Dehai News

(VOA) ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሃረሪን ሰባት ተቐቲሎም፤ኣብ ኦሮሚያ ኣድማ ይካየድ ኣሎ

Posted by: Ghezae Hagos

Date: Tuesday, 13 February 2018

ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ሃረሪን ሰባት ተቐቲሎም፤ኣብ ኦሮሚያ ኣድማ ይካየድ ኣሎ

መወዳእታ ዝተሓደሰ ለካቲት 12, 2018

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዞባ ባሌ ወረዳ መዳዋላቡ ሎሚ ኣብ ማዕልቲ ዕዳጋመከላኸሊ ሓይሊ ብዝኸፈቶ ቶኹሲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም ካልኦት ሸውዓተ ክኣ ቆሲሎምክብሉ ነበርትን ስሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ብዓል ስልጣን እታ ወረዳን ገሊፆም።
ብኻሊእ ወገን ኣብ ትሕቲ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ተዓቒቦም ኣብ መንጎ ዝነበሩተመዛበልቲ ክልል ሶማሊያን ኣካልት ፀጥታን ብዝተፈጥረ ጎንፂ 4 ሰባት ሞይቶም 11 ሰባትከኣ ቆሲሎም ክብሉ ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ኣፍሊጦም።
ብኻሊእ ዜና ካብ ሎሚ ክሳብ ረቡዕ ዝፀንሕ ኣድማ ምንቅስቓስ ንግዲ ጠጠው ምባል ተጀሚሩ ክብሉ ነበርቲ ንቪኦኤ ገሊፆም።
 መራገፊ 
 መጻወቲ ድምጺ

ፈንቅል - 1ይ ክፋል | Fenkil (Part 1) - ERi-TV Documentary

Dehai Events