Dehai News

(ድምጺ ኣመሪካ ቋ/ ትግርኛ) ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ግብራዊነቱ ክቋረጽ ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ሓቢሮም

Posted by: Semere Asmelash

Date: Tuesday, 10 July 2018

UN Secretary General Antonio Guterres ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ 

ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ግብራዊነቱ ክቋረጽ ከምዝኽእል ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ሓቢሮም

ሓምለ 10, 2018
ዊንታ ኪዳነ  ዜና ኤ ኤፍ ፒ

ዋሽንግተን — ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝወሰድዎ ተበግሶ ሰላም ንዒዶም፡ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝተበጽሓ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸንሓ እገዳ ግብራዊነቱ ክቋረጽ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መንጎኣን ዝጸንሓ ኹነተ ሰላም ከብቕዕ ትማሊ ሶኑይ ስምምዕ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ተፈራሪመን፡ ብተወሳኺ ኤምባሲታተን ስርሖም ክጅምሩ፡ በረራ ካብን ናብን እዘን ሃገራት ከምዝጅመር በዚ አጋጣሚ አፍሊጠን ኣለዋ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒ ጉተረስ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ አዲስ አበባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሕቡራት ሃገራት እቲ ስምምዕ ክትግበር ክልቲኣን ሃገራት ዘድልየን ሓገዝ ንምትሕብባር ድልውነቱ ገሊጾም።

“ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቐረባ ዝተራእየ ለውጢታት ንክልቲኡ ህዝብታት ጥራይ ዘይኾነ ንኣፍሪቃን ንመላእ ዓለምን ተስፋ ዝህብ’ዩ። ሕቡራት ሃገራት ድማ ክልቲኦም ወገናት ዘድልይ ኹሉ ንምትሕብባር ድልው’ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ነቲ ተበጺሑ ዘሎ አዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ንምትግባር ኣብ ክልቲኣን ወገናት ዝውሰን’ዩ ድሕሪ ምባል ሕቡራት ሃገራት ድማ እቲ ስምምዕ ብዓወት ክዛዘም ብፍላይ ድማ ንሕቶ ዶብ ብዝምልከት ዘድልይ ኹሉ ንምስላጥ ድልው ምኳኑ ይገልጽ” ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ወርቅነህ ገበየሁ ነቲ ሓምለ 10 ዝጅመር ካብን ናብን ክልቲ ኣን ሃገራት ዝኻየድ በረራ ብዝምልከት ከምዚ ኢሎም።

“ሓደ ካብቲ ዝተሰማማዕናሉ ነጥብታት- መጉዓዝያ’ዩ።ስለዚ ድማ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ አዲስ አበባ ናብ ኣስመራን ካብ ኣስመራን ናብ አዲስ አበባን በረራ ክጅምር’ዩ። ብተወሳኺ ኩሎም መንገድታት ካብን ናብን እዘን ሃገራት ተኸፊቶም ምንቅስቃስ ክጅመር’ዩ” ኢሎም።





EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events