Basic

ብልጽግና፡ ካብ ዓዘቕቲ ናብ ሰልሚ - ሓተታ

Posted by: Semere Asmelash

Date: Wednesday, 07 October 2026


ብልጽግና፡ ካብ ዓዘቕቲ ናብ ሰልሚ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ኲናት ኣዊጁ ዘሎ ብልጽግና፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ብዝኣጎዶ ሓዊ እታ ሃገር ካብ ዓዘቕቲ ናብ ሰልሚ ሸሚሙዋ ኣሎ። እዚ ብዕሸላውን ኣኽራሪ ብሄራዊ ፖለቲካን ሃገር ዘባዓደን ንከቢድ ህልቂት፡ ዕንወትን ሕንፍሽፍሽን ዘቃልዐን ጉጅለ’ዚ፡ መመኽነዪ ፖለቲካዊ ድኻሙን መኸወሊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናትን እንተኾነ ብዝብል ሕሳብ፡ መስደመም ስጉምቲ ክወስድ ይርአ ኣሎ። 

ዕላማ ናይቲ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ዝወሰዶ ዲፕሎማስያዊ ስጉምቲ ኮነ ዘጋውሖ ዘሎ ክሲታት ንጹር’ዩ። እቲ ጸገም ውሽጣዊ ጉዳይ ምዃኑ ኣሚንካ ንሕቶ ህዝቢ ብግቡእ ኣብ ክንዲ ምምላስ፡ ጣልቃ ጎረባብቲ ሃገራት ዝፈጠሮ ኣምሲልካ ምእህጓር፡ በዚ ድማ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ወሊዑዎ ዘሎ ኲናት ዞባዊ መልክዕ ንምትሓዝ እዩ። ይኹን’ምበር እዚ ንኢትዮጵያ ካብ ጎረባብታ ነጺሉ፡ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ዞባና ገይሩዋ ዝርከብ ጉጅለ’ዚ፡ ንካልኦት ክኸስስ ብኹሉ መለክዒታት ንጹግ እዩ።

- ብልጽግና ብናይ ግዳም ሓይልታት ተኣዚዙ፡ ኣብ ልዕሊ መናብርቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝኾነ ሓው ህዝቢ ሱዳን ዝፍጽሞ ዘሎ በደል፡ ዓለም ብዓለሙ ብግህዶ ዝዕዘቦ ዘሎ፡ ንለባማት ኢትዮጵያውያን ዘጉሃየ ስኑድ ጭብጢ እዩ።

 ጉጅለ ብልጽግና፡ ኣብታ ማእከል ሕብረት ኣፍሪቃ ዝኾነት ኣዲስ-ኣበባ ተቐሚጡ፡ ንቻርተር ናይቲ ውድብ ብምጥሓስ፡ ልኡላውነት ሶማልያ ብምግሃስ፡ ምስ ሶማሊላንድ ክኽትሞ ዝሃቀነ ዘይሕጋዊ ውዕል ገና ቀለሙ ዘይሃሰሰ ድሙቕ እዩ። 

 ናባና ምስ እንምለስ፡ ጉጅለ ብልጽግና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፡ ኣብ ዝረኸቦ ሃገራውን ኣህጉራውን መድረኻትን ሚድያታትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ከካይዶ ዝጸንሐ ቅሉዕን ተዅታዂን ዘመተ ሰሚዑ ዘየርመሞ የለን። 

“. . . ግዙፍ ስትራተጂ ክልተ ማያት ሓንጺጽና ኣለና፣ ናይ ጂኦግራፍ እሱራት ኴንና ክንነብር ኣይንኽእልን፣ ኢትዮጵያ ባሕሪ ዝሰኣነትሉ ኩነት ቅቡል ኣይኮነን፣ ዓሰብ ናትና እያ፣ ረፈረንዱም ኤርትራ፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድምጹ ስለዘይሃበሉ ሕጋዊ ኣይኮነን፣ ኢትዮጵያ ንናጽነት ኤርትራ ኣፍልጦ ክትነፍጎ እያ፣ ኣብ ቀረባ ግዜ ወደብ ክንውንን ኢና፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ግድን ወተሃደራዊ መደበር ክህልወና ኣለዎ፣ ኢሬቻ ንዓመታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ከነብዕሎ ኢና፣ 130 ሚልዮን ህዝቢ ሒዝና ብዘይ ባሕሪ ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና፣ ዝጠመየ ህዝቢ ሕጊ የብሉን! ውሕጅ ኴንና ክንውሕጠኩም ኢና፣ ካልኦት ኣብ ማርስ ግዝኣት ክሕዙ እናሓለሙ፡ ንሕና ኣብ ኣፍንጫና ዘሎ ባሕሪ እንተሓለምና እንታይ ነውሪ ኣለዎ፣ ጉዳይ ሓጽቢ ህዳሰ ወዲእና፡ ሕጂ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኢና፣ ሓሙሽተ ዓመታት ተጸቢና፡ ካብዚ ንላዕሊ ክንዕገስ ኣይንኽእልን ኢና፣ ኲናት ምስ ኤርትራ ዘይተርፍ’ዩ! ቀሪቡ! ተወሊዑ! ሰራዊት ናብ ዶብ ተጸጊዑ ኣሎ! ቀሊል’ዩ! ግዜ እውን ኣይወስደልናን’ዩ! እንተወሰደ ሳልስቲ’ዩ! ነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፍ ሚሳይላት ኣለና! ድሮናት ኣለዋና! ብሸነኽ ዓሰብ ኮነ ብኦምሓጀርን ሱዳንን ተዃሊልና ከምዚ ክንገብር ንኽእል ኢና. . .” 

ዝርዝራት ናይቲ ድንቊርና ታሪኽ፡ ፖለቲካን ሕግን ዝደረኾ ሃለውለዋት ጸብጺብካ ኣይውዳእን። 

 ሕጂ እውን እንተኾነ ብልጽግና እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወሊዑዎ ዘሎ ኲናት፡ መዕለቢኡ ዓሰብ ምዃኑ ብዘይ ሕንከት ፈኸራ ሽሮ ክፍክር ይስማዕ ኣሎ። 

 ህዝቢ ኤርትራ ረዚን ህዝቢ እዩ፣ ብዙሓት ፈከርቲን ተጃሃርቲን ዝርኣየን በብተራ ናብ ጉሓፍ ታሪኽ ዘፋነወን ብምዃኑ፡ ናብ መኣዲ ሃጠው ቀጠው ከይተዓደመ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣኽቢሩ፡ ነብሱ ገቲኡ ጸኒሑ ኣሎ። 

 የግዳስ ከምዚ ዓይነት ዕብዳን፡ ናበይ ከምርሕ ይኽእል፡ ብህድኣትን ልዑል ትኩርነትን ምክትታል ዘድልዮ’ዩ። ምኽንያቱ ብልጽግና በቶም ንሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ትሕቲ ጽልዋኦም ብምእታው፡ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቁጽጻር ቢልዮናት ዶላራት ከፍስሱ ጸኒሖም ውጥኖም ዝበርዓኖም ናይ ደገ ሓይልታት ዝተዓሰበ ብምዃኑ ጽባሕ እንታይ ይእዝዝዎ፡ ንባዕሉ እውን ዝፈልጦ የብሉን። ክንዲ ዝኾነ ከም ወትሩ ንኹሉ ድሉዋት ምዃን ኣገዳሲ እዩ። ታሪኽ ከኣ ነዊሕ ኣብ ዘይኮነ ግዜ ውድቀት ዓንደርቲ ክምስክር እዩ። ምኽንያቱ፡ ፖለቲካዊ ሕቶ ህዝቢ ብኣፈሙዝ ክፍታሕ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣበጊሱዎ ዘሎ ናይ ቅብጸት ዕንደራ ድማ፡ ጉዕዞ ካብ ዓዘቕቲ ናብ ሰልሚ ጥራይ እዩ። ንህዝቢ ብሓይሊ ብረት ኣንበርኪኸ ክገዝኦ ይኽእል’የ ኢልካ ምሕሳብ፡ ሓርገጽ ተወጢሕካ ፈለግ ምስጋር ዝዓይነቱ ዕቡድ ሕልሚ እዩ!

My vision for Eritrea: using the power of mathematics to inspire innovation, education, and nation-building. Let’s build a stronger future together.

Dehai Events