ሓድሽ ኣዋጅ ገዲም ተጋዳላይ ኣማኑኤል ሃብተ ኣብ 2018
January 03, 2018
ስማዕ፡
ገዲም ተጋዳላይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ነበር ኣማኑኤል ሃብተ ብዛዕባ እቲ ሕሱርን ግጉይን ፋሉላዊ ገስረጥን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ጸር-ሃገር ኣረኣእያ ዘለዎም ኣተሓሳስባ ኣብ`ዚ መርበብ ሓበሬታ ብንጹር ኣቃሊዕዎን በዲሁዎን ኣሎ። ካብ`ኡ ብሕጽር ዝብለ ቃላት-
* ካብ ናጽነት ኤርትራ ጀሚሩ ስጋብ ሕጂ ብስም 'ተቓውሞ' ክዕንድሩ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ካብ ንሃገሮምን ንህዝቦምን ንጸቢብ ጉጅልኦም ዝያዳ ከም ዝሕለቑ
*ጥቅሚ ሃገርን ረብሓ ህዝብን ንባዕዳውያን ኣሕሊፎም ዝመንጠዉ *ዝሃቡ* ጥራሕ ዘይኮነስ ኣንጻሩ`ውን ዝሰርሑ
*ሕዝቢ ኤርትራ ክጸግብ ክርህዎ እንተ`ደኣ ኮይኑ ነቲ መንግስቲ ክሕግዞ ስለ`ዝኾነ ዝሓርቁ ክጠምን ክኸፍኦን ግና ዝሕጐሱ
*ሃገርን ህዝብን ዘይ ሕጋዊ ማዕቀብ ክግበረሉ እንከሎ ኣንጻሩ ደው ክንዲ ምባልን ምቅላስን ነዚ ዓማጺ ውሳኔ ደጊፍካ ምጭፋርን ምስቶም ጓኖት ኣንጻር ሃገር ምስራሕን
*ሃገርካ ብወያነን ካልኦት ባዕዳውያንን ተጻያትን ንኽትውረር ምምናይን ብንጡፍ ምስራሕን
*ኤርትራ ከም ልዑላዊት ሃገር መንግስትን ፕረዚደንትን ናታ ዘካይዳ ሕጊን ከም ዘሎዋ ዘይምፍላጥን ነቲ ከብርታት ሃገር ዘይምክልኻልን ዘይምኽባርን
*ሕነ ስነ ኣተሓሳስባ ህዝቢ ኣብ ነዊሕ መስርሕ ብሰላማዊ መገዲ ቀይርካን ኣንቂሕካን መሰረታዊ ለውጢ ምምጻኣ፣ ብኣቛራጭ መገዲ ምስ ጓኖት ተማሓዚኻ ብጐነጽ ንጸቢብ ጉጅላዊ ስልጣን ሸውሃትካ ከተርዊ ምፍታን
*ሃይማኖታዊ ኣውራጃዊ ዓሌታዊ ቀቢላዊ ምትእኽካብ ጌርካ ኣንጻር ሓድነት ህዝብን ልዑላዊት ኤርትራ ምሰራሕን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ሕውነት ንንሓድሕዱ ብጽልኢ ምትፍናንን ንምብትታን ብቕሉዕ ምንጣፍ
*እዚ ካልእ ጸይቅታትን ግጉይ ኣተሓሳስባን ከኣ እዩ ነዚ ብስም 'ተቓውሞ` ሓሸውየ ክብል ዝነብር ናይ ተበለጽቲ ባእታታት ሰዓብቲ ኣብ ክንዲ ምፍራይ ኣናሓደረ ከማን እቶም ቁሩብ ቁራቦ ኣባላቱ ዝብሎም ብብሓደ ሰብ ወሓደ እናኾኑ ዝኸዱ ዘለዉ........... ካልኦትን
............ይብል ገዲም ተጋዳላይ ኣማኑኤል ሃብተ
*ብርሃነ ሃብተማርያም