማዕረ ነብሶም ዘዋርድዎን፡ ብዘይ ምሕረት ይነቅፍ፣ ይኽሽሕን ባዶነቶም የርእን። ኣብ ሓንቲ ግጥሙ፡ ንሓደ ምስ ንሱነቱ ጸገም ዘሎዎ፡ ብዝተለቅሖ ዘመናውነት ዝዓበደ ጥቕመ-ፈሊጥ ምሁር፡ “መሕጸብ-እግራ ኣይትብቅዕን ንነጸላ-ሰረዝ’’ ብምባል ዘባጨወሉ፡ ዓይነታዊ ኣብነት እዩ።

ናይ ቋንቋን ስነጽሑፍን ደሚቕ መረዳእታኡ እተንጸባርቕ ‘ወዲ-ዕባራ ስነ- ጽሑፋዊ ማህደር’ ኣብ ዘርእስታ ግጥሙ ኸምዚ ይብል፤

ትምህር-ውዒለ-እሕደር
ንልሳነይ እዓብዮ ዲ’የ፧
ወይ፡ ብኣንጻሩ፡ ቋንቋይ ይንእሰኒ ዲ’ዩ፧

እስከ፡ ንነብሰይ ክጥይቓ፤ ቅድሚ-ዚኣገረ!

...
ለከ፡ ወዲ-ዕባራ፥ ቈንጻብ፥ ድኻ ስነ-ጽሑፋዊ ማህደር ብምዃነይ እዩ እዚ ዘመን-ኣምጸኦ ነብሰ-ኣሕሳሪነተይ__
ናብ ውሽጢ-ውሽጠይ ብምስላዅ፤

ዘይግዳዱ፡ ዚሰረጸ!
እዚ ሓዲግ፥ መንካዕ ዕጫይ፡ ካብ-’ዝጊ’ስ__ መሰጋገሪ እንዲ’ዩ፡ ደኣ!

ኣበ’ያሎ፡ ንናቱ (ኪዕቅብ፥ ከዐንብብ) ከሰጋግሪ-’ሉ፤

ብዕቱብ ኒሕ፥ ብምዕቱብ ቅንኣት፡ ዚቘረጸ፧ ብናይ እንዳማቱ ተራጒዱ፡ ብዘጋየጸ__
ኣይ ብዘይ መረርቲ መንነተ-ባህላዊ ቓልሲታት ከም ሓሰኻ-ዕነ፤

ልምሉም ስዩምታ፡ ዚመረጸ፧!

ከምቲ ተመራማራይ ቅኔ ሄኖክ ተስፋብሩኽ ኣብ መወዳእታ ናይዚ መጽሓፍ ቀሪቡ ኣብ ዘሎ ትንተናኡ ዝበሎ፡ ‘ህያው ደብሪ’ ፍረ “ዕምረ-ምሉእ ኣስተንትኖ ህይወት’’ እዩ። ቅንየታቱ ብትዅረትን ጥልቀት ዘሎዎን ኣስተብህሎ በበይኑ ተመኵሮታት ሰብኣዊ ህይወት ንምግላጽን ምርዳእን ብዝጸመደ ንባባት ህይወት ዝመልአ ስለ ዝዀነ፡ ብስለትን ሓዲስነትን ድሙቕ ግልጸቱ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ተስፋማርያም ንዕዮ ስነጽሑፍ ናብ ምምላኽ ብዝገማገም ደረጃ ኣመና ስለ ዘኽብሮ፡ ንቛንቋን ጽሑፍን ከም መለኮታዊ ውህብቶ ስለ ዝርእዮ፡ ብፍጹማዊ

ትጽቢት ዝኣተዎ ዕዮ’ዩ። ስለዚ ኣብ ቅኔታቱ፡ ከም ኣብ ልቂጽሑፋዊ (Prose) ስርሓቱ፡ ናይ ፍጹምነት (perfection) ድርኺቱ ጕሉሕ እዩ። ተስፋማርያም ኣብዚ ኽልተ-ሰለስተ መጻሕፍቲ ክኸውን ዝበቅዕ ቅንየታቱ፡ ብቐሊሉ ንኸይረዊ ኣንቂዱ ስለ እተበገሰ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብቐጻሊ ዝብርኽ ልዑል ደረጃታት ስለ ዘንበረ፡ ቅኔታቱ ብዓመታት፡ አረ ዕቑዳት ብዝወሰደ መስርሕ እናተመጻረየ ቓል ብቓል ዝተሃንጸ እዩ። በዚ ኸኣ፡ ካብ ሕልናዊ ድንዛዘ ዘበራብር፡ ንነብሰ-ፍተሻ ዝድረኽን ዝዅርኵሕን፡ ጥምዓዊን ቅዳሕን ኣነባብራ ህይወት ዘጋልጽን ዝነጽግን፡ ሓቅነትን ጽባቔን ዘርእን ዘመኵርን ቅኔታት ኰይኑ ኣሎ።

ተስፋማርያም ነቲ ንዓስርተታት ዓመታት ንበይኑ ሓብሒቡ ኣዕዂኹ ዘዕበዮ ኣብ ‘ህያው ደብሪ’ ተኣኪቡ ዘሎ ቕኔታት ተሓቲሙ ኽርኢ ብዘይ ምኽኣሉ’ኳ ቕር እንተ በለና፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ ነባሪ ባህላዊ ሓድጉ እዩ።

ንሄኖክተስፋብሩኽ፡ንቕኔታትተስፋማርያምኣዕሚቑብምምርማርዝትንትን፡ ነብሱ ዝኽኣለ መጽሓፍ ክኸውን ዝኽእል ምሁራዊ ትንተና ብምብርካቱን ን’ህያው ደብሪ’ ኣብ ምርታዕ ብምስታፉን ንዝገበሮ ዓቢ ኣበርክቶ ነመስግን። ንኤፍረም ሃብተጽዮን ከኣ፡ ን‘ህያው ደብሪ’ ኣብ ምርታዕን ምክትታልን ንኣስታት ትሽዓተ ዓመት ብዝገበሮ ኣድካሚን ትዕግስቲ ዝሓትትን ምያ ነመስግን። ድሕሪ ዕረፍቲ ተስፋማርያም ነቲ ኣብ ኣመሪካ ዝሓደጎ ሓደ ቕዳሕ ‘ህያው ደብሪ’ ብምስዳድ ክሕተም ንዘፍቀዳልና ጓሉ ያስሚን ተስፋማርያምን ኣደኣ ኤልሳ መስፍንን፡ ከምኡ’ውን ደቁ ፋይቶም ተስፋማርያምን ሪም ተስፋማርያምን ፍሉይ ምስጋናና ይብጽሓዮም።

ተቐናያይ ተስፋማርያም ብ‘ህያው ደብሪ’ ኣብ ስነጽሑፍ ግጥሚ ኤርትራ በሪኽ ሓድሽ ጥበባዊ ደረጃ ኣንቢሩ ኣሎ። ምሕታም ‘ህያው ደብሪ’ ኣብ ስነጽሑፍና ሓድሽ ምዕራፍ ዘመልክት፡ ንመጻእቲ ኤርትራውያን ደረስቲ ኣርኣያ ክኸውን ዝኽእል ኣገዳሲ ደረት-ዝፈሊ ኽስተት እዩ።

ኣሕተምቲ ሕድሪ ጥሪ 2019

ኣስመራ 

307508-Hiyaw Debri - Qall Ahtami.pdf

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events