ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ መዳዋላቡ ሎሚ ኣብ ማዕልቲ ዕዳጋመከላኸሊ ሓይሊ ብዝኸፈቶ ቶኹሲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሸውዓተ ክኣ ቆሲሎምክብሉ ነበርትን ስሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ብዓል ስልጣን እታ ወረዳን ገሊፆም።
ብኻሊእ ወገን ኣብ ትሕቲ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ተዓቒቦም ኣብ መንጎ ዝነበሩተመዛበልቲ ክልል ሶማሊያን ኣካልት ፀጥታን ብዝተፈጥረ ጎንፂ 4 ሰባት ሞይቶም 11 ሰባትከኣ ቆሲሎም ክብሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ኣፍሊጦም።
ብኻሊእ ዜና ካብ ሎሚ ክሳብ ረቡዕ ዝፀንሕ ኣድማ ምንቅስቓስ ንግዲ ጠጠው ምባል ተጀሚሩ ክብሉ ነበርቲ ንቪኦኤ ገሊፆም።