Dehai News

ቱቦ-ንስኻ: *ሓድሽ ኣዋጅ ገዲም ተጋዳላይ ኣማኑኤል ሃብተ ኣብ 2018

Posted by: Berhane Habtemariam

Date: Wednesday, 03 January 2018

ሓድሽ ኣዋጅ ገዲም ተጋዳላይ ኣማኑኤል ሃብተ ኣብ 2018

 
January 03, 2018
 
ስማዕ፡
 
 
ገዲም ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነበር ኣማኑኤል ሃብተ ብዛዕባ እቲ ሕሱርን ግጉይን ፋሉላዊ ገስረጥን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ጸር-ሃገር ኣረኣእያ ዘለዎም ኣተሓሳስባ ኣብ`ዚ መርበብ ሓበሬታ ብንጹር ኣቃሊዕዎን በዲሁዎን ኣሎ። ካብ`ኡ ብሕጽር ዝብለ ቃላት-
 
* ካብ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ ስጋብ ሕጂ ብስም 'ተቓውሞ' ክዕንድሩ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ካብ ንሃገሮምን ንህዝቦምን ንጸቢብ ጉጅልኦም ዝያዳ ከም ዝሕለቑ
*ጥቅሚ ሃገርን ረብሓ ህዝብን ንባዕዳውያን ኣሕሊፎም ዝመንጠዉ *ዝሃቡ* ጥራሕ ዘይኮነስ ኣንጻሩ`ውን ዝሰርሑ
*ሕዝቢ ኤርትራ ክጸግብ ክርህዎ እንተ`ደኣ ኮይኑ ነቲ መንግስቲ ክሕግዞ ስለ`ዝኾነ ዝሓርቁ ክጠምን ክኸፍኦን ግና ዝሕጐሱ
*ሃገርን ህዝብን ዘይ ሕጋዊ ማዕቀብ ክግበረሉ እንከሎ ኣንጻሩ ደው ክንዲ ምባልን ምቅላስን ነዚ ዓማጺ ውሳኔ ደጊፍካ ምጭፋርን ምስቶም ጓኖት ኣንጻር ሃገር ምስራሕን
*ሃገርካ ብወያነን ካልኦት ባዕዳውያንን ተጻያትን ንኽትውረር ምምናይን ብንጡፍ ምስራሕን
*ኤርትራ ከም ልዑላዊት ሃገር መንግስትን ፕረዚደንትን ናታ ዘካይዳ ሕጊን ከም ዘሎዋ ዘይምፍላጥን ነቲ ከብርታት ሃገር ዘይምክልኻልን ዘይምኽባርን
*ሕነ ስነ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ብሰላማዊ መገዲ ቀይርካን ኣንቂሕካን መሰረታዊ ለውጢ ምምጻኣ፣ ብኣቛራጭ መገዲ ምስ ጓኖት ተማሓዚኻ ብጐነጽ ንጸቢብ ጉጅላዊ ስልጣን ሸውሃትካ ከተርዊ ምፍታን
*ሃይማኖታዊ ኣውራጃዊ ዓሌታዊ ቀቢላዊ ምትእኽካብ ጌርካ ኣንጻር ሓድነት ህዝብን ልዑላዊት ኤርትራ ምሰራሕን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ሕውነት ንንሓድሕዱ ብጽልኢ ምትፍናንን ንምብትታን ብቕሉዕ ምንጣፍ
*እዚ ካልእ ጸይቅታትን ግጉይ ኣተሓሳስባን ከኣ እዩ ነዚ ብስም 'ተቓውሞ` ሓሸውየ ክብል ዝነብር ናይ ተበለጽቲ ባእታታት ሰዓብቲ ኣብ ክንዲ ምፍራይ ኣናሓደረ ከማን እቶም ቁሩብ ቁራቦ ኣባላቱ ዝብሎም ብብሓደ ሰብ ወሓደ እናኾኑ ዝኸዱ ዘለዉ........... ካልኦትን
 
............ይብል ገዲም ተጋዳላይ ኣማኑኤል ሃብተ
 
 
*ብርሃነ ሃብተማርያም
 
 
 
 
 

EmbassyMedia - ራብዓይ ግንባር!

Dehai Events