Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንመራሕቲ ቻይናን ሩስያን ዮሃና ኢሉ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 22 March 2018

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንመራሕቲ ቻይናን ሩስያን ዮሃና ኢሉ

Eritrea president blames 'external forces' for illicit migration of youth


ሓዳስ ኤርትራ       ሓሙስ 22 መጋቢት 2018 

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ፕረዚደንት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ሺ ጂንፒንግ ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ፈደሬሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሃገራዊ ምርጫታት ብምዕዋቶም፡ ብስም መንግስትን ህዝብን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ትሕቲ መሪሕነቱ፡ ልዑል ቊጠባዊ ብልጽግናን ቴክኖሎጂካዊ ምዕባለን ከም እተመዝግብ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ብምግላጽ፡ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ተራን ጽልዋን ቻይና ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት፡ ንሰላምን ዘላቒ ምዕባለን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሩ።  

ኣብ ክልተኣዊ መዳይ ድማ፡ ብጽቡቕ ዝዓቢ ዘሎ ሕውነታዊ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ኤርትራን ቻይናን፡ ኣብ መጻኢ ብዝበለጸ ክድንፍዕን ክሰፍሕን ምዃኑ ኣብሪሁ። 

ናብ ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝሰደዶ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ዘመዝገቦ ዓብላሊ ዓወት መርኣያ ናይ’ቲ ፈደረሽን ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ውሽጣውን ኣህጉራውን መዳያት ዘመዝገበቶ ገስጋስ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዝምድና ኤርትራን ፈደረሽን ሩስያን ኣብ ኩሉ ንሓባራዊ ረብሓታት ዘገድስ መዳያት ንቕድሚት ከም ዝግስግስ ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣረጋጊጹ። 

ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ብ17 መጋቢት ኣብ ዝተቓንዐ መበል 13 ሃገራዊ ህዝባዊ ጉባኤ፡ ብዓብላሊ ድምጺ ከምእተመርጸ ይፍለጥ። ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ድማ፡ ብ18 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ልዕሊ 76 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ’ዩ፡ ንሽድሽተ ተወሰኽቲ ዓመታት ንሩስያ ክመርሕ ተመሪጹ። 




EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events