Dehai News

(ሓዳስ ኤርትራ) ኢትዮጵያ - ነትጒ ጸቢብ ፖለቲካ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Thursday, 22 March 2018

ኢትዮጵያ - ነትጒ ጸቢብ ፖለቲካ

ሓዳስ ኤርትራ   21 መጋቢት 2018 

ኢትዮጵያ ብኣዝዩ ተሃዋሲ ታሪኻዊ መድረኽ ትሓልፍ ኣላ። ወያነ ካባ ኢትዮጵያውነት ተኸናኒቡ፡ ጸቢብ ዕላማታቱ ከተግብር ከም መጋበርያ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ገዛኢ ሰልፊ ኢህወደግ፡ ብውሽጡ ተዘሪጉ፡ ኣብ ሓድሕዱ ምትእምማን ኣጥፊኡ፡ ነቲ ጥምረት ዘቘማ ውድባት ኣብ መንጎ ፍትሓዊ ምንብባር ዝጠልብ ህዝባዊ ሕቶን ምርጋእ ምልካውነት ሓደ ጸቢብ ጉጅለን ተዋጢረን ይርከባ።

ብመሰናበዲ ኣዋጃትን ኣፈ-ሙዝን ከይተጻዕደ ብዘይምቁራጽ ዝቕጽል ዘሎ ናዕቢን ተቓውሞን ህዝቢ ኣንጻር’ቲ ስርዓት፣ ንሱ ዘስዓቦ ከቢድ ዕንወትን ምልማስ ቁጠባዊ ንጥፈትን፣ ብጸቕጢ ህዝቢ ኣሽሓት ናይ ፖለቲካ እሱራት ንምፍታሕ ዝተወስደ ርቡጽ ስጉምቲ፣ “ገምጋም ጌርና፡ ጉድለታትና ብዘይንሕስያ ተነቓቒፍና፣ ዝጸንሓና ግዕዘይ ኣካይዳ ክንእርም ኢና” ዝዓይነቱ ጠባሪ መግለጺታት፣ ምልውዋጥ መናብር ናይቶም ብብልሽውናን ዝተፈላለየ ገበናትን ዝተቘማጥዑ ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ እቲ ብቐደሙ እውን ወሳኒ ቦታ ዘይነበሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ስልጣን ክለቅቕ ዝተገደደሉ ኩነት፣ ዳግማይ ኣዋጅ ድንጋገ እዋን ሓደጋ፣ “ተካኢ ቀዳማይ ሚኒስተር መን ይኹን?” ኣብ ዝብል ሕቶ ዝተፈጥረ ወጥሪ፣ ዓሌት ዝመንቀሊኡ ሓድሕድ ምጥቕቓዕ ዜጋታት፣ ግፍዒን ቅትለትን ሰላማዊ ህዝቢ ብወተሃደራት መንግስቲ፣ ምቅጻል ዓድታትን ምምዝባል ብኣማኢት ኣሽሓት ህዝቢን፣ ብሰንኪ መስፋሕፍሒ ስጉምቲታት ወያነ፡ ብሕቶ መንነትን ዋንነት ግዝኣትን ዝተጋህደ ግጭትን ምትፍናንን ክልላት፣ ገለ ካብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተራእየ ጉሉሕ ፍጻመታት እዩ። 

ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕብረ ብዙሕ፡ ዓሚቚን ዝተሓላለኸን ጸገማት ዝሓቘፈ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ናበይ ከምርሕ ይኽእል? እቲ ዘሎ ሲናርዮታት እንታይ’ዩ? ብርጉጽነት ምእማት ዝከኣል ኣይኮነን። እታ ሃገር ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ከይከይድ ዘሻቕል ከቢድ ኩነታት ግን ገጢምዋ ኣሎ። 

እዛ፡ ዞባዊት ሓይሊ ንኽትከውን ያኢ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ድጎማ ዝፈሰሳ ሃገር፣ ናይ ፈደራሊዝምን ደሞክራሲን ተሞኩሮኣ ንካልኦት ኣርኣያ ክኸውን ዝተባህለላ፣ ዓቃብ ሰላም ብምውፋር ዝተናእደት፣ ብድርብ ኣሃዝ ቁጠባዊ ዕብየታ መናፍሕ ዝተገብረላ ኢትዮጵያ፣ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ፡ ብዓሚቚ ቅልውላው ዝተሓመሰትሉ ምኽንያት ንተዓዘብቲ ማዕዶ ከገርም ይኽእል ይኸውን? እንተኾነ፡ መዘዝ ናይቲ ስርዓት ወያነ ካብ ፈለማ ዝተኸተሎ ፖለቲካን ብሓይሊን ሽርሒን ተዓብዒቡ ዝጸንሐ ህዝባዊ ስምዒትን ንዝፈልጥ ግን፡ እዚ ነትጒ’ዚ ከገርሞ ኣይክእልን።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብብዝሒ ህዝቢ ቀዳመይቲ፡ ብስፍሓት መሬት ድማ ካልኣይቲ እትስራዕ ኢትዮጵያ፡ ድምቕቲ መርኣያ ናይቲ ንዓመታት ንዞባና ኣብ ዘየቋርጽ ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላው፡ ግጭትን ዘይምርግጋእን፡ ድሕረትን ድኽነትን ዘዕነንዮ ዘሎ ጸቢብ ፖለቲካን ሳዕቤናቱን እያ። 

ከምዝፍለጥ ኣብ ሓደ ሃገር ዝርከቡ ብሄራት ወይ ብሄረሰባት ብፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊን ባህላዊን ምስግጋርን ውህደትን እዮም፡ ስሙር ሃገር ንምዃን ዝበቕዑ። ወያነ ግን፡ ካብ ሃገራዊ ዕላማ ንላዕሊ፡ ትሕተ- ሃገራዊ ጥሙሓት ዘቐደመ ጉጅለ ብምዃኑ፡ ብቓልሲ ውጹዕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ፡ ብረዚን መስዋእቲ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ኣብ መንበረ ስልጣን ምስ ተዀየጠ፡ ናብ ጸቢብ ረብሓታቱ እዩ ኣህነፍኒፉ። ቀንዲ መሳርሒ ናይዚ ዕላማ’ዚ ገይሩ ዝወሰዶ ድማ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ሓድሕድ ዘናቚት ዓሌታዊ ፖለቲካ’ዩ። ሃገር ምምቕቓልን ምንቛትን እውን እንተኾነ፡ ብዘይ ደገፍ ሓያላት ኣይክኣልን’ዩ ስለዝበለ ከኣ፡ “እምባ ይኾኑኒ’ዮም” ናብ ዝበሎም ሓይልታት ግዳም ብምጽጋዕ፡ እሙን ኣገልጋሊ ምዃኑ ከረጋግጽ ሰላምን ቅሳነትን ዞባና ኣብ ዝዘርግ ኣጀንዳ ሓይልታት ወጻኢ ቀንዲ መጋበርያ ኮይኑ ክዋሳእ ጸኒሑ። ወያነ ኣብ ልዕሊ’ቲ በዓል ድማዑ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ጎረቤት ህዝቢ ሶማል ዝፈጸሞ ቅሉዕ ወራር፡ ግዳማውያን ሓይልታት ንምሕጓስ ድኣ እምበር ህዝቢን ሃገርን ኢትዮጵያን ካብኡ ዝረብሕዎ ነገር ስለዝነበረ ኣይኮነን።

ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብሩህ ኮይኑ ከምዘሎ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ነትጒ ቀንዲ ጠንቁ፡ መራሕቲ ወያነ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኮነ ብዞባ ደረጃ ክኽተልዎ ዝጸንሑ ትሕተ-ሃገራዊ ፖለቲካ እዩ። ወያነ፡ ድሌት ህዝቢ ዝውክል፡ ሃገራዊ ዛዕባ ዘለዎ ፖለቲካዊ ሓይሊ እንተዝነብር፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀሲኑ ክነባበር ዘኽእሎ ርጉእ ፖለቲካዊ ስርዓት ክፈጥር ምሉእ ዘይጉዱል ዕድልን ተኽእሎን ነይሩዎ እዩ። የግዳስ ረብሓ ጉጅለኡ ጥራይ ስለዝዓጦ፡ ኣብ ክንዲ ቅኑዕ መኣዝን፡ ሓደገኛን ኣዕናውን መገዲ ክኽተል መሪጹ። ከም ሳዕቤን ናይቲ ዝፈጸሞ ስትራተጂያዊ ጌጋታትን ኣሉታዊ ደገፍ ግዳማውያን ሓይልታት ከኣ፡ ጉጅለ ወያነ ሰላምን ርግኣትን መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሓማምስ ጸኒሑ፡ ኣብ መወዳእታ ንገዛእ ርእሱ ክወጾ ኣብ ዘይክእል ዓዘቕቲ ጥሒሉ፡ የዕለብጥ፡ ይቑዝምን ይጣራዕን ኣሎ።

ዘለናዮ መድረኽ፡ ጸቢብ ፖለቲካ ጉጅለ ወያነ ዕርቃኑ ዝወጻሉ፣ ጽልኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ’ዚ ጸረ ሃገራዊ ሓድነት ዝኾነ ኣዕናዊ ጉጅለ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሓሉ፣ ወያነ እንተላይ ኣብቲ መሰረተይን ቀንዲ ደጀነይን ዝብሎ ህዝቢ ትግራይ እምብዛ ዝተፈንፈነሉ መድረኽ እዩ። ኣብ ምድሪ ትግራይ፡ ኦሮምያ፡ ኣምሓራ፡ ሶማል፡ ዓፋር፡ ቤንሻንጉል፡ ጋምቤላ፡ ክልል ደቡብን ካልእን ዘሎ ሰላማዊ ተቓውሞ፣ ህዝባዊ ኣብያን ፍኑው ናዕቢታትን፡ ካልእ ዘይኮነ ምህርቲ ናይዚ ጸቢብ ፖለቲካ ጉጅለ ወያነ እዩ። ኢትዮጵያ ብሰንኪ’ዚ ፖለቲካ’ዚ፡ ብቁጠባ እውን ናብ ሓደገኛ ውድቀት ትንቈት ዘላ ሃገር እያ። እቲ ድርብ ኣሃዝ ተባሂሉ ከበሮ ዝተደሰቐሉ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ነቲ ብገዚፍ ድጎማን ቀለተን፡ ኣብ እንግድዓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝተጻዕነ ናይ ልቓሕ ባላ ተደጊፉ፡ ውሑዳት ካብ መጠን ንላዕሊ ሃብቲ ዘኻዕበትሉ፡ ብዙሓት ድማ ብሕሱም ድኽነት፡ ሕማም፡ ጥሜትን ድሕረትን ዝተገርፍሉ ማሕበረ ቁጠባዊ ህይወት ናይታ ሃገር ዝገልጽ ድኣ እምበር ንዕብየት ሃገር ዘመልክት ከምዘይነበረ ሕጂ ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ ኣሎ። ነዚ ሓቂ’ዚ ስለዝግንዘብ ድማ እዩ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንትካላት ጉጅለ ወያነን ናይ ውሽጢን ደገን መፋግርቶምን ዒላማ ተቓውሞኡ ክገብረን ዝተራእየ። 

ስርዓት ወያነ፡ ካብዚ ተሸሚምዎ ዘሎ ዓዘቕቲ ውድቀት ንምውጻእ፡ ኣብ ስለያዊን ጸጥታዊን ስራሕ ገዚፍ ወጻኢታት እናፍሰሰ፡ ግዜኡ ብዝሓለፎ ናይ ፖለቲካ ትያትራትን ድርሳናትን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክጠባብር፡ ንህዝቢ ትግራይ ድማ “ኣድሕነኒ” ክብል ይፍትን ኣሎ። እዚ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ምዕልባጣት ግን ፋይዳ ክህልዎ ኣይክእልን። ካብ ሕጂ ንደሓር መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድኣ እምበር ኣብ ኢድ ወያነ ኣይኮነን። ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ከም ሳዕቤን ናይቲ ወያነ ዝተኸተሎ ኣዕናዊ መገዲ፡ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ሽግር ብልቦናን ምክእኣልን ጸይሩ፡ ረብሓ ህዝቢን ሃገርን ብምቕዳም ኣብ ቅኑዕ ፍታሕን ሓባራዊ ምርድዳእን ክበጽሕ ድማ ባህጊ ናይ ኩሉ ደላይ ጽቡቕ እዩ። 

እንተ መርገጺ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፡ ሕጂ ዘይኮነ፡ ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ብዘየሻሙ መገዲ ዝተነጸረን፡ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ተቐይሩ ዘይፈልጥን እዩ። ብደረጃ እምነት ኮነ ግብራዊ ስጉምቲ፡ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ ንጽቡቕ ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተዘይኮይኑ ንሕማቑ ሓሊኖም ኣይፈልጡን። ህዝባዊ ግንባር ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ምስ ኢትዮጵያውያን ውድባት እንተላይ ምስ ወያነ ሓቢሩ ዝሰርሐ፡ ንኢትዮጵያ ክገማምዕ ዘይኮነ፡ ሓራ ኤርትራን ሓዳስ ኢትዮጵያን ሕሉፍ ናይ ኲናት ታሪኻዊ ምዕራፍ ዓጽየን፡ ሽርክነትን ሰናይ ጉርብትናን ክፈጥራ ካብ ዝነበሮ ሓያል ባህጊን ትምኒትን ብምብጋስ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸስቱ ዘሎ ሳዕቤን ከሎ ገና ስለዝተገንዘቦ፡ ጉጅለ ወያነ ኣብ ሕገ-መንግስቱ፡ ንምብትታን ሃገር ዝዕድም ናይ ምንጻል ዓንቀጽ ከስፍር፣ ቋንቋታት መሰረት ብምግባር ንህዝቢታት ብስም ፈደራላዊ ምምሕዳር ክገማምዕ፣ ንጸቢብ ረብሓታት ዘገልግል ሓድሽ ክልላዊ ዶባት ክነድፍ እንከሎ፣ እቲ ተግባር ቅኑዕ ከምዘይኮነን ሳዕቤኑ እምብዛ ሓደገኛ ከምዝኸውንን ብዕሊ ኣፍሊጥዎ ነይሩ እዩ። ወያነ ግን ጸቢብ ረብሓታቱ ስለዝዓጦ ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮን።

ሕጂ’ውን ድሌት ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኮይና፡ ስምርቲን ብልጽግቲን ጎረቤት ክትከውን ድኣ እምበር ድኽምቲን ዝተኸፋፈለትን ሃገር ክትከውን ኣይኮነን። ንኻልኦት ክትከፋፍልን ከተዳኽምን ምድላይ ብቐንዱ ከም ወያነ ዝኣመሰለ ብጸቢብ ፖለቲካ ዝምራሕ ዝሓስቦ፡ ናይ ድኹማትን ርእሰ-ምትእምማን ዝጎደሎም ወገናትን ኣተሓሳስባ እዩ። ካብ ልዑል ርእሰ-ምትእምማን ዝመንጨወ ስትራተጂያዊ ኣጠማምታ መንግስቲን ህዝቢን ኤርትራ ግን፡ ህላወ ስምርቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ዓቢይ ረብሓ ምዃኑ እዩ ዝኣምን። በዚ መትከል’ዚ ድማ፡ ህዝቢን መንግስቲን ኤርትራ፡ ሕጂ እውን ከም ትማሊ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐስነሉ ኣብ ውሽጡን ምስ ጎረባብቱን ብስኒት ዝነባበረሉ፡ ኣብ መላእ ዞባና ሰላምን ፖለቲካዊ ርግኣትን ዝሰፍነሉ ሃዋህው ንምፍጣር፡ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሰርሑ ይቕሰቡ እዮም። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተዓዋቲ፡ ውድቀት ወያነ ከኣ ግድነታዊ እዩ። 



EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events