Basic

ዘይፍወስ ሕማም ተጻብኦ "ባድመ"

Posted by: Ghebrengus Mesmer

Date: Sunday, 31 March 2024

ባድመ።

ዘገርም'ዩ! ታሪኽ ከይተወከስካ፡ ካርታ ከየምበብካ፡ ፍርዲ ጢሒስካ ባድመ ናተይ'ዩ ምባል ንዕቀት ወኻርያ ገጽ ኣንበሳ ከም ምሕንፋጥ'ዩ።  ወያኔ ትመርሖ ህዝቢ ትግራይ ባድመ ባድመ ክብል ሕግን ፍርድን፡ ሓቅን ሓሶትን፡ ቅኑዑን ጌጋን ከይፈለጠ ተደናጊሩ ክነብር ዝተፈርደ ህዝቢ'ዩ።  ኣብ ትግራይ ሓቂ ዝዛረብ ትግራዋይ ሓሳዊ'ዩ ዝቑጸር።  ሓሶት ዝዛረብ  ልዕሊ መላእኽቲ ይስገዶ። ስዩም መስፍን ብሓሶት ኣብ ሄግ ዝተበየነ ፍርዲ ብጉቡእ ከይተረድኦ ' ህዝቢ ትግራይ ደስ ይበልካ ባድማ ልዓርስና ተበይና ኣላ' ምስ በለ ተጋሩ ኣምላኽ ረሲዖም ንህውሓት ከምልኹ ጀሚሮም።  ሓቂ ምስ ተነግረ ኣብ ክንዲ ነታ ሓሳዊት መታለሊት ህወሓት ህዝቢ ብምትላል ዝኸሱዋ፡ ኮር ተገልበጥ፡ ነቲ ብሕጊ ዝምእዘዝ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ክፍክሩሉ ተራእዮም።  እቲ ግዜቲ ሓሊፉ። እቲ ንህዝቢ ሓሶት ዘበሰረ ስዩም መስፍንውን ሓሊፉ። እቲ ፍርዲ ተተግቢሩ። ተጋሩ ግን ገና በታ ሰሊም ዝወሓጣ ህወሓት ካብ ምትላል ዓዲ ኣይወዓሉን። ሕጂ ከኣ ህዝቢ ትግራይ  ምስ ኤርትራ ብሰላም ጉርብትና ጌሩ ከይነብር ለኻታት ፖሎቲከኛታት ትግራይ ናብ ዳግም ጥፍኣት ንክኣቱ ኤርትራ ሒዛቶ ዘላ ሜረትና ከነምልሶ ኢና ዝብል ጡሩምባታት ካብ ምንፋሕ ዓዲ ኣይወዓሉን ዘለዉ።  ህዝቢ ኤርትራ ግን ከም ልማዱ እቲ ዝመጽእ ምስ መጸ ነርክበሉ ኢሉ ወፍሪ ልምዓት የሰላስል ኣሎ።






WARSAY FULL LIVE MUSIC SHOW - New Eritrean Music 2022(Official Video)

Dehai Events