Dehai News

ECSS-OInline.com: ‘ቃለ-መሕትት’፡ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ‘እቲ ኻልእ ኵናት’ – ኣድማሳዊ ሓቅነት ዘለዋ ኤርትራዊት ድራማ!

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Sunday, 11 February 2018

‘ቃለ-መሕትት’፡ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ እዩ።
‘እቲ ኻልእ ኵናት’ – ኣድማሳዊ ሓቅነት ዘለዋ
ኤርትራዊት ድራማ!

ዮሴፍ ሃይለማርያም
ወርሒ ለካቲት ዕለት 10, 2018
*ገዲም ተጋዳላይ ኣለምሰገድ ተስፋይ ምስ ድምጺ ሓፋሽ ዘካየዶ ካልእ ቃለ-ምልልስ።

ናይ ሎሚ ዕዱም ዓምዲ ‘ቃለ-መሕትት’፡ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ እዩ። ብ1944 ኣብ ዞባ ደቡብ – ከተማ ዓዲ-ዃላ ዝተወልደ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ብ1969 ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብ1972 ድማ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ብሞያ ሕጊ ናይ ባችለርን ማስተርስን ማዕርግ ዝለበሰ’ዩ። ብ1974 ናይ ዶክቶረይት ትምህርቱ ኣቋሪጹ፡ ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ብምስላፍ ከኣ፡ ክሳብ ናጽነት ኣብ ዝተፈላለየ – ማለት ኣብ ትምህርቲ፡ ባህሊ፡ ምንቕቓሕን ዜናን ኣገልጊሉ። ነዚ ዝሓለፈ ኣስታት ዕስራ ዓመት ናይ ናጽነት ከኣ፡ ነቲ ካብ 1941 ክሳብ 1962 ዝዝርጋሕ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከም ሓደ ጥሙርን ተኸታታሊን መጽናዕቲ ኣብ ምድላው ኣሕሊፉዎ። ‘ኣይንፈላለ’ (1941-1950)፡ ‘ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ሜትየንሶ ክሳብ ተድላ’ (1951-1955)፡ ‘ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን’ (1956-1962)፡ ዝብላ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጻ ዓበይቲ ተኸታተልቲ ቅጽታት ከኣ ካብ ፍርያቱ እየን። ብዘይካ’ዚ፡ ኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ልብ-ወለዳዊ ዛንታታት፡......................

..................ቀጽል

ERi-TV: Young Man's Incredible Charity Work Helping People With Mental Illness

Hdri Media Books on Amazon.com
visit hdrimedia.com