Date: Tuesday, 28 November 2017
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት ዝፈላለያ ዓበይትን ንኣሽቱን ላዕለዋይ ደረጃ ትካላት ትምህርቲ ተመስሪተን እየን። ኣብዚ መዳይ ንዝነበረ ሃጓፋት ክሽፍና ብዙሕ ጻዕርታትን ወፍርታትን ተኻይዱለን። ናይዚ ውጽኢት ድማ፡እነሆ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዞባ ተደኲነን ዝርከባ ኮለጃት ዓቕምታተን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሓየለ ክኸይድ ጸኒሑን ኣሎን።
ክሳብ ሓጂ ተሰላሲሉ ዝርከብ ዕማማት እንታይ ይመስል? ንብሕጂኸ? እንታይ ዝተሓንጸጸ መደባት ኣሎ? እዚኦምን፡ ካልኦት እዋናውያን ሕቶታትን ንምምላስ፡ ንዶክተር ሃይለ ምሕጹን ሓላፊ ላዕለዋይ ደረጃ ትካላት ትምህርትን ምርምርን ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፡ ኣብ ሃገርና ሓንቲ ዩኒቨርሲቲ እያ ነይራ። ክትቅበሎ እትኽእል ዓቕሚ ሰብ እውን ድሩት ነይሩ። ምስ ምምስራት እዘን ኣብ ኩሉ ወገናት እዛ ሃገር ዘለዋ ኮለጃት፡ ብዙሕ ጾር ኣቃሊለን ክበሃል ይከኣል እዩ።
ሕቶ፡ ሕጂ ኩነታት እዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ እንታይ ይመስል?
ዶክተር ሃይለ ምሕጹን፡ ህሉው ኩነታት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፡ ምስ ሓፈሻዊ ምስፍሕፋሕ ደረጃታት ትምህርቲ እዛ ሃገር ዝተታሓሓዘ እዩ። ኣብዚ እዋን ትሽዓተ ኮለጃት ኣለዋና። ኣብአን ኣስታት 12 ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮ ብዲግሪን ዲፕሎማን ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ይርከቡ ኣለዉ። እዘን ኮለጃት 700 ዝበጽሑ መምሃራን ኣለዉወን። ካብዚኦም እቶም 200 ናይ ወጻኢ ዜጋታት እዮም። እቲ ዝጸንሐ መስርሕ ትምህርቲ ኣብ ዝርገሐ ዘድሃበ ስለ ዝኾነ፡ ኣንፈቱ ብዝሒ ከተፍሪ እዩ ዝደፋፍኣካ። ንነዊሕ ዓመታት ብዙሕ ጻዕርታት እናተኻየደሉ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ክስራሓሉ ጸኒሑ። ኣብዚ እዋን ነቲ ዝነበረ ዕላማ ኣብ ክንቅይረሉ እንኽእል መድረኽ ኢና በጺሕና ዘለና። እዚ ማለት ድማ፡ ካብ ብዝሒ ናብ ዓይነት ዘፍርያ ትካላት ትምህርቲ ምቕያር ማለት እዩ። ዓይነት ወይ ብሉጽነት ዘለዎም ተማሃሮ ከተፍሪ ትሕልን እንተ ደኣ ሃሊኻ፡ ቀዳምነት ድሌትካ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ ይግባእ። ኵሉ እቲ ኣብዘን ትካላት ዝዋፈር ዓቕሚ ትምህርቲ ኣድላይነት ዝደረኾ ክኸውን ይግባእ። ከምኡ ክኸውን እንተኾይኑ፡ ናይ ትምህርቲ ስርዓት ኣብ ሃገርና ዝተኣሳሰረ ስለ ዝኾነ፡ ለውጢ ከተምጽእ እንተ ዄንካ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ እናደፋእካ ኢኻ ክትከይድ ዘለካ። ኣብ ላዕሊ እውን፡ እቲ ታሕተዋይ ክሳብ ዝማሓየሽ ጠጠው ኢልካ ክትጽበዮ ኣለካ ማለት ኣይኮነን።
ስለዚ ኣብዘን ትካላት ትምህርቲ ዘድሊ፡ ኣድላይነትካ ተፈሊጡ ምስኡ ዝኸይድ ዓይነታት ትምህርቲ ምዝርጋሕ እዩ። ነዚ ዕላማ ንምውቃዕ፡ ብቑዓት መምሃራን ክህልዉኻ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ብቑዕ ትሕተ ቕርጺ ይሓትት። መምሃራን ክንብል ከለና ክእለት ዘለዎም እሞ፡ ቆጺርካ ተምጽኦም ወይ ድማ ባዕልኻ ንደገ ብምልኣኽ ተሰልጥኖም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዝመጽእ እዋናት መደባትና ነዚ ዝተጠቕሰ እዩ ዝመስል። ነዚ ንምትግባር – ግዜ፡ ጻዕሪን ወፍሪን ክሓተና እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ብቑዓትን ዓቕሚ ዘለዎምን ደቂ ሃገር ኣፍሪኻ፡ ነቲ ኣብዛ ሃገር ዝካየድ ልምዓታዊ መደባት ዝሕግዙኻ ሰባት ተፍሪ ማለት እዩ።
ሕቶ፡ ምስ ልምዓታዊ መደባትና ብምትእስሳር፡ ኣብ ናይ ድሕረ ምረቓ ዝተታሕዘ መደባት ከመይ ይመስል?
ከምቲ ኣቐድም ኣቢሉ ክጥቀስ ዝጸንሐ፡ እቲ ኣብዘን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝወሃብ ዘሎ መደባት ትምህርቲ፡ ነቲ ክኸይድ ዝጸንሐ ልምዓታዊ መደባት ዘሐይል ኣይኮነን። የግዳስ፡ ረብሓ ኣይነበሮን ክበሃል ኣይከኣልን። ክሰርሕ፡ ከገልግልን ከፍርን እውን ጸኒሑ እዩ። ከምቲ ኵሉ ግዜ ዝበሃል፡ ኣብ ናይ ልምዓታዊ መደባት፡ ሃገር ቀዳምነታታ ትሰርዕ እያ። ከምኡ እንተ ደኣ ኮይኑ፡ እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ምስቲ ዝስራዕ ዘሎ ቀዳምነታት ተሓላልዩ ወይ ተመጣጢኑ እዩ ክኸይድ ዘለዎ። ኣብዚ እዩ እምበኣር፡ እቲ ምትዕርራይ ዘድሊ። ሓደ፡ ምስቲ ቐዳምነታት ብሓደ ክትስጕም ምኽኣል። ክልተ፡ ነቲ መደባት ከኽይድ ዝኽእል ዓቕሚ፡ ምስኡ ዝኸይድ ካሪክለም፡ ንዕኡ ከሳልጡ ዝኽእሉ መምሃራን እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ግብራዊ ጠባይ መታን ክህልዎ፡ ንዕኡ ዘድሊ ትሕተ ቕርጺ ከተማልእ ክትክእል ኣለካ ማለት እዩ። ምርምር ንምክያድ እውን፡
ሕጂ ዝተፈላለያ ምርምር ዘካይዳ ትካላት ኣለዋ። እንተዀነ፡ ኣይተማእከላን። ሃገራዊ ጠለባት እንታይ ምዃኑ ተረዲአን፡ ዓቕመንን መሳርሒታተንን ኣወሃሂደን ዝሰርሓሉ መንገድታት ኣብ ምንዳይ ንርከብ። ነዚ ንምምሕያሽ ዳርጋ ናብ ኵለን ኮለጃት ዝተመሓላለፈ መምርሒታት ኣሎ። ምስተን ተጠቀምቲ ሚኒስትሪታትን ትካላትን ብምምይያጥ፡ ነቲ ዝነበረ ጸገማት ፍታሕ ብምንዳይ ክሰርሕ ክጅምር እዩ። በዚ መሰረት፡ ክህቦ ዝደሊ ዓይነት ትምህርቲ፡ ዘድልዮ መሳለጢታት፡ ብዝሒ ክኢላታት፡ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን መበገሲ ስራሕ ኮይኑ ይቕጽል ማለት እዩ። ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ትልምታት እንተ ደኣ ተሳሊጡ፡ ትልምታት ናይ ስራሕ ሒዝና ናብ ዕቱብ ስራሕ ክንኣቱ ኢና። ኣብ ናይ ድሕረ ምረቓ ሸነኹ ድማ፡ ድሕረ ምረቓ መደባት ከተሐይል ዄንካ፡ ፈለማ ክስራዕ ዘለዎ ምድልዳል ቅድመ ምረቓ እዩ። ናይ ቅድመ ምረቓ መደባት ዝኣክል መሳለጥያታትን ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብን እንተ ደኣ ሃልዮሞ ኮይኖም፡ እቲ ናይ ድሕረ ምረቓ ኣብኡ ተሞርኲሱ እዩ ዝሰርሕ። በይኑ ናይ ድሕረ ምረቓ ስራሓት ከተካይድ ኣይትኽእልን ኢኻ። ከተካይድ እንተ ዄንካ ድማ፡ ኣየኖት ዓይነት ትምህርትታት እዮም ዘድልዩኻ? እንታይ እዩ ዘድልየካ? እዚ እውን ኣዳቒቕካ ክትፈልጦ ዘለካ ጕዳያት እዩ። ድሮ ናይ ድሕረ ምረቓ ዝጀመራ ኮለጃት ኣለዋ። ዘይጀመራ እውን እዚ ድማ ብሓንሳብ ኵሉ ዝፍጸም ዘይኮነስ፡ ምስ ግዜ ዝርኣ ጕዳይ እዩ። ቀስ እናበለ ዝመሓየሽ ጕዳያት እውን እዩ። ታሪኽ ኣመሰራርታ ናይዘን ኮለጃት እንተ ደኣ ርኢናዮ፡ ብዕድመ ህንጸተን ነዊሕ ዓመታት ኣይኮነን። ዳርጋ ካብ ባዶ እየን ጀሚረን ክበሃል ይከኣል።
ሕቶ፡ ምቅይያር መምርሒታት ኣብ ምቕጻል ናይ ድሕረ ምረቓ ትምህርቲ መጺኡ’ሎ። ስለምንታይ እዩ ኣብዚ ግዜ እዚ ኣድልዩ?
ወዲ ሰብ ካብ ሓደ ደረጃ ክእለት ይኹን ፍልጠት ናብቲ ካልእ ክሰጋገር የድልዮ እዩ። እቲ ጕዳይ ግን፡ ብኸመይ ተተግብሮ እዩ።ሓደ ዜጋ፡ ሓደ ደረጃ ፍልጠት ምስ ሰነቐ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ክዋፈር ኣለዎ። ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ልዕሊኡ ናብ ዝርከብ ደረጃ ትምህርቲ ክሰጋገር ይኽእል። እዚ ከነተዓራሪ ምእንቲ፡ እዚ ላዕለዋይ ትምህርቲታት ኣብ ምስግጋር ስለ ዘሎ፡ ንግዜኡ እዚ መደባት እዚ ይወንዘፍ። ምኽንያቱ፡ ሓደ መጻኢ መደባትና ክንሕንጽጽ ምእንቲ። ካልኣይ፡ ሰባት ናብ ‘ኣብግሬዲን ኮርሳት’ ክኣትዉ እንተ ደኣ ኮይኖም፡ ብዘይ ድሌት ካልኦት ክማልኡ ዘለዎም ነገራት እውን ኣለዉ። ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ጥራይ ዘይኮነ፡ መን እዩኸ ዕድል ዝወሃቦ? ዝሰርሐ ጥራይ ድዩ? እቲ ካልእከ ብምንታይ ይፈላለ? ናይ ዕድመ ጕዳይ እውን ኣሎ። ነየናይ ዕድመ ኢኻ ዝያዳ ዕድል ትህብ? ንብዕድመ ዝደፍኡዶ ወላስ ንመንእሰያት? እዝን ካልኦት ጕዳያትን ክጻረ ስለ ዘለዎ፡ መጽናዕቲ ተወሲዱ ክሳብ ዝጻረ፡ ተወንዚፉ እንተ ጸንሐ ይሓይሽ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ስጕምቲ ከም ግዝያዊ መምርሒ ናብ ኵለን ኮለጃት ተዘርጊሑ ኣሎ።
ሕቶ፡ ኣብ ኮለጅ ዓዲ ቐይሕን ኮለጅ ሓልሓለ ምትሕልላፍ ወቕቲ ትምህርቲ ኣጋጢሙ ኣሎ እሞ፡ ብኸመይ ተብርሃልና?
እዚ ኣብ ኮለጅ ዓዲ ቐይሕን ኮለጅ ሓልሓለን ኣጋጢሙ ዘሎ ምምዝባል ናይ ዓመተ ትምህርቲ፡ ምስ ኣቐዲሙ ዝተወስደ ስጕምቲ ተግባራዊ ስለ ዘይኮነ፡ ስዒቡ ዘጋጠመ ኵነታት እዩ። ምኽንያቱ፡ ሓልሓለ ኣብ ውሽጢ ኮለጅ ዓዲ ቐይሕ ኣትዩ ስሩዕ ትምህርቱ ከሰላስል ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ተወሲኑ። ብእኡ ንቡኡ ግን፡ እቲ ውሳነ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን። ኣብዚ ቐረባ እዋናት ኮለጅ ሓልሓለ ናብ ዓዲ ቐይሕ ክግዕዝ፡ ናብ ትግባረ ክነቅል ከሎ፡ ኮለጅ ዓዲ ቐይሕ፡ ናይ ትሕተ ቅርጺ ጽገናታት ስለ ዘድልዮ፡ ግዜ ክወሃቦ ተሓቲቱ። ናይ ማይ ሕቶ ኣሎ። ናይ ዓይኒ ምድሪ ሕቶ ኣሎ። ናይ ጸዓት ጉዳይ እውን ኣሎ። እዚ ብምሉኡ ጽገናታት ዘድልዮ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ሓደ ዓቢ ኮለጅ ኣብ ልዕሊኡ ኣምጺእካ ክትድርብ ግቡእ ስለ ዘይኮነ፡ ንኽልቲኡ ኮለጃት ክሳብ ወርሒ ጥሪ 2018 ጽገና ክካየድ ስለ ዝኾነ ትምህርቲ እውን ሽዑ ክጅመር ምዃኑ ንተማሃሮኡን መምሃራኑን ብወግዒ ተነጊሩዎም። ካልእ ምኽንያት የብሉን። እቲ ኵነታት እዚ ዝተገልጸ ጥራይ እዩ።
ሕቶ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይተተንከፈ ጕዳያት ኣሎ፡ ወይ ንመደምደምታ ክትብሎ ትደሊ እንተ’ዩካ ንዓኻ ዕድል ክህበካ?
መጻኢ ዕድል ናይዛ ሃገር ኣብ ብምህሮ ዝበሰለ ዜጋ እዩ ዝምርኮስ። እዚ ድማ ኵሉ ግዜ ኣብ እንግድዓ መንእሰይ እዩ ዝወድቕ። እዚ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ዝጸንሐ ምምዕርራያት፡ ኣብ ዓውደ ትምህርቲ እዛ ሃገር፡ መበገሲ ካብ ቅድመ ትምህርቲ ጀሚርካ ክሳብ መባእታን ልዕሊኡ ዘሎ ደረጃታት እዩ ዝምርኮስ። ኣማሃህራና ብምውርጻጽ፡ ብቴክኒክን ካልኦት ዓውደ ትምህርትታትን ኣዝዩ ዝበሰለ መንእሰይ ናብ ላዕለዎት ደረጃታት ትምህርቲ ንምድያብ እዩ ዕላማና። ዓቕሚ ዘለዎ፡ ክወዳደር ዝኽእል ወለዶ ክንፈጥር ክንክእል ኣለና። እዚ ክትዛረበሉ ቐሊል እዩ። ግዜ ይበልዕ፡ ወፍሪ ይሓትት፡ ብዅሉ ወገናት ድማ ኢደይ ኢድካን ተወፋይነትን ዝሓትት እዩ። ናይ መጻኢ ዕድል እዛ ሃገር ኣብ ትምህርቲ ስለ ዝኾነ፡ ምስ ከባቢናን ጐረባብትናን ከወዳድረና ዝኽእል መዳይ ትምህርቲ ክንሃንጽ ኣለና። ህዝብን መንእሰይን እውን፡ ኣድላይነት ናይዚ ጕዳይ ፈሊጡ ብሓያል ጻዕሪ ንዅሉ መደባት ኣብ ምትግባር፡ ብንቕሓት ክዋሳእ ይግባእ ::