Dehai News

Serawr.com: ዓቢ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸነሐ ቃለ መሕተት ምስ ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ብዛዕባ መስርሕ ሰላም ክካየድ እዩ

Posted by: Berhane.Habtemariam59@web.de

Date: Friday, 02 November 2018

ሰራውር ናይ ሓበሬታ ማእከል

02 ሕዳር 2018

ፕረሲደንት ኢስያስ ኣፍወርቂ ቃለ መሕተት ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጽባሕ ሰዓት ሸሞንተ ናይ ምሸት ብናይ ኤርትራ ኣቆጻጽራ ግዜ ምስ ቲቪ ኤረን ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራን ከካይድ እዩ።

ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ከምዝሓበሮ እቲ ቃለ መሕተት ኣገዳስነትን፣ ተበጺሑ ዘሎ ሞዕባለታትን፣ ዘባዊ ጽልዋታት ናይዚ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ከምዘብርህ ሓቢሩ።

ኣብ መዓልቲ ስውኣት ፕረሲደንት ኢስያስ ናይ መስርሕ ሰላም ከም ዝብገስ ድሕሪ ምብሳሩ ኣብ ውሽጢ ውሑዳት ኣዋርሕ መሰረታዊ ለውጥታት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኻይዶም።

እዞም ዓበይቲ ለውጥታት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ ብዓለም ደረጃ ከም ዓቢ ፍጻሜ ብዝሑ ሸፈነ ዝረኸበን ዘሐጎሰን ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ቅልጣፈ ናይዚ ምዕባለታት፣ መዓረ መዓረ ገለ ምድንጋራት ከምዝፈጠረን፣ ንከዳናግሩ ዝተዓጥቁ ዕድል ዝሃበ ብምንባሩ እዚ ቃለ መሕተት ኣገዳስን እዋናውን እዩ።

ኣብዚ ሓዲሽ መድረክ ናይ ሰላም ርኡያት ዓበይቲ ምዕባለታት ዝተራኣየሉን፣ ብተወሳኺ ኣንጻር ናይዚ ናይ ለውጥን ሰላምን መስርሕ ዝተዓጥቁ ከም መሪሕነት ህወሓት ብዝተፈላለየ መንገድታት ተጻብኦ ከካይዱ ጸኒሖም ኣለው። እዚ ጉዳይ ነዚ መስርሕ ሰላም ኣገዳሲ ከምዃኑ መጠን ኣብዚ ቃለ መሕተት ካብ ዝበርሁ ወይ ዝሓሸ ስእሊ ዝወሃበሉ ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ።

ብዓቢኡ ድማ ሓፈሻዊ ኣንፈት ናይዚ ጀሚሩ ዘሎ ሓዲሽ መድረኽ ምስግጋር ናብ ሙሉእ ሰላምን ምዕባለ ዘመን ኣበይ በጺሑ ከምዘሎን፣ ኣብ ቅድሚት ጠጠው ኢሎም ዘለዉ ዓበይቲ  ስርሓትን፣ ተራ ናይ ህዝብን ትካላትን፣ ኣካይዳን እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ዘብርህ ኣጋጣሚ ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ።


EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events